2020.06.14 - ሥርዓተ ቅዱስ ቊርባንን ስንብታ ኢየሱስን 2020.06.14 - ሥርዓተ ቅዱስ ቊርባንን ስንብታ ኢየሱስን 

ዘዘመነ ዕርገት ሰነ 7 2012 ዓ.ም. (6/14/2020)

መዝሙር፡ ዓርገ እግዚአብሔር በቃለ ቀርን በይባበ ዓርገ ወበ ቃለ ቀርን ወነበረ በየማነ አቡሁ. . “እግዚአብሔር ብኽብሪ ዓረገ አብ የማን አብኡ ኸአ ተቐመጠ፥ መላእኽቲ አብ ሰማያት ብኽብሪ ተገዝእዎ፥ መላእኽትን ኩሎም ሓይልታትን ኩሉ ፍጥረትን ተገዝእዎ፥ ዘምሩ ንአምላኽና ዘምሩ፥ ዘምሩ ንንጉሥና ዘምሩ”።
ብድምጺ ምክትታል!

ንባባት፡ ኤፈ 1:15-ፍ፥  1ዮሓ 2:20-29፥ ግ.ሓ. 10፡36-ፍ፥  ዮሓ. 15:7-19  ስብከት፡ልበ ንጹሓ ፍጠር ሊተ እግዚኦ፥ ወመንፈስ ርቱዕ አሓድስ ውስተ ከርስየ፥ ኢትግድፈኒ እምቅድመ ገጽከ።

ናይ ሎሚ ሰንበት ነቲ ድሕሪ ብዓለ ጴራቅሊጦስ ናብ ሰማይ ምዕራጉ አመልኪቱ ክነስተንትን ይሕግዘና። ካብ ማእከል ሓዋርያት ንሰማይ ዓረገ አብ የማን አብኡ ተቐመጠ መላእኽቲ አገልገልዎ እናበለ መዝሙር ናይ ዕለቱ ናይ ክርስቶስ ክብርን ናይ ነፍስ ወከፍና መጻኢ ተስፋ ይገልጸልና። ኩሉ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ንድሕነት ነፍሲ ወከፍና ኢሉ እዩ። ንሕና ብሳላ ክርስቶስ ዕርቡን ሰማይ ተኸፊሉልና ወረስቲ መንግስተ ሰማይ ኮና ኢና ተሪፉ ዘሎ ናይ ነፍሲ ወከፍና ምትሕባባር ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ሕይወትና ምምራሕ እዩ።

ብ1941 ዓ.ም. ወተሃደራት ጀርመን አብ ሉትወንያ ንዝነበሩ አይሁድ ክገፍዎም ጀሚሮም። ንብዙሓት ከአ ቀተሉ። ግን ሓደ ወተሃደር ጀርመን (Sergeant Anton Schmid) ሰረግንቲ አንቶን ስከሚድ ዝተባህለ ነዚ ጨካን ሞት ወሳኔ ናዚ ይቋወሞ ነሩ። ብናቱ ሓገዝ 250 ዝኾኑ አይሁድ ክድሕኑ ክኢሎም። ንሱ አብ ገለ ቦታታት ብምሕባእ፥ መግቢ ብምቕራብ፥ ናይ ሓሶት መንቀሳቐሲ ወረቐት እናሃበ ይሕግዞም ነሩ። ብ1942 ዓ.ም. ብዝገብሮ ናይ ድሕነት ዝስራሕን ንብዙሓት ካብ ሞት ስለ ዘድሓነን ተኸሲሱ አብ ፍርዲ ቀሪቡ ንሞት ተፈሪዱ። ጀርማናውያን ነዚ ሰብ ናይ ሰናይ ዝኽሪ ሹመት ክህብዎ 60 ዓመት ወሲድሎም ኢሉ ናይ ጀርመን ምክልኻል ምኒስተር ብ2000 ዓ.ም. ሰላምታ እናሃበ ተዛሪቡ። “ብዙሓት ነቲ ብሂትለር ዝወርድ ዝነበረ ግፍዕታት ተቐቢሎሞ ብዘይመጠን ውሑዳት ግን ትብዓት ለቢሶም ክቋወምዎ ተረኺቦም። ሰርገንቲ አንቶን ስክሚድ ብምሉእ ተቋዊምዎ።

ማእከል መልእኽቲ ወንጌል ዝተነበና (ዮሓ 15፡9-17) ሰብ ካብቲ አብ ክንዲ አዕርኹ ንሕይወቱ በጃ አኅሊፉ ዚህቦ ዝዓቢ ፍቕሪ የብሉን (ኅ 13) ዝብል እዩ። ብዙሓት አብ ታሪኽ ልዕሊቲ ኢየሱስ ክንገብሮ ዝብለና ዝኸዱ አለዉ፥ እዚ ጀርመናዊ ሕይወት እዞም ጓኖት ልዕሊ ሕይወቱ ሰሪዕዋ።

ፍቕሪ እትብሃል ንኻልኦት ልዕለኻ ሰሪዕካ ጽቡቕ አብ ምግባር ክትወፍር እንከሎኻ ጥራሕ እያ። ሓደ ከም ዝበሎ ፍቕሪ ኢየሱስ ከም ኤለትሪክ እያ። ኳረንቲ ብአኻ አቢሉ እንተ ዘይሓሊፉ አባኻ አይአቱን እዩ። ብተመሳሳሊ ፍቕሪ ኢየሱስ ብአና አቢሉ ናብ ካልኦት እንተ ዘይፈሲሱ ፍቕሪ አባና ከምዘየላ ምልክት እዩ። ፍቕሪ አምላኽ ክነለልዮ፥ መልሲ ክንህበሉን አብ ካልኦት ከነመሓላልፎን አሎና። ሱቕ ኢሉ ዝውሃበነ ጉዳይ አይ ኮነን።

ከምቲ ቅ. ጳውሎስ ዝብለና ኩልና አመንቲ ክርስቶስ አምባሳደራት ፍቕሪ አምላኽ ኢና (2ቆሮ 5፡20)። እንተ ኾነ አብ ዕለታዊ ሕይወትናን አብ ዓለም ዝግበር ዘሎ እንተ ርአና አብ ነነድሕብድና ክንፍጽሞ እንደሊ ወይ ክንብአስ ክንጻላእ ዝተለአኽና ኢና እንመስል። እንነብሮ ዘሎና ዘመን ንኹሉ ነገር ብዘይፍቕሪ ክገብር ዝደሊ እዩ ዝመስል። ቆልዑት አብ ነነድሕዶም ከም ዝወዳደሩ ገርካ ተዕብዮም፥ ወለዲ ንኻልኦት እንተ ወሓደ ብሓደ ነጥቢ ብካልኦት ክበልጹ ይምህርዎም አብ ኩሉ ንዝወዳደሮም ክሓልፉ ክበልጹ እዩ ትምህርትና። ብዙሓት ክንአዱ ብብዙሓት ክፍለጡ ግብሮም ክርአየሎም ይደልዩ። ፍቕርን ምእንቲ ካልኦት መስዋዕትን ከም ዕሽነትን ምስ ግዚኡ ዘይከይድን ኮይኑ ዝርአየሉ ጊዜ ኢና ዘሎና። ብዙሓት አብ ወገን ዓለት ጥራሕ ዘተኩሩ እሞ ንኻልእ ክጸልኡን ክጥፍኡን ዝጽዕሩላ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና።

ኢየሱስ ግን ካብ ነፍሲ ወከፍና ዝደልዮ ፍሉይ ነገር አሎ ምኽንያቱ ንሱ ባዕሉ ናይ ፍቕርን መስዋዕትነትን ሕይወት አብ ግብሪ ስለ ዘርአየ። ሕይወቱ በጃ ብምሃብ ዝመሃረና ነገር አሎ “ሰብ ካብቲ አብ ክንዲ አዕርኹ ንሕይወቱ በጃ አኅሊፉ ዚህቦ ዝዓቢ ፍቕሪ የለን” ኢሉ አብ ግብሪ አርእዩና። እዚ አብ በጃ ብምዃን ዝግለጽ ፍቕሪ አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ብተደጋጋሚ ተራእዩ። ኩሎም ሰማዕታት ምእንቲ እምነቶምን ምእንቲ ሰላም ፍትሒ ሓቂ ኢሎም ሕይወቶም ዘሕለፉ አብ ግብሪ ንትምህርቲ ክርስቶስ አርእዮሞ።

ኢየሱስ እቲ ንሱ ዝገበሮ ሎሚ አብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ክርእዮ ይደሊ አሎ ምኽንያቱ አዕሩኹን አዕሩኽ አምላኽ ክንከውን ስለ ዝጽውዓና። አብ ስርዓት ፍርዲ ነጋውስ ሮማውያን ሓደ ባህሊ ነርዎም ፍሉያት ሰባት መሪጾም አዕሩኽ ንጉሥ ክኾኑ አብኡ የቕርብዎም እሞ አዕሩኽ ንጉሥ ብዝብል ይፍለጡ። እዚኦም ኩሉ ጊዜ አብ ንጉሥ ክአትዉ ምሉእ ፍቓድ አለዎም፥ ቅድሚ ምስ ጀነራላት ምዝራቡ ምስኦም ይዛተ። እዞም አዕሩኽ ንጉሥ አብኡ ዝቐረቡን ጥቡቕ ርክብ ዘልኦምን እዮም።

ኢየሱስ አዕሩኽቱን አዕርኽቲ አምላኽን ክንከውን ይጽውዓና። ነዚ ክንበቅዕ ኢሉ ንኹሉ ድኻምና አብ ርእሱ ወሲድዎ። ፈረንሳዊ ጸሓፋይ Henri Barbusse (1874-1935) ዝተባህለ አብ ፩ይ ውግእ ዓለም ምስ ሓደ ብብርቱዕ ተወጊኡ አብ ቃሬዛ ምስ ዝነበረ ወታሃደር ዝተገብረ ዘረባ ይነግር። ሓደ ካብ ወተሃደራት ውሑዳት ደቓይቕ ንክቕተል ጥራሕ ተሪፈንኦ ዝነበራ ንኻልእ ካብቶም አብኡ ዝነበሩ ከምዚ ክብል ተሰምዐ፥ ስማዕ ደመኒኮ ሕማቕ ሕይወት ኢኻ እትነብር ነርካ። ኩሉ ጊዜ ብፖሊስ ትህደን ኢኻ ነርካ። አነ ግን ወላ ሓንቲ በደል የብለይን ዝኾነ ክሲ ኸአ የብለይን፥ ስመይ ጽሩይ እዩ ስለዚ ሕጂ እንካ ማሕፉዳይ/ቦርሳይ (wallet) ውሰድ፥ ወረቓቕተይ ውሰድ፥ መንነተይ፥ ጽቡቕ ስመይ ከይተረፈ ሕይወተይ ብምልኡ ውሰድ እሞ ቀልጢፍካ ኩሉ ወረቓቕትኻን ኩሉ ናትካ ዘበለ ሃበኒ ኩሉ በደላትካ ምሳይ ሒዘዮ ክመውት ንአይ ክወስዶ ሃበኒ ኢልዎ ይብሃል።

ኢየሱስ ንኹልና አዕሩክቱን ፈተውቱን ነዚ እዩ ዝብለና ዘሎ። ሓደስቲ ሰባት ክንከውን እሞ ሓዲስ ሕይወትን ጠባይን ርክብን ክንፈጥር ኵሉ ዘሎኩም በደል አባይ አምጽእዎ ይብለና አሎ። ከምዚ ምስ እንገብር ትእዛዛቱ አብ ዓለም ከምኡ አባና ዘለዎ ፍቕሪ ክነረጋግጽ ኢና። ማህታማ ጋንዲ ከም ዝብሎ ፈራሕ ሰብ ፍቕሪ ከርኢ አይክአልን እዩ፥ ፍቕሪ ናይ ጀጋኑ መሰል ጥራሕ እዩ ይብል። ፈራሕን ጅግናን ክትከውን ዘይክአል እዩ።

ኢየሱስ ሓደ ዘረጋገጸልና ነገር አሎ ፍቕሪ ኩሉ ጊዜ እያ ፍረ እትፈሪ ይብለና። አብ ገለ እዋን ንሰባት ጽቡቕ ምግባር ጊዜ ምሕላፍ ኮይኑ ዝርአየና ጊዜ ይህሉ ይኸውን፥ ብዙሕ ጊዜ ንዝተገብረልና ጽቡቕ አይነመስግንን ወይ አይንርእዮን፥ ዝገደደ ገለ ሰባት ጽቡቕ ዝገበርናሎም ብአንጻሩ ተጻይናን ጸላእትናን ክቕየሩ ይክአል። ንሕና ግን ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን ምኽንያት ምአስን ብኸመይን አበየን ጊዜ ፍቕሪ ፍረ ከም እትፍሪ አይንፈልጥን ኢና። ካብ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ መረጋገጺና ፍቕሪ ፍረ ክትፈሪ እያ ዝብለና።

ኢየሱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያቱ ዝሃቦ ፍቕሪ ፍረ ፈርዩ፥ አብቲ እዋን ናብ ዝነበረ ዓለም ክሳብ መጨረሻ ፍቕሪ አምላኽ እናሰበኹን ንህዝቢ ጽቡቕ እናገበሩን አብጽሕዎ። አብ ሕይወት ብዙሓት ምእንቲ ካልኦት ሕይወቶም በጃ ዝሃቡ ፈርያ። አብ ሕይወት ማዘር ተረዛ፥ ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ፈርያ። አብ ሕይወትና እውን ፍረ ትፈሪ እያ።

ሎሚ አብ ሕይወትና ክንለብሶ ተደልዩ ዘሎ ፍቕሪ ልዕሊ ስምዒት ዝሓልፍ ክኸውን አለዎ። ንሱ ባዕሉ ከምዘርአየነ ብመስዋዕቲ ርእሱ ገሊጹልና። ብርቱዕ ስምዒት ከሰንዮ ይኽእል ይኸውን እዩ ግን ንፍቕሪ ጽኑዕን ዘይቅየርን ዝገብሮ እቲ አብ አእምሮና ዘሎ ውፉይ ድለት እዩ። አብ መስዋዕቲ ዝተመስረተ ፍቕሪ ንቃንዛን ስቓይን ዝሓልፍ ዘየግሮምርም፥ አብ ነገር ዝድለየሉ ጊዜ ትዕግስቲ ዘርእዩ፥ ዝወረደ ይውረድ አብ ጊዜ ተጻይነትን ጸገማት ዝበዝሓሉ ጊዜ ዘይሕለል ኮንካ እትገልጾ እዩ። ውፉይ ፍቕሪ ርሕሩሕ መዚኑ ዝኽእል፥ ህዱእን ሕያዋይን እዩ። እዚ ዓይነት ፍቕሪ ካልኦት ብዝኾነ ምኽንያት ልዕልና ወይ ብሉጽ ነገራት እንተ ረኸቡ ቀናእ አይኮነን። ናይ ካልኦት ጽቡቕን ሰናይ ነገርን ጥራሕ እዩ ዝደሊ። (1ቆሮ 12)።

ሎሚ እምብአር አብ ቅድሚ አምላኽ ቆምና ሕይወትናን ርክባትናን ክንርኢ ጽቡቕ እዩ። መሰርት ናይ ኩሉ ሕይወትና ፍቕሪ ክኸውን እዩ ዘለዎ። ብፍላይ ብዓለ ጰራቅሊጦስ ዘብዓለ ሕይወት መለለይኡ ፍቕርን ሕድገትን እዩ። ፍቕሪ ነቲ ብዝያዳ እንጸልኦ ሰብ ብግብርና አብ ሰናይ ክንመልሶ እንከሎና ጥራሕ እዩ። ንሰብ ብምጽላእ አብ መአዲ ፍቕሪ ክነእትዎ አይንኽእልን ኢና። ፍቕሪ መራር እያ ግን ክተሰማቕራ ምስ ከአልካ ኲኖ ስቓይን ጸበባን ንዘሎ ጣዕሚ እትርኢ ፍልይቲ ጸጋ እያ።

ቅ. ዮሓንስ አምላኽ ፍቕሪ እዩ ይብለና እዚ ኸአ ኩሉ ሕይወትና አብኡን ምስኡን ጥራሕ ትርጉም ተፍጥሮን ጣዕሙን ክርድአና እዩ። ቅ. አጎስጢኖስ አፍቅር እሞ ድሕሪኡ ድላይካ ግበር ይብለና። ፍቕሪ አብኡ እትርከብ ሰብ ሕማቕ ክገብር አይክእልን እዩ ዘየፍቕር ጥራሕ እዩ ሕማቕ ዝገብር። ቅ. ዮሓንስ አብ መልእኽቱ ነቲ ዘይርእዮ አምላኽ አፍቅር እየ ዝብል ግን ንሓዉ ዘየፍቅር ሓሳዊ እዩ ይብለና (1ዮሓ 4፡20)። አብዚ ምድሪ እዚ ንአምላኽ ከም እነፍቅር ዝምስክረልና ንከማና ሰብ ክነፍቅር ከሎና ጥራሕ እዩ ስለዚ ሎሚ ከመሎና ንፋቐር ዘሎና? ሰባት አብ ርክባትና እንታይ ይርእዩ?

ፍቕሪ አብ ቤት አብ ስድራ ጀሚራ እናዓበየት አብ ዓድን ሃገርን ቤተ ክርስትያንን ትበጽሕ። ጸጊሙና ዘሎ ንፍቕሪ ካብ ላዕሊ ጥራሕ ስለ እንጽበያ ኢና አብ ሕይወትና አብ ምሳና ዘለዉ ኢና ክንረኽባ ዘሎና። አርድእቲ ክርስቶስ ዘብለና እንፋቐር ክንከውን ከሎና ጥራሕ እዩ።

እምብአር ንፍቕሪ አብ መንጎና ክትነግስ መጀመርያ ነቲ ምንጪ ፍቕሪ ብርእሱ ዝኾነ ኢየሱስ ምሃረና ንበሎ። ድሕሪኡ ልብና ከፊትና ተመሃሮ ፍቕሪ ክንከውን ፍቓደኛታት ንኹን። ንማርያም አደና ፍቕሪ ወድኽን ፍቕርኽን ምሃርና ንበላ።

አምላኽ ብጸግኡ ፍቕሪ ዓዲሉ አብ መንጎና ሰላም ፍቕሪ ምሕረትን የንግሰልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

13 June 2020, 10:39