መካነ ንግደት ድንግል ማርያም ዘሉርድ መካነ ንግደት ድንግል ማርያም ዘሉርድ 

ናብ መካነ ንግደት ድንግል ማርያም ዘሉርድ ዝግበር መንፈሳዊ ንግደት ክጅመር እዩ! ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሊኖ

ለበዳ ኮቪድ 19 መላእ ዓለም ክውሸብ ኣብ ዝቀሰበሉ ከም ኩሉ ኣገልግሎታት ንመንፈሳዊ ንግደት ናይ ሕሙማትን ኣካለ ስንኩላንን ዝተፈላለየ ጸገማት ንዘለዎም ሰባት ናብ መካነ ንግደት ድንግል ማርያም ዘሉርድ ዘወሃሃድ ቤትጽሕፈት እውን ብኩሉ ኩሉ ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ዝመጽእ ነሓሰ ነቲ ልሙድ ኣገልግሎት መንፈሳዊ ንግደት ሕሙማትን ኣካለ ስንኩላንን ብውሱን ቁጽሩ ክጅምሩ ምዃኖም ፕረሲደንት ናይቲ ማሕበር ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ኣንጀሊኖ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን

ኦፍታል ብዝብል ምሕጻረ ቃል ዝፍልጠጥ ንሕሙማን ናብ መካነ ንግደት ድንግል ማርያም ዘሉርድ ኣብ ምምልላስ ዝነጥፍ ማሕበር ሽሕ’ኳ ኣብ 2020 ዓም ብዙሕ መደባት እንተነበሮ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዘኸተሎ ጸገም ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓደ ክገብር እኳ እንተዘይከኣለ ንዝመጽእ ወርሒ ነሐሰ ካብ ዕለት 14 ክሳብ 17 ቀዳሞት ጉጅለ መንፈሳዊ ንግደት ብነፈርትን ብኣውቶቡሳትን ክቅበል ምዃኑ ብምሕባር ቀዳማይ በረራ ዕለት 18 ነሓሰ 2020 ከምዝግበር እንክምልከት ስዒቡ ኣብ ወርሒ መስከረም ጥቅምትን ታሕሳስን ክግበር ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።

ብዙሕ ግዜ ከምዚ ዓይነት ጸገም እንከጋጥም ቅድሚ ሕጂ ኣጋጢሙዶ ነሩ ዝብል ሕቶ ክቅጀል ግድን ብምዃኑ ነዚ ዝመሳሰል ኩነታት ንሃገራት ኤውሮጳ ምናዳ ኸኣ ንሃገረ ፈረንሳን ጐረባብታን ዘዕነወ ካልኣይ ውግእ ዓለም ይዝከር። ነዚ ኩነታት እዚ እውን ምስቲ ድሕሪ ካልኣይ ወግእ ዓለም ብ1947 ዳግም ንመንፈሳዊ ንግደት ንምብጋስ ንዝተገብረ ፍጻሜ ይዝክሩ።

እንተ እቲ ኰይኑ እንተ እዚ እቲ ቀንዲ ተልእኮ ናይዚ መንፈሳዊ ንግደት ነቶም ኣብ ብርቱዕ ሥቃይ ዝርከቡ ምንጪ ተስፋ ኰይኑ ዘድልዮም ጸጋ ንምርካብ ዝግበር መንፈሳዊ ተግባር ከምዝኾነ ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሊኖ ንመካነ ንግደት ሉርድ ‘ንእሽቶ መስኮት ሰማይ’ ክብሉ ገሊጾሞ።

ብድምጺ ንምክትታል!
19 June 2020, 12:47