ድለ

ኣለፖ፥ ምክፋት ካቴድልራ ቁዱስ ኤሊያ፡ ብጹዕ ኣቡነ ቶቢጅ፡ ምእንታና ጸልዩ ይብሉ ኣለፖ፥ ምክፋት ካቴድልራ ቁዱስ ኤሊያ፡ ብጹዕ ኣቡነ ቶቢጅ፡ ምእንታና ጸልዩ ይብሉ 

ኣለፖ፥ ምክፋት ካቴድልራ ቁዱስ ኤሊያ፡ ብጹዕ ኣቡነ ቶቢጅ፡ ምእንታና ጸልዩ ይብሉ

እታ ቤተ ክርስቲያን ናይ 1873 ዓ.ም. ቅርጻን ንድፍን ኩሉ ሓልያ ዳግም ክትሕነጽ ብዙሕ ጻዕሪ ከምዝሓተተን ብፍላይ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ናሕሲ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ እውን ብምንባሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ልክዕ ከምኡ ገይሮም ክሃንጹ ዝኽእሉ ሙያተይናታት ኣብቲ ከባቢ ብዘይ ምህላዎም

ንሸሞንተ ዓመት ብዘይ ምእመናንን ብዘይ ናይ ስግደት ኣምልኾን ኣገልግሎት ዝጸንሔት ኣብ ሶሪያ እታ ኣብ 1873 ዓ.ም. ዝተሓንጸት ኣብ ዞባ ኣለፖ ክፍለ ከተማ ኣል ጅደይደሕ እትርከብ ናይ ማሮናውያን ካቴድራል ብዝተፈላለዩ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ብፍላይ ከኣ እቲ ጳጳሳዊ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያ ዝሓልይ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ወጻኢታቱ ብምሽፋን ዳግም ተሓዲሳን ደሚቓን ነገልግሎት ስድገትን ኣምልኾን ከምዝበቐዔት ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ኣለፖ፥ ምክፋት ካቴድልራ ቁዱስ ኤሊያ፡
ኣለፖ፥ ምክፋት ካቴድልራ ቁዱስ ኤሊያ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኣለፖ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጆሰፍ ቶቢዥ ናይቲ ዞባ ሕዝቢ ህልው ኩነታት እንታይ ከምዝመስል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ሕዝቢ ኣብ ጸገም እዩ ዝርከብ፡ ብውግእ ተዳኺሙን ኩሉ ተጸንቒቕዎን ከምዘሎ ሓቢሮም፡ ዋላ’ኳ ኣብቲ ከባቢ መብዛሕቲኡ ማሕበረ ክርስቲያን ብውግእ ምኽንያት ንስደትን ምዝብልናን ዝተዳርገን ይዳረግን እውን እንተሃለወ እታ ካቴድራል ተሓዲሳ ነገልግሎት ምብቃዓ ንዋታዊ ጉዳይ ዝምልከት ጥራሕ ዘይኮነ ትእምርቲ ተስፋ እውን ምዃኑ ሓቢሮም፡ እቲ ካቴድራል ቅዱስ ኤሊያስ ዕለት 20 ሓምለ 2020 ዓ.ም. ተሓዲሱን ተመሪቑን ተባሪኹን ነገልግሎት ብምብቃዑ ናይ ኩሉ ሓጐስ እዩ ኢሎም።

ታሪኽ ናይቲ  ቅዱስ ስፍራን ንሶሪያ ክቡር መንፈሳዊ ንብረትን

እቲ ካቴድራል ኣብ 1873 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣለፖ ክፍለ ከተማ ኣል ጅደይደሕ ዝርከብ ክኸውን እንከሎ ኣብ 2013 ዓ.ም. ብዕጡቓት ጅሃዳውያን ኣብ ሶሪያ ዝተፈላለዩ ናይ ክርስትና እምነት መግለጽታትን ኣቢያተ ክርስቲያን ብዝፈጸምዎ ናይ ምዕናው ተግባር ከቢድ ውድመት ከምዘጋጠሞን፥ እታ ቤተ ክርስቲያን ናይ 1873 ዓ.ም. ቅርጻን ንድፍን ኩሉ ሓልያ ዳግም ክትሕነጽ ብዙሕ ጻዕሪ ከምዝሓተተን ብፍላይ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ናሕሲ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ እውን ብምንባሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ልክዕ ከምኡ ገይሮም ክሃንጹ ዝኽእሉ ሙያተይናታት ኣብቲ ከባቢ ብዘይ ምህላዎም ከምቲ ዝነበሮ ክኸውን ኢጣሊያዊ ናይ ስነ ሕንጻ ንድፊ በዓል ሞያ ብዝተኻእለ መጠን ብዝመሳሰል ኣገባብ ዳርጋ ልክዕ ከምቲ ዝነበሮ ንኽኸውን ከምእተኻእለ ብጹዕነቶም ሓቢሮም ብዘይ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ጳጳሳዊ ማሕበር ድጋፍ እቲ ካቴድራል ኣምበይተሓንጸን። ኣብቲ ከባቢ 180 ሺሕ ክርስቲያን ከምዝነበሩን ድሕሪ እቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ዝተባርዐ ውግእ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 30 ሺሕ ጥራሕ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

እቲ ውግእ ስዒቡ እውን ኣብ ልዕሊ ሶሪያ ዝተበየነ ናይ ኤኮኖሚ ማዕቅብ ሃገርን መላእ ሕዝብን ንከቢድ ድኽነትን ይዳርግ ከምዘሎን ናይ መንግስቲ ሰራሕተይናታት ኣብ ወርሒ 20 ኤውሮ ከምዝኽፈሉን እዚ ዕለታዊ ሕይወቶም ንኽመርሑን ኣባይቲ ስድራኦምን ንኽዕንግሉን ዘየኽእሎም እዩ`፡ እቲ ናይ ኤኮኖሚ ማዕቅብ እውን ስእነት ኣፋውስን ሕጽረት መግብን ክሰፍሕ ከምዝገበረን መጻኢ እንታይ ከምዝኸውን ክትግምቶ ከምዘይከኣልን ህዝቢ ካብ ጥምየት ምእንቲ ክላቐቕ ናይ ወጻኢ ብፍላይ ከኣ ንናይ ምዕራብ ዓለም ሓገዝ እዩ ዝጽበይ ኢሎም።

እቲ ካቴድራል ዳግም ተሓኒጹ ነገልግሎት በቒዑን ንኹልን ብፍላይ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ዓቢይ ሓጎስን ብስራትን እዩ እቲ ዝቕጽል ዕዮ ናይታ ሰበኻ ማሕበርሰብ ክርስትያን ምሕናጽ እዩ ተስፋና ዝበሉ ብጽዕ ኣቡነ ጆሰፍ ቶቢዥ ኣስዒቦም ማሕበረ ክርስቲያን ዓለም ምእንቲ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሶሪያ ክጽልይ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣብ ጸሎት መልሲ ካብ ሰብ ዘይኮነ ክብ እግዚኣብሔር እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኣለፖ፥ ምክፋት ካቴድልራ ቁዱስ ኤሊያ

 

21 July 2020, 20:22