2020.06.03 ስእሊ ኣባ  ራቂድ ቓኒ  ኣብ ብዳዒሽ ዝፈረሰ መቃብሮም 2020.06.03 ስእሊ ኣባ ራቂድ ቓኒ ኣብ ብዳዒሽ ዝፈረሰ መቃብሮም 

ሃገረ ኢራቅ ነቶም ቤተክርስትያን ብዘይምዕጻዎም ብዳዒሽ ዝተቀትሉ ኣባ ራቂድ ትዝክር!

ናይ ሎሚ 13 ዓመት ይገብር ትኽክል ንምዃን ዕለት 3 ሰነ 2007 ዓም ሃገረ ኢራቅ ኣብ ቀውጢ ኣብ ዝነበረቱሉ ግዜ ኣብታ ቅርሲ ክርስትናን ብዙሕ ቅርስታትን ዝርበላ ከተማ መሱል ዳዒሽ ምስ ወረሩ ቆመስ ደብረ መንፈስ ቅዱስ ዝነበሩ ኣባ ቓኒ ራቂድ ምስ ሠለስተ ዲያቆናት ድሕሪ ነዊሕ ምፍርራሕን ስደትን ክሳብ ሞት ቅዳሴ ኣይነቋርጽን ብዘይ ሥጋኡን ደሙን ሕይወት የብልናን ብማለት ንቤተክርስትያኖም ኣይንዓጹን ስለዝበሉ ተቀቲሎምስ ሰማዕታት ቅዱስ ቊርባን ተባሂሎም ዓመት ዓመት ይዝክርዎም።

ዜና ቫቲካን

እወ ብሓቂ ሰማዕቲ ቅዱስ ቁርባን! እዞም ብንእስነቶም ጽዋዕ ሰማዕትነት ክጭልጡ ዕድል ዝረኸቡ ካህን ኣብ 35 ዓመት ዕድሚኦም እንክኸውን ብዛዕባ ቅዱስ ቊርባ እንክዛረቡ `ንቅዱስ ቊርባን ኣብ ኢደይ ክሕዝ እንከሎኹ ነቲ ንሕና ኩልና ብፍቅሩ ተኣኪብናሉን ሓደ ዝዀናሉን ኢየሱስ ክርስቶስ ክርስቶስ እዩ` ይብሉ ነበሩ። እዞም መንእሰይ ካህን እዚኦም ትውልዶምን መበቆልምን ኣብ ካረምለሽ እትብሃል ንእሽቶይ ዓዲ ጎላጉል ነነዌ ኰይኖም ክልተ ዓመት ቅድሚ መሥዋዕቶም ናብ ሃገረ ጣልያን ከተማ ባሪ መጺኦም ኣብ ኮንግረስ ቅዱስ ቊርባን ብምስታፍ ብዕለት 28 ግንቦት 2005 ዓም ምስክርነቶም ሂቦም ነሮም። ንርእሶም ብሰማዕትነት ከምዝምስክሩ ከይፈለጡ ከኣ እቲ ዝሃብዎ ምስክርነት ኣርእስቱ ናይቶም ኣብ ስደት ድዮቅላኖስ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝተቀትሉ 49 ሰማዕታት ሓረግ ነበረት። እታ ሓረግ ከኣ 'ብዘይ ሰንበት ክንነብር ኣይንኽእልን' ማለት ብዘይ ምሥራዕ ቅዱስ ቊርባን ብዘይ ቅዳሴ ክንነብር ኣይንኽእልን ዝብል ነበረ። እዚ ከኣ ከምዝዝኸር እዞም ሰማዕታት እዚኦም ወይ ሰንበት ሰንበት ተኣኪቦም ምቅዳስ ኣቋርጹ ወይ ክንቀትለኩም ኢና ምስ በልዎም ብሓባር ብዘይ ቅዱስ ቊርባን ክንነብር ኣይንኽእልን እንክብሉ ሰማዕትነት ዝተቀበሉ እዮም።

'ብዘይ ሰንበት ክንነብር ኣይንኽእልን'!

ኣባ ራቂድ ቓኒ ነዚ ምስክርነት እዚ ሂቦም ዓዶም ምስ ተመልሱ ድሕሪ ክልተ ዓመት ማለት ዕለት 3 ሰነ 2007 ዓም ኣብታ ቊምስናኦም ዝነበረት ማለት ደብረ መንፈስቅዱስ ናይ ዕለተ ጰራቅሊጦስ ቅዳሴ ፈጺሞም ክወጹ ከለው ብፈጠርቲ ራዕዲ ኣብላት ዳዕሽ ኣብ ኣፋፌት ቤተክርስትያኖም ምስ ሠለስተ ዲያቆናት ተቀቲሎም። ኣስማት እቶም ሠለስተ ዲያቆናት ባስማን ዩሱፍ ዳውድ ዲ. ዋሒድ ሃናእ ዒሾን ዲ. ቓሳን ኢሳም ቢዳወድ ነበሩ። እቲ ዝገደደ ኸኣ እቶም ቀተልቲ ኣብ ሬሳታት እዞም ሰማዕታት ፈንጅታት ይቀብሩ። ከመይ ማንም ክቀርቦምን ክትንክፎምን ኣይደለዩን። ከምኣ ኢሎም ውዒሎም ኣብ ኣማስያኡ ፖሊስ ከተማ መሱል መጺኦም ብኽንደይ ቃልሲ ነቲ ፈንጅታት ኣምኪኖም ንሬሳታቶም ኣረኪቦም። ካብተን ኣባ ራቂድ ኣብ መወዳእታ ዝበለን ቃላት እታ `ቤተ እግዚአብሔር ኪዓጹ ኣይክእልን እየ` ብማለት ነቶም ቀተልቲ ዝሃብዋ ዘይተወላውል መልሲ ወትሩ ትዝከር።

ቤተእግዚአብሔር ክዓጹ ኣይከኣለንን እዩ!

ኣብታ ጉዕዞ ቀራንዮ ዝመስል ጽድፍድፍን ሕንፍሽፍሽን ዝመልኦ ሁመት ዝርእዩን ዝሰምዑን ዝነበሩ እቶም ጨካናት ቀተልቲ ድሕሪ ብዙሕ ዘረባን ምፍርራህን ቀቅድሚ ምቅታሎም ሓለቃ ናይቶም ቀተልቲ ንኣባቲ `ቅድሚ ሕጂ ነዚ ቤተክርስትያን እዚ ዕጸዎ ኢለ ናይ መጨረሽታ መጠንቀቅታ ሂበካ ነረ ስለምንታይ ዘይፈጸምካዮ` ኢሉ ምስ ሓተቶ እቲ መንእሰይ ካህን `ቤተ እግዚኣአብሔር ኪዓጹ ኣይክእልን እየ` ክብል መለሰ። ነዚ ጽንዓት እዚ ኣቀዲሙ ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ባሪ ሂብዎ ዝነበረ ምስክርነት ኣብ ገጹ ይንበብ ከምዝነበረ እቶም ሽዑ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ነቲ ብዛዕባ ፈጠርቲ ራዕዲ ዳዒሽ ዝበሎ እንክዝክሩ 'ፈጠርቲ ራዕዲ ብስጋ ክቀትሉና ከምኡ እውን ኣብ ራዕዲ ጥሒልና ብፍርሒ ብመንፈስና ክቀትሉና ይጽዕሩ። እቶም ኣኽረርቲ ተጻይ መንእሰያት ክርስትያት ዝገብርዎ ዓመጽ ቆጺርካ ኣይውዳእን። ብዙሓት ሥድራቤታ ሃዲሞም እዮም። ህድኣት ኣብ ዝሰፍረሉ ግዜ ኩሉ ይርሳዕ ዕብየት ናይቲ ጸጋ ይዝንጋዕ። እንተ ዓመጽን ራዓድን ምስ ኣስፋሕፈሐ ግን እታ እንሎ መጸናንዒትና ቅዱስ ቁርባን ምዃና ተገንዚብና። እቲ ምእንታና ዝሞተን ካብ ሞት ዝተንሠኤን ክርስቶስ ኣብ ግዜ ጸበባ ሕይወት ይህበና። ኣብኡ ጸኒዕና ንክነብርን ንክንቅጽልን ክንትስፎን ሓይሊ ዝህበናኸስ እዚ እዩ` ኢሎም ነበሩ። ሰማዕትነት ሕይወት ቤተክርስትያን ኰይኑ ከምቲ ቅዱስ ኤሬነዎስ ዝብሎ ቤተክርስትያን ብደምሰማዕታት ስለትዕምብብ ናይ ኣባ ራቂድን ብጾቶምን እውን ከምቲ ኣብ ዕለቱ ዝዘከርናዮም ሰማዕታት ኡጋንዳ ማለት ቅዱስ ቻርለስ ልዋንጋን ብጾቱን ክንብል ዝዘከርናዮ ናይዞም ናይ ዘመንና ሰማዕታት ሕይወት እውን ተጸኒዑ ኣብ ደረጃ ብፅዕናን ቅድስናን ኣደዪባ ቅድስናኦም ንክትእውጅ ቤተክርስትያን ግድን ክተጽንዕ ስለዘለዋ ጉዕዞ መጽናዕቲ ብፅዕናኦም ዝሓለፈ ዓመት ማለት 2019 ዓም ተዛዚሙስ ዝስዕብ ኣዋጃት ንጽበ።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ኣባ ራቂድ!

ኣባ ራቂድ ኣብ ካረምለሽ እትብሃል ኣብ ጐላጒል ነነዌ እትርከብ ዓዲ ብዕለት 20 ጥሪ 1972 ዓም ተወሊዱ። ኣብ ናይቲ ዓዲ ዪኒቨርሲቲ ብኢንጂነሪንግ ብ1993 ተመሪቁ ጸዋዕታ ክህነት ምስ ተሰመዖ ካብ 1996 ክሳብ 2003 ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ቅዱስ ቶማስ ትምህርተ ንባበ መለኮት ኣጽኒዑ ብሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ናይ ማስተርስ መዓርግ ረኸበ። ክንዮ ቋንቋ ዓረብ ቋንቋታት ጣልያንን ፈረንሳን እንግሊዝን ኣጸቢቁ ይመልኽ ነበረ። ናይ ኤሽያ ኒውስ ዝበሃል ኣገልግሎት ዜና ጳጳሳዊ ተቍዋም ስብከተ ወንጌል ወኪል ኰይኖም እውን ኣገልገሉ። ምስ ሕዝቦም ኰይኖም እናኣገልግሉ ኣብ ጽንኩር ግዜ ኣውያት ሕዝቦም ብመራኸቢ ብዙሓንስ ይኹን ብኣካል ኣብ ጉባኤታትን ኮንፈረንሳትን ተረኺቦም የስምዑ ነበሩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ፍሉይ ፍቅሪ ቅዱስ ቊርባን ስለዝነበሮም ቅዳሴ ሰንበት ካብ ዝበኩር ዓለም ትወዳእ ዝብል መርገጺ ስለዝንበሮም እነሆ ቅዳሴ ሰንበት ከየብኩሩ ክብሉ ቀዲሶም ሥጋኡን ደሙን ዓዲሎም ደሞምን ሥጋኦምን ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓዊሶም። ዝሓለፈ 22 ሚያዝያ 2017 ዓም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ በርጠለሜዎስ ነዞም ሓደስቲ ሰማዕታት ዘኪሮም ኣብ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እታ ኣባ ራቂድ ለቢሶማ ዝነበሩ ልብሲ ለቢሶም ከምዝቀደሱ ይዝከር። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ መጽናዕቲ ጒዕዞ ብፅዕና በቲ ሰባኻኦም ብዕለት 1 መጋቢት 2018 ዓም ጀሚሪ ብዕለት 27 ነሕሰ 2019 ተዛዚሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
03 June 2020, 17:45