ድለ

ማርያም አደ ቤተ ክርስትያን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብዕለት 3 መጋቢት 2018 ዓም ድሕሪ ጰራቅሊጦስ ዘላ ሰኑይ “ማርያም አደ ቤተ ክርስትያን” ብዝብል ክብዓል አብ ስርዓተ ልጡርግያ ላቲን ወሲኖም።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ዘፍ 3፡9-15፤ ዘኁ 6፡22-27፥ገላ 4፡4-7 መዝ. 87፥ ዮሓ 19፡25-34።

ንማርያም አደና ንብላ እዚ ኸአ ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዳ ንዮሓንስ ረድኡ አብ ዕጸመ ስቀል አብ አፍደገ ሞት እንከሎ ዝበሎ እዩ። ቤተ ክርስትያን ነዚ መሰረት ገራ ካብ ጥንቲ አብ ትምህርቲ አበውን አብ ጉባኤታትን ከምኡ መንፈሳውያን ቅዱሳን ንማርያም ከም አደ ይርእይዋ ከም ዝነበሩ አብ ብዙሕ ጽሑፋት ንርእዮ።

አብ ፪ይ ቫቲካን አብ ብርሃን አሕዛብ (52-69) ናይ ማርያምን ቤተ ክርስትያንን አጥቡቑ ይርእዮ በዚ ኸአ ጉባኤ አደ ቤተ ክርስትያን ይብላ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ድሕሪ ጰራቅሊጦስ ዘላ ሰኑይ “ማርያም አደ ቤተ ክርስትያን” ብዝብል ክብዓል አብ ስርዓተ ልጡርግያ ላቲን ወሲኖም። አብ ስርዓትና ውሱን ዕለት የብልና ግን ማርያም አደ ኩልና ከምዝኾነት አብ ጸሎታትና “ሰአሊ ለነ” እናበልና ናይ ማርያም አደነት ብዝውቱር መገዲ ንገልጽ።

ናይ ማርያም አደ ቤተ ክርስትያን ዘብላ ክልተ ዓበይቲ ነገራት አብ ሕይወት ብዝገጠማ አብ ዝሃበቶ መልሲ ዝተመስረተ እዩ።

  1. ንእግዚአብሔር አብ ጊዜ ብስራት ገብርኤል ሕራይ ብምባላ። ንሳ አደ መስሕ ንዓለም ዘድሕን ክትከውን ሕራይ ኢላ እዚ ሕራይ ምባል ንኹልና ዘጠቓለለ እዩ። ካብአ ዝተወልደ ክርስቶስ ንኹልና አድሒኑና ስለዚ ንሳ አደ ኩልና አደ ቤተ ክርስትያን እያ።
  2. ንሳ አደ መስሕ ሕራይ ክትብል እንከላ ብመንጽር አብ ቀራንዮ ዝፍጸም ሞት ወዳ እዩ። ብመንፈስ አብ ስቓያትን ሞትን ወዳ አብቲ ንሰማያዊ አቦ ዝዓረገ ሰማያዊ መስዋዕት ምእንቲ ድሕነት ዓለም ብምሉእ ተሳቲፋ። ብዘይ ናታ እምነትን ተአዝዞን መድኃኒ፥ ድሕነት፥ ቤተ ክርስትያን አይምሃለወን።

አብ ክልቲኡ ዝተመሓላለፈ ሕይወት እዩ እዚ ኸአ እዩ ተራ ሓንቲ አደ። ሕይወት ምምሕልላፍ። ብሓቀኛ አረአእያ እምብአር ማርያም ምንጪ ናይ ሕይወት ዝህብ ጸጋ፥ መንፈሳዊ ሕይወትና እያ ። አብዚ መሰረት ገርና እምብአር ንማርያም መንፈሳዊት አደና አደ ቤተ ክርስትያን ክንብላ ብቝዕ እዩ። ቅድስት አደና ክንብል እንከሎና ነዚ ኢና እነስምዕ።

ናይ ማርያም አደ ምዃን ዝገልጽ አብ ክልተ ናይ ሓዲስ ኪዳን ንረኽቦ፡

·      አብ ዮሓ 19፡26-27 “ኢየሱስ ነዲኡ ነቲ ዘፍቅሮ ወዲ መዝሙርውን አብ ጥቕአ ደው ኢሉ ምስ ረአየ ነዲኡ፥ አቲ ሰበይቲ እንሆ ወድኺ በላ፥ ነቲ ወዲ መዝሙር ከአ እንሃ አደኻ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ” ይብል። ብዙሓት ክርስትያን ጸሓፍቲ እዚ አበሃህላ እዚ symbolic አምሳላዊ ዝኾነ ትርጉም አለዉ ይብሉ። ኢየሱስ አብ መስቀል ተንጠልጢሉ እንከሎ ቅድሚ ሞቱ ኲኖ እቲ ንዮሓስን ንዲኡ መዕቆብን ሓገዝን ክገብረላ ዝብሎ ዘምልክቶ አለዎ። ዮሓንስ አብ ኪንዲ ኩልናን አብ ክንዲ ቤተ ክርስትያን ኮይኑ አብ ጥቓ መስቀል ደው ኢሉ። ኩልና ደቂ ማርያም ኢና። ንሳ አደ ኩሎም ክርስትያን ኮይና ፍሉይ ተራ አብ ሕይወትና እትጻወቶ ተዋሂብዋ። እዚ ምስቲ ምልኡ ትሕዝቶ ወንጌል ዮሓንስ አብ ግምት አእቲና ክንርእዮ ከሎና ብንጹር ክንርድኦ ንኽእል። ወንጌል ዮሓንስ ብአምሳል ዝገልጽ ብዙሕ ነገር ንርእየሉ።

·      ራእይ 12፡1-5 አብዚ እነንብቦ ብዛዕባ ሓንቲ ምስጢራዊት ሰበይትን ወዳ ነቲ ገበል ዝሰዓሮን ነንብብ። አብዚ ናይ ራእይ ብመጀመርያ እንርእዮ እታ ሰበይቲ ናይ ብሉይን ሓዲስን ኪዳን ህዝበ እግዚአብሔር ትውክል። ናይ ብሉይ ኪዳን እስራኤል ንመስሕ ወሊዳ ድሕሪኡ ሓዳስ እስራኤል ቤተ ክርስትያን በቲ ገበል ስደትን ስቓይን ዝወረዳ ተወሊዳ። እዚአ ሰበይቲ ንማርያም አደ ክርስቶስ እውን ተመልክት እያ። ብዙሓት ጳጳሳትን አበውን መማህራን ትምህርተ መለኮትን እዚ ክፍሊ ቅዱስ መጽሃፍ ንማርያምን ቤተ ክርስትያን ከም ዘመልክት ተራእዩ።

ነዚ አብ ግምት አእቲና ክንርእዮ እንተ ኾና ማርያም ንሰይጣን ብወዳ ገራ ስልጣኑን ግዝአቱን አብ ልዕሊ ሰብ ዝነብሮ ስዒራ ንግሃነመ እሳት ከም ዝድርበ ኮይኑ። ንኹልና ክትወልድ ከአ ብዙሕ ተጻዒራ እዚ ኸአ ኹሎም ደቂ ሰብ ንወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ክፈልጡን ክአምኑን ዓቢ ተራ ተጻዊታ።

ፍቅርን እምነትን ብጸጋ አምላኽ ተሰንዮም ደቂ አምላኽ አህዋት ክርስቶስ  ምስኡ ወረስቲ መንግስቲ አምላኽ ከም እንኸውን ይገብሩና።  እምብአር ሓንሳብ መንፈሳውያን አሕዋት ኢየሱስ ወዲ ማርያም እንተ ኾና መንፈሳውያን ደቃ ኸአ ኢና ንሳ ኸአ መንፈሳዊት አደና አደ ቤተ ክርስትያን እያ።

ኩለን አደታት ከም ዝምስክርኦ “አደነት” ባዮሎጂካዊ መልክዕ ዘለዎ ጥራይ አይኮነን። ሓንቲ አደ ስለ ዝወለደት ጥራሕ አይ ኮነነትን አደ እትብሃል ምስኡ ዝኸይድ ብዙሕ አለዋ። ኩልኽን አደታት ከም እትፈልጥኦ ንውሉድክን ድሕሪ ምውላድ ንምሉእ ሕይወትክን ትግደሳሉ ተፍቅርኦ ፍሉይ ርክብ አሎክን። ነገር ማርያም ካብዚ ዝተፈለ አይኮነን ምስ ነፍሲ ወከፍና ፍሉይ ርክብ አደ አለዋ። ማርያም አብ ኩሉ ናይ ድሕነት ስራሕ ምስ ወዳ ተሓባቢራ፥ አደ ድሕነት ንብላ። ከምቲ ሔዋን አብ ውድቀት ኩልና ዝተሓባበረት ማርያም ከአ ምብልኡ አብ ምድሓን ኩልና ተሓባቢራ። ፍልይ ብዝበለ ማርያም ብፍሉይ መገዲ አብ መደብ አምላኽ አትያ አብ ምድሓና ዓቢ ግደ ተጻዊታ። ብዘይ ምትሕብባር ማርያም እዚ ድሕነት ደቂ ሰብ እንብሎ ብክርስቶስ ዝተፈጸመ ግብራዊ አይምኾነን ምኽንያቱ ኢየሱስ ብዘይ ሰብአዊት አደ ሰብ አይ ምኾነን ነሩ። በዚ ምኽንያት ንአምላኽ አቦ ክንብሎ አይንኽእልን ኢና ንማርያም ከም አደና ክንርኢ እንተ ዘይከአልና። አብ ኩሉ ንኢየሱስ ክነስተንትን አሎና እዚ ኸአ ክብርን ተገዳስነትን አብ ማርያም ዘሎና የጠቓልል።

ተራ ማርያም አብ ተራ ቤተ ክርስትያን ነፍሲ ወከፍናን ሓደ ካብቲ ቀንዲ አድላዪ ነገር አብ ክርስትያናዊ ሕይወትና እዩ። ስለምንታይ ኢልና እንተ ሓተትና ንሳ ኩሉ ጊዜ አብ ወዳ ገጻ ስለ እትመርሓና። ኩሉ ማርያም እተግብሮን እትብሎን ኩሉ ጊዜ አብ ኢየሱስን ተልእኮን ዘተኮረ እዩ። ከምቲ አብ መርዓ ቃና ናይ ገሊላ ዝገበረቶ “ወደይ ዝበለኩም ግበሩ” ንአና እውን ወዳ ዝደልዮን ዝብሎን ክንገብር አብኡ ገጻ ትመርሓና።

ንማርያም ከም አደና ዘኪርና ክነብዕል እንከሎና ሓደ ካብቲ ኢየሱስ አብ መንጎና ከምዘሎ ዘረጋግጸልና እዩ። ንሱ ንሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንሓዋርያቱ አብ ትሕቲ ጽላል ማርያም እዩ ሓዲግዎም። ዘኽታማት ኮንኩም አይክሓድገኩምን እየ ክብሎም እንከሎ እትእክብን አብ ጸሎት እትመርሕን እተጸናንዕን አደ ስለ ዝሓደጎም እዩ።

ተልእኮ ማርያም ንኢየሱስ ምውላድ ጥራሕ አይ ኮነን፥ ነታ ወዳ ዝተኸላ ማሕበር ምምራሕ እውን እዩ። ሰብ አብ ከቢድ ሓዘን ወይ አብ ከቢድ ጸገም ክርከብ እንከሎ ዘጸናንዖ ዝሕግዞ አብጆኻ ዝብሎ ይደሊ፥ ዝሕግዞ ምስ ዝረክብ ነቲ ወሪድዎ ዘሎ ጸገም ክሓልፎ ይኽእል። አብ ባህልና አብ መርዓ አብ ሓዘን ሓገዝ ስለ ዘድሊ ወለዶኛ ከምኡ ፈተውቲ ይተሓጋገዝ ንጸገም ብሓባር ንካፈሎ እዚ ብሓቂ ቅዱስ ባህሊ እዩ። ቤተ ክርስትያን መምህራን ጎይትአን ብሞት ምስ ተፈልያ ብሓቂ ዘጸናንዕ አጆኹም ዝብል የድልያ ነሩ፥ አብዚ እዩ ተራ ማርያም ተነጺሩ። አብ ጽርኃ ጽዮን “ገለ አንስትን ምስ ማርያም አደ ኢየሱስን ምስ አኅዋቱን ኃቢሮም ጸሎት የዘውትሩ ነሮም” (ግ.ሓ. 1፡14) ዝብል ንረክብ። ማርያም ነቲ ብሓዘን ብፍርሒ ተዋሒጡ ዝነበረ ልቢ ሓዋርያትን ካልኦት ምስኦም ዝነበሩ ብኸምዚ ትሕግዞም ነራ፡

·         አደ ኢየሱስ ብምዃና ተጸናንዖም፥ ንሳ ቀንዲ ሓዘንተኛ እንከላ ጸኒዓ ተጽንዖም ነራ። ብዙሕ ጊዜ አብ ሓዘን ንዝርከብ ወለደኛ መቕርብ ካልኦት እዮም ዘጸናንዕዎ አብ ናይ ማርያም ግን ንሳ እያ ተጸናንዕ ዝነበረት እዚ ኸአ ምስጢር ወዳን ኩሉ ኩነታት ትርዳእ ስለ ዝነበረት እያ። ንሳ ወዳ ዝገብሮ አቐዲማ ትፈልጥ ነራ ስለዚ ነቶም ዘይፈልጡ ትሕግዞም ነራ።

·         አብ ጸሎት ሓቢሮም ከም ዝጽልዩ ገራቶም። ጸሎት ቀንዲ ምስ አምላኽ ዘራኽበና እሞ አብ ሕይወትና ተሓድሶን ሰላምን ምጽንንዓን ዘውህበና እዩ። ማርያም እትመርሖ ጸሎት ነዚ መንፈስ ዝሓዘ ስለ ዝኾነ ቀዳመይቲ ማሕበር ወዳ ነቲ ከቢድ እዋን ክትሰግሮ ክኢላ። ጸሎት አብ ዝግበረሉ ማርያም አብኡ አላ። ማርያያም ንጸሎት ክፍሊ ሕይወታ ገራ ትጉዓዝ ነራ፥ ንቀዳመይቲ ማሕበር ወዳ ተጸልያን አብነት ትኾና ነራ። ብጸሎት ንጽንኩር ኩነታት ክትሓልፎ ክኢላ ነዚ ኸአ ንማሕበር ወዳ ምሂራ።

·         ንምውራድ መንፈስ ቅዱስ ተሰናድዎም ነራ። አብ እምነታን ሕይወትና ዝርአየቶ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ነታ ቀዳመይቲ ማሕበር ብንጹሕ ልብን ጸሎትን ክትሰናዶ ትሕግዛ ነራ። ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተዓዘበት “አልቦ ዘይስአኖ” ዝብል ቅሳነት ዕግበት አብ ዝኾነ ኩነት ሃሊኻ ዝህብ ዓቢ ትምህርቲ ምሂራ። መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮ ዘይጾርን ዘይትስፈዎን የብሉን፥ ብምሉእ አብ አምላኽ ስለ ዝአምን ንኹሉ ይሓልፎ ማርያም ነዚ እያ እትምህር ዝነበረት። ሎሚ እውን ነዚ ክትምህረና ንቕረባ ንሕተታ ሽዑ ንእዋና ብተስፍ ክንሓልፎ ኢና።

·         አብ ጽንኩርን ከቢድን እዋን ጸኒዓካ ብተስፋ ምጽባይ። ሰብ ብባህሪኡ ከቢድ ነገር ክገጥሞ እንከሎ የንጸርጽር ክፉእ ውሳኔ እውን ክወስድ ይኽእል ግን ብትዕግስትን ምስ ምሉእ እምነት እንተ ተጓዕዘ ዘይሕለፍ የለን። ማርያም አብ ከቢድ እውን ከመይ ገርካ ከም እትጾሮን ትሓልፎን ተመኪራትሉ እያ እዚ ኸአ ሎሚ ትምህረና። ቀልጢፍና መልሲ ስለ ዘይረኸብና ተስፋ ከይንቖርጽ ሓደራ ትብለና፥ ንነገራት አብ ኢድ አምላኽ ክንሓድጎም ትነግረና።

·         አብ ጽንኩር እዋን ክንተሓጋገዝ ሓደራ ትብለና። ኢየሱስ አብ መስቀል እንከሎ ንማርያምን ዮሓንስ ነቲ ብድሕሪ ሞቱ ዝገጥሞም ክተሓጋገዙ እንሃ አደኻ እንሆ ወድኺ እናበለ ክተሓጋገዙ ነጊርዎም። ማርያም ነዚ ንአአ ዝተባህለ እሞ ድላይ ወልዳ አባና ተመሓላልፎ። አብ ጽንኩር እዋን አብ ርእስና ጥራሕ ከይጠመትና ንኻልኦት እውን ክንጥምት ክንሕግዝ ከም ዘሎና ክንሓስብ አሎና።

ማርያም ንኢየሱስ ክሳብ አብ መስቀል ዝመውት አሰንያቶ፥ ከም አደ መጠን ንቤተ ክርስትያን ኩሉ ጊዜ ብፍላይ አብ ሕማቕ ጊዜ ስደትን ሞትን መናፋቕነትን አብ ታሪኽ ዝተራእየ ተሰንያ ነራ ሎሚ እውን ተሰንያ አላ። ቤተ ክርስትያን ብደገን ብውሽጣን እያ እትሳቐ። ብደገ መንፈስ ሰይጣን ዝለበሱ ገፋዕቲ ከሳድድዋን ከጥፍእዋን ይጽዕሩ እዚ ካብ መጀመርያ አብ ታሪኽ በበእዋኑ ተራእዩ እዩ። ንሶም ድአ ጠፊኦም እምበር ንሳስ ብዝያዳ ዓምቢባን በዚሓን ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ ትጽዕር አላ።

እቲ ዝኸበደ ስቓይ አብ ውሽጣ ብደቃ ዝወርዳ ስቓይ እዩ። አብ ማሕበር ክርስቶስ ምፍልልያ ብዓለት ብቍተባዊ ኩነታት ብዘሎካ ጸጋታት ምፍልልያ ክርአ እንከሎ ብፍላይ ከአ እቶም ሕይወቶም ንቤተ ክርስትያን ከገልግሉ ሕራይ ኢሎም ዝአተዉ አቡናት ካህናት ምእመናን ብስሙ ጥራሕ እምነቶም ክነብርዎ እንከለዉ ንቤተ ክርስትያን የራኽሳ የሕምማን ይፈናጭላን፥ ከም አብነት አብ ታሪኽ ብዙሕ ተራእዩ፥ እዚ ሎሚ አሽሓት ክርስትያን ኢና ዝብሉ ግን ግብሮምን እምነቶምን ምስ ክርስትና ዘይከይድ ስቓይ እዮም ንቤተ ክርስትያን።

እዚ ኹሉ አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን እናገጠመ እንከሎ ማርያም ሓላዊታን ዕቕባአን እያ። ንሳ ካብአ ተፈልያ አይትፈልጥን ንድሕሪ ሕጂ እውን አይትፍለን እያ ወትሩ ምስአ አላ። ነዚ ቀንዲ ምኽንያት ከአ ነቲ ቃል ወዳ ብምሉእ ስለ እትእዘዝ እዩ፥ “እንሆ ወድኺ” ክብላ እንከሎ ንወትሩ ማለት እዩ እዚ ኸአ ክሳብ መጨረሻ ዓለም አብ ጎንና ምሳና አላ ሓንትስ ንሕና ገጽና ንምለሰላ እምበር። ንሳ ንተልእኮአ እምንቲ አደን ሓላዊት ቤተ ክርስትያን እያ። እዚ ኸአ ወዳ ኢየሱስ ባዕሉ ዘሰከማ እዩ።

ቤተ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ተሓዲሳን ብማርያም ተመሪሓን ተሓልያን ንቅድሚት ገጻ ትስጉም። ማርያም ዘይብላ ቤተ ክርስትያን ዘክታም ቤተ ክርስትያን ክንብላ ንኽእል። ቤተ ክርስትይንከስ አብ ጊዜ አካሒዳ ብዙሓት ዓለምን ሰይጣን አብ ዝተዓወተሎም እውን ብዝያዳ አብ ማርያም ክትጽጋዕ አለዋ። ማርያም እንተላ ኩሉ አሎ። አብ ቃና ዘገሊላ ንጸልማት ሓዘን አብ ብርሃን ቀይራቶ ሎሚ እውን ንዝኾነ ጸገምና አብአ ክነምርሖ እንከሎና ከም ዝቕየር ንአምን ኢና።

ነዚ ክንገብር ማርያም አብ እትርከቦ ክንከይድ አሎና። ማርያም አበይ እያ እትርከብ? ማርያም ቦትአ ምስ ወዳ እያ እንሳ አብ ዘላቶ ንሱ አሎ። ኢየሱስ አብ ኩሉ ንረኽቦ ንማርያም ከአ ምስኡ ንረኽባ ምኽንያቱ ሕይወት ማርያም ሕይወት ወዳ እዩ። ሎሚ ንማርያም አበይ ንርከባ፡

  1. አብ ቤተ ክርስትያን። ብጸሎት ብሓባር አብ ቤተ ክርስትያን ክንርከብ እንከሎና ብፍላይ አብ መስዋዕተ ቅዳሴ ክንሳተፍ እንከሎና አብኡ ማርያም ምስ ወዳ አላ። ማሕበር ክርስቶስ አብ ዘለውዎ ንሳ አብኡ አላ። ግ.ሓ ማርያም ምስ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ኮይና ትጽሊ ከም ዝነበረት ይነግረና። ምስ ማርያም ምጽላይ መንፈስ ቅዱስ የውርደልና፥ አብ መንጎና ተአምራት ከም ዝኸውን ትገብር፥ ንመስቀል ክንጸውር ትምህረና። ሕይወት ማርያም ሕይወት ትምህርቲ እዩ። ንፉዓት ተመሃሮ ማርያም ክንከውን የድልየና።
  2. አብ ጽጉማት አሕዋትና/አሓትናን ንረኽባ። አብ ዓድና ዝልምኑ “ስለ ማርያም” እናበሉ ይልምኑ እዚ ነቶም ዝልመኑ ዘለዉ ልቦም ስለ ዝትንክፎም ክምጽውቱሎም ብቐሊል የኽእሎም፥ ዝምጽውት ማርያም አብቲ ዝልምን ወይ እትልምን ይርኢ ሽዑ ዝክአሎ ይህብ። አብዚ ዓለም ብድኽነት ኮነ ብጥዕና ጽጉማት ብፍላይ አብ ድኻታት ዘሎና ፍቕርን ክንሕግዞም ከምዘሎና ማርያም ትምህረና። ሉቃስ ወንጌላዊ ማርያም ክትሕግዝ አብ እንዳ ዘካርያስ ከም ዝኸደት ይነግረና። ኤልሳቤጥ ዘመዳ ስለ ዝኾነት ጥራሕ አይ ኮነትን ከይዳ አብ እርጋና ጸኒሳ ከም ዘላ ምስ ሰምዓት ሓገዝ ከም ዘድልያ ምስ ፈለጠት ተቐላጢፋ ክትሕግዛ ከይዳ። አብ መርዓ ናይ ቃና ክትሕግዝ ንረኽባ ግን መጀመርያ ክትዕደም አለዋ ሽዑ ንወዳ ገለ ግበር ይጽገሙ አለዉ ትብሎ። ማርያም ከስ ሓንትስ ልብና ንሃባ ንለምና ክትሕግዘና ምስ ደለየት እያ። ቤተ ክርስትያን ነዚ ርድኢት ኩሉ ጊዜ አብ ልብና ክንሕዞ ትነግረና።
  3. አብዛ ህውከትን ጭቆናን ስቓይን ዝመልአ ዓለምና ንረኽባ። አብ ፋጢማ ክትርአ እንከላ ንስቓይ ዓለም ክልውጥ ጸሎት ክገብሩ ነጊራ። አብ ዝተፈላለየ አጋጣሚታት አብ እተገልጸትሉ ብእዋኑ ንዝነበረ ጸገም አብ ወዳ ምስ ዝምለሱ ከም ዝፍታሕ ትነግር። ማርያም ክነግራ ክንልምና አይትጽበን እያ ሓንትስ ልብና ነንጽሕ እምበር ዕድመና አየድልያን እዩ። ስለዚ ሎሚ እውን ምሳና ስለ ዘላ አተዓርቕና ንበላ።

ማርያም አደ ቤተ ክርስትያን ክንብላ ከሎና እምብአር ንሳ አብ መንጎናን አብ መንጎ አምላኽ ኮይና እትዓርቀና እተማልደልና ማለት እዩ። ንሳ ምስ ቤተክርስትያን አባላ እያ በዚ ኸአ ናብ ወዳ ትመርሓ። አደ ዘላቶ ኩሉ ጊዜ ርጉእን ርእሰ ምትእምማን የሕድር፥ ማርያም ምሳና ስለ ዘላ ንዝኾነ ዝጓነፍ ጸገም ምስአ ኮና ብተስፋ ክንፈትሖ ክንጽዕ ይግባእ። ቤተ ክርስትያን ሎሚ ደቃ ብግጉይ ትምህርትን ምቾት ዓለምን ውሒጥዎም ይርሕቕዋ አለዉ ስለዚ ነታ አደ አምላኽ ክንልምና እዋኑ ይሓተና አሎ።

ኦ ረዳኢተ ክርስትያን እናበልና ካብ ወዳ ምሕረት ክትልምነልና ብምሉእ ልብና ንለምና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

05 June 2020, 13:15