ኢየሱስ ማዕበል ከምዘህደኤ ኢየሱስ ማዕበል ከምዘህደኤ 

ማዕበል ሕይወት - ስለምንታይ ትፈርሁ ክሳብ ክንድዚዶ እምነት የብልኩምን!

ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ምስ ሓዋርያቱ ምሸት ብጃልባ ናብ ማዕዶ ንሳገር ኢልዎም። አብ ማእከል ባሕሪ እናተጓዕዙ እንከለዉ ብርቱዕ ማዕበል ተላዒሉ ኢየሱስ ግን ብድሕሪት ይድቅስ ነሩ። እታ ዝነበርዋ ጃልባ ክሳዕ እትመልእ ድማ እት ማዕበል አብታ ጃልባ ይጻፋዕ ነሩ በዚ ኸአ ብርቱዕ ፈርኁ እሞ ንኢየሱስ አተንሢኦሞ “መምህር ክንጠፍእዶ ግዲ የብልካን ኢኻ አድሕነና በልዎ። ንሱ ተንሲኡ ነቲ ንፋስ ገሠጾ ነቲ ባሕሪ ድማ ዝግ በሊ ህድኢ በላ እሞ ኩሉ ጸጥ ኢሉ። ናብ ሓዋርያቱ ምልስ ኢሉ “ስለምንታይ ትፈርሁ ክሳብ ክንድዚዶ እምነት የብልኩምን እዩ በሎም። ማርቆስ 4፡35-41።
ብድምጺ ንምክትታል!

ወዲ ሰብ ድሕሪ ውድቀት ቀዳሞት ወለዲ አብ ማዕበል ጸገም እዩ አትዩ። “ቃል ሰበይትኻ ስለ ዝሰማዕካን ካብታ ካብአ አይትብላዕ ኢለ ዝአዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕካን ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን። ኩሉ ዘመን ሕይወትካ እንጌራኻ ኻብአ ብጻዕሪ ብላዕ፥ እሾኽን ተዀርባን ተብቁለልካ ብቝሊ መሮር ድማ ብላዕ፥ ከመይ መሬት ኢኻ ናብ መሬት ከአ ኽትምለስ ኢኻ” (ዘፍ 3፡17-20)። እዚ ቃላት ንሕይወት ወዲ ሰብ ካልእ መልክዕ አልቢስዎ።

ሓደ ካብቲ ዘሰክፍ ኩነት ፍርኂ እዩ። ሰብ ክፈርሕ ክሹቕረር ጀሚሩ ኩሉ ጸገም ዘምጽአሉ ኮይኑ ተራእይዎ። ቃኤል ንሓዉ ምስ ቀተለ አብ ክንዲ ተዓዊተሉ ኢሉ ዝቐስን ኩሉ ቀታሊኡ ኮይኑ ተራእይዎ። “እንሆ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ትሰጎኒ አሎኻ አነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ እየ፥ አብ ምድሪ ዀብላልን ቀባሕባሓን ክኸውን እየ፥ ዚረኸበኒ ዘበለ ኹሉ ድማ ኺቐትለኒ እዩ” (ዘፍ 4፡14) እናበለ ዝወረዶ ፍርኂ ይገልጽ።

ስለምንታይ ሰብ ዝፈርሕ፡ ብብዙሕ ምኽንያት ኢና እንፈርሕ ገለ ካብቲ ዘፍርሓና፡

  1. ክፉእ/ኃጢአት ምስ ገበረ፡ ሰብ አብ ሕይወቱ ክፉእ ኽገብር እንከሎ ሕልናዊ ወቐሳ አለዎ ነቲ ዝገብሮ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ብውሽጡ ይስምዖ እንተ ኾነ ብስምዒት ወይ ብኻልእ ተደሪኹ ንኽፉእ ጠኒኑ ይገብሮ እዚ አብ ውሽጡ ፍርሕን ሕርቃንን ይፈጥረሉ። ክፉእ ዝገብር ፈራሕ እዩ።
  2. ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝኾነ ነገር ክገጥሞ እንከሎ። ዝኾነ ካባና ዝብርትዕ ዝሕይል ነገር ከየጥፍአና ስለ እንፈርሕ ፍርሓት አብ ገጽና አብ ሕይወትና ይርአ። ንአብነት ምንድቕዳቕ ምድሪ፥ ዝኾነ ዓቢ ባህርያዊ ነገራት፥ በርቂ፥ ነጎዳ፥ ውሒዝ፥ ሓዊ፥ ሕማም ለበዳ፥ ደርቂ፥ውግእ፥ ዝአመሰሉ ባህራውያን ነገራት የፍርሁና።
  3. ጽቡቕ ነገር ክገብር እንከሎ፥ ንእግዚአብሔር ንፈርሆ እዚ ግን ብኽፉእ ዘይኮነ በቲ ንሱ ፈጣሪ ስለ ዝኾነ ንሕና ባህርና ክንርኢ ከሎና ኢሚንት ስለ ዝኾና ንርእስና ምስኡ አወዳዲርና ንፈርኅ። ወይ ንሓደ ጽቡቅ ነገር ቅድሚ ምግባርና እምበርዶ ክገብሮ እየ ዓቕሚ አሎኒዶ? ኢልና ንፈርኂ እዚ ግን አሉታዊ ፍርኂ አይኮነን።
  4. ርእሰ ምትእምማን ምስ አጥፍአ፥ ሰብ አብ ርእሱን ዓቕሙን ዘይተአማመን እንተ ኮነ ይፈርኅ። ኩሉ ዝገብሮ እምበርዶ ጽቡቕ አሎኹ እናበለ ነቲ ዝገብሮ ኽገብሮ ከም ዝኽእል እናፈለጠ ርእሰ ምትእምማን ስለ ዘጥፍአ ይፈርኅ።
  5. ካብ አምላኽ ምስ ተፈለ። ዝኾነ ሰብ አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ክመርሕ እንከሎ ፈራሕ እዩ ምኽንያቱ አብኡ ጸጋ ዝብሃል የብሉን ዘለዎ ኸአ ዋሕስ ክኾኖ አይክአልን እዩ፥ አዳምን ሔዋንን ቀዳመይቲ ነግር ድሕሪ ውድቀት ዘርአይዋ ፍርሒ እያ በዚ ኸአ እዩ ክሕብኡ ዝፈተኑ።

ፍርሒ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ዝገጥመና ሓደ ካብቲ ናይ ሕወት ሓቅታት እዩ። አይፈርሕን እየ ዝብል እንተሎ ሓቅነት የብሉን። ወላ ሓደ ጽቡቕ ነገር ክንገብር አብ ርእስና ስለ ዘይንተአማመን ንፈርሕ።

አብ መንፈሳዊ ሕይወትናን ንፍርሒ ብኸመይ ንርእዮ። አብዚ እዋን ኮሮና ቫይሩስ ንዓለም አብ ለቢዕዋ ዘሎ እዋን ኩልና ብፍርሒ ተሸቕሪርና ብፍላይ ልዕሊ 60 ዓመት ዝኾና አብ ገገዛና ተሓቢእና “እግዚኦ” ንብል አሎና ምኽንያቱ ሞት እናረአናያ ትመጽአና ስለ ዘላ። ነዚ ክሕግዘና አብ ማርቆስ 4፡35-41 ከም መበገሲ ገርና ንህልው ኩነታትና ክነስተንትን።

ሓደ መዓልቲ ኢየሱስ ምስ ሓዋርያቱ ምሸት ብጃልባ ናብ ማዕዶ ንሳገር ኢልዎም። አብ ማእከል ባሕሪ እናተጓዕዙ እንከለዉ ብርቱዕ ማዕበል ተላዒሉ ኢየሱስ ግን ብድሕሪት ይድቅስ ነሩ። እታ ዝነበርዋ ጃልባ ክሳዕ እትመልእ ድማ እት ማዕበል አብታ ጃልባ ይጻፋዕ ነሩ በዚ ኸአ ብርቱዕ ፈርኁ እሞ ንኢየሱስ አተንሢኦሞ “መምህር ክንጠፍእዶ ግዲ የብልካን ኢኻ አድሕነና በልዎ። ንሱ ተንሲኡ ነቲ ንፋስ ገሠጾ ነቲ ባሕሪ ድማ ዝግ በሊ ህድኢ በላ እሞ ኩሉ ጸጥ ኢሉ። ናብ ሓዋርያቱ ምልስ ኢሉ “ስለምንታይ ትፈርሁ ክሳብ ክንድዚዶ እምነት የብልኩምን እዩ በሎም።

አብዚ ማርቆስ ወንጌላዊ ኢየሱስ መን ከምዝኾነ ምግላጽ ካብቲ ቀንዲ ዓላማኡ ገሩ እዩ ዝነግረና። እቲ ንባሕሪ ምህዳእ ሓደ ካብቲ መንነት ኢየሱስ ዝገልጽ ገሩ እዩ ዘቕርቦ። ንሱ እግዚአብሔር ክገብሮ ዝኽእል ኃይሊ ክእለት አለዎ። አብ ትምህርቲ አበው እዚ ታሪኽ ንሕይወት ቀዳመይቲ ቤተ ክርስያን እዩ ዘመልክት። መርከብ አምሳል ቤተክርስትያን ህዝበ እግዚአብሔር እያ። እቲ ነታ መርከብ አኽቢቡ ሒዝዋ ዘሎ ቀላይ ዓለም እዩ። ኢየሱስ ከም ማንም ሰብ አብታ ጃልባ ምስ ሓዋርያቱ አተወ። ካልኦት ጀላቡ እውን ነረን እዚ ኸአ ካልኦት ንኡሳን አብያተ ክርስትያናት ከምዝነበራ ንምሕባር እዩ። ብርቱዕ ማዕበል ተላዒሉ ነተን ጀላቡ ክሳብ ከይጥሕላ ዘፍርሕ ማዕበል ተላዕለ እዚ ኸአ ነተን ንአሽቱ ማሕበር ቤተ ክርስትያን ዝገጥመን ዝነበረ ጽልእን ውርደትን እዩ ዘመልክት፥ ጸላእቶም ካብ ገጽ ምድሪ ከጥፍእዎም ኩሉ ዝክአሎም ይገብሩ ከም ዝነበሩ የመልክት። ማዕበል እምብአር አምሳል እቲ አብ ቤተ ክርስትያን ብግልን ብሓባርን ዝወርድ ግፍዒ ስደት ፈተና ኩሉ እዩ።

ንባሕሪ ከም ሓደ ሕይወት ዘለዎ ገሩ ይዛረቦ፥ልክዕ ከምቲ ንንሓደ ሰይጣን ዝሓዞ ከውጽኦ ዝበሎ ከምኡ ይብል (ማር 1፡25)፥ ከምቲ በቲ ሰይጣን ዝሓዞ ሰብ እቶም ደቁ ዓዱ ተረቢሾም ዝነበሩ ሓዋርያት ከአ ከምኡ እዮም ኮይኖም።

አብ ሕይወት ምስ አምላኽን ብዘይ አምላኽን ክንጉዓዝ ከሎና ብዙሕ ፍልልይ አለዎ። አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ፍርሒ ስግአት ጥርጣረ ዘለዎ እዩ። አብ ገለ እዋን አምላኽ ምሳና እንከሎ ስአን ምርአይና ወይ ምልማና አብ ፍርሕን ጸላም ስግአትን ንነብር። ከምቲ ሓዋርያት ኢየሱስ ምስኦም እንከሎ ዝኾንዎ ንሕና እውን ከምኡ እንኾነሉ እዋን ብዙሕ እዩ።

አብ ኢየሱስ ክንምለስ ክንጥምት አሎና። ንሱ ብብዙሕ መገዲ አብ መንጎና አሎ። ብሓደ ሓውና ሓፍትና ወይ እውን ብባህርያዊ ነገር እውን ህላዌኡ ኽገልጸልና ይኽእል እዩ። እቲ ወሳኒ አነ እርእዮ ዘሎኹ እዩ። ብዙሓት አብ ሕይወት ንአምላኽ ብዘይምርአዮምን ብዘይምልማኖምን አብ ማዕበል ህውከትን ጭንቀትን ይነብሩ። አብዚ ሎሚ እዋን እዚ ወሪዱና ዘሎ ለበዳ ሕማም አብ አምላኽ ክንቀርብ ብዝያዳ ዝሕግዘና ክኸውን ይኽእል እዩ። አብ መን እዩ ዘሎ እምነትና? ከም ሓዋርያት ጠፋእና አድሕነና ኢልና አብ ኢየሱስ ክንምለስ ጽቡቕ አጋጣሚ እዩ።

እምብአር ነዚ ወንጌል ክነንብብ እንከሎና ካብቲ ታሪኽ እቲ ንሱ ዝመሓላልፎ መልእኽቲ ዝያዳ ክጠቅመና ይኽእል። ሓዋርያት ኢየሱስ ምስኦም ከምዘሎ ምስ አስተውዓሉን ዘከሩን ብፍርሓት ዘንቀጥቅጡ ዝንበሩ ሰላም ርግአት ሰፊንዎም ማዕበል ሃዲኡ። ምስ ኢየሱስ ምጉዓዝ ወላ አብ ጊዜ ማዕበል ናይ ሰላም ናይ ቅሳነት ጉዕዞ እዩ። እዚ ሓደ ጊዜ ጥራሕ ዝኸውን አይኮነን ኩሉ ጊዜ ዝኸውን እዩ። ሎሚ ንአና እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ኢየሱስ ምሳና እንተሎ ወላ አብቲ ዝኸፍአ ናይ ማዕበል እዋን አብኡ ሰላም ህድአት አሎ። 

  1. ኢየሱስ አብ ማዕበል ሕይወት አብ ሓዘን ፍርሒ ጊዜ ሰላም ይህበና። ሓዘን ፍርኂ ክመጽአና እንከሎ ኩሉ ጊዜ ከም ዝመጽእ ናይ ሕይወት ክብሪ ይመጽእ ከምዘሎ እዩ ዝነግረና። ንጸልማት ሞት አብ ድሙቕ ብርሃን ዘለዓለማዊ ሕይወት ይልውጦ። ፍቕሪ እግዚአብሔር ይነግረና። ሓድ ጥንታዊ ታሪኽ ዝንገር አሎ። ሓደ አብ ጀርዲን ዝሰርሕ ሰብ ነበረ አብቲ ጀርዲን ሓንቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝፈትዋ ዕንባባ ነራ። ሓደ መዓልቲ ነታ ዕንባባ ተሃንጥዩ ክርኢ ምስ መጸ ዘየላ ጸኒሓቶ። ብጣዕሚ ጉህዩን ሓሪቑን ብዙሕ ሓምዩን መንኮን እዩ ነዚ ዝገበረ ኢሉ። አብ ከምዚ እንከሎ ነቲ ዋና ቀንዲ ሓላፊ እቲ ጀርዲን ረኽቦ ንዝኾነ ነገር ከአ ብሕዙን መንፈስ ነገሮ። እቲ ሓላፊ ዓው ኢሉ ንርእሰይ ኢለ መንቍሰያ በሎ። ሕይወትና ዋና ልዕለና አለዋ። አብ ማዕበል ሓዘን ፍርሒ እንከሎና ኢየሱስ እቶም እንፈትዎም ቅድመና ምስ አምላኽ ክኾ ይሓልፉ፥ ሓደ ዘረጋግጸልና ነገር ህን አሎ ከም ብሓዲስ ክንረኽቦም ኢና አብኡ ምስቶም እነፍቅሮም ዝጠፍኡናን ክንረኽቦም ኢና።
  2. ኢየሱስ ሕይወት አብ ከቢድ ጸገም፥ ከቢድ ምጥርጣር እንከሎ፥ እንታይ ከምእንገብር ዓቕልና ጸቢብና እንከሎ ኩሉ ዘየተአማምን ምጥርጣር አብ ዝመልኦ እንከሎ ሰላም ይህበና። ሽዑ እንታይ ከም እንገብር ዓቕልና ጠፊኡና፥ አብ መንጎ ጠጠው ኢልና አየና ምርጫ ከም እንገብር ጠፊእና፥ አየናይ መገዲ ከም እንሕዝ አብ ቀራና መገዲ ጸጊምና እንከሎ ሽዑ ንሱ ምሳና አሎ። ሽዑ አብ ኢየሱስ ግልጽ ኢልና ፡ጎይታይ እንታይ ኽገብር ትደልየኒ ንበሎ፥ ሽዑ ክሉ ክበርሃልና ክንጽረልና እዩ። እቲ ዓቢ ጸገም እንታይ ከም እንገብር አይኮነን ዝጠፍአና እቲ ዝዓበየ ጸገም ብትሕትና አብ ኢየሱስ ክመርሓና ክሕግዘና አይንምለስን ኢና። ንድላዩ ምሕታትን ብምሉእ አብ ትሕቲኡ ምዃንን አብ ሰላም ዝወስድ መገዲ ምስዓብ እዩ። አብ ጽንኩር ኩነታት አብ ኢየሱስ ምምላስ እዩ እቲ ቀንዲ ፍታሕ።
  3. ኢየሱስ አብ ጊዜ ሻቕሎትን ጭንቀትን ሰላም ይህበና። ቀንዲ ጽላኢ ሰላም ሻቕሎት፥ እንታይ ክኸውን እየ ኢልካ ምሽቓል፥ መጻኢ እንታይ ክኸውን እዩ ኢልካ ምሽቓል፥ ብዛዕባ እነፍቅሮም ወገና ምሽቓል። ኢየሱስ ግን ናይ ሰማያዊ አብኡ ሓልዮትን ፍቕርን ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ክገብሮ ዘይኽእል አብ ልዕለና ዘለዎ ፍቕርን ሓልዮትን ፍቕርን ይገልጸልና። አብ ማዕበል ሻቕሎት ጭንቀት እንከሎና ናይ አምላኽ ሰላምን ፍቕርን የምጽአልና።  

ክርስትያናዊ ሕይወትና ከም መርከብ/ጃልባ እዩ። ከምቲ ሓንቲ መርከብ አብ ባሕሪ ንማእለያ ዘይብሎም ጸገማት ዝተቓለዐት ማለት ሸፋቱ ባሕሪ፥ ሰሊም፥ ዘይርአ ከውሒ፥ ሃጽፊ ከምኡ ኸአ ሰብ አብዚ ሕይወት ብዝተፈላለዩ ፈተነታት ገሃነም እሳት ካብ ባሕሪ ኃጢአት፥ ካብ ዕንቅፋታት ወይ ሕማቕ ምኽሪ ክፉአት ሰባት፥ ካብ ክብሪ ሰብ ልዕሊ ኹሉ ፍቕሪ እዚ በራሲ ባህሪ. . . እዚ ኹሉ እምነት ከም ዘጉድል ኽገብርዎ የብሎምን። ብአንጻር አብ ከምዚ ዝአመሰለ ወጣሪ ኩነታት ክትርከብ እንከሎኻ ዝኾነ ውሳኔ ካብ ኃጢአት ነጻ ዝገብረካ ወሲድካ እምነትካ አብ አምላኽ ምግባር ይግባእ። እቲ ንፋስ ወይ መሸምበባ ብርቱዕ እንተ ኾነ ፓይሎት ቀንዲ አተኩርኡ አብቲ አርያቦርቶ ዘሎ ሓባሪ መብራህቲ እዩ። ብተመሳሰሊ መገዲ አትኩሮና ጠመተና አብ አምላኽ ክንገብር ይግብአና እምበር አብ ጉዕዞ ብዙሕ ዘታልልን ዘደናግርን አሎ እዩ። ከምቲ ቅ. አጎስጢኖስ ዝብሎ ካብ ኩሉ ሓደጋታት ከቢብና ካብ ዘሎ ተቓሊዕናሉ ካብ ዘሎና አድሕነና እናበልና ክንልምን አሎና ዝበሎ ሎሚ እዋን ጸሎትን አብ አምላኽ ምምላስን እዩ።

እሞ አብ ሕይወተይ ፍሉይ ማዕበል አሎኒዶ ኢልና እስከ ንርአ። ነፍሲ ወከፍና ገለ ባዕልና ዘምጻእናዮ ማዕበል ገለና ኸአ ብካልኦት ዝመጽአና ማዕበል አሎና። ነዚ ዝህውኽን ዘጨንቕን ማዕበል ክነህድኦ ተራና ክንጻወት አሎና። ሓዋርያት ንኢየሱስ ጠፋእና አድሕነና እንተ ዘይብሉ ኩነታቶም አይምተቐየረን አብኡ ምስ ቀረቡን ሓተቱን ግን ኩሉ ተቐይሩ። እዚ ንነፍሲ ወከፍና ማዕበል ሕይወትና ክነህድእ አብ ኢየሱስ አብቲ አምላኽና ክንምለስ አሎና።

አብ ኢየሱስ ገጽና ክነብል እምነት ክህልወና ይግባእ። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ አቱም ሰብ ጎደሎ እምነት ኢልዎም ዳርጋ አነ ምሳኹም ከሎኹ እንታይ ዘፍርሕ አሎኹም ንማለት እዩ። ከምቲ ቅ. ጳውሎስ ዝብሎ “ለእመ እግዚአብሔር ምስሌነ መኑ ይክለነ” ዝበሎ እዩ። አምላኽ ምሳና እንተሎ ዝመጽአ ይምጻእ ሓንቲ አይገብረናን እዩ እዝግን ንማዕበል ክነህድእ ኮፍ ኢልና ክንጽበ ማለት አይኮነን ክንገብሮ እንክዕል ክንገብር አሎና።

ነዚ ወሪዱና ዘሎ ማዕበል ፍርሕን ስክፍታን ዝክአለና እናገበርና ጸሎት ንግበር ንአምላኽ ንለምኖ። ለምኑ ክውሃበኩ ኳሕኩሑ ክርሓወኩም ኢሉና እዩ እሞ ብምሉእ እምነት ገርና ንክአል ኩሉ አምላኽ ነዚ ወሪዱና ዘሎ ምዓት ቀንጥጠልና ኢልና ንለምኖ።

ናዛዚተ ሕዙናን ዝኾነ ማርያም ከምቲ ንሓዋርያት ድሕሪ ሞት ወዳ አብ ሓደ ቤት ጸሎት ትመርሖም ዝነበረት እሞ ንብርሃን ትንሣኤ ክርእዩ                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                                      ዝመርሐት ሎሚ እውን ብብርሃን ወዳ ኩሉ ክልወጠልና ለምንልና ንበላ። ከመይ ንሳ ንኹሉ እተርሁ አደ አምላኽ እያ እሞ ኦ ማርያም አደና ንአና ደቕኺ ካብዚ ወሪዱና ዘሎ ምዓት ቀንጢጥኪ ሰላም ቅሳነት ዝሰፈኖ ትንሣኤ ንኽገብረልና ንወድኺ ልምንልና ንበላ።

ኦ ረዳኢተ ክርስትያን ለምንልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።      

10 April 2020, 16:46