ድለ

አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ፥ ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ፥ ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ 

ቀዳም ሥዑር 11 ሚያዝያ 2012 (04/19/2020)

ወትቤ ሲኦል አይ ውእቱ ዝንቱ ዘእም ሥልጣንየ ሥጋ ለቢሶ ዘሞዐኒ፥ መኑ ውእቱ ዝንቱ ዘምድረ ለብሰ፥ ውእቱኬ ሰማያዊ ውእቱ ... ሲኦል እዚ ሥጋ ለቢሱ ካብ ሥልጣነይ ዘሸነፈኒ መን ኮን ይኸውን፡ መን እዩ እዚ መሬት ዝለበሰ፡ ንሱስ ሰማያዊ እዩ (ዚቅ ዘቀዳም ሥዑር)
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት   ሮሜ 6፡3-11፥ ጴጥ 3፡15-ፍ፥ ግ.ሓ. 3፡12-4፡5፥ ማቴ 27:62-ፍ  ምስባክ፡  አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ፥ ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ። “ተገምሰስኩን ድቃስ እውን ወሰደኒ፥እግዚአብሔር ስለ ዘተንስአኒ ካብቶም አእላፍ አሕዛብ አይፈርሕን እየ” መዝ. 3፡5።

እዚአ ዕለት ቀዳም ሥዑር መበሊአ መቕድም ትንሣኤ ስለ ዝኾነት እዩ፥ አብ ክንድአ እሑድ ሰንበት ተሠርዐት፥ ብሥዕረት ትንሣኤ ክርስቶስ ተተክአት። አብ ቅዳሴ አትናቴዎስ ንቀዳም ሥዑርን ንእሑድ ሰንበትን እንኬነጻጽር “ንዑ ናልዕላ ለበኵረ በዓላት እንተ ይእቲ ሰንበተ ክርስትያን ቅድስት. . . . ኦ ዛቲ ዕለት ለነብያት ተዓውቀት እምኃበ ሕዝበ አይሁድ ተሰወረት ወኃበኤነሰ ፍጹመ አስተርአየት . . . ለለ ሰሙኑ ትነግሥ. . . ኦ ዛቲ ዕለት እንተባቲ ብሊት ተጸርዓት ወሓዳስ ጸንዓት ኦ ዛቲ ዕለት እንተ ባቲ ሙቍሓን ተፈትሑ ወአግብርተ ግዕዙ” ይብል።

ቀዳም ሥዑር አብ ክልተ ነገር ዘተኮረ እዩ፡

  • ኢየሱስ ካብዚ ዓለም ብሞት አብ መስቀል ምስተፈለ ንኹሎም ስዓብቱ ናይ ሓዘን ፍርሒ ጥርጠራ ጊዜ እዩ ነሩ። ኵሉ እቲ ዝገጠሞም ተስፋ ዘቑርጽ እዩ ነሩ በዚ እዮም ዳርጋ ኩሎም ሓዲጎሞ ዝሃደሙ። ግን ክትንሥእ እየ ኢልዎም ስለ ዝነበረ ንእሽቶይ ተስፋ ነራቶም። ናይ ትጽቢትን ናይ ፍርሕን ጊዜ እዩ። አብ ትንሣኤ ክንአቱ ክንሓልፎ ዘሎና ክበድ የዘኻኽረና።
  • ኢየሱስ ምስ ሞተ ነቶም ቅድሚኡ ዝሞቱ ጻድቃን ትሩፋት ሞቱ ከካፍሎም ኢሉ ናብ ሲኦል ወሪዱ ዘድሓነሉ ዕለት እዩ። ካብ አዳም ጀሚሮም ዝነበሩ ኩሎም በዚ ዕለት ምስ ኢየሱስ ንሰማይ ዝአተዉሉ ኢና እንዝክር።

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቀዳም ናብ ሲኦል ወረደ ነቶም አብኡ ተሓይሮም ዝነበሩ ነፍሳት ሓርነት ዝአወጀሉ (1ጴጥ 3፡19) ካብ መቑሕ ፈቲሑ መንግሥተ ሰማይ ዝእተወሉ ስለ ዝኾነ ቀዳም ሥዑር ትብሃል። አብ ባህልና ነዚ ክርስቶስ ዘምጽኦ ሰላምን ዕርቅን ንምምልካት “ገብረ ሰላም በመስቀሉ ትንሣኤሁ አግሃደ” እናዘመርና ብድሮ ትንሣኤ ታሓጓስና ንምግላጽ ሰቲ ንዕድል።

እግዚአብሔር በዚ እዋን ንነፍስወከፍና ብዝተፈላለየ ብመቍሕ ኃጢአት ተአሲርና ርሒቕናዮን ጠፊእናዮን ዘሎና ከድሕነና ድላዩ እዩ። ደቂ ድሕነት ክንከውን አብኡ ክንምለስ ኢሉ ነዚ አጋጣሚ ክንጥቀም ይጽውዓና። አበይ አሎኹ ኢልና ዘሎናዮ ሕይወትን እንጉዓዞ ዘሎና መገዲ ክንርኢ ዝሕግዘና ፍሉይ ዕለት እዩ።

አብ ቀዳም ሥዑር አብ ዓድና ብኹሉ ኢና እንቀራረብ ካብቲ ብዙሕ እንገብሮ ክዳውንትና ንሓጽብ ብኹሉ ንብዓል ዝቕርበና ደቂ አንስትዮ ብቑኖን ሒና ይሕነና ኵሉ ዘጸብቐን ዝበላኦ ይገብራ ደቂ ተባዕትዮ ይቕምቀሙ ሓዲስ ክዳን ይገዝኡ፥ ሰብ በብዓቕሙ ዝበለጸ መግብን ጸበልን ይግበር “እንቋዕ አፋሰግና ርሑስ አውድአመት እናበልና አብ ቤተ ሰብ ጎረባብትን አዕሩኽን ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ”። እዚ ኹሉ ክብሪ ትንሣኤ ንምግላጽ እዩ። ሓደ ካብቲ ዝበለጸ በዚ ዕለት ዝግበር ዳርጋ ኵሉ ሰብ ብኃጢአቱ ይናዘዝ ሥጋኡ ወደሙ ይቕበል። ዝተባእሰ ይዕረቕ ዝዓገበ ይኽሕስ ሰላም አብ ኩሉ ይግበር፥ እዚ ንባህልናን እምነትናን ፍሉይ ይገብሮ። ቀዳም ሥኡር ከስ ብዅሉ እንሕደሰላ ዕለት እያ።

ክርስቶስ ምስ ሞተ ወንጌላውያን ከም ዝገልጹልና ፀሓይ ጸልመተ መጋረጃ ቤተ መቕደስ አብ ክልተ ተተርተረ መቓብራት ተኸፍቱ. . . ይብሉና። ምስ ቀበርዎ ሰንበት አይሁድ ስለ ዝነበረ ምንቅስቓስ ስለ ዘይፍቀድ ሓንቲ አይገበሩን አብ እሑድ ሰንበት እየን አንስቲ አብ መቃብር ከይደን ንዝኾነ ዝነገራ። ቀዳም ሥዑር ግን ኩሉ ጸጥ ኢሉ እዩ ውዒሉ። አምላኽ ብኹሉ ንአና ዝመሰለሉ ሞት ከይተረፈ ጥዒምዎ። አብ ከርሲ ምድሪ ሓዲሩ ንሕና ሓዲስ ሕይወት ክንረክብ ሓደ እዋን አብ ትምህርቱ “ፍረ ስርናይ አብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት በይና እያ እትነብር እንተ ሞተት ግና ብዙኅ ፍረ ኸም እትፈሪ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” (ዮሓ 12፡24) እናበለ ሞቱ ብዙሕ ፍረ ከም ዝፈሪ ገሊጹልና።  

ኢየሱስ ድሕሪ ሞቱ አብ ሲኦል ወረድ ኢልና ንጽሊ። ብዕብራይስጢ ሲኦል ዝብሃል ቦታ ሙታን ሱቕታ ዘልኦ ጽልግልግ ዝበለን እዩ። (መዝ 89፡48፥ ምሳሌ 5፡5፥ 7፡27)፥ አብኡ ብዘይ ዝኾነ ሓሳብ፥ ስራሕ፥ ብዘይ አፍልጦ ወይ ጥበብ እትነብሮ እዩ (መክብብ 9፡10)። እዚ ቦታ ንአምላኽ ዘይትዝክረሉን አምሎኾ ዘይግበሮን እዩ (መዝ 6፡5፥ 115፡17፥ ኢሳ 38፡18)። እንተ ኾነ ኃይሊ አምላኽ አብ ልዕሊ ሲኦል የጽልል (መዝ 139፡7-8፥ ምሳሌ 15፡11፥ ኢዮብ 26፡6)፥ አምላኽ ንህዝቡ ጨሪሹ ስለ ዘይሓድግ ምሉእ ተስፋ አሎ (መዝ. 16፡10)።

አብ ሓዲስ ኪዳን ሲኦል ብግሪኽ “ሃደስ” አብ ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ ናይ ሙታን ዓለም እዩ (ፍሊጵ 2፡1፥ ግ.ሓ. 2፡27፥ ራእ 1፡18፥ ኤፈ 4፡9)። ሲኦል ጻድቃንን ኃጥአንን ንምጽአት መድኃኒ ዝጽበዩሉ ኩነት እዩ (መዝ. 9፡17፥ ሉቃ 16፡22-26)። ዕጫ ናይ እቶም አብ ሲኦል ዝነበሩ ሓደ አይ ኮነን ከመይ ኢየሱስ አብ ቀዳም ሥዑር አብ ሲኦል ወሪዱ ነቶም ጻድቃን ሒዝዎም ንሰማይ ከይዱ፥ ነቶም ኃጥአን ግን አይወሰዶምን ወይ ሓራ አየውጽኦምን። (ጉባኤ ሮማ ብ745ዓ.ም.)።

አብ ጸሎተ ሃማኖት “ናብ ሲኦል ወረደ አብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ሞት ተንሥአ” እናበልና ንጽሊ፥ አብ መዝገብ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካብ 613-637 ብገፊሕ ተገሊጹ ንረኽቦ። ኢየሱስ አብ መዓሙቕ ምድሪ ወረደ እዚ ኸአ ነቶም አብኡ ዝነበሩ ሓራ ከውጽኦም ድሕነት ክብስረሎም ኢሉ እዩ። ናይ ክርስቶስ አብ ሲኦል ምውራድን ብሣልሳይ መዓልቲ ምትንሣኡን አብ ሓንቲ ዓንቀጽ እምነት ይንገር። ምኽንያቱ ኸአ ካብዚ መዓሙቕ ሞት ሕይወት ጎስጓስ ከምትወጽእ ዝገበረ በዚ ፋሲካኡ እዩ።

አብ ሓዲስ ኪዳን ብተደጋጋሚ ኢየሱስ ድሕሪ ሞቱ አብ ሲኦል ከም ዝኸደ ዝሕብር ንረክብ ግ.ሓ. 3፡15፥ ሮሜ 8፡11፥ 1ቆሮ 15፡20፥ ዕብ 13፡20። ንናይ ክርስቶስ ናብ ሲኦል ምውራድ ብወገን ሓዋርያዊ ስብከት ዝተዋህቦ ትርጉም እዚ ዝስዕብ እዩ “ኢየሱስ ከም ኩሎም ሰባት ሃለዋት ሞት ተቐቢሉ ነፍሱ ድማ ነቶም አብ ቦታ ሙታን ዘለዉ ካልኦት ተጸንቢራቶም እያ። አብኡ ዝወረደ ግን ከም መድኃኒ ኮይኑ ነተን አብኡ ዝተሓበሳ ነፍሳት ብሥራት ንኺእውጀለን ነበረ (1ጴጥ 3፡18-19) ይብል።

ናብ ሲኦል ምውራድ ነቲ ናይ ድኅነት መልእኽቲ ወንጌል አብ ምሉእ ፍጽምና የብጽሖ። እዚ እቲ ናይ ኢየሱስ መሢሓዊ ተልእኮኡ መወዳእታ መድረክ ማለት ብመንፅር ጊዜ ኪረአ ከሎ አዝዩ ዝተጨበጠ ብሓቀይና ትርጕሙ ግን ሰፊሕ ዝኾነ መድረኽ እዩ፥ ከመይሲ እቶም ኵሎም ዝደሓኑ አብቲ ተቤዝዎቱ ሱቱፋን ስለ ዝኾኑ ናይ ክርስቶስ ግብረ ቤዛውነት አብ ኵሉ እዋንን ቦታን ናብ ዘለዉ ኵሎም ሰባት ዝተዘርግሐ እዩ። (መዝገብ ሃይማኖት ካ/ቤ/ክ 634)።

ቀዳም ሥዑር ንፍልይ ምቅርራብ ይሓተና፡

  • ትንሣኤ ክንዝክር ከሎና ካብ ኃጢአት ክንመውት። ኢየሱስ ብሞቱ ንሞት ኃጢአት ስዒርዎ እዩ። አብ ሕይወትና አቲና ነቲ ደቂ ትንሣኤ ከይንኸውን ዝዓግተና ኃጢአትና ሎሚ ንስዓሮ ሽዑ ምስ ኢየሱስ ንተንሥእ።
  • አብ ጉዕዞ ሰማይ ዓሚቕ እምነት የድሊ። ልብና ጸልማት ክጉልብቦ ከሎ ብርሃን ክርኢ ይኸብዶ እዩ ስለዚ አምላኽ አብቲ ጽንኩር እዋን ምሳና ከምዘሎ አሚና ንቅድስና ሒዝና ክነብር ንጽዓር።
  • አብ ጽንኩር እዋን ፍቕሪ ነርኢ። ሰብ ጸገም ምስ ወረዶ ፍቕሪ ክገብር ቀሊል አይ ኮነን እንተ ኾነ ኢየሱስ አብ ጊዜ ሞቱ ክሳብ መጨረሻ ዘርአየና ፍቕሪ እዩ። ምእንቲ ፍቕሪ ኢየሱስ ኢልና ነቶም ክፉእ ዝገበሩና ምሒርና ክንክእል ይግብአና።
  • ምስ ኢየሱስ ምማት፡ ምስኡ እንተ ሞትና ምስኡ ክንትንሥእ ኢና። እዚ ክንጉዓዞ ዘሎና ወይ ክንሕዞ ዘሎና ሕይወት እዩ ዝነግረና። ምእንቲ ኢየሱስ ኢልካ ካብ ዝኾነ ኃጢአት ምርሓቕ። ኢየሱስ ምእንታይ መይቱ ኢልና ንኃጢአትን ኵሉ አብ ኃጢአት ዝወስድ ነገራት ሓዲግና ምስ ክርስቶስ አብ ሓዲስ ሕይወት ትንሣኤ ንእቶ።

አብ ቀዳም ሥዑር ብምሉእ ምስ ክርስቶስ ተወሃሂድና ክንርከብ እሞ ምስኡ ክንትንሥእ ስንድዋት ንኹን። ከምቲ ፈያታይ ዘየማን ዝለመኖ “ተዘከረኒ እግዚኦ በውስተ መንግስትከ” እናበልና ናይ ዝንሳሕ ልመና ንለምን። ብምሉእ እምነትን ተስፋን ንዝልምን “ሎሚ ምሳይ አብ ሰማይ ክትህሉ ኢኻ እዩ” ዝብለና።

ሎሚ ልብና ነንጽሕ አብ መንጎና ንዘሎ ዝኾነ ዘይምርድዳእ ወይ ቂምታ ሓዲግና አብ ትንሣኤ ክርስቶስ ክንሳተፍ ብምሉእ ልብና ተአምኖተ ኃጢአትና ገርና አብ መንበረ ኑዛዜ ቀሪብና ብእከየ ብእከየ ወበ ዓቢ እከይ” ኢልና ምሕረት አምላኽ ንቀበል። ንሥጋና ንትዕቢትና ንኹሉ ስዒርና አብ መአዲ ፍቕሪ ክርስቶስ ብምሉእ ንሳተፍ። ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን ክንብል እንከሎና ስምና እና ጠቐስና ተንሢአ አሎኹ ንበል።

መንሥኤ ሙታን ዝኾነ ኢየሱስ ካብ ሞተ ኃጢአት አተንሢኡ ብሩኽ ትንሣኤ ናይ ምሕረትን ዕርቅን ሰላምን ትንሣኤ ይግበረልና።

ብሩኽ ትንሣኤ ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

18 April 2020, 11:03