ኣዋጅ ብጽዕና፥ እናቴ ማይነቲን ኣብ ቨነዝወላ ሓኪም ድኻታትን ኣዋጅ ብጽዕና፥ እናቴ ማይነቲን ኣብ ቨነዝወላ ሓኪም ድኻታትን 

ኣዋጅ ብጽዕና፥ እናቴ ማይነቲን ኣብ ቨነዝወላ ሓኪም ድኻታትን

ዕለት 18 ሰነ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝኸታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ በቺዩ ዘቕረቡሎም ነርባዕተ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣዋጅ ብጽሕና ዝሓትት ሰነድተ ተቐቢሎም ከምዘጽደቑን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣርባዕተ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣዋጅ ብጽዕና ሰነድ ከምዘጽደቑን እቶም ብጽዕና ዝእወጀሎም እተን ኣብ 2000 ዓ.ም. ብሰለስተ መንእሰያት ኣምለኽቲ ሳጥናዔል ዝተቐትላ ኢጣሊያዊት ተወላዲት ሎምባርዲያ ገዳማዊት እናቴ ማይነቲን ኣብ ቨነዝወላ ሓኪም ድኻታት ኾሴ ግረግሪዮ ሀርናንደዝ ሲንሰሮስን ኣርጀኒናዊ ጳጳስ ማመርቶ ደ ላ ኣሸንሲዮን ኤስኪውዩን ጀርመናዊ  ካህን ናይ ማሕበር ካህናትን ደናግል መድሕናውያን መስራቲ ኣባ ፍራንቸስኮ ማሪያ  ዘመስቀልን ከምዝኾኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ኣዋጅ ብጽዕና፥ እናቴ ማይነቲን ኣብ ቨነዝወላ ሓኪም ድኻታትን
ኣዋጅ ብጽዕና፥ እናቴ ማይነቲን ኣብ ቨነዝወላ ሓኪም ድኻታትን

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 18 ሰነ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝኸታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ በቺዩ ዘቕረቡሎም ነርባዕተ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣዋጅ ብጽሕና ዝሓትት ሰነድተ ተቐቢሎም ከምዘጽደቑን ዝሓበራ ቸራዞ ኣስዒበን፥ እናቴ ማሪያ ላውራ ማይነቲ ዕለት 20 ነሓሰ 1939 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ለኮ ዝተወልዳ ኣባል ማሕበር ደናግል ደቂ መስቀል ዕለት 6 ሰነ 2000 ዓ.ም. ጸላእቲ እምነት ብዝኾኑ ብሰለሰ መንእሰያት ኣባላት ኣምላኽያን ዲያብሎስ ዝተቐትላ ናይ እምነት ሰማእት ብዝብል መጸውዕ ብጽዕቲ ከበሃላ ከምዝኾናን በቶም መንእሰያት ኣመለኽቲ ዲያብሎስ ክቕተላ እንከለዋ ኣብነት ኢየሱስ ብምስዓብ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እያቶም እሞ መሓሮም ዝብል ቃል ከምዘደገማ እውን ይንገር።

ኣብ ቨነዝወላ ዕለት 26 ጥቅምቲ 1864 ዓ.ም. ዝተወልዱን ቦኽሪ ገዛን ሓሙሽተ ኣሕዋት ዝነበርዎም ኣብ ካራካስ ብህክምና ተመሪቖምን ኣስዒቦም ኣብ ፓሪስን በርሊንን ማድሪድን ነው ዮርክን ስነ ምርምር ስነ ሕክምና ኣዕሚቖም ናይ ስነ ምርምር ሊቅ ንምዃን ዝበቕዑን ዓሚዩቕ እምነት ዝነበሮምን ዓለማዊ ምእመን ኣባል ሳልሳይ ስርዓተ ፍራንቸስካውያን ኮይኖም ድኻታት ሕሙማን ዝኣልዩ ዝነበሩን ብፍላይ ለብዒ ረስነ ስፓኒሽ ኣብ ዝተኸሰተሉ እዋን ኣብ ምግልጋል ዝነበሩ ብሓደጋ ማኪና ዕለት 29 ሰነ 1919 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝሓለፉን ነፍሶም ቅድሚ ምሕላፋ ስም ቅድስቲ ማርያም ከምዝጸውዑን ይንገር።

ኣርጀንቲናዊ ዕለት 11 ግንቦት 1826 ዓ.ም. ኣብ ሳን ኾሰ ደ ፔድራ ብላንካ ዝተወልዱን ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሃው ናይ ኮርዶባ ጳጳስ ዝነበሩ ማመርቶ ደ ላ ኣሸንሲዮን ኤስኩዪ ኣብ 1880 ዓ.ም. ዝዓረፉን እቶም ራብዓይ ብጹዕና ዝእወጀሎም ጀርመናዊ ካህን መስራቲ ማሕበር መድሕናውያን ካህናትን ደናግልን ኣባ ፍራንቸስኮ ማሪያ ዘ መስቀልን ከምዝኾኑን ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ኣዋጅ ብጽዕና፥ እናቴ ማይነቲን ኣብ ቨነዝወላ ሓኪም ድኻታትን
21 June 2020, 00:20