በቻራ ራይ፥ ሊባኖስ ናጻዊት ሃገር ብዝብል ውሳኔ ቅልውላው ምብዳህ በቻራ ራይ፥ ሊባኖስ ናጻዊት ሃገር ብዝብል ውሳኔ ቅልውላው ምብዳህ 

በቻራ ራይ፥ ሊባኖስ ናጻዊት ሃገር ብዝብል ውሳኔ ቅልውላው ምብዳህ

ኣብቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ናይ መንግስቲ ተቕፍዋማት ኣወዳድባን ቅርጽታቱን ህብረ - ሃይማኖታዊ እዩ፡ እዚ ኸኣ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ዘተን ውሕስ ንምግባር ካብ ዝብል ሚሳል ዝነቐለ እዩ፥ ማሮናውያን ክርስቲያንን ሱኒትን ሺዓውያንን ኣብ ናይ ሊባኖስ መንግስታው ነናቶም ናይ ሓላፍነት ግደ ኣለዎም እዚ ኸኣ ርእሰ ብሔርን መራሔ መንግስትን ናይ ሕባዊ ባይቲ ኣቦ መንበርን ዝብል ናይ ስልጣን ክፍፍል እዩ፡ እዚ ኸኣ ንዝኾነ ከጋጥም ዝኽእል ምግምማዕ ስሉጥ መልሲ ንምሃብ ብዝብል ምኽንያት እዩ፥ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግና ነዚ ራእይ’ዚ ዝጻረር እዩ

ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ናይ መነባብሮ ዋጋ ናህርን ብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ተከሲቱ ዘሎ ለብዕን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ዝጸንሔ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጸገም የኽብዶ ምህላው ኣብ ኣንጽዮኪያ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ካርዲናል በቻራ ቡትሮስ ራይ፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ፖለቲካውን ማህበራውን ውጥረት ንምእላይ ዘኽእል መልሲ የቕርብ ከምዘየለ ገሊጾም፡ ኣብ ሃገሮም ህላዌ እቲ ናይ ኢራን ፖለቲካዊ መስመር ሰዓቢ ሄዝቦላሕ ዘሰክፍ እውን ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሊባኖስ ዳርጋ ካልኣይ ዓመቱ ዘቑጽር ዘሎ  ማሕበራውን ፖለቲካውን ተቕዋማውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣዚዩ ናብ ዝኸፍኤ ኩነት የብል ከምዘሎ ሓቢሮም፡ በይሩት ነቲ ኣጋጢምዋ ዘሎ ቅልውላው ንምብዳህ ናይ ዓለም ሓቆፍ መልሲ ትጽበይ፡ ሕዝቢ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ዕዳግን መነባብሮም ብምቅዋም ዘቕርቦ ዘሎ ሕቶን ዘካይዶ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ገና መልሲ ኣይረኸበን፡ ብዙሕ ሕዝቢ እታ ሃገር ናብ ጥምየትን ስእነት መግብን የንቆልቁል ከምዘሎ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ ኢሎም።

ገለልተይና ሃገር ምዃን

ኣብ ሊባኖስ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ቅልውላው ይወልድ ከምዘሎን ናይታ ሃገር ሕዝባዊ ባይቶ ናይ ሄዝቦላሕ መርገጺ ዝስዕቡ ሺዕውያንን ብናይ ሊባኖስ ጎረባብቲ ሃገራት ፖለቲካ ዝጽለዋ ናይ ፖለቲካ ውድባት ብምህላወን ምግምማዕ ክህሉ ይገብር ኣሎ፡ እዚ ዅሉ ጸገም እዚ እውን ብዙሓት ሕዝቢ እታ ሃገር ንጥምየትን ስእነት መግብን ይድርኾ ኣሎ፡ ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ሊባኖስን ካልኦት ዝተፈላለያ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ማሕበራት ሕዝቢ ሊባኖስ ኣብ ምድጋፍ ይርከባ። ሓምሳ ሚእታዊ ሕዝቢ እታ ሃገር ንስእነት ስራሕ ዝተቓልዔ ኮይኑ ኣሎ፡ ሕዝቢ ሓገዝ የድልዮ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ንምብዳህ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሕዳሴን ንፖለቲካዊ ሕቶታት መልሲ ክህበሉን ዘተሓሳስብ እዩ፥ ናይ ኩሉ መፍትሒ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሊባኖስ ናጻ ገለልተይና ሃገር ትኹን ዝብል ውሳኔ ከመሓላልፍን እዚ ውሳኔ እዚ ናይታ ሃገር ጸገም ዝፈትሕን ናይ ሕዝቢ ሕቶ መልሲ ክረክብ ዝገብርን እዩ ኢሎም።

ብዙሕነት፥ ንሊባኖስ ድሕነት

ኣብቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ናይ መንግስቲ ተቕፍዋማት ኣወዳድባን ቅርጽታቱን ህብረ - ሃይማኖታዊ እዩ፡ እዚ ኸኣ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ዘተን ውሕስ ንምግባር ካብ ዝብል ሚሳል ዝነቐለ እዩ፥ ማሮናውያን ክርስቲያንን ሱኒትን ሺዓውያንን ኣብ ናይ ሊባኖስ መንግስታው ነናቶም ናይ ሓላፍነት ግደ ኣለዎም እዚ ኸኣ ርእሰ ብሔርን መራሔ መንግስትን ናይ ሕባዊ ባይቲ ኣቦ መንበርን ዝብል ናይ ስልጣን ክፍፍል እዩ፡ እዚ ኸኣ ንዝኾነ ከጋጥም ዝኽእል ምግምማዕ ስሉጥ መልሲ ንምሃብ ብዝብል ምኽንያት እዩ፥ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግና ነዚ ራእይ’ዚ ዝጻረር እዩ። ሊባኖስ ካብ ኣርባዕተ ሚሊዮን ብቑርብ ክብ ዝብል ብዝሒ ሕዝቢ ዘለዋ ሃገር እያ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እውን ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ዝግመቱ ሶርያውን ተመዛበልትን ስደተይናታትን ተአንግድ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ እውን ክትቆጻጸሮ የጸግም፡ እቲ መፍትሒ እቶም ተመዛበልትን ስደተይናታትን ናብ ሃገሮም ምምላስ እዩ፥ ውግእ ክሳብ ዘሎ ግና ክትመልሶም ዘይሕሰብ እዩ፡ ናብ ሞት ኪዱ ምባል ኢሰብኣዊ ተግባር እዩ፡ ነዛ ኣአንጋዲት ሃገር ካብ ጸገማታ ምድሓንን ንዝብዙሕ ሕቶታታን መልሲ ዝህብ ከምዝኸውን ርግጸያን እየ፡ እቲ መፍትሒ ከኣ ሊባኖስ ገልተይና ሃገር ዝብል ውሳኔ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

በቻራ ራይ፥ ሊባኖስ ናጻዊት ሃገር ብዝብል ውሳኔ ቅልውላው ምብዳህ
16 July 2020, 15:57