ቅልውላው ለበዳ ኮቪድ 19 ደቡብ ኣፍሪቃ ቅልውላው ለበዳ ኮቪድ 19 ደቡብ ኣፍሪቃ 

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብያተ ክርስትያን ንለበዳ ኮቪድ 19 ሕጹጽ ግብረ ይወሃብ ይብላ!

ፕረሲደንት ረኪበ ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብቲ ሃገር እናተላበዔ ዝኸይድ ዘሎ ለበዳ ለብዒ ኮቪድ 19 ቅድሚ ኣብ ጥርዚ ምብጻሑ ዚኣክል ምስንዳው ክግበር ምናዳ ኣብቶም ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝኾኑ ድኻታትን ሓጋዚ ዘይብሎምን ማሕበረሰብ ዘገለሎም ሰባ መንግሥቲ ቈላሕታኡ ከዛይድ ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን

ንዓለምና ብኣልማማ ዘምበርከኸ ሕማም ለበዳ ለብዒ ኮቪድ 19 ኣሽንኳይዶ ብዙሓት ድኻታትን ጽጉማትን ጸገም ምምሕዳርን ዘለወን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ነተን መን ከማና ዝብላ ዝነበራ ርእሰ ሓያላን ሃገራት ካብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ሩስያን ጀሚርካ ንኩለን በብሓደ ክሰሃለን እንከሎ ደቡብ ኣፍሪቃ ከኣ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝበዝሑ ሕሙማት ዘለዋን እቲ ለብዒ እናሰፍሔ ይኸይድ ስለዘሎ ፕረሲደንት ረኪበ ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪቃ ሻቅሎት ቤተክርስትያኖም ንምግላጽ ዚኣክልን ዘድሊ ምውህሃድን ምድግጋፍን ከምዘድሊ ንዘቅረብዎ ጻውዒት ብኤንሲኤልሲ ዝፍለጥ ናሾናል ቸርች ሊደርስ ኮንሱልተይሽን ዝበሃል ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ መራሕቲ ኣብያተክርስትያን ቤትምኽሪ እውን ብወገኖም ክበድ ናይዚ ጸገም እንከመልክቱ 'ቅልውላው ለበዳ ኮቪድ 19 ሕጹጽ ግብረ መልስን ዓሚቚ ዳግመ ግምትን ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ኣብ መንጎ መንግሥትን ኣብያተክርስትያን ኩሎም ጸለውቲ ማሕበረሰብን ክግበር ይጽውዕ። እዚ ጠለብ እዚ ከኣ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ቅልውላው ጥራይ ዘይኮነ ጽባሕ ንግሆ እዚ ቅልውላው እዚ ኣብ ጥርዙ እንክበጽሕ ዚኣክል ምስንዳእን ውዳበን እንተዘይተገሩ እቲ ሓደጋ ግሉጽ ስለዝኾነ ንናይ ሎሚ ሓደጋ ለበዳ ጥራይ ካብ ምትኳር ድሕሪ እዚ ለበዳ እዚ ዝመጽእ ሳዕቤን ቀሊል ከምዘይኰን ብእዋኑ ምግንዛብ የድሊ' እንክብሉ ተማሕጺኖም። ኣጋጣሚ ኰይኑ ናይዚ ቤትምኽሪ እዚ ኣቦ መንበር እውን ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ረኪበ ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረሲደንት ብፁዕ ኣቡነ ሲተምበለ ሲፑካኣ እዮም። ኩነታት ለበዳ ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ኣፍሪቃ ገና እግሪ ተኽሊ እኳ እንተኾነ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብቶም ቀዳሞት ተጠቃዕቲ እያ።

ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ መርበባት ኣገልግሎት ማሕረሰብ ዘስዕቦ ግድላት!

 ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ በዚ ለበዳ እዚ ዝተወቅዔት ምዃኑ እንክምልከት ክሳብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ልዕሊ 43 ሺሕ በዚ ሕማም እዚ ዝተለኽፉን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሙታትን እንክተመዝገብ በቲ ዘሎ ክሊማዊ ኩነታት ማለት ክረምቲ ኣብ ምእታው ስለዝኾነ ከይጋደድ ፍርሂ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ዜናታትን ታሪኽን ከምዝግለጽ ቅድሚ ሕጂ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብተን ብለበዳ ኤይድስ ካብ ዝተጸገማ ሃገራትን ብዝሒ ብድኽነት ዝነብር ንምሉእ ቅርጺ ማሕበረሰብኣዊ ኣገልግሎት ዘስግእ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ድኽነትን ማሕበራዊ ዘይማዕርነትን ዘስዓቦ ዕግርግርን ቅልውላውን ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ኰይኑ መጻኢ ኩነታት ብጣዕሚ ዘስግእ ምዃኑ ይግለጽ። እቲ ቀንዲ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ከምቲ መልእኽት ቤትምኽሪ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዘመልክቶ እቲ መንግሥቲ ዝወስዶ ዘሎ ዳግም ናይ ምኽፋት ናይ ኩሉ ቦታትን ኣብያተ ኣምልኾን እንክኸውን እቲ ቀንዲ ጸገም ግን 'ሕይወት ሰብ ከመይ ቢልካ ተድሕን ነቶም ድሮ ሓሚሞ ዘለው ከመይ ገቢርካ ትከናኸኖምን ትቅልቦምን ዝብል መሪሕ ክኸውን ኣለዎ' እንክብሉ ኩሎም ኣብ መሪሕነት ፖሎቲካን መንግሥትን ዝርከቡ ኣካላት ከም ኣተሓባበርቲ ኰይኖም ነዚ ወሪዱ ዘሎ ዓመት ክቃለሱ ምስ ኣዘኻኸሩ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ተጸሚዶም ንዘለው ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማንን ስለ እቲ ዘበርክትዎ ተባዕ ወፈያ ብምምስጋን ንኩሎም ኣብ ሓለዋ ጸጥታን ካልእ ኣገልግሎትን ተዋፊሮም ንዘለው እውን ብምምስጋን በዚ ጸገም እዚ ተጐዲኦም ዝብላዕ ንዝሰኣኑ ንዝተጸገሙ ኣብ ምርዳእ ክዋፈሩ ሓደራ ብማለት ኣብዚ ግዜ ጸገም ከም ቀዳምነታት ዘቅርበወን ነጥብታት ዘርዚሮም።

ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት

ሃገራዊ ቤትምኽሪ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ኣብዚ ግዜ ለበዳ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነት ብምሃብ ክስረሓሎም ዘለዎም ኣርባዕተ ቀዳምነታት ይእምሙ። መጀመርያ ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ እዩ እሞ ብእዋኑ ድሕረ ለበዳ ኮቪድ 19 ንዝመጽእ ጸገማት ብእዋኑ ምስንዳው። ካልኣይ እቶም ካብ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝተረፉ ካልእ ለበዳ ጥሜትን ዓጸቦን ከየጥቅዖም ዘድሊ መግቢ ምናዳ ነቶም ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ድኻታትን ረዳኢ ዘይብሎምን ዝብላዕ ዝስተ ምዕዳል ወዓል ሕደር ዘይደልዮ ጉዳይ ምዃኑ። ብሳልሳይ ደረጃ ትምህርቲ ውሕስነት ቀጻልነት እንተዘይረኺቡ ጸገም ስለዝኾነ ሥርዓተ ትምህርቲ ብዝተኻእለ መጠን ሥሩዕ መደባቱ ዝጅምረሉ መንገዲ ክድለ። ብራብዓይ ደረጃ ነቲ ብዓለምለኸ ደርጃ ዝርከብ ረድኤትስ ይኹን ካልእ ረብሓታት ብህጹጽ ኣብቲ ዘድሊ ቦታን ሰባትን ንምብጻሕ ካብ ሕጂ መንግሥትን ካልእ ድርጅታትን ዚኣክል ምስንዳእ ክገብሩ ብማለት ሕጹጽ ግብረ መልሲ እንተዘይተዋሂቡ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ ነዚ ዕድል እዚ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ከጋጥማ ከምዝኽእል ኣጠንቂቆም።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 June 2020, 12:59