ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ኣድልዎ ብዘርኢ ብክርስቲያናዊ ምስክርነት ምቅዋም ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ኣድልዎ ብዘርኢ ብክርስቲያናዊ ምስክርነት ምቅዋም 

ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ኣድልዎ ብዘርኢ ብክርስቲያናዊ ምስክርነት ምቅዋም

ኣብ ኩሉ ጸገምን ከቢድ ኩነትን ኣብ ዝረአየሉን ልክዕ ከምኡ እውን ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣቢያተ ክርስቲያን ተስፋን እምነት ክምስክራ ይጽውዓ፡ እዚ ምስክርነት እዚ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝንበር ብምዃኑ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ብዝበለጸ ጐሊሑ ከምዝረአይ ይሕብሩ

“እዚ ዅሉ ከብቅዕ ኣለዎ”፥ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ፡ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣድልዎን ጽልእን ብዘርእን ዓሌትን እቲ ኣብ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ እንርእዮን ኩሉ ኣድልዎ ብዝተፈላለየ መግለጽታቱ ምንጻግን ምልዋጥን ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርአይ ዘሎ ለብዒ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ፍቕርን ተኣማንነትን ተስፋን ትብዓትን ንኸስፍሑ ዘተባብዕ ሓላፍነት የቕርብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ጻውዒት ከምዘመሓላለፈ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓመጽን ኣድልዎ ብዘርእን ኩኑን ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ህርኵት ጻዕሪ ምሕዳንስን ኣብዚ እዋን እቲ ለብዒ ዘተኣታተዎ ዘሎ ቅልውላው ብተስፋን ብምትሕብባርን ምብዳህን ዝብል ሓሳብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽርን ፈጻሚ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ከምዘስመረሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ቸራዞ ኣስዒበን እዚ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ 110 ሃገራት ዝርከባ ብጥቕላላ ልዕሊ 300 ኣቢያተ ክርስቲያን ዝጥርንፍ ምዃኑ የዘኻኽራ።

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣብ ጀርመን ከተማ ካርልስሩሀ ኣብ 2021 ዓ.ም. ከካይዶ ተመዲቡ ዝነበረ ጠቕላላ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ናብ 2022 ዓ.ም. ንኽሰጋገር ከምዝገበረን፡ ብዛዕባ እቲ ናይቲ ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ሽማግለ ዘካየዶ ርክብ ኣብ ጀነቭ ናይቲ ዘተን ርክብን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንምንቕቓ ብዝብል መደብ ኣብ ቦሰይ ናይ ዝቖመ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ተቕዋም ኣመሓዳሪ ሓው ላውረንሰ ኢዉኣማዲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ኩሉ ጸገምን ከቢድ ኩነትን ኣብ ዝረአየሉን ልክዕ ከምኡ እውን ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣቢያተ ክርስቲያን ተስፋን እምነት ክምስክራ ይጽውዓ፡ እዚ ምስክርነት እዚ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝንበር ብምዃኑ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ብዝበለጸ ጐሊሑ ከምዝረአይ ይሕብሩ።

እቲ ዕለት 3 ሰነ 2020 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ዓውደ ኣኼባ ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ሽማግለ፥ “ኣብ እዋን ለብዒ፥ ፍቕርን እምነትን ተስፋን ትብዓትን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኵሎም ክርስቲያን ብሓባርን ብዝበለጸን ሕዝበ እግዚኣብሔር ንኸገልግሉን እዚ እዋን ቅልውላውን ለብዕን ናይ ለውጢ ግዜ ምዃኑ ተኣሚኑ ኾሮና ተህዋስ ዶብ ኣይፈልጥ ዓሌት ኣይብል ድኻን ሃብታም ተመዛበልትን ስደተይናታትን ተኣፋፍያንን ብዙሓንን ውሁዳንን ዘይብል ምዃኑ ኣስተውዒሉ ኣብዚ ኩነት ኣቢያተ ክርስቲያን ሰብኣዊ ፍጥረትን ነቶም ተኣፋፍያንን ብምስናይ እምነት ክምስክራ ይጽውዓ ዝብል ሓሳብ እውን ብኣጽንዖት የመላኽት ኢሎም።

እቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ሓቆፍ ንሓድነት ቤት ምኽሪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዓቢይ ቅልውላው እዩ ይኵን ደኣ እምበር ብዛዕባ መሰረታውያን ዕሴታትናን ኣባይት ስድራናን ሕብረተሰብናን ንኽንሕድስን ሓድሽ ብሉጽን ዘላቕን ንኹሉን ናይ ኵሉን ዓለምን ሕብረተሰን ንምሕናጽ ዝድርኽ ኣገባባት ንኸነማዕብል ባይታ እውን ዝፈጥር እዩ፥ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምዃን ብምዕባይን ኣብቲ ስንኩፍን ዘይርጉጽነት ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም ንድኻታትን ነቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡ ብምግልጋልን ከይቅነዉን ኣደዳ ኣድልዎ ከይኾኑን በቲ ዝፍውስ ፍቕር ልክዕ ከምቲ ለብዒ እቲ ዘገልግል ጥራሕ ዘይኮነ ዘፍቕር ምግልጋል እውን ደረት ኣልቦን ዶብ ኣልቦን ንምሕቛፍ ዘነቓቕሕ እውን እዩ። ስለዚህ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣተኩሮ ክገብራ ዝጽውዕ እዋን እውን እዩ። ቤተ ክርስትያን ኣብ ሓድነትን ካብ ሓድነትን ኣብ ክርስቶስ እያ ዝተወልደት ኢሎም።

ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ዝተፈላለያ ኣቢያ ክርስትያን ካብ ቅዋሜኡ ኣትሒዙ ጸረ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ኣድልዎ ዝቖመን ዝተቓለሰን እዩ ኣብ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ተስዓታትን ብጽንዓት ዝነበሮን ዘቃለሖን ተግባር እውን እዩ፡ ስለዚ እዚ ቃልሲ ጸረ ኣድልዎ ብዘርኢ ይኹን ብዓሌት ናይ ታሪኹ ክፍሊ እዩ፡ ጸረ ሰብኣዊ ዝኾነ ተግባር ኩሉ ክውገድን ክዕገትን ኣለዎ፥ ምኽንያት ክወሃቦ ዘይግብኦን ዘይከኣልን ጸረ ሰብኣዊ ፍጥረት ተግባር እዩ፡ ናይ ኩሉ ምልዋጥ ይጠልብ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ዝተፈላለያ ክርስቲያን በተን ኣባላቱ ኣቢያተ ክርስቲያ ኣቢሉን ኣብ ኣመሪካ ብዘሎ እውን ነቲ ናይ 400 ዓመት ታሪኽ ኣድልዎ ብዘርኢ ንምውጋድ ኣብ ኣመሪካ ኮነ ኣብ መላእ ዓለም ገና ብዙሕ ክስራሕን እዚ ሰብኣውን ማሕበራውን መንሽሮ ብባህላውን ብፍቕርን ብፍትሕን ብምልዋጥን ምእላይ ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ቤት ምኽሪ እዚ ነተን ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ቅርበትን ደጋፍን ይገልጽ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ግዳማውን ምስሉይን ዓይነት ካብ ዝኾነ ኣነባብራ ክርስትና ተላቕቒና እቲ ፍቕርን ኣገልግሎትን ማእከል ዝገበረ ካብ ውሳጣዊ ምልዋጥት ዝነቅል ክርስትና ንኽንበር እውን የነቓቕሕ። እዚ እዩ ምስክርነት ክርስትናዊ ሕይወትና ክኸውን ዘለዎ ይብሉ።

እቲ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተሓንጸጸ መደብ ግብረ ሰናይ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምልሲ ቢሉ ምስቲ እዋናዊ ኪደት ማሕበራውን ሰብኣውን ኣዛሚዱ ከምእተመያየጠን እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብ ጀርመን ከተማ ካርልስሩሀ ንኸካየድ ኣብ መደብ ዝነበረ ጠቕላሊ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ናብ 2022 ዓ.ም. ንኸሰጋገር እውን ከምእተሰማምዔን ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ 350 ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተዋጽኡ 800 ወግዓዊ ልኡካን ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣባላት ከምዝኾኑን እቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝተሰጋገረ ሓፈሻዊ ምሉእ ጠቕላሊ ዓውደ ኣኼባ፥ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ዓለም ናብ ዕርቅን ሓድነትን የነቓቕሕ” ዝብል ከምዝኾነ ሓው ላውረንሰ ኢዉኣማዲ ሓቢሮም፡ እቲ ጠቕላሊ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሸሞንተ ዓመት ዝካየድ ከምዝኾነን እቲ ናብ 2022 ዓ.ም. ዝተሰጋገረ ዓውደ ኣኼባ ብዝበለጸ ንኽንሰናደውን ተጋባእያን ኣቢያተ ክርስቲያን ቁጽረን ክብ ክብልን ክንጽልን ከነስተንትንን ዝድርኽ ዕድል እውን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን፥ ኣድልዎ ብዘርኢ ብክርስቲያናዊ ምስክርነት ምቅዋም
10 June 2020, 20:47