ድለ

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ቅድስናን ስድራ ቤቶምን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ቅድስናን ስድራ ቤቶምን 

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ቅድስናን ስድራ ቤቶምን

ኣብታ ጸጋን ምስጢርን ዘርእስታ መጽሓፍ ታሪኽ ሕይወቶም ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክህነቶም ዝተደርሰት፥ “ምስ ኣቦይ ብዛዕባ ጸዋዕታ ክህነት ይዛረብ ኣይነበርኩን፡ ንኣይ ቀዳማይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት እቲ ምስ ኣቦይ ዝነበርክዎ ሕይወት እዩ እብል”

ነቕ ዘይብል ጽኑዕ እምነት ኣብ ጐይታን ንማርያም ዝነበሮም ውፉይነትን ኣኽብሮትን ናይ መስዋዕቲ ትርጉምን ሕይወትካ ክሳብ ንሓደጋ ምቅላዕ ንብጻይካ ምግልጋልን ቀረባ ምዃንን ዝብል መንፈሳውነት ዘጉልሑ፥ ካሮል ዎይትይላ እቲ ደሓር ኣብ ሕይወቶምን ብፍላይ ከኣ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘደንቕ ኩነት ዘማዕበልዎ ኩሉ ኣብ ስድራ ቤቶም ዝተራኸበዎ መንፈሳውን ሰብኣውን ውህሉል ክብሪ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘጋባይ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣብ ዘቕረብዎ ዜና ሓቢሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣገልግሎቶም ንሕዝቢ እግዚኣብሔር “ናይ ስድራ ቤት ር.ሊ.ጳ.” እዮም ዝነበሩ፡ ከምዚ እንክብሉ ዝገለጽዎም ከኣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ሚያዝያ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ንዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ንዮሓንስ መበል 23 ቅድስና ኣብ ዝዓወጅሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት እዩ፡ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንክትዛረብ ግድን ናብታ ዕለት 18 ግንቦት ከም ሎሚ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ዝተወለዱላ ስድራ ቤትን ዝሓለፈ ሰሙን ብሰበኻ ደረጃ ናብ ብጽዕና ዘሰንይ መንፍሳዊ ገድልትቶም ንኽጽናዕ ናይ ዝተጀመረሎም ወለዶም ታሪኽ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይኸውን፡ ኣዲኦም ኤሚሊያን ኣቦኦም ካሮል ባዕሎም ደሓር ናይ ኣቦም ስም ናይ ገዛእ ርእሶም መጸውዕ ዝኾኖምን ድሕረ ባይታ’ዚ ኣብ ሰብኣውን መንፍሳውን ተክለ ሰብነት ዮሓንስ ጳውሎስ ድግማዒ ዓቢይ ጽልዋ ዘለዎ እዩ።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኩሉ ከምዝፈልጦ እውን ገጣማይ ዝነበሩ እዮም፥ “ኣብ ልዕሊ እታ ጻዕዳ መቓብር ጸዓዱ ዕምበባ ትእምርቲ ሕይወት ይዕምብባ . . . ብዘይ ብኣኺ ብዙሓት ዓመታት ሓሊፍን . . .  ክንደይ ዓመታ? እንክብሉ ንወላዲቶም ኤሚሊያ ኣብ ክራኮቪያ ኣብ ድጽያ 1939 ዓ.ም. ዝጸሓፍዎ ግጥሚ እዩ፡ ገና ኣብ 9 ዓመት ዕድመኦም ኣዴኦምን ኣብ 21 ዓመት ዕድመኦም ኣቦኦም ብሞት ዝተፈለይዎም፡ ኣብ ትሽዓተ ዓመት ዕድመኦም ኣዴኦም ምስ ሰኣኑ ሞት ኣዲኦም ንጉድለት ኣካላዊ ጥዕና ከምዘቃልዖም ይንገር።

ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ተኻላኻሊ ብፍላይ ናይቶም ተነቃፍያን፥ እዚ እቲ ነዴኦም ዝነበሮም ዓሚዩቕ ፍቕሪ ዘጸገዎም ዓቢይ መንፍሳውን ሰብኣውን ክብሪ እዩ፡ ኣብ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ኣገልግሎቶም ዎይትይላ ዘይጽንቀቕ ኣስተንፍሶ ካብ ኣደኣዊ ፍቕሪ ይረኽቡ፡ እዚ ከኣ ነታ ዝፈትዉዋ ኣብ 1995 ዓ.ም. ብጽዕና ዝኣወጁላን ኣብ 2004 ዓ.ም. ቅድስና ዝኣወጁላ ኣብ ማሕጸና ዝነበረ ዕሸል ንኽውለድ ሕይወታ ንኽሓልፍ ዝመረጸት ጆቫና በረታ ሞላ ከም ኣብነት ንምጥቓስ ይከኣል፡ ናይታ ዝተወለዱላ ከተማ ዎዶዊቸ ተቐማጦ “ናይ በይናዊት ኣደ ቤት” ብዝብል ኣርእስቲ ነደ ዎይትይላ ኤሚሊያ ካችዞሮውስካ ዎይትይላ ዝተወክፈ ብዛዕባ እተን ኣብ ዝኾነ ይኹን ጸገም ኣደነትን ንዘድሕናን ዝከላኸላን ዝትርኽ ትያትር ኣብ 1999 ዓ.ም. ኣብ ትውልዲ ሃገሮም ፖላንድ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ ኣዋን ንኽብሮም ዝቐረበ ተኻታቲሎም ምስ ኣብዕቑ “. . .  ኣብዚ ኣብታ ነደይ ዘወክፍኩምዋን ብስማ ኣብ ኣትዋዕ ቤት ምርኻበይ ሓጐስ ይስምዓንን ከመስግን እውን እፈቱ . . .” ዝብል ኣብ ኣደኣዊ ፍቕሪ ዘማእከለ ዘረባ ከምዘስምዑ ዝዝከር እዩ። . . . ገና ወዲ ትሽዓተ ዓመት እንከለዉ ኣዲኦም ደሓር እውን ወዲ 12 ዓመት እንከልዉ ዓቢይ ሓዎም ኤድሙንድ ገና ወዲ 26 ዓመት እንከሎ ብሞት ዝተፈለዮም ሓኪም ዝነበሩ ኣብ ክራኮቪያ ልክዕ ከምቲ ሎሚ ብዙሓት ኣኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ብለብዒ ኮቪድ 19 ዝተጠቕዑ ኣብ ምፍዋስ በቲ ሕማም ተለኺፎም ሞት ዘጋጠሞም፡ ሓዎም እውን ቀይሕ ረስኒ ብዝብል ሕማም ዝተለኽፈት ክሕክሙ በቲ  ሕማም ተለኺፎም ኣብ 1932 ዓ.ም. ከምዝዓረፉን ይዝከር፡ እዞም መንእሰይ ሓዎም ሓኪም ነታ በቲ ሕምማ ዝተለኽፈት ክሕክሙ እንከለዉ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋ ኩሉ ይፈልጡ እውን እንተነበሩ ሕያዋይ ሳምራዊ ምዃን ዝመረጹን፡ እዚ ኣብ ኣገልግሎትካን ዕዮኻን ናይ ሰማዕትነት ሓላፍነት እውን ክስምዓካ ዝብል ኣብነት ኣብ ሕይወት ካሮል ወይትይላ ዓቢይ ጦብላሕታ ዘንበረ ተዘክሮ እዩ።

ካሮል ኣብ 12 ዓመት ዕድመኦም ብዘይ ኣደን ሓዎምን ንበይኖም ምስ ኣቦኦም ተረፉ፡ ካብዞም ኣባል ሃይሊ ምክልኻል ዝነበሩ ኣቦኦም ትኽ ዝበለ ቅኑዕ ሕይወት ምንባር ዝተመሃሩን ቅንዕናን ፍቕሪ ሃገርን ፍቕሪ ንድንግል ማርያምን ካብ ስድራ ቤቶም ዝተመሃርዎ እዩ፡ . . .  ናይ ሮማ ጳጳስ ኮይኖም ምስ ተሓርዩ ኣብ ትውልዲ ዓዶም ምብጻሕ ከካይዱ እንከለዉ ብዙሕን ዘይሃስስን ተዘክሮታት ኩሉ ኣብ ኣእምሮእም ህልው ምዃኑ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ዓርኮም ጋዘጠይና ኣንድረ ፍሮሳርድ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ “ኣቦይ ብሓቂ ፍቱውን ንኡድን ከምዝነበሩ ዕሸልነቶም ደሓር እውን በጽሒ ሕይወቶም ናይቲ ናይ ኣቦኦም ኣብነት ነጸብርቕ እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጹን፡ ናይ ኣብኦም ኣብነት ኣብ ጸዋዕታ ክህነቶም ጽልዋ ዘለዎ እዩ፡ ኣብታ ጸጋን ምስጢርን  ዘርእስታ መጽሓፍ ታሪኽ ሕይወቶም ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክህነቶም ዝተደርሰት፥ “ምስ ኣቦይ ብዛዕባ ጸዋዕታ ክህነት ይዛረብ ኣይነበርኩን፡ ንኣይ ቀዳማይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት እቲ ምስ ኣቦይ ዝነበርክዎ ሕይወት እዩ እብል” ኣብታ “ናይ ተስፋ ኣፈት ምስጋር” ዘርእስታ ብመልክዕ ቃለ መሕትት ኣብ ዝተደርሰት መጽሓፍ ኣቦኦም ገጸ በረኸት ኣብ ዝገበሩሎም መጽሓፍ ውሽጢ ጸሎት ንመፈስ ቅዱስ ዝተነብሮ ምንባሩ ዘኪሮም፡ ነታ ጸሎት ወትሩ ንኽደግማ ድማ ተላበወኒ . . .  ካብዛ ጸሎት እዚኣ ከኣ ንእግዚኣብሔር ብሓቅን ብመንፈስን ምስጋድን ምምላኽን እንታይ ማለት ከምዝኾነ ኣስተውዓልኩ” ይብሉ።

ካሮልን ኣቦኦምን ኣብ ክራኮቪያ፡ ኣብቲ እዋን በጽሒ እንከለዉ ዝነብርዎ ዝነበረ ሕይወት ገዛእ ርእስኻ ኣብ ጐይታን ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምውካፍን እንታይ ማለት ምዃሙ ክስቆሮም ዝገበረ ምዃኑን፡ ናይ መንበረ ጥበብ ተመሃራይ እንከለዉ ስርዓት ናዚ ዘበገሶ ወግእ ተባርዔ . . .  ኣብ 21 ዓመት ዕድመኦም ድማ ወላዲኦም ብሞት ተፈለይዎም፡ ዕለት 18 ለካቲት 1941 ዓ.ም. እታ ኣቦኦም ዝዓረፉላ ለይቲ ካሮል ከቢድ ጽሞና ኣብ ሕይወቶም ተሰመዖም፡ በይኖም ኣብ ዓለም ዝተረፉላ ለይቲ፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተራ ቅዱሳት ሕይወት ምስጋና ይኹን እቲ ካብ ወለዶም ዝረኸብዎ ኣብነታዊ ሕንጸት ኮኖም . . .  ናይ ተስፋ በሪ ተኸፍተ . . . ኣብ ጸዋዕታ ክህነቶም ኣገልግሎቶም ከም ጳጳስን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይ ወለዶም ኣብነት ወትሩ የሰንዮም . . . ኣደኦም ንሕይወት ክፉት ንምዃን ዘይምፍራሕን ሓዎም ኣብ ኣገልግሎት ሰማዕነት ከምዘሎ ዘረጋገጹሎም ኣቦኦም ብጸሎት ናብ መንፈስ ቅዱስ በራቶም ንኽርስቶ ጋህ ኣቢሎም ንኽኸፍቱ ገይረሞም፡ ናይ ወለዲ ኣብነት ኣብ ሕይወት ውላድ ኣብ ናይ ውላድ ሕይወት ዘለዎ ሓላፍነት ልዑል እዩ!

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ቅድስናን ስድራ ቤቶምን
15 May 2020, 15:54