ማርታ “ጎይታይ ኃብተይ ኃዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ ክትድግፈኒ እንዶ ንገራ” ማርታ “ጎይታይ ኃብተይ ኃዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ ክትድግፈኒ እንዶ ንገራ”  

አብ ትሕቲ ኢየሱስ ኮንካ ጽን ኢልካ ምስማዕ። ማርታን ማርያን

“ማርታ ማርታ ብብዙኅ ነገር ትጭነቕን ትሰሕርን አሎኺ። እቲ ዘድሊ ግና ሓደ ነገር ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ካብአ ዘይውሰድ ሠናይ ግደ ኃርያ አላ” (ሉቃ 10፡41-42)
ብድምጺ ንምክትታል!

ዘሎናዮ ወርኂ ግንቦት ንፍሉይ አስተንትኖ ዝዕድም እዩ። አብ ሕይወት ማርያም አደና መሰረት ገርና ከምኡ ካልኦት ቅዱሳንን ንኢየሱስ ከመይ ኢልና ከም እንሰምዕ ክንለማመድ ዝሕግዝ ጊዜ እዩ። ሰብ ንአምላኽ ክሰምዕ እንተ ኸአለ ምስኡ ይነብር። አዳምን ሔዋንን ንአምላኽ ምስማዕ ስለ ዝአበዩ እዚ ኹሉ እንርእዮ ጸገም ወሪዱና። ነብያት ንህዝበ እስራኤል ቤተ ክርስትያን እውን ንህዝቢ አምላኽ ስምዑ እናበሉ ንአምላኽ ክንሰምዕ ከም ዝግባእ ነጊሮም ይነግሩ አለዉ።

ሰብ ክሰምዕ እንተ ኸአለ ንብዙሕ ነገራት ከምቲ ዝድለ ኽገብሮም ይክአል። ጸገምና ዘይምስማዕ እዩ። ካብ ዝርብሽ ድምጽን ካልእ ነገራትን ወጺእና ክንሰምዕ አሎና። ብዙሕ ዝስማዕ ድምጽታት አሎ ፈሊና ክንክእል አሎና፥ ምኽንያቱ ጥዑማት ክስምዑ ዝዕድሙ ግን ብውሽጦም መርዚ ዝተፍኡ ድምጽታት አብ ዓለም መሊኦም እዮም ስለዚ ነገር አምላኽ ክንሰምዕ ፍሉይ ምስትውዓል የድልየና።

ነዚ አብነት ዝኾነነ አብ ወንጌል ሉቃስ እንረኽቦ ናይ ማርታን ማርያን ክልተ አሕዋት እዩ። እዘን ክልተ አሓት ምስ ኢየሱስ ጥቡቕ አፍልጦ ከም ዝነበረን ወንጌል ይነግረና። አብ ቤተን ብኽብሪ ይቕበላኦ የፍቅራኦ ከም ዝነብራ ታሪኸን ይነግረና። ንሰን ካብቶም ኩሉ ጊዜ አብ ተልእኮኡ ዘገልግልዎ ዝነበሩ እየን። ወንጌል ዮሓ 11 ብዛዕባ አልአዛር ሓወን ካብ ሞት ከም ዝተንሥአ ይነግረና። ማርታ “ንስኻ እንተ ትነብር ሓወይ አይምሞተን” እናበለት አብ መንግኦም ዝነበረ ርክብ ገሊጻ። ኢየሱስ ሞት ዘካርያስ ዓርኩ ምስ ሰምዐ ንቢታንያ ከም ዝኸደ እሞ አብ ቤት አልአዛር ምስ በጽሐ ንመጀመርያ ጊዜ ከም ዝነብዐ ንርኢ። እዚ ኸአ ክሳብ ክንደይ ፍቕሪ ከም ዝነበሮም ገሊጹ። ንማርታ አነ ትንሣኤን ሕይወትን እየ እናበለ ዓሚቕ እምነት ገሊጹ። ምስ ኢየሱስ ርክብ ዘልኦ ሕይወት ትሩፋቱ ሕይወትን ሓጎስን ፍቕርን እዩ መለለይኡ። 

 ሕይወት ማርታን ማርያን አስተንታኒ ሕይወት እንታይ ከም ዝኾነ ይሕብረና። ማርያም ኢየሱስ አብ ቤቶም ክበጽሖም ምስ መጽአ አብ ትሕቲ እግሪ ኢየሱስ ኮይና ትሰምዖ ነራ ማርታ ግን አጋይሻ ክትቅበል ላዕልን ታሕትን ትብል ነራ። ነዚ ዝተዓዘበት ማርታ “ጎይታይ ኃብተይ ኃዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ ክትድግፈኒ እንዶ ንገራ” እናበለት ንኢየሱስ ከይተረፈ ብሓውሲ ወቐሳ ተዛሪባቶ። ብዝመስል ኢየሱስ ምስ አርድእቱ መጺኡ እንተ ኾነ ማርታ ንበይና ንአኦም ዘድሊ ክተሰናዱ ሓቃ እያ ሓገዝ የድልያ ነሩ እንተ ኾነ ኢየሱስ ካብቲ ንሳ እትገብሮ ካልእ ዝዓበየ ክምህራ ኢሉ እዩ ሱቕ ኢሉ ዝርእያ ዝነበረ። ከምኡ ሓቀኛ አገልጋሊ ምጭንቀትን ምህዋኽን አየዘውትርን እዩ፥ ምህዋክን ምጭናቕን ምልክት ዘይምቕሳን እዮም።

ታሪኽ ማርታን ማርያን ነቲ አቐዲሙ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝነገሮ ብኻልእ መልእክዕ ክንርእዮ ክሕግዝ ዝኾነ እዩ ዝመስል። ንኢየሱስ ክንክተል እንከለና አብ ሓደ ነገር ጥራሕ ክንዝንብል ከምዘይብልና ንምምሃር እዩ።

ማርታ አመና ሸቐልቀል እተብዝሕ እሞ ክትገብር ክተገልግል እትህወኽ እያ። ንሳ አብ አገልግሎት ተተኵር። አገልግሎት ንርእሱ ኢየሱስ ዝገብሮን ዝብሎን ዝነበረ ንሓዋርያቱ ኸአ ክገብርዎ ከም ዘለዎም አትሪሩ ነጊርዎም። ግን አገልግሎት ተጽዕኖ ክኸውን የብሉን። ነዚ ርድኢት ክቕይር ኢሉ ኢየሱስ ንማርታ ሓፍታ ማርያ መሪጻቶ ዘላ ዝበለጸ ከም ዝኾነ ይነግር።  ብርግጽ ንማርታ ሓፍታ ሓንቲ ዘይትገብር እሞ ከይትሕግዛ ኢላ ምስ ኢየሱስ እተዕልል ዘለ ኮይኑ ተራእይዋ። በዚ ምኽንያት ኢየሱስ ሓፍትኺ ዝበለጸ ነገር መሪጻ አላ ዝበላ።

ማርያም ካብ ኩሉ ስራሕ አቋሪጻ አብ ትሕቲኡ ኮይና አስተውዒላ ትሰምዕ ነራ። ንኢየሱስ ክትሰምዖ ሱቕታ ጸጥታ አድልይዋ። አብ ቅድሚ ኢየሱስ ናእዳ ረኺባ “ማርታ ማርታ ብብዙኅ ነገር ትጭነቕን ትሰሕርን አሎኺ። እቲ ዘድሊ ግና ሓደ ነገር ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ካብአ ዘይውሰድ ሠናይ ግደ ኃርያ አላ” (ሉቃ 10፡41-42) እናበለ ዓሚቕ ትምህርቲ ገሊጹላ። ምስ ጎይታ ክንከውን ቦታን ሱቕታን የድልየና፥ እዚ ናይ ሱቕታን ጽምዋን ቦታ ፍሉይ ርክብ ምስ አምላኽ ከም እንገብር ይገብረና።

እንታይ እዩ እቲ ዝበለጸ ማርያ መሪጻቶ ዘላ? ማርያ አብ ትሕቲ ኢየሱስ ኮፍ ኢላ ሱቕ ኢላ ሓንቲ ዘይትገብር ድያ ዝነበረት? አይኮነን ትሰምዕ ከም ዝነበረት እዩ ዝነግረና። ኢየሱስ ክዛረብ እንከሎ ትሰምዕ ነራ። ኢየሱስ ንሓዋርያቱን ነቶም ህዝብን ኩሉ ጊዜ ነቲ ንሱ ዝብሎም ክሰምዕዎ ከም ዘለዎም ይነግሮም ነሩ። አቐዲመ ከም ዝሓበርክዎ ክትሰምዕ ከሎኻ ክትርዳእ ክትቅበል እሞ ነቲ ዝሰማዕካዮ ምስ ርእስኻ ክተወሃህዶ አሎካ ሽዑ ናትካ ናይ ርእስኻ ክፍሊ ሕይወትካ ትገብሮ።

ክንሰምዖ ጊዜ ዘይነሕልፍ እንተ ድአ ኾና ከመይ ኢልና ድአ ተግባራትና ብግቡእ ንገብር አሎና ክንብል ንኽእል? ንአና ክርስትያን ብኻልእ ነገራት ክንትሓዝ ክንምለኽ ቀሊል እዩ ግን እቲ ሒዙና ዘሎ ነገራት ቅኑዕ ነገራት ድዩ?

ነዚ ሕቶታት ክንምልስ እንተ ኾና ካብ ምስማዕ፥ ካብ ምስትውዓል ካብ ምጽላይ ደው ክንብል አሎና። ሽዑ ብምሉእ አብ ዝለዓለ ቅርጺ ተግባር አብ ሕይወትና ምስትንታን ኮይኑ አብ ምሉእ አፍልጦ አብ ቅድሚ አምላኽን ቃሉን ንአቱ። ሕይወተይ ነዚ ክትብል እንተ ረኸብክዋ ሽዑ ክጽሊ ዕለት ዕለት ከስተንትን ጊዜ የብለይን፥ አብዚ ዓቢ ጸገም ነየናይ ቀዳምነት ክህብ ከም ዘሎኒ ሚዛን አጉዲለ አሎኹ ማለት እዩ፥ ከምኡ አብ ርድኢተይ ንአምላኽ ምፍቃርን ምግልጋልን እንታይ ማለት ምዃኑ አይተረዳእክዎን አሎኹ ማለት እዩ። 

አብዚ ናይ ማርታን ማርያም ክንሰምዕ ከሎና ብሩህ ርድኢት ክህልወና ምስቲ ቅድሚኡ አብ  ሉቃ 10፡25-37 ዘሎ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ አተሓሒዝና ክንርእዮ አሎና። ንኽልቲኡ አተሓሒዝና ክንርእዮ እንከሎና ናይ ሓደ ክርስትያን ናይ ምንባር ቀንዲ እንታይነት ክንርኢ ንኽእል። ሠናይ ግብሪ ንኻልኦት በቲ አብ አስተንትኖ እንረኽቦ ዝተመርሐ ክኸውን እንከሎ ሓቀኛ ክርስትና እዩ። ኢየሱስ አብ ሕይወቱ እዚ እዩ አርእዩና፥ ምሉእ መዓልቲ ንህዝቢ የሕውን ይዕንግልን አብ ሕይወቶም ብብዙሕ ክሕግዝ ይርአ፥ አብ ጊዜ ምሽተ ግን አብ ጽምው ቦታ ከይዱ ምስ ሰማያዊ አብኡ ኮይኑ ፍሉይ ጊዜ የሕልፍ ነሩ። እዚ እዩ ንሕና ሎሚ ክንክተሎ ዘሎና። “አስተንትኖ አብ ግብሪ” “Contemplative in action”. 

ማርያም አብ ወንጌል አብ እግሪ ኢየሱስ ምስኡ ክትከውን ቦታ ጥራሕ አይኮነትን ረኺባ ንጎይታ ጊዜ ክትህቦ ኢላ ካብ ኩሉ ስራሕ እያ አቋሪጻ። አብ ጥቕኡ ምንባር ማለት ካብ አብ ካልእ ነገራት አትኩሮ ምሃብ ደው አቢልካ ልብኻን ቀልብኻን ብምልኡ አብ ጎይታ ምግባር እዩ።

ሰባት ልብና አብ ካልእ ሰውነትና ከአ አብ ካልእ ክኸውን እንኽእል ፍጥረት ኢና። “አፋ ምሳይ ልባ ምስ ደበሳይ” ዝብል ምስላ ነዚ ዘስምዕ እዩ። አእምሮና ክስረቕ ይክአል እዩ፥ ብዙሕ ጊዜ አብ ቤተ ክርስትያን ወይ አብ ጊዜ ጸሎት ብአፍና ጸሎት ንገብር ልብና ግና አብ ካልእ የድህብ። ኢሳያስ ነብይ ንኸምዚ ዓይነት ሕይወት ዝነብሩ ከምዚ ይብሎም “እዚ ህዝቢ እዚ ብአፉ የምልኸኒ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፥ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ፥ ንአይ ከአ በቲ ዝተማህርዎ ባህሊ ሰብ ገሮም እዮም ዜኽብሩኒ ዘለዉ” (ኢሳ 29፡13) ይብል። ኢሳያስ ቀጺሉ ከምዚ ዓይነት ርክብ ዝተደራረበ መቕጻዕቲ ከም ዝሰድድ ይነግር። ሓቀኛ ልቢ ንአምላኽ ዝሰምዕ እዩ ብሓቂ ሰላም ቅሳነትን ርግአትን ዘውህበና።

ማርያ ምስ ኢየሱስ ክትከውን ካብ ሓብታ ክትፍለ ነርዋ፥ አብዚ ምስ አምላኽ ክትራኸብ ወይ ክትሰምዖ አብ ገለ እዋን ቀንዲ ነገራት አብ ሕይወት ክትሓድግ አሎካ። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ “ዝኾነ ሰብ ደድኅረይ ኪስዕብ ዚደሊ ገዛእ ርእሱ ይኽሓድ መዓልቲ መዓልቲውን መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ” (ሉቃ 9፡23). አብ ሉቃ 14፡25-27 ዘሎኻ ወለድና አሕዋትና ንብረትና ኮታስ ኩሉ ኃዲግና ክንክተሎ ይደልየና። እዚ ኹሉ እንገብር ንዝበለጸ ነገር አብ ሕይወትና ምእንቲ ክንገብር እዩ፥ ንኢየሱስ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ገርና ናቱ ክንከውን ምእንቲ እዩ።

ሓፍቲ ማርያም ማርታ ዘጉረምረመት ነዚ ስለ ዘይተገንዘበት እያ። ካብ ጊዜ ኢየሱስ ጀሚሩ ሰባት ክሳብ ሎሚ ብዙሓት ንኢየሱስ ከይተረድኡ ይነብሩ አለዉ። አብ ዮሓ 12፡7 ይሁዳ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኢየሱስ መጺአ ብክቡር ቕዱይ ሽቱ ገራ ርእሱ ምስ ቀብአት አጉረምሪሙ፥ ስለምንታይ እዚ ክቡር ነገር ተሸጡ ንድኻታት ዘይውሃብ እናበለ ተዛሪቡ፥ ኢየሱስ ግን ናይ እታ ሰበይትን እቲ እትገብሮን ምስኡ ዘልአ ርክብን ንሞቱን ሕማማቱን ዘምልከት ስለ ዝነበረ ሕደግዋ እናበለ ተዛሪቡ። ሰባት ንነገራት ብዘይ ምርዳእን ምስማዕን ዘይናቶም ትርጉም ንህብ። እዚ እዩ ሓደ ክንምሃሮ ዝድለ ዘሎ።

አብ ጽሙው ቦታ ንአምላኽ ክትሰምዕ ክተዕልል ክንደይ ጥዑም እዩ። ኒቆዲሞስ አብ ዮሓ 3 ከም እንረኽቦ ንኢየሱስ ብለይቲ አብ ጽምዋ ክረኽቦ ከይዱ። ጫውጫውታን ሰባትን ከይርብሽዎ ብምሉእ ልቡ ንኢየሱስ ከዕልልን ክምሃርን ኢሉ አብ ጽምዋ ከይድዎ። ሙሴ ከምኡ ነብያት ምስ አምላኽ ክዛረቡ ክደልዩ እንከለዉ አብ ጽምዋ አብ እምባ አብ በረኻ ይኸዱ ነሮም። ሎሚ እውን ንኢየሱስ ክንረኽቦ ፍሉይ ቦታን ጊዜን ክንመርጽ አሎና። ድምጺ ዓለም እናሰማዕና ንድምጺ ኢየሱስ ክነቕልበሉ አይንኽእልን ኢና። 

አበይን ምአስን ብኸመይን ንኢየሱስ ክትረኽቦ ትደሊ? ኢየሱስ አብ ገዛና አብ ሕይወትና አብ ሓዳርና ክዛረበና ከዕልለና ይመጽእ እዩ። ጸጊሙ ዘሎ ገለና አይነለልዮን ገለና ፈሊጥና ከም ዘይፈለጥና ንኸውን ገለና ኸአ አይነርክበሉን ዋኒና ይበዝሓና። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ግን አብ ልብና አቲና ንአምላኽ ክንሰምዕ ጊዜ ንሃቦ። አብዚ ክሕግዘና ክነስተውዕለሉ ዘሎና ነገራት አሎ፡

  •  አብ ዓለም ስሳዐ ነገራውነትን ንአይ ይጥዓመንን ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ። ነዚ ክንቅይር ነፍስወከፍ ክርስትያን እየ ዝብል ብሕይወቱ አተሓሳስብኡን መነባብርኡን ክነግሮ ዘለዎ እዩ። እዚ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል እዩ። አብቲ ቀንዲ ክንመርጾ ዘሎና አተኲርና ክንጉዓዝ አሎና። ንማርታ ዝተባህለ ንአና እውን ይብሃል አሎ። አብ ሓለፍትን በረስትን ነገራት አተኲርና ንሓቀኛ መልክዕ ተፈጥሮና አይንዘንግዕ።
  • ሕብረተሰብ ንመደብ አምላኽ ዝዘንግዐ ይመስል። ንአብነት ንጾታዊ ነገራት ካብ ሞራላዊ ነገራት ይፈላልዮ አሎ። ሕብረተሰብ ነቲ ውሃብ ሕይወት አምላኽ ይርስዖ አሎ፥ ሳዕበኑ ኸአ ነቲ አምላኽ ዝሃበና ባህርያዊ ተፈጥሮ ባዕልኻ ዋና ኾንካ ንአምላኽ ተኪእካ ዝደለኻዮ ምግባር ርኡይ ዑረት ልቢ እዩ። ስለዚ አብ ልብና ንመለስ ንአምላኽ ንስምዓዮ።
  • ነጻነት አብ ሕብረተሰብ ዝብል ትርጉሙ ቀይሩ ንሞራላዊ ሕይወት ሰባት ይቕይር አሎ። ሓቀኛ ነጻነት አብ ክርስቶስ ዝርከብ ጥራሕ እዩ። ነጻ ምዃን ማለት ንክርስቶስ ምእዙዝ ምዃን ማለት ጥራሕ እዩ። እዚ አብ ዓለም እንርእዮ ኤኮንያማዊ ቍልውላውን ካልእ ቍጠባዊ ጸገማትን ርኡይ ምልክተ ናይ ሓሳውን ዘይሓላፍነታዊ አብ ባርነት ንሰባት ዝሸምም ዘይሞራላዊ ነጻነት እዩ። ሓንቲ ነጻነት እያ ዘላ ንሳ ኸአ ነጻናት ምእንቲ ክርስቶስ።

አብ ሕይወትና ብግልጺ ሕያው አብነት ናይ ወንጌል ክርስቶስ ክንከውን አሎና። ከምቲ ንማርያም ዝተባህለ ነቲ ዝበለጸ ክንመርጽ እሞ ንኻልኦት ክመርጹ ክንሕግዞም ናታትና ተራ እዩ። እዚ ክንገብር ፍቕርን እምነት አ ክርስቶስ ክሰርጸና ይግባእ። ንእተፍቅሮ ኢኻ ደስ ኢሉካ እትሰምዖ።

አብዚ ብሩኽ ወርኂ ግንቦት እምብአር ምስ ማርያም አደ ክርስቶስ እናተጎዓዝና ከምቲ ንሳ እትብሎ ንወዳ ክንሰምዕ። ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ክትብለና እንከላ ንድላዩን ዝብለናን ክንሰምዕ ዘስተውዕል ልቢ ሃበኒ እናበልና ንኽአል

 ኩሉ አምላኽ ንለሞኖ።

ኦ አምላኽ ክንሰምዓካ ንኹሉ ነቲ ከይንሰምዕ ዝዓግተና ነገራት ቀንጥጠልና። ካብዚ ጫውጫውታ ዝበዝሖ ዓለም ነቲ ሕይወት ዝህብ ድምጽኻ ጥራሕ ክንሰምዕ ጸጋኽ ልአኸልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ                    

16 May 2020, 13:33