ድለ

ኤቅለሲያዊ ቤት ምኽሪ ንኣማዞን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ፍቕሪ ወስታ ኤቅለሲያዊ ቤት ምኽሪ ንኣማዞን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ፍቕሪ ወስታ 

ኤቅለሲያዊ ቤት ምኽሪ ንኣማዞን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ፍቕሪ ወስታ

ኣብቲ እቲ ቤት ምኽሪ ንምቛም ኣብ ዝተኻየዱ ዓውደ ኣኼባታት ዝተሳተፉ ብጹዕ ኣቡነ ቶንደሎ “እቲ ቤት ምኽሪ ዝሓንጸጾ መርሓዊ ሰነድ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝውከስን ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳንን ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽትን ናይቲ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ሰበኻ ኣፓረሲዳ ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓምሻይ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤን ከይድታቱን ግምት ዝህብን” እዩ

ንናይ ድኻታትን ናይ መሬትን ገዓር ናይ ገዛእ ርእሱ ገይሩ መልሲ ንምሃብ ዝዓዪ ናይ ከባቢ ኣማዞን ሃገራት ኤቅለስያዊ ቤት ምኽሪ፡ ካብ ዕለት 26 ሰነ ክሳብ ዕለት 29 ሰነ 2020 ዓ.ም. ብመረብታዊ ውሕዘት ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ኣቢያተ ክርስቲያን ዓውደ ጉባኤ ከምዝቖመ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ቤት ምኽሪ’ዚ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ድሕሪ ዝመኸረ ሲኖዶስ ዘቕረቦ ሓሳብን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተፈተኺ ኣማዞን ብዝብል ኣርእስቲ ድሕሪ ዝለገስዎ ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ምስ ዝተፈላለያ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኤቅለሳውያን ማሕበራትን ዛዕባ ማሓድሮ ተገደስቲ ማሕበራትን ብምትሕብባር ዝዓዪ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ ብዛዕባ እዚ ኤቅለሲያዊ ቤት ምኽሪ ንኣማዞን ኣማእኪሎም ኣብ ብራዚል ናይ ኹይና ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ቶንደሎ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድም ቀዳድም እቲ ዝቖመ ኤቅለሲያዊ ቤት ምኽሪ ንኣማዞን ዕላማኡ “እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ዘቕረቦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዝብል እዩ” ከምዝበሉን ናይቲ ዕለት 29 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ዝቖመ ኤቅለሲያዊ ቤት ምኽሪ ንኣማዞን ናይቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ጽማሬን ንናይ ድኻታትን ናይ ሓብትና ኣዴናን መሬትን ገዓር ናይ ገዛእ ርእሱ ገይሩ መልሲ ንምሃብ ዝዓዪ ናይ ከባቢ ኣማዞን ሃገራት ኤቅለስያዊ ቤት ምኽሪ ከምዝኾነ ኣብ ብራዚል ናይ ሰበኻ ኹይና ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ነሪ ኾሰ ቶንደሎ ሓቢሮም፥

ናይ ር.ሊ.ጳ. ስልጣናዊ ትምህርቲ ጽኑዕ ቡሶላ እዩ

ኣብቲ እቲ ቤት ምኽሪ ንምቛም ኣብ ዝተኻየዱ ዓውደ ኣኼባታት ዝተሳተፉ ብጹዕ ኣቡነ ቶንደሎ “እቲ ቤት ምኽሪ ዝሓንጸጾ መርሓዊ ሰነድ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝውከስን ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳንን ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽትን ናይቲ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ሰበኻ ኣፓረሲዳ ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓምሻይ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤን ከይድታቱን ግምት ዝህብን” እዩ ቢሎም፡ ነዚ ዅሉ እቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርቲ ጽኑዕ ንቐጻሊንጥፈታቱ ቡሶላ እዩ ኢሎም።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅርበት

ውልደት እቲ ኤቅለሲያዊ ቤት ምኽሪ ንኣማዞን ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅርበት ንሕዝቢ ኣማዞን ዘረጋግጽ እዩ፡ ብፍላይ ነቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅርበት ዘድልዮም ንናይ ኣማዞን ደቀባት ንሕቶታቱን ሕጹጽ ኣብ ፍቕሪ ዝጸንዔ መልሲ ንዘድልዮም።

ቀጻልነት እቲ  ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ

“እቲ ናይ ከባቢ ኣማዞን ሃገራት ኤቅለስያዊ ቤት ምኽሪ ቅድም ክብል ከምዝሓበርክዎ ይብሉ - ጽማሬ ናይቲ ኣብ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስን ነቲ ሲኖዶስ ዝትግብርን ናይ መላእ ኣማዞን ጭቡጥ ህሞትን እቲ ናይቲ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዝላበዎ ሓሳብ መለለይኡ ዝገበረን ዝተፈተኺ ኣማዞን ዘርእስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን ልሳኑ ዝገብረን እዩ” ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ ናይ ወንጌልን ኣብ ወንጌልን ነቲ ናይቲ ሲኖዶስ ሕመረት ናይ ዝኾነ ናይ ሕዝቢ ኣማዞን ገዓር ሓላፍነት ዝስምዖ እውን እዩ እንክብሉ ብጹዕ ኣቡነ ቶንደልሎ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ኤቅለሲያዊ ቤት ምኽሪ ንኣማዞን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ፍቕሪ ወስታ
07 July 2020, 22:41