ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንሓዋርያቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ጥብርያርዶስ ክግለጸሎም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ንሓዋርያቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ጥብርያርዶስ ክግለጸሎም 

፫ይ ሰንበት ዘትንሣኤ ሚያዝያ 25 2012 ዓ.ም (5/03/2020)

መዝሙር፡ ወበእኁድ ሰንበት. . አብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰንበት ማርያም መግደላዊት ናብ መቓብር አንጊሃ ገና ጸልማት እንከሎ ከይዳ፥ እቲ እምኒ ካብ አፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኺባቶ፥ ናብ ስምዖን ጴጥሮስ ከምኡ ናብቲ ካልእ ረድኢ ኢየሱስ ዘፍቅሮ በጽሐት፥ ንጎይታይ ካብ መቓብር ወሲዶሞ አበይ ከም ዝወሰድዎ አይፈልጥን፥ ክልቲኦም ብሓንሳብ እናጎየዩ ከለዉ፥ እቲ ካልእ ረድኢ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ንጴጥሮስ ቀዲምዎ በጽሐ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ቈላ 3፡6~13፥ ራእ 5፡11~14፥ ግ.ሓ. 5፡27~41፥ ዮሓ 21፡1~19  ስብከት፤ “ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ፥ ወመንክሮሂ ለእጓለ እመ ሕያው፥ እስመ ሰበረ ኆኃተ ብርት” ምሕረት እግዚአብሔር ንገሩ፥ጥበቡ ኸአ ንደቂ ሰብ፥ መዓጹ ሓጺን ስለ ዝሰበረ፥ መዝ. 106።

አብ ወርኂ ጥቅምቲ 29 1942 ናይ ዓዲ እንግሊዝ ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝነበረ ዊንስቶን ቸርችል አብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ንእሽቶይ እንከሎ ዝመሃኤአሉ ዝነበረ ንዝምረቑ ዝነበሩ ዘረባ ከስምዕ ተዓዲሙ። አብቲ ጊዜ እቲ ውግእ ምስ ዓዲ ጀርመን ይቕጽል ነሩ። ጀርመናውያን አብ አፍደገ ዓዲ እንግሊዝ በጺሖም መዳፍዕ አብ ከተማታት ይወርድ ነሩ። አብዚ ጊዜ እዚ ቸርችል ዘስምዖ ዘረባ ሓደ ካብቲ ብሓቂ ዓቢ ዘረባ እዩ ነሩ። አብ ዘረብኡ “ጨሪሽና አይንምብርከኽን አይንሕለልን ኢና፥ ጨሪሽና ኢድና አይንህብን ኢና ዓቢ ይኹን ንእሽቶይ ገፍሕ ይኹን ጸቢብ ጨሪሽና አይንምብርከኽን፥ አብ ክብርን ጽቡቕ ዋጋ ዘልኦ እንተ ዘይኮነ አይንምብርከኽን ኢና። ንሓይሊ አይትፍርሑ፥ በዚ ግዙፍ ሓይሊ ጸላኢ አይትርዓዱ” እናበለ ንህዝቡ ጸኒዖም ተስፋ ከይቆረጹ ከምዝዋግኡ ገርዎም። ነኺስካ ነቲ ሕጂ ጸልማት ኮይኑ ዝርአየካ፥ ዘይስገር ከቢድ ኮይኑ ዝርአየካ፥ ዝክእለካ ገርካ ዘይሰልጥ ኮይኑ ዝርአየካ ንኹሉ ተስፋ ከይቆረጽካ አማዕዲኻ ርኢኻ ጸኒዕካ ምቕጻል አብ ዓወት የብጽሓካ።

ቸርችልአብ ፪ይ ውግእ ዓለም ከም “ናይ ዓዲ እንግሊዝ ብርቱዕ ተዋጋአይ”፥ ካብ ዝበሎ ምንቕ ዘይብልን ጽኒዑ ዘጽንዕ ከም ሓደ አብነታዊ መራሒ ተራእዩ። ድሕሪ ውግእ ግን እቶም ተቋወምቱ ከም ሓደ ጸማም ዘይሰምዕ ናተይ ጥራሕ ዝብል ገሮም ስለ ዘቕረብዎ ፖሎቲካዊ ህቡብነቱ ጠፊኡ አብ ምርጫ ተሳዒሩ ብ1940 ካብ ስልጣኑ ወሪዱ። ፖሎቲካዊ ዓለም ከደይበካን ከውርደካን ጊዜ አይወስደሉን እዩ። ብዙሓት ጀጋኑ አብ ምምራሕ ፖሎቲካ ኮይኖም ዝርአዩ ዝነበሩ አብ መጨረሽታ ግን ከም ጸገም ዓደምቲ አዕነወቲ ኮይኖም ዝቕተሉ ገለስ አብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ አለዉ እዚ እዩ ዓለማዊ ስልጣን ክሕደት ጥልመት ተስፋ ቁርጸት ዝበዝሖ። አብ ክብሪ ዓለም ጥራሕ ዘድሃበ ስልጣን መወዳእታኡ ውርደትን መከራን እዩ።

አብ ሕይወትና ብዙሕ ጊዜ ተመሳሰላይ ኩነታት ገጢሙና ይኸውን እዩ። ገለ ሰባት እሙናት አብ ኩሉ ጊዜ ዘይልወጡ ፈተውትና ደገፍትና ኮይኖም ክሳብ መጨረሽታ ዘይክሕዱ ኮይኖም ክርአዩና ይክአል አብ ገለ እዋን ምሳና ጸኒሖም ስምና እና አካፍኡ ቀንዲ ጸላእትናን ክሰቕሉና ዘይከብዶም ኮይኖም ከም መለኽትን ንብዙሓት ዕንቅፋት ከምዝኾና ገሮም ክርእዩና ይኽእሉ እዮም። ሰባት ክጠልሙ ክኽሕዱ ጊዜ አይወስደልናን እዩ።

እዚ ዝበርትዐ ወቐሳ ዝኸውን ነፍስ ወከፍና ናይ ባዕልና ፈረድትን ወቐስትን ክንከውን እንከሎና እዩ። ንርእስና ከመይ ንርእያ ወይ ንፈርዳ። ብርግጽ አብ ዝበልካዮ ምጽናዕን ወሳኒ አብ ዓላማ ምዃን ጹቡቕ ነገር እዩ። አብ ሓደ ውሱን ዓላማ ጸኒዕካ መአዝንካ ከይቐየርካ ሓሳብካ ከይቐየርካ ምቕጻል ዝመስልዎ የለን። ብአንጻሩ ኸአ ናይ ካልእ ሓሳብ ምውሳድ ንኻልኦት ክትሰምዕ ፍቓደኛ ምዃን ከምኡ አድላዪ እንተ ኾነ ዓላማኻን መምርሒኻን ከይቀየርካ ዘተ ምግባር ዓቢ ፍረ አልኦ። እቲ ጸገም ዝመጽእ ንክልቲኡ ፈላሊኻ ዘይምርአይ እዩ።

እዚ ካብ ንኻልኦት ክተሓጉስ ወይ ክትከስብ ኢልካ ኢድካ ምሃብ “Giving up” ፍሉይ እዩ። ኢድካ ምሃብ ምምራኽ ንሕመቕ ወይ ተስፋ ምቑራጽ እዩ። አብ ሕይወትና ንዝቐለለ መገዲ ክንወስድ ምእንቲ ኢድና ንህብ ዲና? ንተስፋ ቁርጸት ኢድና ንህብ ዲና? ተስፋ ክንቆርጽ ብዙሕ ጊዜ ከምፈተና አብ ዝተፈላለየ አጋጣሚ ይመጽአና እዩ፥ አብ ገለ እዋን ጽቡቕ ንገብረ ዘሎና መሲሉና ኢድና ንህብ ኢና። እቲ ምኽንያት ብዙሕ ክከውን ይኽእል እዩ።

ኢድካ ምሃብ ወይ ተስፋ ምቑራጽ ናይ ሰይጣን ግብሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሰይጣን ንኢየሱስ አብተን ሰለስተ ፈተናታት አብ በርኻ አርብዓ መዓልትን ለይትን ምስ ገበረ ካብቲ ህዝባዊ አገልግሎት ከታርፎ ኢሉ አብ ዝፈተነሉ ነዚ ኢድካ ምሃብ መገዲኻ ምቕያር ኮታስ ዓላማኻ ምቕያር ዝኾነ ፈተና አቕሪብሉ እዩ። ኢየሱስ አብ መስቀል ክመውት እንከሎ እታ ናይ መጨረሽታ ፈተና ካብቲ ምስ አብኡ ዘለዎ ርክብ ተስፋ ብምቑራጽ ከፈላልዮ ፈቲንዎ። ኢድካ ምሃብ መገድኻ ምቕያር አብ ገለ እዋናት ክሳብ አብ ጥፍአት ነፍስና ዘብጽሕ ክኸውን ይክአል እዩ። ካብ ሕጂ ንድሓር አብቂዑ እዩ አይትዛረቡኒ እናበልና ተስፋ ቍርጸት ዝመልኦ ቃላት ነውጽእ። ንሰባት ካብ ልበይ ካብ ሕይወተይ አውጺኤዮም ንብል። እዚ ኹሉ ናይ ሓደ ክርስትያን ዝብሎ አይኮነን። ክርስትያን ዘይሕለል ተስፋ ዘይቆርጽ ኲኖ ሞት ሕይወት አሎ ኲኖ መስቀል ትንሣኤ አሎ ኢሉ ዝአምን እዩ።

ካልእ ኢድካ ምሃብ ከአ አሎ፥ አብ ልዕሊ ካልኦት ጽቡቕ ከይትገብር ኢድካ ምሃብ። ብዙሓት ወለዲ አብዚ እዋን ካብ ደቆም ኢዶም ዘልዕሉ አለዉ። ብዙሓት ሰብ ቃል ኪዳን ብዝተፈላለየ ምኽንያት አብ ክንዲ ንፍልልያቶም አብ መአዲ ዘተን ምርድዳእን ከምኡ አብ ክመኽርዎም ዝኽእሉ አብ ከንዲ ምኻድን ካብ ኪዳኖም ሓላፍነቶም አውሪዶም ንኽፍአት ንምፍልላይ ኢዶም ሂቦም ዝነብሩ አለዉ። ብዙሓት ስድራታትን ከምኡ አዕሩኽን ቤተ ክርስትያን ካብ ምኻድ ዘቓረጹ ኢዶም ዝሃቡ አለዉ ወይ እውን ሃይማኖት ዝሓደጉ ወይ አብ መንፈሳዊ ሕይወቶም ወላ እውን ንአምላኽ ካብ ሕይወቶም ዘውጽኡ አለዉ።

እግዚአብሔር ግን ጨሪሹ ወላ ወላ አይሓድገናን እዩ ካብ ምፍቃርና አቋሪጹ አይፈልጥን። ወላ ንኾብልል ካብኡ ንርሓቕ ንኽሓዶ ካብ ምፍቃርና ደው አይብልን እዩ። እዚ እዩ ናይ ሎሚ ወንጌል ዘመሓላልፎ መልእክቲ። እግዚአብሔር ወላ እውን እቲ ዝኸፍአ ኃጢአት ንግበር ካብ ምፍቃርና ካብ ምሳና ምኻን አይቅይርን እዩ።

አብዚ ዝተነበ ወንጌል ንገለ ካብ ሓዋርያቱ ብሓንሳብ እንከለዉ ድሕሪ ትንሣኤኡ ከም ዝተራእዮም ነንብብ። እቲ ኩነታት አብ ገምገም ባሕሪ እዩ ኮይኑ፥ እዚ ነቲ አብ ኦሪት ዘፍጥረት ዘሎ ካብቲ እግዚአብሔር ካብቲ ብማዕበል ዝናወጽ ባሕሪ ንኹሎም ፍጡራት ከም ዝፈጠረን ንአና ኸአ ካብ ጭቃ ከም ዝፈጠረ የዘኻኽረና። ማያት ቀይሕ ባሕሪ ማያት ሩባ ዮርዳኖስን ማያት ናይ ጥምቀትን ኩሎም አብዚ ቦታ እዚ ተመልኪቶም ክንርእዮ ይክአል።

ኩሎም ሓዋርያት አብ ከምገም ባሕሪ ገሊላ ተአኪቦም ነሮም። ኢየሱስ ተአኪቦም እንከለዉ አብ ማእከሎም ይመጽእ እዚ ኸአ ንአና ከመይ ኢሉ አብ ዝኾነ እዋን አብ ማእከልና አብ ሕይወትና ከምዝመጽእ ዘመልክት እዩ። አብዚ አኸባ ሓዋርያት ምልክት መአዲ ቅዱስ ቍርባን ኩሉ እቲ ዝመጽእ ስርዓተ አምልኾ መስዋዕቲ ቅዳሴ አሎ።

አብዚ ርክብ እንከለዉ እዩ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ነተን ውሩያት ሰለስተ ሕቶታት ዝሓተቶ። እዘን ሰለስተ ሕቶታት ነተን አብ ጊዜ ሕማማቱ ሰለስተ ጊዜ ዝኸሓዶ እየን ዝመሳሰላ። አብዚ እንዕዘቦ ኢየሱስ ካብ ጵጥሮስ ኢዱ አይሃበን፥ ወላ እውን እቲ ጉዕዞ ከቢድን ዓበይቲ ፍጻሜታት ዝተፈጸመ ይኹን ቀጻሊ ፍቕሪን ዘይሕለል ተወፋይነትን ኢየሱስ አብ ልዕሊ ጴጥሮእ አይቀየረን። ልዕሊ ኹሉ አብዚ ክንርእዮ ዘሎና ጴጥሮስ ንኢየሱስ ክሒድዎ እምበር አይጎድኦን እዚ ማለት ከአ ጴጥሮስ አብ ልቡ ጌና እምነት አብ ኢየሱስ ነርዎ፥ ፍቕሪ ኢየሱስ ነርዎ ማለት እዩ።

አብዚ ክንሓስቦ እንኽእል ይሁዳ ተስፋ ቆሪጹ ዘይተሓንቀ እንተ ዝኸውን እሞ አብ ማእከል ሓዋርያት ተረኺቡ እንተ ዝኸውን እንታይ ምኾነ ነሩ። ኢየሱስ ምመሓሮዶ ነሩ? ብርግጽ ምመሓሮ ነሩ። ኢየሱስ አይኮነን ክሒዱዎ ወይ ተስፋ ቆሪጹ ዝሓደጎ ይሁዳ ኢዩ ጠሊሙ በዚ ኸአ ካብ ኢየሱስን ካብ ርእሱን ኢዱ ሂቡ።

ቅዱስ መጽሓፍ ብምልኡ ካብ መጀመርያ ክሳብ መጨረሽታ እንተ ርኤና እግዚአብሔር ብርእሱ ሓቂ ዝኾነ ንርእሱ ይህበና እሞ ሽዑ ካባና መልሲ ከምዝጽበ ይገልጸልና። እቲ ዘገርምን ብዝበለጸ ንሓቂ ዝገልጽን እግዚአብሔር ንገዛ ርእሱ የወፍየልና እዚ ኸአ ኩሉ ጊዜ ከይተሓለለ ዝገብሮ እዩ። ፍቕሩ መወዳእታ የብሉን ምሕረቱ ኩሉ ጊዜ እዩ ዝህብ። ፍቕሩን ሓልዮቱን አብ ልዕለና ዝገበርናዮ ኃጢአት ብዘየገድስ ንዘለዓለም እዩ። እግዚአብሔር ካባና ጨሪሹ ኢዱ አይህብን እዩ። እቲ “giving up” እቲ ንአምላኽ ሓዲግካ መገድኻ ምቕያር ካልእ ጓል መገዲ ሒዝካ ካብ አምላኽ ምርሓቕ ብወገና እዩ።

“መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ” ክብሃል ብዙሕ ጊዜ ሰሚዕና ኢና። መማህራን ትምህርተ መለኮት ብዛዕባ እዚ “መወዳእታ ዘይብሉ ወይ ዘይሕለል ፍቕሪ” ይነግሩና እዮም። እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ብፍቕሪ አብ ደቅና፥ ብዓል/ቲ ኪዳና፥ ስድራና ክነርእዮ እንደሊ እዩ። አብ ሕይወትና አብ ግብሪ እንተ ረአናዮ ብዙሓት ካባና ነዚ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ዝብል ሓዲግናዮ ንሰባት ከፍቅረካ እንተ. . . እንተ ነእትወሉ። ኩሉና ንፍቕሪ ዝተፈላለየ ነናትና “እንተ” ነእትወሉ። ብሓቂ ክንዛረብ እንተ ኾና ንብዙሓት ካባና እዚ “መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ” ዝብል ዘይክአል ብሓሳብ ብዘረባ ጥራሕ ዝክአል ገርና እንርድኦ አሎና።

በዚ ምኽንያት ኢና ምሕረት አምላኽ ክንሓትት ዘሎና። ንሰውነትና ክነድሕን ኢልና ዘይኮነ አብ ምሕረት አምላኽ አቲና ሓይሊ ረኺብና ንኻልኦት ምሒርና ክንክእል ከምቲ ንሱ ዝመሓረና ምሒርና ክንክእል እሞ ሽዑ አብ ልዕሊ ካልኦት ተስፋ ከይቆረጽና ኢድና ከይሃብና ጽቡቕ ክንገብር ኢና። ብዘይ ናይ አምላኽ ጸጋ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ክተዘውትር ዳርጋ ዘይክአል እዩ። ብናይ አምላኽ ፍቕርን ሓይልን ኩሉ ነገር ይክአል እዩ ወላ ንኻልኦት ብዘይ ቅድመ ኩንት ምፍቃር ይክአል እዩ።

አብ መጨረሽታ አብ ቅድሚ አምላኽ ከም ጴጥሮስ ዝገበሮ ደው ክንብል ይግብአና። አብ እግሩ ወዲቕና፥ ክንምሓርን ክንምሕርን ጸግኡን ሓይሉን ክህበና፥ ነቲ ንጴጥሮስ አብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ ዝሃቦ ምሕረት ንአና ኸአ ክህበና ንለምኖ።

ሎሚ አምላኽ ንነፍስወከፍና ተፍቅረኒ ዲኻ/ኺ እናበለ ይሓተና አሎ። አብ አምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ምስ ሓውናን ሓፍትናን ዘሎና ፍቕሪ እዩ ዝውስኖ እሞ ከመሎና ምስ ሰባት። አብ ልብና ቂምታ ጽልኢ ሒዝና እንተ አሎና ጌና ፍቕሪ አምላኽ አባና የለን ጌና ክርስቶስ ንአና አይተንሥኤን አሎ ስለዚ ብልብና አብ ቅድሚኡ ተደፊእና አፍቅረካ እየ ንኸማይ ዝበሉ ከፍቅር ጸጋኻ ሃበኒ ንበሎ።

አምላኽ ነዚ የኽእለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

02 May 2020, 17:33