“ቃል ኪዳን ንሮማ” ዝብል ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ “ቃል ኪዳን ንሮማ” ዝብል ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ  

መዋሊ ማሕበር መለኮታዊ ኢየሱስ ሰራሕተይና፥ ምስ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጐድኒ ኣባይቲ ስድራ

ቅዱስነቶም ዘቖምዎ ናይ ድጋፍን ምትሕብባርን መዋሊ ማሕበር መለኮታዊ ኢየሱስ ሰራሕተይና ናይ ክፍለ ሃገር ላዚዮን ቤት ምሕደራን ምሕደራ ከተማ ሮማን ንቕዱስነቶም ብምምስጋን ነዚ መደብ ከምዝድግፍዎን ኣብዚ ናይ ድጋፍን ምትሕብባርን መደብ እውን ክዋስኡ ብዘለዎም ድላይ መሰረት ኣብ ናይ ሰበኻ ሮማ መንበር ህየንተ ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ለብዒ ኮቪድ - 19 ካብቲ ዘስዓቦ ህልቂትን ከቢድ ናይ ሕይወትን ጥዕናን ጸገምን ክንየው ኣብ ኤኮኖሚ ዝፈጠሮ ቅልውላው ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑን ብዙሓት እውን ካብ ስራሕ ወጻኢ ከምዝገበረን እዚ ኸኣ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ንኸቢድ ጸገምን መነባብሮን ይዳርግ ከምዘሎን ግምት ብምሃብ ኣብ ከተማ ሮማ ነቶም ስራሕ ንኸቋርጹ ዝተገዱ ኣባይቲ ስድራ ድጋፍ ዘቕርብ መዋሊ መለኮታዊ ኢየሱስ ሰራሕተይና ማሕበር ኣቑይሞምን ነዚ ማሕበር እውን ከም መብገሲ ንዘሳልጦ ግብረ ሰናይ ቅዱስነቶም ሓደ ሚሊዮን ኤውሮ ከምዝለገሱ ዕለት 9 ሰነ 2020 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ምሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ ከምዝነበር ክዝከር እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 12 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ሕንጻ ናይ ላዚዮ ርእሰ ክፍለ ሃገር ኒኮለ ዚንጋሬትን ናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ቪርጂኒያ ራጂን “ቃል ኪዳን ንሮማ” ዝብል ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ከምእተፈራረሙ ልኡኽ ጋዜይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ሓቢሮም።

ለብዒ ኮቪድ - 19 ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ንኤኮኖምን ቁጠባን ጸገም ከምዝዳረገን ነቶም ካብ ስርሖም ዝተመዛበሉን ነዚ ስዒቡ እውን ንድኽነት ንዝቃልዑ ዘለዉ ኣባይቲ ስድራን ድሮ ኣብ ድኽነት ንዝርከቡን ዘለዉ፡ ወለዲ ካብ ስራሕ ክመዛበሉን ነዚ ስዒቡ እውን ኣባይቲ ስድራ ናብ ድኽነት የብሉ ብምህላዎም ነዚ ግምት ብምሃብ ቅዱስነቶም ዘቖምዎ ናይ ድጋፍን ምትሕብባርን መዋሊ ማሕበር መለኮታዊ ኢየሱስ ሰራሕተይና ናይ ክፍለ ሃገር ላዚዮን ቤት ምሕደራን ምሕደራ ከተማ ሮማን ንቕዱስነቶም ብምምስጋን ነዚ መደብ ከምዝድግፍዎን ኣብዚ ናይ ድጋፍን ምትሕብባርን መደብ እውን ክዋስኡ ብዘለዎም ድላይ መሰረት ኣብ ናይ ሰበኻ ሮማ መንበር ህየንተ ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ኣብ ዝተረኽብሉ ርክብ ርእሰ ክፍለ ሃገር ላዚዮ ዚንጋረቲን ናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ራጂን ነቲ ቅዱስነቶም ዘቖምዎ መዋሊ መለኮታዊ ኢየሱስ ሰራሕተይና ማሕበር ተቐቢሎም ብምትሕብባር ክዓዩን “ቃል ኪዳን ንሮማ” ዝብል ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ተፈራሪሞምን ምሕደራ ክፍለ ሃገር ላዚዮን ቤት ምሕደራ ናይ ሮማ ከንቲባን ነፍሲ ወከፎም 500 ሚእቲ ሽሕ ኤውሮ ከም መበገሲ ብምውፋይ ኣብቲ ናይ ግብረ ሰናይ መደብ ክዋስኡ ምዃኖም ከምዘረጋገጹ ጉራሺ ሓቢሮም።

መዋሊ ማሕበር መለኮታዊ ኢየሱስ ሰራሕተይና፥ ምስ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጐድኒ ኣባይቲ ስድራ
13 June 2020, 21:43