ቤተ ክርስቲያን ካብ ቀደምን ወትሩን ኣብ ጐድኒ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቀደምን ወትሩን ኣብ ጐድኒ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት 

ቤተ ክርስቲያን ካብ ቀደምን ወትሩን ኣብ ጐድኒ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት

ለብዒ ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ማህሰይትን ሞትን ብዙሓት ናብ ድኽነት ዝዳረገን ይዳርግን እውን ከምዘሎን ነቲ ዝነበረ ብዓለም ደረጃ ይኹን ብብሔራዊ ደረጃ ማሕበራዊ ዘይማዕርነት ኣዚዩ ክሰፍሕን ክብ ክብልን ናብ ዝገደደ ደረጃ ንኽበጽሕ እውን ይገብር ብምህላዉ

ዕለት 2 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ሕጻናት ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያን ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ሕጻናት ዘጋጥሞም ንዘሎ ዝተፈላለየ ሰብኣውን ኤኮኖሚያውያን ካልኦት ዝልለዩ ተተሓሓዝቲ ጸገማትን ንምብዳህ ኣብ ዘኽእል መደብ ብምትሕብባር ንኽዓዩ ከምእተሰማምዑ ልኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ኣፍሊጠን`

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ እቲ ዝተበጽሔ ስምምዕ ኣማእኪሎም ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ስተፋኖ ሩሶ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ሓይልታትካን ዘሎካ ዓቕምን ብቕዓትን ኣለሊኻን ኣዋዲድካን ኣብዚ ኣብ ኢጣልያ ሕጹጽ እዋን ክንክን ጥዕናን ሳዕቤናቱን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ንማሕበረሰብ ኢጣልያ ዘድሊ መሰረታዊ ድጋፍ ንምቕራብ ዝብል ሸቶ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሕጻናትን ኣብ ሕጻናት ክፍሊ ሕብረተሰብን ዘተኮረ ናይ ሓገዝን ድጋፍን ሕንጸት መደብ እዩ ኢሎም።

ለብዒ ኮቪድ - 19 ዘስዓቦ ማህሰይትን ሞትን ብዙሓት ናብ ድኽነት ዝዳረገን ይዳርግን እውን ከምዘሎን ነቲ ዝነበረ ብዓለም ደረጃ ይኹን ብብሔራዊ ደረጃ ማሕበራዊ ዘይማዕርነት ኣዚዩ ክሰፍሕን ክብ ክብልን ናብ ዝገደደ ደረጃ ንኽበጽሕ እውን ይገብር ብምህላዉ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ናብ መደበይና ትምህርቲ ንኸይምለሱን ወይ ከኣ ኣብ ምክትታል ትምህርቲ ብዝተፈላለየ ጸገማት ስለ ዝጥቕዑ ዘይውጽኢታውያን ኮይኖም ንምትራፍ ሓደጋ ክቃልዑን ንዝተፈላለየ ዓመጽ እውን ክቃልዑ ዝኽእሉ ብምዃኖም ኣብቲ ዝጠልብዎ ድጋፍ ቀረባኦም ንምዃን ዝተበጽሔ ስምምዕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡ እዚ ብምትሕብባር ዝፍጸም መደብ ድጋፍ ኣብ ኢጣሊያ ንዝርከቡ ስደተይናታትን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተቲ ኣባይቲ ስድራ ሕጻናት እውን ዘጠቓልል መደብ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ቤተ ክርስቲያን ካብ ቀደምን ወትሩን ኣብ ጐድኒ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት
03 July 2020, 12:23