ብራዚል፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተሰምየት ቤት ሕክምና መርከብ ኣብ ጸረ ለብዒ ቃልሲ ብራዚል፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተሰምየት ቤት ሕክምና መርከብ ኣብ ጸረ ለብዒ ቃልሲ 

ብራዚል፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተሰምየት ቤት ሕክምና መርከብ ኣብ ጸረ ለብዒ ቃልሲ

እታ ተንቀሳቓሲት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤት ሕክምና መርከብ 32 ሜትር ዝንውሓታ 23 ዝተፈላለዩ ካብቲ ከባቢ ዝተዋጽኡ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ዝርከብዋን ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መውሃቢ መሳርዕን ሓደ ናይ ስነ መጥባሕቲ ሕክምና ክፍሊን ቤት መድሓኒትን ዘለዋን ናይ ክትባት መውሃቢ ክፍልን ዘለዋን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሕክምና መውሃብን ዘለዋን

ኣብ ሃገረ ብራዚል ኣዚዩ ብዘሰክፍ ደረጃ ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ - 19 ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ቃልሲ እታ ኣብ ውሕጅ ሪዮ ከባቢ ኣማዞም እትንቀሳቐስ ብጠቕላላ ን700 ሺሕ ተቐማጦ ኣማዞን ኣገልግሎት ሕክምና እተቕርብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተሰምየት ቤት ሕክምና መርከብ ትዋሳእ ከምዘላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ድጋፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ድጋፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ብራዚል ለብዒ ኮቪድ 19 ዘስዕቦ ዘሎ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ቅልውላው ንምድራት ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተሰምየት ቤት ሕክምና መርከብ ኣብ ከባቢ ውሕጅ ሪዮ ኣማዞናዊ ዞባ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና እተቕርብ ኣብዚ እዋን እዚ ነቶም ድኻታት ተቐማጦ ኣማዞንን ደቀባትን ኣብ ምቕራብ ኣገልግሎት ክንክንን ጥዕና ትዋሳእ ከምዘላ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ምስቶም ናይታ መርከብ ጉዕዞን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መደብን ኣወሃሃዲ ሓው ሱሳ ዘካይዶ ቃለ መሕትት ጠቒሲ ክሕብር እንከሎ፡ እታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተሰምየት ቤት ሕክምና መርከብ ክንየው ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ለብዒ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ዘብቅዕ ቀዲምካ ናይ ምጥንቃቕን ምክልኻልን ሓበሬታን ሕንጸትን ካልኦት ዓይነት ሕማማት እውን ንምብዳህ ዝተፈላለዩ ኣፋውስን ኣብ ምቕራብ ከምእትረከብ ዝሓበራ ፒሮ ኣስዒበን፥

ድጋፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ድጋፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ተጓዓዚ ቤት ሕክምና

እታ ተንቀሳቓሲት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤት ሕክምና መርከብ 32 ሜትር ዝንውሓታ 23 ዝተፈላለዩ ካብቲ ከባቢ ዝተዋጽኡ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ዝርከብዋን ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መውሃቢ መሳርዕን ሓደ ናይ ስነ መጥባሕቲ ሕክምና ክፍሊን ቤት መድሓኒትን ዘለዋን ናይ ክትባት መውሃቢ ክፍልን ዘለዋን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሕክምና መውሃብን ዘለዋን ኣብ ሪዮ ደጃይነይሮ ዝርከቡ ዓቢይ ቤት ምኽና ዘመሓድሩ ማሕበር ህውነት ፍራንቸስካውያን ዘኣሲዚ ዘነቓቕሕዎ መደብ ከምዝኾነ ኣዘኻኺረን፡ ብፍላይ ኣብ ብራዚል ግዝኣት ፓራ ናይ ዝርከብ ሰበኻ ኦቢዶስ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ በርናርዶ ባህልማን ዘተሓባብርዎ ኣገልግሎት ኮይኑ እታ መርከብ ሓምለ 2019 ዓ.ም. ካብቲ ሰበኻ ተበጊሳ ኣገልግሎት ኣብ ምቕራብ ከምእትርከብን ካብቲ እዋን ኣትሒዛ ልዕሊ 46 ሺሕ ስርሒትሕክምና ኣብ ከባቢ ኣማዞን ሪዮ ከምዘሳለጠት እውን የመላኽታ።

ድጋፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ድጋፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ድጋፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ብናይ ሃገረ ቫቲካን ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ዋና ኣመሓዳሪ ብጹዕ ካርዲናል ኮናርድ ክራየውስኪ ኣቢሎም ዝተፈላለዩ ናይ ኣገልግሎት ሕክምና መውሃቢ መሳርዕ ከምዝለገሱን ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2019 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ባዕሎም ናብታ ናይታ መርከብ ኣባላት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እታ መርከብ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ብዘይ ኣፈላላይን ብዘይ ቅድመ ኩነት እተአንግድ ዓውዲ ቤት ሕክምና ከምዝኾነት እትምስክር እያ ከምዝበሉ ዘዘኻኸራ ፒሮ ኣተሓሒዘን፥ ከም ኢየሱስ ብባሕሪ ባሕሪ እናኸደ ማዕበልን ጸፍዒ ማያት ባሕሪ ዘህደአን ናይ ደቀ መዛሙርቲ እምነት ዘጽነዔን እታ መርከብ እውን ልክዕ ከምኡ መንፈሳውን ሰብኣውን ኣገልግሎት ብምቕራብ ነቶም ንገዛእ ርእሶን ዝተጠንጠኑ ኣብ ድኽነትን ሓሳርን ንዝርከቡ ብዝተፈላለየ ማሕበራውን ሰብኣውን ኤኮኖሚይውን ጸፍዒ ማያት ንዝጥቅዑ ኣሕዋትን ኣሓትን ተጸናንዕ ከምዝበሉ ጠቒሰን፡ እቲ ናይታ ተንቀሳቓሲት መርከብ ቤት ሕክምና መደብ ናይ ቅዱስነቶም ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንሰያት ምኽንያት ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ሪዮ ደጃይነይሮ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ሕውነታዊ ቤት ሕክምና ዘካየድዎ ምብጻሕን ዘስረጾ ኣገልግሎት ከምዝኾነ ፒሮ የዘኻኽራ።

ብራዚል፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተሰምየት ቤት ሕክምና መርከብ ኣብ ጸረ ለብዒ ቃልሲ
14 July 2020, 15:26