ዓርቢ ስቅለት ሚያዝያ 9 2012 ዓ.ም. (4/17/2020)

“ስብሓት ለመስቀለ ክርስቶስ ዕፀ መድኃኒት ኃይልነ ወጸወንነ” - ዓርቢ ስቕለት ክልተ ነገር ዝሓዘት እያ ፩ያ ሞት ወዲ አምላኽ አብ መስቀል እሞ ውርደትን ስቓይን ኩሉ ሕሰም ዝለበሰ ሞት፥ ጨካን ሞት አምላኽ ብፍጡራቱ ዝተዋረዶ። ፪ይ ሓዲስ ርክብን ሕይወትን ዝተዋህበላ ዕለት። ክርስቶስ አብ መስቀል ምስ ሞተ ኢና ደቂ ሰማይ ዝኾና ብሞቱ ሕይወት ሂቡና። ዓርቢ ስቕለት እምብአር ክሳራ ዘይኮነ መኽሰብ እያ።
ብድምጺ ንምክትታል!ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡        ኢሳያስ 52፡13-52:12፥ ዕብ 4፡14-16፥ 5፡7-9፥ ዮሓ 18፡1-19፡42

ዓርቢ ስቕለት አብ ታሪኽ እምነትና ፍሉይ ቦታ ዝሓዘት እያ። መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ምእንታና ኢሉ አብ ዕፀ መስቀል በጃ ዝሓለፈላ ዕለት ስለ ዝኾነት ብፍሉይ ንዝክራ። ብርግጽ ጉዳይ ድሕነትና ካብ ትስብእቱ አብዚ ዓለም ሥጋና ምስ ለበሰ ጀሚሩ አብ ዕለተ ዓርቢ ኸአ ዛዚሙ። ሕይወት ክርስቶስ ብሓደ ኢና ክንርእዮ ዘሎና። ጸሎተ ኃሙስ ዓርቢ ስቕለትን ቀዳም ስዑርን ከም ሓደ ፍጻሜ ኢና ክንርእየን ዘሎና። አብ ሰለስቲአን ዕለታት ዓቢ ፍጻሜ ድሕነትና ተራእዩ። አብ ጸሎተ ኃሙስ መአዲ ቅ. ቍርባንን ክህነትን ሰሩዑልና ከምኡ አብ ነነድሕድና ዘሎና ርክብ አብ ፍቕርን አገልግሎትን ክኸውን ከምዘለዎ ገሊጹልና። አብ ዕለተ ዓርቢ ምእንታና አብ መስቀል ተሰዊኡ። ብሞቱ ሓዲስ ሕይወት ሂቡና ምስ ሰማያዊ አብኡ ዓሪቑ ደቂ አምላኽ ናይ ምዃን መሰል ሂቡና። ቀዳም አብ ሰንበት ዘውግሕ ከአ ካብ ሞት ተንሢኡ ደቂ ትንሣኤ ገሩና። ቅ. ጳውሎስ ክርስቶስ ዘይተንስአ እንተ ዝኸውን እምነትና ብላሽ ምኾነ እናበለ ናይ ትንሣኤ ነገር ገሊጹልና በዚ ምኽንያት ኢና እምብአር ንሰለስቲኡ ዕለታት ከም ሓደ ፍጻሜ ክንርእዮ ዘሎና።

ዓርቢ ስቕለት ክልተ ነገር ዝሓዘት እያ ፩ያ ሞት ወዲ አምላኽ አብ መስቀል እሞ ውርደትን ስቓይን ኩሉ ሕሰም ዝለበሰ ሞት፥ ጨካን ሞት አምላኽ ብፍጡራቱ ዝተዋረዶ። ፪ይ ሓዲስ ርክብን ሕይወትን ዝተዋህበላ ዕለት። ክርስቶስ አብ መስቀል ምስ ሞተ ኢና ደቂ ሰማይ ዝኾና ብሞቱ ሕይወት ሂቡና። ዓርቢ ስቕለት እምብአር ክሳራ ዘይኮነ መኽሰብ እያ።

ስለምንታይ አምላኽ ከድሕነና ነዚ መገዲ መሪጹ? ነዚ ክንርዳእ ነዚ ዝስዕብ ታሪኽ ንስማዕ፥ አብ ሓደ እዋን ሓደ ድልድል (Bridge) ንሓደ ዓቢ ውሒዝ ዘሰጋግር ነበረ፥ እቲ ድልድል ዝኽፈትን ዝዕጾን እዩ ነሩ። አብ ጊዜ ቀትሪ በቲ ውሒዝ መራኽብ ስለ ዝመላለሳ ኩሉ ጊዜ ክልዕልን ክወርድን እዩ ዝርአ። አብ ገለ እዋን ባቡር ስለ እትመጽእ እታ ባቡር ክሳብ እትሓልፍ እተን መራኽብ ክጽበያ አለወን። ነዚ ምኽፋትን ምዕጻውን ናይ እዚ ቢንቶ ወይ ድልድል ዝሰርሕ ሓደ ሰብአይ ነበረ ንሱ አብ ሓደ ጫፍ ናይ እቲ ቢንቶ ኮይኑ ይኸፍቶን ይዓጽዎን ማለት ይቆጻጸር። ሓደ መዓልቲ እቲ ሓላዋይ ነታ መጨረሽታ ባቡር እትመጽእ እናተጸበየ አንከሎ ብማዕዶ አብቲ ጽልግልግ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን ባቡር ከምትመጽእ ዘላ ብርሃና ርእዩ፥ አብቲ መቆጻጸሪ ኮይኑ ክኸፍተላ ክትቀርብ ይጽበ ነሩ፥ ቅርብ ምስ በለት ነቲ ቢንቶ ክኸፍት እናተቐራረበ እንከሎ ሓደ ዘይተጸበዮ ነገር ገጢምዎ ነቲ መርሖ ናይ እቲ ቢንቶ ዝኸፍት እንተ ፈተኖ ምኽፋት አብይዎ ይሰርሕ አይነበረን፥ እቲ ቢንቶ ምስተኸፍተ ከም ግብኡ ዝሕዞ ነገር እንተ ዘይረኸበ ሓደጋ ናብታ ባቡር ከምጽእ ይኽእል እዩ ነታ ባቡር አብቲ ውሒዝ ከምትጠልቕ ክገብራ ይኽእል እዩ። እታ ባቡር ናይ መንገደኛታት ባቡር እያ ብዙሕ ሕዝቢ ዝጸዓነት እያ ነራ ስለዚ ዓቢ ጉድአት እዩ ክኸውን ሓደጋ እንተ ረኸበት። ወዮ ተቖጻጻራይ ካብቲ ዘለዎ እናጎየየ ናብቲ ስግሩ ዝነበረ መቆጻጸር ወይ መኽፈቲ ተሳጊሩ አብኡ ብኢዱ ዝሰርሕ መኽፈቲ እቲ ቢንቶ ነሩ ስለዚ ብኢዱ ሒዙ ክኸፍቶ አለዎ ክሳብ እታ ባቡር እትሓልፍ ከአ ሒዝዎ ክጽበ አለዎ እንተ ፈነዎ ሓደጋ ክፍጸም እዩ። ክሳብ እታ ባቡር እትሓልፍ ናይ ብዙሓት መንገደኛታት ሕይወት አብ ኢድ እዚ ሓደ ሰብአይ እዩ ነሩ። ነቲ መኽፈቲ ሒዙ እንከሎ ሓደ ዘሰንብድ ድምጺ ሰሚዑ ብማዕዶ እንተ ርአየ አብ ስግሩ ወዱ ሕጻን አቦ አበይ አሎኻ ክብል ሰሚዑ ወዲ አርባዕተ ዓመት። አቦ ዝገብሮ ሓርበቶ ቆልዓ በቲ ባቡር ዝኸዶ ናብኡ ገጹ ክመጽእ ወዱ ምስ ረአየ ዝገብሮ ጠፊእዎ። አብ መጀመርያ ዓው ኢሉ እናጸውዐ ቀልጥፍ ጉየ ክብል ጀሚሩ እንተ ኾነ እታ ባቡር ድሮ ቀሪባ ነራ እግሪ ቆልዓ ከአ ከም ዕድሚአን እየን ዝጎያ፥ እቲ ንእሽቶ ሕፃን ነቲ ቢንቶ ክሰግሮ አይከአልን፥ አቦ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ መርሖ ናይ እቲ ቢንቶ ክሓድጎ ዳርጋ ቀሪቡ ነሩ ከመይ ወዱ ክመውት ክርእዮ አይደለየን ነቲ ሒዝዎ ዘሎ እንተ ሓደገ ኸአ ባቡር አብ ውሒዝ ክትአቱ እያ ብዙሓት ክሞቱ እዮም ሽዑ ከይፈተወ አብ ምርጫ አትዩ ካብ ኩሉ ህዝቢ ዝመውት ወደይ ይሙት ኢሉ ወዱ እናረአዮ ባቡር ክትረግጾ ርእዩ። ንኽቕበሎ ከቢድ እዩ ነሩ እንተ ኾነ ብሞት ወዱ ኩሎም እቶም አብታ ባቡር ዝነበሩ ክድሕኑ ክኢሎም።

እታ ባቡር ቀስ ኢላ ብዘይ ሓደ ጸገም ሰጊራ ካብቶም አብአ ዝነበሩ ወላ ሓደ አብትሕቲ እታ ተጻዒኖማ ዘለዉ ባቡር ሓደ ሕፃን አዕጽምቱ ተሰባቢሩ ኩሉ ሥጋኡ ተመናቲሉ ከም ዝሞተ እሞ አብቲ ውሒዝ ከም ዝተደርበየ ዝፈለጠ የለን።

እዚ ምስቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ዝገበሮ ዝመሳሰል እዩ። ሰማያዊ አቦና ካብ ዘለዓለም ንአና ከድሕን ኢሉ ወዱ ከምዝስዋዕ መደቡ ነሩ እዩ። ቅ. ዮውሓንስ “አምላኽ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም አፍቀራ” (ዮሓ 3፡16) “አምላኽ ንፍቕሩ ብወዱ ብሕይወት ምእንቲ ክነብር ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልአኹ ገለጸልና” (1ዮሓ 4፡9) ይብል። ሞት ኢየሱስ ምስ ድሕነትና ዝተተሓሓዘ እዩ። ኢየሱስ ምእንታና ከም ዝሞተ ንፈልጥ ኢና። ንሱ አብ መንጎናን አብ መንጎ እግዚአብሔር አቦን ድልድል ወይ ቢንቶ ክገብር ከም ዝሞተ ንፈልጥ ኢና። ብሞቱ ምስ ሰማያዊ አብኡ ዓሪቝና።

ኢየሱስ ዝተቐበሎ ስቓይን ሞትን ብዓቕምና ክንርድኦ አይክአልን እዩ። ካብታ አብ ጌተሰማኒ ጀሚሩ ዝተሳቐዮ ክሳብ ምሽት አብ ቀራኖዮ አብ ዕፀ መስቀል ዝረኸቦ ስቓይ ከቢድን ክትርድኦ ዘጸግም እዩ። ገባር ሕይወት እሞ ኩሉ ሰናይ ዘስተምሃረ ንሙታን ዘሕወየ ንሕሙማት ዘሕወየ ንኹሉ ጽቡቕ ዘስተምሃረ ሰባት ንሞት እሞ አብ መስቀል ፈረድዎ ክትርድኦ ከቢድ ፍጻሜ። ኢየሱስ አብቲ ከቢድ እዋን ጉዕዞ ሞት እንከሎ ብዙሕ ነገራት ተራእዩ። እቶም ምስኡ ንዓመታት ዝነበሩ አርድእቱ ሓዲጎሞ ሃዲሞም ከይዶም ጸላእቱ ተአኪቦም መጺኦሞ። ሓዋርያቱ ጠሊሞሞ ከይዶም ጴጥሮስ እቲ ምእንታኻ ሕይወተይ ከሕልፍ እየ ዝብል ዝነበረ ሰለስተ ጊዜ ከምቲ ኢልዎ ዝነበረ ክሒድዎ። ብኻልእ ወገን ክልተ አብ መንግኦም ዓቢ ጽልኢ ዝነበሮም ሄረዱስን ጲላጦስን ተዓሪቖም። አብዚ እዋን ኢየሱስ ካብቶም ምስኡ ዝነበሩን ብአምላኽን ዝተሓድገ ኮይኑ ተሰሚዕዎ። እንተኾነ እዚ ንድሕነት ደቂ ሰብ ኢሉ ዝተቐበሎ ስቓይ ከም መጋበሪ ኮይኑ ነቲ ካብ አምላኽ ዝፈሊ ዝነበረ ክአሊ ምእንቲ እዩ።

አብ ምድረ ገነት አዳም ምስ ኃጥአ ማለት ካብ አምላኽ ተፈልዩ ካልእ መገዲ ምስ መረጸ እሞ ንአምላኽ ምስ ሓደገ አምላኽ እዩ ዘናደዮ “አበሎኻ ኦ አዳም ፍጡረይ ብሂገ ዝፈጠርኩኻ እናበለ” አናድይዎ። አብቲ ስቓይ ምእንቲ ድሕነት ሰብ ኢሉ አብ ዝለዓለ ጥርዙ በርቲዕሉ ዝነበረ እዋን ኢየሱስ ህላዌ አምላኽ ሓሲቡ ከምዚ እናበለ ሓቲቱ “ስለምንታይ ሓዲግካኒ”።

አብቲ ጊዜ ፍርዲ ብዙሓት አንጻር ኢየሱስ ናይ ሓሶት ምስክርነት ይህቡ ነሮም (ማር 14፡56)። ገሊኦም ካብቶም ህዝቢ ድማ ጡፍ ይብሉሉ ነሮም (ማር 14፡65)። ተገሪፉ (ማቴ 27፡26)። ክዳኑ ገፊፎም ከአ ቐይሕ ባርኖስ ከደንዎ (ማቴ 27፡28)። ቀይሕ ክዳን ከደንዎ አኽሊል እሾኽ ተቲዖም ከአ አብ ርእሱ ደፍኡሉ፥ ርእሱ ድማ ብዘንጊ ወቕዕዎ ጡፍ በሉሉ ተንበርኪኾምውን ሰገዱሉ፥ ምስ አላገጹሉ እቲ ቐይሕ ክዳን ቀንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ ኪሰቕልዎውን አውጽእዎ” (ማር 15፡17-20). “ኦ ንጉሥ አይሁድ ሰላም ንአኻ እናበሉ ገጹ ይጸፍዕዎ ነበሩ” (ዮሓ 19፡3)። እዚ እዩ እቲ ሞሳ ናይ እቲ ኩሉ ዝገበሮ ዝተዋህቦ። እዚ እዩ ነቲ ነቶም ሕሙማት ዘሕወዮ ጻማ ዝተዋህቦ። እዚ እዩ ነቲ ሕይወት ዝህብ ትምህርቱ ዝሃቦ ዝተዋህቦ። እዚ እዩ ንመንግስቲ አምላኽ ብምምብሳሩ ዝተዋህቦ ዓስቢ።

አብ መርዓ ናይ ቃና ዘገሊላ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ምስ ቀየረ ወላ ሓደ ካብቶም አብኡ ዝነበሩ ምስ ጸምአ መጺጽ ወይኒ ከምዝውሃቦ ዝሓሰበ አይነበረን። ነቶም ብዙሓት ክምግብ ኢሉ ነቲ ዝነበረ ህብስትን ዓሣን ከብዝሖ እንከሎ ወላ ሓደ ንመዓልታት ብጥመት ከምዝጸንሕ ዝሓሰበ አይነበረን። ነቶም ኩሎም ሕሙማት ልሙሳት ምግዱራት ከሕዊ እንከሎ ወላ ሓደ ከምዚ ኢሉ ይዋረድ ወይ ይሳቐ ኢሉ ዝሓሰበ አይነበረን። ነልአዛር ካብ ሞት ከተንስኦ እንከሎ ዝርአዩ ካብኦም ወላ ሓደ ከምዝቕተል ዝሓሰበ አይነበረን።

ኢየሱስ መድኃኒና ነዚ ኹሉ ስቓይን ውርደትን ክፍሊ ናይ እቲ ናይ ድሕነት ስራሕ ገሩ ስለ ዝርአዮ ወላ ሓንቲ አይበለን ሱቕ ኢሉ ተቐቢልዎ። ሓንቲ ሕቶ ዝሓተታ ነቲ ዝጸፍዖ ወተሃደር ስለምንታይ ትጸፍዓኒ ጥራሕ ኢሉ ሓቲቱ። እዚ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ኢየሱስ “ስለምንታይ ትጸፍዓኒ” ኢሉ ዝሓተቶ እዩ። ሎሚ ንሕና ንኻልኦት ምፍቃር ምስ ገደፍና ኢየሱስ ሓደ ዓይነት ሕቶ ይሓተና። ንዝጠመዩ ምምጋብ ምስ አበና ሓደ ዓይነት ሕቶ ይሓተና፥ ንሕሙማት ምብጻሕ ምስ አበና ወይ ንእሱራት ምብጻሕ ምስ አበና ሓደ ዓይነት ሕቶ ይሓተና “ስለምንታይ ትጸፍዓኒ?”።

ሎሚ አብ እግሪ መስቀል ደው ምስ በልና ንነፍስወከፍን ስለምንታይ ትጸፍዓኒ/ትጸፍዕኒ እናበለ ይሓተና አሎ።

ዓርቢ ስቕለት ጸልማት ተጎልቢባ እያ እትመጽእ እንተ ኾነ ብማዕዶ ጩራ ትንሣኤ ይርአያ አሎ። ኢየሱስ ንኹሉ ዝግብኦ ጉዳይ ድሕነት ምስ ገበረ ተፈጸመ ኢሉ። ንሕና እውን አብ ጸሎትና “ተፈጸመ ተስፋ አበው በማርያም ድንግል ወበ ቀራንዮ ተተክለ መድኃኒት መስቀል እናበልና” ንጽሊ። ሎሚ አብዚ ዕለት ካባና ዝድለ ዘሎ ካብ ኃጢአትና ብደም ክርስቶስ ዝነጻሕና ኢና እሞ መብጽዓና ፍቕርና አብቲ መድኃኒና ክነሓድስ።

መስቀልና ጸርና አሰር ክርስቶስ እናሰዓብና ሓግዘና ሓይሊ ሃበና አብ ትንሣኤኻ ሰጊርና ብርሃንካ ክንርኢ ንበሎ። ስሬት ኃጢአትና ረኺብና ከምቲ ፈያታይ ዘየማን ተዘከረኒ በውስተ መንግስትከ ንበሎ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

17 April 2020, 17:45