ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ ፈታዊ ሓበሻ ዓመታዊ ብዓል ሰነ 18 2012 (6/25/2020)

ንባባት፡ ፩ቆሮ 3፡16-ፍ፥ ፩ዮሓ 5፡1-12፥ ግ.ሓ. 11፡7-18፥ ማቴ 10፡28-ፍ ምስባክ፡ ጻድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ ወይበዝኅ ከመ ዘግባ ዘሊባኖስ ትኩላን እምንቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር።
ብድምጺ ንምክትታል!

ቅ. አቡነ ያዕቆብ 9 ጥቅምቲ 1800 ዓ.ም. አብ ቅ. ፈለ ጥቓ ናፖሊ ዓዲ ጣልያን ተወሊዱ። ብ1818 አብ ማሕበር ላዛሪስት አተዉ። ብ1824 መዓርገ ክህነት ተቐበሉ። ን15 ዓመት  አብ ማሕበሮም አብ መዕበያን ከምኡ ሓዋርያዊ አገልግሎት አብ ደቡብ ጣልያን እናሰርሑ አሕለፉ።

ርእሰ ሊቃነ ጎርጎዮስ 16 ብ1839 ናይ ምድረ ሓበሻ ሓዋርያዊ መስተናብር ኢሎም ሸሞሞ። ብ1849 አብ ባጽዕ መዓርገ ጵጵስና ብአቡነ ማትያስ ተቐቢሎም። ብ1851 ዓ.ም. አብ ዓሊተና ከም መጀመርያ ሓዋርያዊ ምስሌነ ንኣባ ገብረ ሚካኤል ክህነት ሂቦሞም። ብጥሪ 31 ንሓላይ እናተመልሱ እንከለዉ ብ1860 ዓ.ም. አብ ዓሎገደ አብ ዝተባህለ ቦታ ዓሪፎም።

አብ ታሪክ ክርስትና ሃገርነ ብፍላይ ካቶሊካዊ እምነት ብዝርኢ እንተ ረኤና ክንፈልጦ ዘሎና ክርስትና አብ ሃገርና ቅድሚ ክርስትያን አብ ተዋህዶ ካቶሊክ ኢልና ምፍልላይና፥ ብዕሊ አብ ራብዓይ ዘመን ብአቡነ ፍረምናጦስ ብ330 ዓ.ም. ቅዱስ አትናቴዎስ አብ አለክሳንድርያ ፓትርያርክ እንከለዉ ድሕሪ ፩ይ ጉባኤ ንቅያ እዩ አትዩ። አብ ግ.ሓ. 8 ዘሎ እቲ ፍሊጶስ ዘጠመቖ አብ ከባቢ ሃገርና ከም ዝኾነ እዚ ኸአ ክርስትና ካብ መጀመርያ አብ ሃገርና ከምዝአቶ ክሕብር ይኽእል፥ ብሓቂ ክንርእዮ እንከሎና እዚ ፊሊጶስ ዘጠመቖ ናይ ህንደኬ ንግሥቲ ናይ ገንዘብ ሓላፊ ካብዚ ሕጂ ሱዳን ኢልና እንሰምዮ እዩ፥ ግን ምስኡ ዝኸይድ አብቲ እዋን ዳርጋ ኩሉ ምስራቓዊ ክፍሊ አፍሪቃ ብፍላይ ሃገርና ኢትዮጵያ ተባሂሉ ይፍለጥ ነሩ በዚ ኢና ንሃገርና እውን ከመልክት ይኽእል እዩ ክንብል እንኽእል። ብዝኾነ ሃገርና ካብትን አቐዲመን ክርስትና ዝአተወን ከም ዝኾነት ዘጠራጥር የለን፥ ርግጽነቱ ብዘይፍለጥ ቅ. ማቴዎስ፥ ቅ. ቶማስ አብ ሃገርና ከም ዝሰበኹ ዝንገር ትውፊት እውን አሎ እዩ።

፱ቱ ሮማውያን ቅዱሳን ዝተባህሉ ንክርስትና ሃገርና ብሰፊሕ ከም ዝዝርጋሕ ዝገብሩ እዮም። እዞም ፱ቱ ቅዱስና ካበይ ዝመጽኡ እንታዎት እዮም ኢልና እንተ ሓተትና፥ ገለ ጸሓፍቲ ካብ ሮማ ዝመጽኡ እዮም በዚ ኸአ ሮማውያን ተባሂሎም ዝብሉ አለዉ፥ ገለ ኸአ ካብ ሶርያ ግን ካብ ግዝአት ሮማ ዝመጽኡ ንክርስትና ብዝያዳ ዘስፋሕፍሑ ቅዱሳን እዮም ዝብሉ አለዉ፥ እዚኦም ፱ቱ ቅዱሳን እውን አብ ክርስትና ብፍላይ አብ መንጎ ሮማን ቁስጥንጥንያን ሓድነት እንከሎ እዮም መጺኦም። ሕማቕ አጋጣሚ ኮይኑ አብ መንጎ ምስራቕን ምዕራብን ፍልላይ እናዓበየ ምስ ከደ ክርስትና ሃገርና እውን ካብ ሮማዊት ቤተ ክርስትያን እናተፈለ መጺኡ ቤተ ክርስትያን አለክሳንድርያ ምስ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ርክብ ከይግበር አትሪራ ዓጽያቶ። ንዘመናት አብ ሃገርና ዝነበረ ክርስትና ቅድሚ ምፍልላያ ዝነበረ እምነትን ባህልን እዩ ዝኽተል ነሩ እንተ ኾነ ቤተ ክርስትያን አለክሳንድርያ ስለ ዝዓገተቶ ምስ ሮማ ርክብ አይነበሮን በዚ ኸአ ባህልን እምነትን አለክሳንድርያዊት ቤተ ክርስትያን እናዐበየ ኸይዱ። ብዙሓት መነኮሳን ንንግደት አለክሳንድርያ ከምኡ ቅድስቲ ሃገር ዝኸዱ ዝነበሩ ንመንበረ ሮሜ እውን ክንሳለም ኢሎም ይኸዱ ከምዝነበሩ ታሪኽ ብግሉጽ ይነግር። ነቲ አብ መንጎ ሮማን ቤተ ክርስትያን ሃገርናን አቋሪጹ ዝነበረ ከም ብሓድስ ክቕጽል አብ ዝተፈላለየ እውን ዝተፈላለዩ ምስዮናውያን ብፍላይ ደመኒካውያን ፍራንቸስካውያን ገለ ብሱዳን ገለ ከአ ብምጽዋዕ አብ ሃገርና ክአትዉ ይፍትኑ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ይነግር።

ብ16 ክፍለ ዘመን ኢየሱሳውያን ዕዉት ስብከተ ወንጌል አካይዶም ክሳብ ንጉሥ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሱስንዮስ ዝተባህለ አብ ካቶሊካዊ እምነት አሚኑ፥ ግን ነውሕ ከይጸንሐ መይቱ ድሕሪኡ ዝመጸ ፋሲልደስ ዝተባህለ ወዱ ንግስነት ምስ ሓዘ ምስ ቤተ ክህነት ተሰማሚዑ ንኹሎም ካቶሊካውያን ንዝቕተል ቀቲሉ አብ ተዋህዶ እምነት ዝመለሰ መሊሱ ካብኡ ንድኃር ብሕጊ አብ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊ እምነት ከይአቱ ተኸልኪሉ እዚ ግን ነቶም በብእዋኑ ንተሓድሶ ካቶሊካዊ እምነት ዝመጽኡ ዝነበሩ ክዓግቶም አይከአለን። ብዙሓት ምስዮናውያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት እናመጹ ካቶሊካዊ እምነት ይሰብኩ ነሮም።

ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ ነቲ ከም ቁልዒ ዝጠፍእን ዝውላዕን ዝነበረ ካቶሊካዊ እምነት ብዝያዳ ከም ዝበርህን ከም ዝሰፍሕን ገሮሞ። ነዚ ክገብሩ ዘዓወቶም ቀንዲ ነገር።

·      ፍቕሪ ሓበሻ ነርዎም። ካብ ዓዶም ንስብከተ ወንጌል አብ ምድሪ ሓበሻ ክብገሱ ከለዉ በቲ ብታሪኽ ዝፈልጥዎ ንባህልን ህዝብን ሓበሻ ፍቕሮም ብርቱዕ ነሩ። ካብቲ ሓደ ዝጽልይዎ ዝነበሩ አብ መገዲ ክጉዓዙ እንከለዉ ዝተፈላለየ ሰብ ዝሰርሖን ባህሪ ዝፈጠሮ ጸገም ይጓነፎም ነሩ ነዚ ሓሊፎም አብ ህዝቢ ሓበሻ ከብጽሖም ብርቱዕ ጸሎት ይገብሩ ነሮም። አምላኽ ከአ ጸሎቶም ሰሚዑ አስሚርሎም። ፍቕሪ ክሳብ ሞት እዩ ዘብጽሕ። “ፍቅር ሰሓቦ ለወልድ ወአብጽሖ እስከ ለሞት”።

·      ሰባት አብ ሕይወቶም ሓቂ ክርእዩ ክኢሎም። ቅ. አቡነ ያዕቆብ አብተን ቀዳሞት ዓመታት መለለይኦም ዝነበራ ጸሎት፥ ትሕትናን ፍቕርን እየን። ብኹሉ ንሓበሻ መሲሎም፥ አለባብስኦም፥ ስርዓት አጸላልያኦም፥ ብምሉእ ንባህልን ቋንቋን አጽርዮም አብ ሓጺር ጊዜ አጽኒዖም። አብ ዕለታዊ ሕይወቶም ዝርአ ዝነበረ ናይ አምላኽ ሰብ ከም ዝኾኑ እዩ፥ እዚ ንብዙሓት ክአምንዎም ክኽተልዎም አኽኢልዎም። ሰባት ሎሚ አብ ሕይወተይ እንታይ ይርእዩ ክንብል አሎና። ደቂ ቅ. አቦና ክንከውን ግብርና ፍቕርና ንኦም ዝመስልን ዘዘክርን ክኸውን ይግባእ።

·      ዘይሕለሉ ብዓል ራእዩ ሰብ እዮም ነሮም። አብ ግዚኦም ምድሪ ሓበሻ “ዘመነ መስፍንቲ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኩሉ ራእሲ እየ ዝብል ክገዝእ አብ ነነድሕዱ ዝዋግአሉ ዝነበረ ዘመን ዘይቅሱን እዩ ነሩ። ንቅዱስ አቡነ ያዕቅብ ከአ አብ ተልእክኦም ዓቢ ጸገም የውርደሎም ነሩ። ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ክሳደዱ እንከለዉ ተስፋ ቁርጸት አይነበሮምን ብእምነትን ብዓቢ ትብዓትን ይጉዓዙ ነሮም። ናይ ጎይትኦም ትምህርቲ ካብ ሓደ ዓዲ እንተ አስጎጉኹም አብቲ ካልእ ኪዱ ዝብል አሚኖም ዳርጋ ዓመት ቀሲኖም ዝተቐመጥዋ ዓዲ የላን። ህዝቢ ጽንዓቶምን ሓቅነቶምን ርእዩ ምስኦም ይጉዓዝ ነሩ። ንአብነት ዘርአ ክህነት ምስ ጀምሩ መጀመርያ አብ ጎልዓ ካብኡ ሓላይ፥ አኹሩ፥ ባጽዕ አብ መጨረሻ አብ ከረን ገረሞ። እዚ ኹሉ ኽገብሩ ግን ነገራት አብ መንጎ ሕይወትን ሞትን እዩ ነሩ።

·      ብሕይወቶም ዝርአ ፍረ አርእዮም፥ “ወእምፍሬሆም ተአምርዎም” ጎይታናን መድኃኒና ብፍሪኦም ክተልልይዎም ኢኹም ኢሉ ዝመሃረና አብ ሕይወት ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ ተራእዩ። አብተን ውሑዳት ዓመታት ብስብከቶም ብዙሓት ካህናትን ተመሃሮን ከምኡ ምእመናን አፍርዮም። እዛ ሎሚ አብ ኤሪትራን ኢትዮጵያን ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍረ ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ እያ። ጸሎቶም ትዕግስቶም ዓሚቕን ሃናጽን ስብከቶም ንብዙሓት አብ እምነት መሊስዎም። ሎሚ ሕይወቶም ክንዝክር ከሎና ክንጉዓዞ ዘሎና ሕይወትን ክንገብሮ ዘሎና የዘኻኽረና።

·      ህያው ታሪኽ ሓዲጎም። ሰብ ብብዙሕ ክዝከር ይክአል እቲ ዝበለጸ ዝኽሪ ግን አብነታዊ ሕይወት ክሓድግ እንከሎ እዩ፥ ማለት ሰባት ድሕሪኡ ነቲ ንሱ ዝገበሮን ዝበሎን አብ ልቦም አሕዲሮም አሰሩ ተኸቲሎም ንብዙሓት አብ አምላኽ ክመልሱ እንከለዉ እዩ። ሕይወትና ንሓቂ ዝምስክር ክኸውን ይግባእ። ቅ. አቡነ ያዕቆብ ኩሉ ሕይወቶም ሰማዕት እዩ ነሩ። ሎሚ ሕይወቶም ሓዲስና ክንዝክር እሞ እሙናት ደቂ ቅ. አቡነ ያዕቆብ ክንከውን ንጽዓር።

ብዓልና ዝኽሪ ጥራሕ አይኮነን ኲንኡ ዝኸይድ እሞ አብ ውሽጥና አቲና አስር አቦይዶ እግዓዝ አሎኹ ክንብል ይግባእ። ሰብ ንቅድስና ክተሓሓዞ አመት ህይወቱ ክርኢ አለዎ። ንርእሱ ክርእን ክሓስብን ዘይደሊ ሰብ አብ ናይ ሓሶት ተስፋ እዩ ዝነብር ስለዚ ጸጸኒሑ ከመሎኹ ክብል ይግባእ። ቤተ ክርስትያን ነዚ ክሕግዘና ኢላ ዝተፈላለየ ብዓላት እናአዘኻኸረት አብ ሓቀኛ እምነት ክንነብር ትሕግዘና።

ቅዱሳን ኩሎም አብዚ ዓለም ንኹሉ ፈተናን ተጻብኦ ድሕነቶም ንዝኾነ ነገራት ስለ ዝሰዓሩ አብ ሰማይ ምስ አምላኽ ክቢሮም ይነብሩ። እዚ ናይ ነፍሲ ወከፍና ዕጫ እዩ። ካብ ቅድስና ዝተገለለ ሰብ የለን። አነ ቅዱስ እየ እሞ ንስኹም እውን ብቅድስና ንበሩ ይብለና አምላኽ። ግን ኩልና ከም እንፈልጦ ጉዕዞ ቅድስና እናተዛነኻ አይ ኮነን ደም እናጠዓመካ ንሥጋ፥ ዓለም ሰይጣን ስዒርካ እትጭብጦ ሕይወት እዩ።

ኢየሱስ “ነቲ ንነፍስን ንሥጋን አብ ገሃነም ኪእቱ ዝደሊ ፍርህዎ” ይብለና። አብዚ ምድራዊ ሕይወትና ብፍላይ አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ብቐሊል ቀተልቲ ነፍስና ዝጻብኡና እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሰብ ብቐሊል መገዲ ጸጋም ክመርጽ ንርኢ አሎና። ሰብ ዝመልስ ንአምላኽ ዝልአኽ የድልዮ አሎ። ቅ. አቡነ ያዕቆብ መልእኽቲ አምላኽ ሒዞም እዮም መጺኦምና። አብቲ እዋን ሃገርን ብውግእ ጥመት፥ ሕማም ትሳቐ ነራ ዘድሕና ዝሕግዛ የድልያ ነሩ በዚ ኸአ ቅ. አቡነ ያዕቆብ ከም ኢሳያስ አነ እልአኽ ኢሎም መጺኦምና። እዚ ተባዕ ውሳኔ አቦና ሎሚ አነን ንስኹምን ንምሳና ዘሎ ሓውናን ሓፍትና ክነድሕን ካብ ኃጢአትን ክፍአትን ከንመልስ ዘይንልአኽ። አምላኽ ተለአኹኒ ይብለና አሎ።

“አብ ቅድሚ ሰብ ንዝተአመነኒ አነ ኸአ አብ ቅድሚ እቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦይ ክእመኖ እየ” ኢሉና እዩ። አብዛ ጥልመትን ትዕቢትን መሊእዋ ዘሎ ዓለም ዓው ኢልና ንሓቅን ንመገዲ አምላኽ ክንምስክር እዋኑ እዩ። ዓለም ሎሚ ዝምስክሩ ዝመልሱ የድልይዋ አለዉ። ክጥዕመና ርኢና ከም ዘይርአና ኮና ንነብር እንተሎና እምነትና ተሓድሶ የድልዮ አሎ ማለት እዩ።

ከም ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ አብ ኩሉ ንካቶሊካዊ እምነትና ክነብሮን ክንምስክሮን ሎሚ መብጽዓና ንሓድስ። ኦ ቅዱስ አቦና ነቲ አባኹም ዝነበረ ትብዓትን ፍቕርን ክንወርስ ለምኑልና። ነዛ እትሳቐ ዘላ ሃገርና ሰላም ፍቕሪ አድሕድ ክነግሳ ጸልዩልና። አሰርኩም ክንስዕብ እሞ ንመድኃኒና ክርስቶስ አብ ኩሉ ክንምስክሮ ጸልዩልና ንበሎም።

ብሩኽ ብዓል ቅዱስ አቡነ ያዕቆብ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።  

27 June 2020, 12:30