ድለ

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ናይ ሞት ፍርድን መንፈሳዊ ስንዮታ ምንፋግን ጭካነ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ናይ ሞት ፍርድን መንፈሳዊ ስንዮታ ምንፋግን ጭካነ 

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ናይ ሞት ፍርድን መንፈሳዊ ስንዮታ ምንፋግን ጭካነ

ኣብ ልዕሊ ሩበን ጉቲየርዝ ዝተበየነ ናይ ሞት ፍርድን መንፈሳዊ ድጋፍ እውን ከይረክብ ዝብል ውሳኔ ብሓቂ ዘደንጽውን ግብረ ጭካነ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ግዝኣት ተክሳስ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብቲ ዝርከበሉ ግዝኣት ናይ ሞት ፍርዲ ሓደ ካብ መቕጽዒ ሕጊ ከምዝኾነን፡ ዝኾነ ይኹን ናይ ሞት ባህሊ ከምዝቃወሞ ኣዘኻኺሩ፡ ነቶም ናይ ሞት ፍርዲ  ዝብየኖም ብተወሳኺ ቅድሚ ፍርዲ ሞት ምቕባሎም ብኣበ ነፍስ ክስነዩ ዝኽልክል እውን ብምዃኑ እዚ ንገዛእ ርእሱ ሓደ እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረት ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝግህስ ምዃኑ ብምምልካት፡ ናብ ግዝኣት ተክሳስ ናይ ይግባይ ተቐባሊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕጋዊ መዘክር ከምዘመሓላለፈ ልእኽቲ ጋዜጠያ ዜና ቫቲካን ኣና ፖቸ ሓቢረን፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሩበን ጉቲየረዝ ብቤት ፍርዲ ከተማ ብሮውንስቪለ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ዝተበየኖም ፍርዲ ሞት ዕለት 16 ሰነ ክፍጸም ከምዝኾነን ቅድሚ ምቅታሉ ኣበ ነፍስ ከሰንይዎም መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንኸይረኽቡ እውን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ከምእትወሰነን፡ ናይ ሞት ፍርዲ ዘይቅቡሉ ክነሱ ብተወሳኺ ናይ ሃይማኖት ናጽነት እውን ምግሃስ ዘቖጠዖ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንናይ ተክሳስ ሓምሻይ ዞባ ይግባይ ተቐባሊ ቤት ፍርዲ ናይ ይግባይ መዘክር ከምዘመሓላለፈ ዝሓበራ ፖቸ ኣስዒበን፥

ዝኾነ ይዅን ፍርዲ ሕይወትን ሰብኣዊ ክብርን ዘኽብር ክኸውን

ገበን ዝፈጸመ ግቡእ ፍርዲ ክቕበልን ናይ ሕብረተሰብ ጸጥታን ሰላምን ውሕስ ምግባር ቤተ ክርስቲያን እትኣምነሉ ጉዳይ እዩ፡ እንተዀነ ግና ናይ ሞት ፍርዲ ዘይቅብሉን ዘይሓናጽን ጥራሕ ዘይኮነ መፍትሒ እውን ኮይኑ ኣይፈልጥን ሕይወት ዝህብ ዘሕድግን እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ቢላ ሕይወት ክኽበር ኣጽኒዓ ትማልን ሎምን ናይ ሞት ፍርዲ ከምእትቃወም ናይ ተክሳስ ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣማኻሪ ናይ ብሮውንስቪለ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዳኔል ፍሎረስ ብካቶሊካዊ ምንቅስቓስ መርበብ ሓበሬታ ኣቢሎም ጻውዒት ከምዘቕረቡን ብሔራዊ ካቶሊካዊ ውድብ ብዘይ ምቁራጽ ጸረ ናይ ሞት ፍርዲ ጎስጓስ ከምዘካይድ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ “ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየኖ ካብኡ ሓሊፍካ እውን መንፍሳዊ ድጋፍን ስንዮታን ከይረክብ ምግባር ጭካኔን ኢሰብኣዊ ተግባርን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሃገራዊ ቅዋም ቀዳማይ ዓንቀጽ ዘንብሮ ሓሳብ ዝጻረር እዩ”  ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ናይ ሞት ፍርዲ ወትሩ ዘይቅቡል እዩ

ኣብ ልዕሊ ሩበን ጉቲየርዝ ዝተበየነ ናይ ሞት ፍርድን መንፈሳዊ ድጋፍ እውን ከይረክብ ዝብል ውሳኔ ብሓቂ ዘደንጽው ምዃን ናይ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ መርበብ ሓበሬታ ዋና ኣመሓዳሪ ክሪስታነ ቫይላንኵርት ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ገሊጸን እምነትና ናይ ሞት ፍርዲ አይቅብሉ እንክብል ብዛዕባ ናይ ሕይወት ባህሊይምህረና፡ ጸረ ናይቲ ክገሃስ ዘይብሉ ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ተግባር እውን እዩ፡ መንፈሳዊ ስንዮታ ከይቀርብ ምኽልካል ግልጺ ዝኾነ ናይ ሕይወት ቅዱስ ክብሪ ግህሰት እዩ” ከምዝበላ ኣና ፖቸ ሓቢረን።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ናይ ሞት ፍርድን መንፈሳዊ ስንዮታ ምንፋግን ጭካነ
17 June 2020, 16:16