2020.05.23 ቃል ኢየሱስ እንተ ሰማዕና ኩሉ ክኾነልና እዩ። 2020.05.23 ቃል ኢየሱስ እንተ ሰማዕና ኩሉ ክኾነልና እዩ።  

፮ይ ሰንበት ዘትንሣኤ ግንቦት 16 2012 ዓ.ም. (5/24/ 2020)

መዝሙር፡ ፋሲካ ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ ፋሲካ. . “ፋሲካ ቅድስቲ ዕለት እያ፥ ፋሲካ ብአኣ ንተሓጎስን ደስ ይበለናን፥ አብ ፋሲካ ንዘናጋዕን ነዕርፍን፥ ሰማይን ምድርን ብአኣ ይሕጎሱ፥ ፋሲካ ፋሲካ ፋሲካ ተዝካር ትንሣኤ መድሓኒና”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ሮሜ 4፡14-ፍ፥ ራእ 21፡10-23፥ ግ.ሓ. 14፡1-29፥ ዮሓ 21፡1-14   ምስባክ:በልዑ ወጸግቡ ጥቀ፥ ወወሃቦሙ ለፍትወቶሙ፥ ወኢይኀጥኡ እምዘ ፈቃዱ “በልዑን አዝዮም እውን ጸገቡ፥ ዝተመነይዎ ሃቦም፥ ካብቲ ዝተመነ አይከልከሎምን”። መዝ.78፡29

መንፈሳዊ ዕረፍቲ የድልየና።

እዋን ትንሣኤ መቐረት ፍቕሪ አምላኽ አለሊና ክንክእል ዝሕግዘና ቅዱስ እዋን እዩ። አብዚ እዋን ብጸጋ አምላኽ ተሸሊምና ክንሕጎስ ብርሃን ትንሣኤ አብ ሕይወትናን አብ ርክባትና ክርአ እዩ አምላኽ ዝደልዮ። ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ምሉእ መዓልቲ ክሰርሑን ክሰብኩን ናብ ኩሉ ክበጽሑ ምስ ወዓሉ ምሸት ከዕርፉ አብ ጽምው ቦታ ከይዶም የዕርፉ ነሮም፥ ንዑናይ ክነዕርፍ ኢሉ ብዙሕ ጊዜ አብ ደብረ ዘይት አብ ጌተሰማኒ ይወስዶም ነሩ። ንኢየሱስ ዕረፍቲ ምስ ሰማያዊ አብኡ ምርኻብ እዩ ነሩ፥ አብ ጽምው ቦታ ጸሎት አብ ምግባር ክነሕልፎ እንከሎና እዚ እዩ እቲ ሓቀኛ ዕረፍቲ። ሰማይን ምድርን አብ አገልግሎት አምላኽ ክውዕል ሰባት ንአምላኽ ከምስግኑ እንከለዉ እዚ እዩ እቲ ሓቀኛ ሰላምን ዕረፍትን ዝህብ።

ፋሲካ ተዝካር ትንሣኤ መድኃኒና እዩ። ተዝካር ክንብል እንከሎና ነቲ ዝሓለፈ ንዝክር ብፍላይ ነቲ ጽቡቅ ተዘክሮ እናዘከርና ነመስግን ፍቕርናን አኽብሮትናን ንገልጽ እዚ ዕግበት ሓጎስ ይፈጥረልና በዚ ኢና ዝኽረ ሙታን ንገብር። ናይ ክርስቶስ ተዝካር ንአና ክጥዕመና ነቲ ክርስቶስ ዝገበረልና ዘኪርና ክንክእል እሞ ሕይወትና ክንሕድስ እዩ ዓላምኡ። እዚ እዋን ዘመነ ትንሣኤ አብዚ መንፈስ ክንርከብ ይሕግዘና።

ዮሓንስ ወንጌላዊ አብ መጨረሽታ ወንጌሉ ጸሚቑን ብግሉጽን ንመንፈስ ትንሣኤ ብዝያዳ ብዝሕግዝ መገዲ ገሩ ይነግረና። አብ ሉቃ 5፡1-11 ዘሎ ይመሳሰል። ሓዋርያት ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ዳርጋ አብ ተስፋ ቁርጸት በጺሖም አብቲ ቀደም ዝነብርዎ ዝነበሩ ሕይወት ተመሊሶም።  ተስፋ ቍርጸት አብ ግጉይ መገዲ ይወስደና። አብ መዓልታዊ ሕይወትና እንተ ረአና ሰባት ተስፋ ምስቆረጹ አብቲ ናይ ቀደም ሕማቕ ባህርዮም ይምለሱ ዳርጋ ንሓዋርያት እዚ ኹነት እዩ ገጢምዎም ግን አጸቢቆም ከአ ተስፋ አይቆረጹን ክትንሥእ እየ ኢልዎም ስለ ዝነበረ ዳርጋ ብሓንሳብ እዮም ዝነብሩ ነሮም። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሸውዓተ ካብኦም ብሓንሳብ ከምዝነበሩ ይነግረና። ሾውዓት ካብኦም ብሓንሳብ እንከለዉ እዚ ምልክት ማሕበር እዩ። አብ ሓደ ልብን አብ ሓደ መንፈስ ብሓደ ኮንካ ምጉዓዝ አምላኽ ዝደልዮ እዩ። ክርስትያን እዚ መንፈስ ለቢሱ ክጉዓዝ እዩ ድላይ አምላኹ። ሓደ ወይ ክልተ ብሰመይ አብ ዝተአከቡሉ አነ አብ ማእከሎም አሎኹ ይብለና። ብሓንሳብ ሓቢርና እንተ ለመናዮ ከም ዝሰምዓና አረጋጊጹልና እዩ። ሕብረት ንአምላኽ የሓጉሶ። ሎሚ ብምንታይ ንልለ ብምትሕብባርዶ ወይስ ብምፍልላይ። ሕልናና ንሕተት እሞ መልሲ ንአምላኽና ንሃቦ።

እዞም ሸውዓተ ካብ አርድእቱ ብሓንሳብ እንከለዉ ጴጥሮስ ዓሣ ኽገፍፍ ከምዝኸይድ ምስ ሓበረ ንሶም እውን ምስኡ ከምዝኸዱ ሓቢሮሞ። አብ ባሕሪ ጥብርያርዶስ እዩ ነሩ። አብዚ ወንጌል ናይ ሎሚ በብሓደ ክንርእዮ እንተ ኸኣልና ዝሕግዘና ነገራት አልኦ። ገፈፍቲ ዓሣ፥ ነርድእቱ ገፈፍቲ ዓሣ ከም ዝኾኑ አቕዲሙ ነጊርዎም ነሩ እዩ። ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ እናበለ ነጊርዎም ነሩ እዚ ግፋ ዓሣ ሕጂ እውን ነዚ ትርጉም ክነትሕዞ ጸገም የብሉን። ቀንዲ ስራሕ አርድእቲ ንሰባት አብ ክርስቶስ ከም ዝአምኑ ምግባር እዩ። አብቲ ዝተገብረ ግፋ ዓሣ ቍጽሮም 153 ከም ዝነበረ ይጥቐስ ቅ. ጂሮም ነዚ ክትርጉም እንከሎ አብ ጊዜ ኢየሱስ ዝፍለጡ ቍጽሪ ዓይነት ዓሣ ከምኡ እዩ ነሩ ስለዚ ካብ ኩሎም ዓይነት ከም ዝሓዙ ከመልክት ኢሉ እዩ ይብሉ። ብዙሓት ተመራመርቲ ዝተፈላለየ ትርጉም ይህብዎ። መንፈሳዊ ትርጉሙ ኸአ ኢየሱስ ኩልና ደቂ ሰብ ዓለትና ሕብርና ብዘየገድስ አብኡ ክንመጽእ ከም ዝደሊ እዩ ዘመልክት። አብ ክርስቶስ ኩልና ሓደ ኢና። እቲ ሰኪዔት ብብዝሒ አይተበትከን እዚ ኸአ አብ ማሕበር ክርስቶስ ምብዝሕና ብዘየገድስ ክንበታተን አይግባእን።

ሓዋርያት ምሉእ ለይቲ ክሰርሑ ሓዲሮም ሓንቲ አይሓዙን። ጴጥሮስ ምስ ካልኦት ኮይኑ ምሉእ ለይቲ ክሰርሕ ሓዲሩ ይብለና እዚ ኸአ ናይ ጴጥሮስ ሓላፍነት ምስ አሕዋቱ ከይኑ ከም ዝሰርሕ ክሕብረና ኢሉ እዩ። ናይ በይኑ ሓላፍነት የብሉን ኩሉ ጊዜ ምስቶም ብጾቱ ዝተተሓሓዘ እዩ። ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስራሕ ምስ ኩሎም አቡናትን ካህናትን ህዝበ አምላኽን ምስራሕ እዩ።

አብ ጸልማት ምዕያይ ቀሊል አይኮነን፥ ብጸላም ዝዓዪ ብዙሕ ጊዜ ከይፍለጠሉ ዝደልዮ ነገር አለዎ ማለት እዩ። አብ መንፈሳዊ ሕይወትና አብ ጸልማት ክነብር ከሎን ኩሉ ግብርና ካብ አምላኽ ዝረሓቐ እዩ. ምሉእ ለይቲ ክሰርሑ ሓዲሮም ሓንቲ አይሓዙን እንተ ኾነ ብሓንቲ ቃል ኢየሱስ ብዙሕ ዓሣ ሒዞም። ዓወትና አብ ብርሃን ክርስቶስ ክንምለስ እንከሎና ጥራሕ እዩ። ሓዋርያት አብ ጸላም ከይተዓወቱ ክምለሱ እንከለዉ አብ ገምገም ንኢየሱስ ረአይዎ ግን አየለለይዎን። ምስኦም አብ ዕላል ይአቱ እሞ ገለ ዝብላዕዶ አሎኩም እናበለ ሓቲትዎም። የብልናን ምስ በልዎ መርበብኩም ናብ የማን ገጽኩም ደርብይዎ ሽዑ ክትሕዙ ኢኹም ኢልዎም። አብዚ እዋን ጴጥሮስን እቶም ካልኦትን የለልይዎ እሞ ጴጥሮስ ጥሩሕ ስለ ዝነበረ ክኽወል አብ ባሕሪ ይአቱ። ክሕባእ ከይርአ ይፍትን። ሰብ ሕፍረትና ክርእየና አይንደልን ኢና ስለዚ ንኽወል። እንተኾነ ነዚ ዝዓበየ ሕፍረት አብ ውሽጥና ዘሎ አይንሓፍረሉን። ሎሚ ኢየሱስ አብቲ ዘሕፍረና ነገር አቲና ክንሳሕ ይደልየና። አምላኽ ካባና ነዚ ዝስዕብ ነገራት ይደሊ።

  • አለሊኻ ምኽአል። አብ ቅዱስ መጽሓፍ እዚ ሓሳብ ብተደጋጋሚ ይንገር። ክፉእን ጽቡቕን አላሊኻ ምኽአል። ንልኡኻት አምላኽ አላሊኻ ምኽአል። ንሰባት ግብሮም አለሊኻ ምኽአል። አብ ወንጌል ሰብ ብግብሩ ከም ዝልለ ይነግረና። ምልላይ እምብአር ዓቢ ትርጉም አልኦ። ሎሚ ኢየሱስ ዘለልይዎ ይደሊ አሎ። ከምቲ ዮሓንስ “ጎይታና” እዩ እምበር እናበለ ንጴጥሮስ ከለሊ ዝሓገዞ ንሕና እውን አሕዋትና አብ ሕይወቶም ንአምላኽ ከለልዩ እንሕግዞም ንሕና ኢና። ጸጋ ትንሣኤ ከየስተማቐሩ ከይሓልፉ እንሕግዞም ንሕና ኢና ስለዚ ሎሚ ንሰባት አብ አምላኽ ከምዝቐርቡ ክንገብሮም ተራና እዩ። ንስኻትኩም አዒንቲ እግዚአብሔር ኢኹም ዝብል ንአና እዩ ዘመልክት ነሕዋትና ክንመርሕ ክነርኢ እንሕግዝ ንሕና ኢና። ንጸጋ አምላኽ ንመገዲ አምላኽ አለሊና እንተ ኸአልና ኩሉ ብርሃን ክኾነልና እዩ።
  • ጥራሕካ ከምዘሎኻ ምፍላጥ፡ ጴጥሮስ ክዳኑ አውጺኡ ጥርሑ ነሩ እዚ ግን ናይ ግዙፍ ስጋ ጥራሕካ ምዃን እዩ፥ ሎሚ ዘድሊ ዘሎ ብዙሓት ብመንፈስ ጥራሕና አሎና። ኃጢአት ዕራቕና አውጺኡና ጸጋ አምላኽ ካባና ርሒቑ ንርከብ አሎና። ጸጋ ክንለብስ ንኃጢአት ካባና ቀንጢጥና ክንክእል ናብ አምላኽ ክንምለስ ይግባእ። ንዘሕፍረና ኃጢአት ደፊርና ክንስሓሉ ይግባእ። መንፈስ አምላኽ ካባና ርሒቑ ድሁል መልክዕ ሒዝና ከይንህሉ አብ አምላኽ ንመለስ። ክፍአትና ኃጢአትና ርኢና እንተ ኸአልና ልብሲ ንጽሕና ዝኸድን አምላኽ አሎና። ብምኽዋል አይኮነን ሓዲስ ነገር እንረኽቦ።
  • ቃል ኢየሱስ እንተ ሰማዕና ኩሉ ክኾነልና እዩ። ሓዋርያት ኢየሱስ ምስ ሓበሮም ድላዮም ረኺቦም። ድላይና ክንረክብ ንኢየሱስ ንስማዕ። ንሱ ዝሕብረና ንከተልን ንስማዕን። አብ ገለ እዋን መልእኽት አምላኽ ክንሰምዖ ክንርድኦ ቀሊል አይኮነን ስለዚ እምነት ሓዊስና ንስማዓዮን ንቀበሎን። አምላኽ ንበይንና ብሓባር ሕሹኽ ይብለና እዩ። ብቃሉ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ድላዩ ይነግረና ስለዚ ክንሰምዖ ሎሚ ፍቓደኛታት ንኹን።
  • ኩሉ ምሉእ ክኾነልና አብ መአዲ ክርስቶስ ንቕረብ። ሓዋርያት አምሳል ቅዱስ ቍርባን ምስ ኢየሱስ አብ መአዲ ቀሪቦም። እዚ ናይ እቲ አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ እነቕበሎ ህብስቲ እዩ። አብ ቅዳሴ ካብ ስጋን ደምን ክርስቶስ ንቕበል እዚ እዩ እቲ ዓቢ ዕግበት ዝህብ ህያብ ኢየሱስ። ሓዋርያት ዓይኖም ዝተኸፍተ አብ መአዲ ምስኡ ምስተቐመጡ እዩ። አብ መአዲ ክርስቶስ ኩሉ ጊዜ ክንሳተፍ ድላዩ እዩ። ንክርስቶስ ድላይካ ክንሰምዕ ሓግዘና ንበሎ። 
  • አምላኽ ዘይተሓወሶ ነገር ከዓውተና አይክእልን እዩ፡ አብ ኩሉ ዕለታዊ ሕይወትና ክንዕወት ብሓቅን በቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንመርሖ ይግብአና። ፍርሃትን ፍቕርን አምላኽ ዝመርሖ ሕይወት ድላዩ ይረክብ። አነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ እናበለ ምስኡ ዘሎና ርክብ ክነደልድል ይሕብረና። ንአምላኽ ከይፈራሕና ብዘይ አምላኽ ሕይወትና እንተ መራሕና ውድቀትና አብ ሓጺር እዋን እዩ። ጴጥሮስን ብጾቱን ኢየሱስ አብቲ ስርሖም ምስተሓወሶ ኩሉ ክሕዙ ክኢሎም እዚ አብ ሕይወትና ክንርእዮ እንኽእል እዩ። አምላኽ ዝሓዘ ጠፊኡ አይጠፍእን እዩ። እቲ ጸገም ሰብ ንአምላኽ ብርእሱ ክትክኦ እንከሎ እዩ።

ሎሚ ኢየሱስ አብቲ ዕለታዊ ሕይወትና አብቲ ግላዊ ሕይወትና እናነበርና ክረኽበና ይደሊ። ጊዜ ትንሣኤ ንኢየሱስ ምርካብ እዩ። ሓዋርያት አብ ዝተፈላለየ እዋን አብ ገለ አብ ገምገም ባሕሪ አብ ገለ እዋን አብ ገዛ ተአኪቦም እንከለዉ ብሓባር ረኺብዎም። ኩሉ ጊዜ ክረኽቦም ይደሊ ነሩ። ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና ክረኽበና ይደሊ። ዘሎናዮ ቦታ አብ ከውሊ ኮይኑ ከይስምዓና ብብሩህ ልቢ ንቕረቦ። አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምስ ደለየና እዩ “ወደይ ጓለይ” አበለኹም እናበለ አብኡ ክንቀርብን ክንሰምዖ ክንረኽቦ ድላዩ ይገልጸልና። ንጎይታ ረኺበዮ ኢልና ንኻልኦት አብ ኢየሱስ ከምዝምለሱ ከምዝመጹ ክንገብር ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት እዩ።

ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ካብቲ ዝተገፈ ዓሣ ክህብዎ ሓቲትዎም። ጓህሪ አምሳል ናይ እቲ ጴጥሮስ ቅድሚ ስቕለቱ አብ መጋርያ ዝኸሓዶ ሕጂ እቲ መጋርያ ናይ ፍቕሪ ናይ ሓደ ምኻን ምልክት ኮይኑ ንረኽቦ። አብ ሓደ መአዲ ተሳቲፎም። ኢየሱስ አብ ማእከሎም አብዚ ኩሎም አለልዮሞ። እቶም ሰብ ኤማሁስ አብ መአዲ አላልዮሞ። አብ ቅዱስ ቍርባን ኢየሱስ ብርእሱ አሎ ነለልዮ።

በዚ ብሩኽ ሰንበት ኢየሱስ ክበጽሓና ክባርኸና ከዕልለና ይደሊ አሎ። አብ ግላዊ ሕይወትና ከቢዱና ዘሎ ነገራት አብኡ ነምጽአሉ እሞ ቀይረልና ንበሎ። ንስኻ ንጸላም አብ ብርሃን ንተስፋ ቁርጸት አብ እምነት እትቕይር ኢኻ እሞ ሎሚ ክንቅየር ክንሕደስ ሓግዘና ንበሎ። አብ ቅድሚኡ ተምበርኪኽና ከለልየካ ክሰምዓካ ክእዘዘካ ሓግዘኒ ንበሎ።

ንልቢ ጴጥሮስን ካልኦትን ዝቐየረ አምላኽ ልባትና አብ ፍቕሪ አብ ሕድገት ዝዝንብል ገሩ ይቐይረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ    

23 May 2020, 13:52