ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ኣቡነ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ኣቡነ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ  

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ጻውዒት

እቶም ተመሃሮ ይብሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተራዳኢ ፓትሪያርክ ብጹዕ ኣቡነ ጃቺንቶ ቡሎስ ማርኵዞ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃል መሕትት - ፍርቆም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ፍርቆም እውን ክርስቲያን እያቶም፡ ብሓባርን ብሰላምን ዝነብሩሉ ስፍራ ብምዃኑ ኣብቲ ከባቢ ኣባይቲ ትምህርቲ ኣብ ማሕበራዊ ዕርቅን ሰላምን ዘለወን ግደ ዓቢይ እዩ

ኣብ ዮርዳኖስን ፍስልጥኤምን ናይ ልዕሊ 12 ሺሕ ተመሃሮ ኣባይቲ ስድራን 38 ኣባይቲ ትምህርቲ ኣብ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብዘስዓቦ ቅልውላው ኤኮኖሚ ንኸቢድን ተደራራብን ጸገማት ተቓሊዖም ከምዝርከቡን እተን ተቕዋማት ከይዕጸዋ ሕጹጽ ሓገዝ ኣድላዪ ምዃኑ ተራዳኢ ፓትሪያርክ ብጹዕ ኣቡነ ጃቺንቶ ቡሎስ ማርኵዞ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዮርዳኖስን ፍልስጥኤምን ክርስቲያንን እስላምን ብዘይ ኣፋላላይ ዝመሃሩሉ ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ሕንጸት ዝኽወነሉን ኣባይቲ ትምህርቲ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ  ለብዒን ብዘስዕቦ ቅልውላው ኤኮኖሚ እንተድኣ ተዓጽየን መብዛሕቲኦም ተመሃሮ ካብ ድኻ ኣባይቲ ስድራ ዝመጹ እውን ስለ ዝኾኑ ኣብተን ኣባይቲ ትምህርቲ ዝረኽብዎ ሕንጸትን ሰብኣዊ ድጋፍን ክስእኑን ንዝኸፍኤ ጸገም እውን ክቃልዑ እያቶም። እቲ ብናጻ ዝመሃርሉ ኣባይቲ ትምህርቲ እንተድኣ ተዓጽዩ እቶም ተመሃሮ ከጋጥሞም ዝኽእል ጸገም ተደራራቢ እዩ ዝኸውን፡ እቲ ለብዒ ሕይወትን ጭቡጥ ሰብኣዊ ርክባትን ኣባይቲ ትምህርትን ዘጥቕዕ ብምዃኑ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ጸገም ንምድራት ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዝነኣድ እዩ፡ ኣባይቲ ትምህርቲ ዘጋጥመን ለብዒ ሕንጸት ከይቐትል ናይ ኩሉ ሓገዝን ምትሕብባርን ወሳኒ እዩ፡ እተን ኣቢያተ ትምህርቲ በቲ ኣብዚ እዋን ኣጋጢሙ ብዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብርሕቐት ብማሕበራዊ መረብት ዘቕርብኦ ዘለዋ ትምህርትን ዝሓቶ ወጻኢ ንምሽፋን ልዕሊ 7 ሚሊዮን ኤውሮ ከምዘድሊ እውን ይሕበር።

ናይ ኢየሩሳሌም ሓዋርያዊ መስተናብር ጻውዒት

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርካዊ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ነቶም ካብ 12 ሺሕ ተመሃሮ ካብ ድኻታት ኣባይቲ ስድራ ዝመጹ ኣብቲ ናይ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ፓትሪያርካውያን ብጠቕላላ 15 ኣባይቲ ትምህርቲ ኣብ ዮርዳኖስ፡ 13 ኣብ ፍልስጥኤምን ዝርከባ ብጠቕላላ 38 ኣባይቲ ትምህርቲ ነቶም ድኻታት ተመሃሮ ዘድሊ ኩሉ ዘቕርባ እያተን። እዘን ኣባይቲ ትምህርቲ ክዕጸዋ ማለት ኣብ ልዕሊ እቶም ተመሃሮ ከጋጥም ዝኽእል ኩለ መደያዊ ሽግር ንጹር እዩ፡ ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ዝተመጣጠነ መግቢ ዝረኽብሉ እውን ብምዃኑ ንኣኣቶም ካብ ቤት ትምህርቲ  ምርሓቕ እታ ሓንሳብ ኣብ መዓልቲ ዝረኽብዋ መኣዲ እውን ምስኣን እዩ ዝኸው፡ ምእንቲ’ዚ ነዚ ኹሉ ሽግር ንምብዳህ ዘኽእል ሓገዝ ክርከብ ጻውዒት የቕርቡ።

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፔርባቲስታ ፒዛባላ፥ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ኣባይቲ ትምህርቲ ተዓጽየን ብማሕበራዊ መረብት ንተመሃሮ ትምህርቲ ኣብ ምቕራብ ይርከባ፡ መምሃራን ካብ ገዝኦም ኮይኖም መደብ ሕንጸት የሳልጡን ተመሃሮ ካብ ቤቶም ኮይኖም እውን ይከታተሉን ኣለዉ፡ እዚ መደብ’ዚ እተን ድኻታት ኣባይቲ ስድራ ኣብ ልዕሊ ዘለወን ሽግር ነቲ መረብታዊ ትምህርቲ ደቃቶምን ክኽከታተሉ  ዘድሊ ወጻኢታት ክሽፍኑ ስለ ዘይኽእሉ መብዛሕቲኦም እቶም ተመሃሮ ትምህርቲ ንኸቋርጹ ክግደዱ እያቶም፡ ምእንቲ’ዚ ገበርቲ ሰናይ ክተሓባበሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ኣብ እስራኤል ዝርከባ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ  ትምህርቲከም ኩለን ኣብ እስራኤል ዝርከባ ኣባይቲ ትምህርቲ  ካብ መንግስቲ ሓገዝ ዝወሃበን ብምዃኑ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ክሰግራ እያተን፥ ሓገዝ እንተድኣ ዘይተረኺቡ ኣብ ዮርዳኖስን ፍልስጥኤምን ዘለዋ ኣባይቲ ትምህርቲ ብርግጽ ክዕጸዋ ስለ ዝኽእላ ድጋፍን ሓገዝን ክቐርብ ጻውዒት የቕርቡ።

ሕንጸትን ማሕበራዊ ሰላምን

እቶም ተመሃሮ ይብሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተራዳኢ ፓትሪያርክ ብጹዕ ኣቡነ ጃቺንቶ ቡሎስ ማርኵዞ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃል መሕትት - ፍርቆም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ፍርቆም እውን ክርስቲያን እያቶም፡ ብሓባርን ብሰላምን ዝነብሩሉ ስፍራ ብምዃኑ ኣብቲ ከባቢ ኣባይቲ ትምህርቲ ኣብ ማሕበራዊ ዕርቅን ሰላምን ዘለወን ግደ ዓቢይ እዩ” እተን ኣባይቲ ትምህርቲ ካብቶም ኣባይቲ ዝስድራ መጠነይና ዝኾነ ነቲ ዓቕሚ ኣባይቲ ስድራ ግምት ዝሃበ ክፍሊት ይሕትት እዩ፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ግን ኣብዚ እዋን’ዚ ንስእነት ስራሕ ተቓሊዖምን ዝረኽብዎ ዝነበረ እቶት እውን ይስእኑ ስለ ዘለዉ፡ ምእንቲ’ዚ ሓገዝ ንሓትት” እቶም ተመሃሮ ኣብተን ኣባይቲ ትምህርቲ ኵለ መደያዊ ሓገዝ እያቶም ዝርኸቡ፡ ነተን ኣባይቲ ትምህርቲ ምሕጋዝ ማለት ነተን ድኻታት ኣባይቲ ስድራ ቀረባ ምዃን ማለት እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሕንጸትን ማሕበራዊ ሰላምን
23 May 2020, 16:27