ሰንበት ዳግማይ ትንሣኤ ሚያዝያ 18 2012 ዓ.ም. (5/26/20)።

“ነቲ አምላኽ ብኢየሱስ ገሩ ዝገለጸልና ምልክታትን ትእምርትታን ልብና ንኽፈት” መዝሙር፡ ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሓሰይ ምድር. . …. “ሰማይ ይተሓጎስ ምድሪ እውን ደስ ይበላ መለኸት ይወቓዕ ኩሉ አድባራትን ከበቢኡን ኩሉ አእዋም በረኻታትን ይታሓጎስ፥ ሎሚ አብ ሰማያት ዓቢ ተሓጓስ ኮይኑ አሎ፥ ምድሪ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ዓባይ ፋሲካ ትገብር አላ።”
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 1ቆሮ 15፡1-20፥ ራእ 1፡9-19፥ ግ.ሓ. 5፡12-16፥ ዮሓ 20፡11-18።  ስብከት፡ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም ወከመ ኃየል ወኅዳገ ወይኒ፥ ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ። “ሽዑ እግዚአብሔር ከምቲ ኻብ ድቃሱ ዚትንሥእ ሰብ ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዚዕንድር ጀግና ኾይኑ ተንሥኤ” መዝ። 78፡65-66

ዳግማይ ትንሣኤ ከም ሥርዓት አምልኾና ብኹሉ ከም ሰንበት ትንሣኤ ኢና ንጽልን እንዝምርን። መቐረት ትንሣኤ ብዝያዳ ክነስተማቕር ምእንቲ ብሓደ ልቢ ጸሎት ንግብር። ኩሉ ቅዳሴ ክነዕርግ እንከሎና ትንሣኤን ሞትን መስዋዕትን ክርስቶስ ኢና እንዝክር። ባዕሉ ነዚ ንዝኽረይ ግበርዎ እናበለ ብመዓልቲ ጸሎተ ኃሙስ ቅዱስ ቍርባን ክሰርዕ እንከሎ ገዲፉልና። ሞትን ትንሣኤን ክንዝክር ከሎና ክንሓዝን ማለት ዘይኮነ ዋጋ ድሕነትናን ከምኡ አምላኽ ክሳብ ክንደናይ ከም ዘፍቅረና ክነስተንትን ምእንቲ እዩ።

ሞት ኢየሱስ ነቶም ናቱ ብፍላይ ከቢድ እዩ ነሩ እዚ ኸአ ብኽልተ ምኽንያት

1. ሓንቲ ክፉእ ከይ ገበረ ህዝብን መራሕትን ኩሎም ከም ሓደ ገባር ክፉእ አብ መስቀል     ሰቒሎም ምስ ዓመጸኛታት ስለ ዝቐተልዎ።

2. አብ ቅድሚ አምላኽን ሰብን ጽቡቕ ዝገብር ዝነበረ ወዲ አምላኽ መስሕ ብፍጡራቱ ክቕተል      እንከሎ ድፍረት ንፈጣሪ ስለ ዝኾነ ወድሰብ ብሞት መስሕ ዕዳ ሊቢሶም።

 እንተኾነ አምላኽ ብጥንቱ ንወድሰብ ከድኅኖ ስለ ዝወሰነ ሞት ወዱ ንሞት አሸኒፉ ሕይወት ከም ዝረክብ ገርዎ። ነዚ ምስጢር ልዕሊ ሞት ርእዮም ምእንቲ ክኽእሉ ኢየሱስ ካብ ሞት ተንሢኡ። ድሕሪ ትንሣኤኡ ብቐረባ አብቲ ሞቱን ትንሣኤኡን ዝተዋስአ ሕያዎት አንስቲ እየን፥ አብ ምድሪ እስራኤል ክሰብኽ እንከሎ ዘገልግልኦን ምስኡ ዝጉዓዛ ከም ዝነበራ ወንጌል ይነግረና። ንሳተን ክሳብ መጨርሽታ አይሓደጋኦን። አብ መስቀል ተንጠልጢሉ ክግዕር እንከሎ ደቂ ታባዕትዮ ተኸተልቱ ብዘይ ዮውሓንስ ኩሎም ሃዲሞም። እተን አንስቲ ግን ንዝስዋእ መምህረን ናይ ፍቕሪ ንብዓት እናነብዓ አሰንየንኦ። ናይ ብሓቂ ዕዉታት እየን ነረን። ዓወተን ክንዝክር ከሎና ንሕና እውን አሰረን ክንክተል ምእንቲ ኢና።

ወንጌል ዮውሓንስ ብዛዕባ ማርያም መግደላዊት ሓንትን ካብተን ሕይወታ ቀይራ አብ ትንሣኤ ክርስቶስ ዝተዋስኤት ይነግረና። ንሳ ብለይቲ አብ መቓብር ከይዳ መቓብር ጥርሑ ምስ ጸንሓ አብ አርድእቱ ከይዳ ነጊራቶም ጴጥሮስን ዮውሓንስን እናጎየዩ ከይዶም ከምቲ ዝበለቶም ምስ ጸንሖም ንገዝኦም ተመሊሶም ማርያም ግን አብኡ እናበኸየት ተሪፋ። ሞቱን ዝገደደ ኸአ ሬስኡ ብምስአና ትበኪ ነራ። ንኢየሱስ አብ መቓብር ደልያቶ እንተኾነ ንኢየሱስ ድሕሪ ትንሣኤኡ መቓብር ቦቱኡ አይኮነን። አብ መቓብር ድንን ኢላ እንተ ረአየት ክልተ መላእኽቲ ርእያ፥ ንጎይትአ አበይ ከም ዝወሰድዎ ሓቲታቶም። ክትበኪ ምስ ረአይዋ ስለምንታይ ትነብዒ ኢሎም ምስ ሓተትዋ ንጎይታይ ወሲዶሞ አበይ ከም ዝገበርዎ ኸአ አይፍልጥን ንስኹም ወሲድክምዎ እንተ ኾንኩም ንገሩኒ ክወስዶ ኢላቶም። ፍቕሪ ኢየሱስ ክሳብ አብ መቓብር ከይዳ ከምትሓትት ገርዋ። ሞቱ እውን ተስፋ አየቝረጻን ብድፍረት አብ ሞንጎ መቓብር ደልያቶ። ፍቕሪ ንፍርሒ የጥፍኦ እዩ። ስለዚ ኩነታት መቓብር ብዘየገድስ ክሳብ እትረኽቦ ደው አይበለትን። ኩላትና ከም እንፈልጦ መቓብር ከቢድ እዩ፥ ብምቓብር ክንሓልፍ ከሎና ንፈርሕ ቀልጢፍና ንሓልፍ። ለይቲ እሞ ዝሓመመ እንተ ዘይኮነ ብአኡ ንበይኑ ዝሓልፍ የለን። እዚ ባህሊ አብ ኩሉ እዩ ዘሎ። ማርያም መግደላዊት እዚ እውን ካብ ፍቕሪ ኢየሱስ ክዓግታ አይከአለን።

ድሕሪት ገጻ ቁልሕ እንተበለት ኢየሱስ ደውኢሉ ርእያቶ እንተ ኾነ አየላለየቶን። እዚ ሓባራዊ ተመክሮ እዩ ድሕሪ ትንሥኤ ንኢየሱስ አየልልይዎን። ንሱ ሓደ ዓይነት ሰብ እዩ እንተኾነ ኸአ ሓደ ዓይነት አይኮነን ዝፈልዮ ነገር አልኦ። አብዚ ናይ ምትሕልላፍ ጊዜ ንኢየሱስ ብፍሉይ ከመይ ገሮም አብ ዘይተጸበይዎ መልክዕን ቦታን ኩነታትን ከምዘለልይዎ ክምሃሩን ክፈልጡን አለዎም። ከምቲ መላእኽቲ ዝሓተትዋ ሓደ ዓይነት ሕቶ ይሓታ “እንታይ ኾንኪ ትበኽዪ አሎኺ፥ ንመን ትደልዪ አሎኺ” ይብላ። እዚ ሕቶ ቀጺልና ንርእስና ክንሓቶ ዝግብአና ሕቶ እዩ። ከም ማርያም መግደላዊት ከምዚ ክንብል ንኽእል ማለት ንኢየሱስ ኢና እንደሊ ዘሎና ክንብል ንኽእል። እንቶኾነ አየናይ ኢየሱስ ኢና እንደሊ ዘሎና። ዝተንሥኤዶ ወይስ ገና አብ መቓብር ዘሎ? እንደልዮ ኢየሱስ ክንፈልጥ አሎና። ኢየሱስ ክጠፍአና ከሎ ሕይወትና ሕጉስ አይኮነን በዚ ኢና ከይጠፍአና ኩሉ ጊዜ ክንደልዮ ክንሕልዎ ዝግብአና።

ማርያም መግደላዊት እዚ አብ ቅድሚአ ደው ኢሉ ዘሎ ሓላው ጀርዲን መሲልዋ ምናልባት ንጎይታይ ወሲድዎ ዘሎ ይኸውን ኢላ ሓቲታቶ። ንሕና ብዙሕ ጊዜ ንሰባት ከይፈለጥናዮም አብ ጠባዮም መንነቶም እንታይነቶም ንዘልል። ብዝኾነ ዮውሓንስ ነዚ ክነግረና ከሎ ብኽልተ ምኽንያት ይኸውን፥

1. እዚ ሰብ ምናልባት ሬሳ ኢየሱስ ዘለዎ ይፈልጥ ይኸውን ኢላ ሓቲታቶ።

2. ዮውሓንስ ጥራሕ እዩ መቓብር ኢየሱስ አብ ጀርዲን ከምዝኾነ ዝነግረና (19፡41)። ኩሉ ናይ      ዓለምና ቃንዛን ሓዘንን ብናይ ቀዳሞት ወለድና አዳምን ሔዋን አብ ጀርዲን ገንት ኤደን      ብምውዳቕ ጀሚሩ። ሕጂ ኸአ ሓዲስ ሕይወት አብ ጀርዲን ይጅምር።

ማርያም መግደላዊት ከይተረድአ ሓቃ እያ ዘላ። ኢየሱስ ብዓል ጀርዲን እዩ። ንሱ ካብ መሬት ሕይወት ዝፈጥር፥ ቃል ሰማያዊ አብኡ፥ ብዓል ጀርዲና አብ ጀርዲን ኤዴን ኮይኑ ንኹሉ ዝፈጠረ እዩ።

ድሕርዚ ኢየሱስ ይዛረባ፡ “ማርያም”! ምስ በላ ሽዑ ንሽዑ ብድምጹ ተለልዮ፡ እቲ ንሰለስተ ዓመት ዝሰማዓቶ ድምጺ ጎይትአ ተለልዮ። አብ ወንጌል ዮሓ.10 ዘሎ ብዛዕባ ሕያዋይ ጓሳ እንተ ረኤና ከምዚ ነንብብ “እተን አባግዕ በስማተን ምስ ጸውዔን ድምጹ ይሰምዓ እሞ የለልልይኦ. . . ንሰን አሰሩ ይስዕባ ምኽንያቱ ድምጹ ስለ ዘለልያ. . . .ኣባግዔ እፈልጠን እየ ንሰን ከአ ይፈልጣኒ እየን (ዮሓ. 10፡3-4፥15)። አብ ሃገርና ጓሶት ድምጺ ማሎም ይፈልጡ ንሰን እውን ድምጺ ዋናታተን ይፈልጣ ምዃናን ንርኢ። ማርያም ድምጹ ምስ ሰምዔት ቅልጥፍ ኢላ መምህረይ “Rabbuni” ዲኻ ኢላቶ “Rabbi” አይበለቶን። እዚ ካብ ምምህር ዝብል ፍልይ ዝበለ አጸዋውዓ እዩ፥ ብዙሕ ጊዜ ምስ እግዚአብሔር ክዛረቡ ከለዉ ዝጥቀምዎ ቃል እዩ። እዚ ናይ ማርያም መግደላዊት አበሃህላ ካብቲ ናይ ቶማስ አብ ገዛ ከለዉ ምስተራእዮም ዝበሎ “ጎይታይ ጎይታይ” ዝተፈለ እዩ። ማርያም አቀዲማ ግልጽ ኢላ ርእያቶ እያ እንተኾነ እዚ ናይ ሕጂ ግልጽ ምባል ፍልይ ዝበለ እዩ። ውሽጣዊ ግልጽ ምባል እዩ፥ ካብ ዘይ ምልላዩ አብ ምልላዩ፥ ካብ ጓሂ ናብ ሓጎስ፥ ካብ ምጥፋእ ምስኡ ሓደ ምዃን፥ ካብ ምጥራጣር አብ እምነት ግልጽ ምባል እዩ።

ሓጎስ ፍርሒ ብሓንሳብ ተሓዊስዋ ከምኡ ካልአይ ጊዜ ከይጠፍአ ብምፍራሕ ትቐርቦ አይትተንክይኒ ኢልዋ፥ እዚ አዘራርባ ክኸውን ይኽእል እዩ። ክኸይድ ሕደግኒ “ምኽንያቱ አብ አቦይ አይዓረግኩን አሎኹ” ኢልዋ። አብ ወንጌል ዮውሓንስ ናይ ኢየሱስ ምኽባር አብ መስቀል ክመውት እንከሎ ከም ዝተፈጸመ እዩ ዝንገረና። አብታ ናይ ዓወት ስዓት ኢየሱስ ብቐጥታ አብ ክብሪ ሰማያዊ አብኡ ደይቡ። ስለዚ እዚ ምስ ማርያም መግደላዊት ዝዛረብ ዘሎ እቲ ዝኸበረ ኢየሱስ እምበር እቲ አቐዲማ እትፈልጦ ኢየሱስ አይኮነን። እዚ ኢየሱስ ክትንክዮ ዘይትኽእል እዩ፥ ብርግጽ ከአ ክትንክፎ አየድልን እዩ። “ካብ ሕጂ ንድሓር ኩሉ ጊዜ ምሳኹም አሎኹ”።

ጌና ናብ አቦይ ስለ ዘይዓረግኩ አይትተንክይኒ፥ ግናኸ ናብ አኅዋተይ ኪዲ እሞ ናብ አቦይን አቦኽምን ናብ አምላኸይን አምላኽኩምን እዓርግ አሎኹ በልዮም “ ዝብላ ቃላት ምስቲ አብ መጽሓፈ ሩት(1፡16)፡ ዘሎ “ሕዝብኺ ሕዝበይ አምላኽኪ ድማ አምላኸይ እዩ” ዝብል ይመሳሰል። አቦ ኢየሱስ ሕጂ አቦ ሓዋርያቱ ይኸውን እዚ ኸአ ብመንፈስ ቅዱስ አብ አብን ወልድን ዘሎ ምስተመልኡ ይኸውን። ከምብሓዲስ ከም ደቂ አምላኽ ይውለዱ (ዮሓ 3፡5)። ብኢየሱስ አሕዋት ይብሃሉ። ማርያም መግደላዊትን ኩሎም እቶም ካልኦትን ክምሃርዎ ዘለዎም ሓዲስ ነገር እንተሎ እቲ ካብ ሙታን ዝተንሥኤ ኢየሱስ ካብቲ ቅድሚ ስቕለት ዝነበረ ኢየሱስ ፍሉይ እዩ። ነቲ ናይ ቀደም ኢየሱስ ክኸይድ ክሓድግዎ አለዎም እሞ አብቲ ሓዲስ ኢየሱስ ብፍሉ መገዲ ክቐርቡ አለዎም።

ማርያም መግደላዊት ነፍስወከፍ ክርስትያን ክገብሮ ዘለዎ ክትነግር፥ ከምኡ ነርድእቱ ንጎይታ ከም ዝርአየቶ ክትነግሮም ተነጊርዋ። “ንጎይታና ርእየዮ”። አብዚ ዓምዲ እምነት አይኮነትን እተመሓላልፍ ዘላ እንታይ ደአ ዝረአየቶ ተመክሮአ እያ እትነግር ዘላ። ንሕና ነዚ ክንገብር እዩ ዝድለ ዘሎ። አምላኽ ዝገበርልና ዝበለና ዝረአናዮ ክነግር።

አብ ወንጌል ዮውሓንስ ብፍሉይ ዝንገረና ንዝተንሥኤ ኢየሱስ መጀመርታ ዝረአየቶን ዝተዛረበቶን ሰበይቲ እያ። አብ ወንጌል ሉቃስ ተጠቒሳ ዘላ እዚአ ሰበይቲ እንተኾይና (ሉቃ 8፡2) ሓጢአተኛ ሰበይቲ ዝነበረት ካብአ ሸውዓተ አጋንንቲ ዘውጽአላ እያ። ኩሉ ጊዜ ሓደ እኳ አብ እግዚአብሔር ዝቐረበ የለን ልዕሊ ሓደ ሓጢአተኛ ሓጢአቱ ተነሱሑ ዝቐርብ። ብዙሕ ጊዜ ንሕና ዓበይቲ ቅዱሳን ጥራሕ ንሓስብ እንተኾነ ካልእ መገዲ እውን አሎ። አብ ሉቃስ 7፡35-50 ዘሎ አብ ገዛ ስምዖን ብዛዕባ እታ ሓጢአተኛ ሰበይቲ እግሪ ኢየሱስ ዝሓጸበት ከምዚ ይብል፥ “ብዙኅ ስለ ዘፍቀረት ንአአ ብዙኅ ኃጢአታ ተኃዲጉላ እዩ፥ እቲ ሒደት ዚኅደገሉ ግና ሒደት እዩ ዜፍቅር”። አምላኽ ፍጹም መሓሪ እዩ ንዝሓለፈ ዝተነሳሕናሉ ሓጢአት አይዝክርን እዩ፥ አብ አምላኽ ትማሊ የለን ኩሉ ጊዜ ሎሚ እዩ። ሎሚ ካብ ሓጢአት ርሒቐ እንተሎኹ ምሳይ አሎ፥ እዚ እዩ ማርያም መግደላዊት ዝረኸበቶ።

ማርያም መግደላዊት መጀምርያ ንኢየሱስ ክትርኢ በቒዓ፥ እዚኸአ ዝያደ ስለ ዘፍቀረት እዩ። ንሳ ሓንቲ ዝተፈትወት ሓዋርያ እያ። ንኢየሱስ ዝያዳ ኩሎም አፍቂራቶ አብ ሕማማቱ አብ ስቕለቱ ሕጂ ኸአ አብ መቓብሩ እምነታን ፍቕራን ገሊጻ። ነቲ ኢየሱስ ዝገበረላ ማለት ካብ አጋንንቲ ነጻ ዘውጽአ ብትሕትናን ብፍቕርን መሊሳቶ።

ሕይወት ማርያም መግደላዊትን ትንሣኤ ክርስቶስ ዘኪርና ክነስተንትን ከሎና ብዙሕ ሓሳባት ክመጸና ይኽእል እዩ፥ ገለ ክንሓስበሉ ዝጠቕመና፡

  • እግዚአብሔር ኩሉ ጊዜ ጓሳና እዩ። ሓልዮቱን ፍቕሩን ኩሉ ጊዜ ክፉት እዩ። ሓጢአትና ተአሚና ክንቀርቦ ከሎና ልዕለና ዘፍቅሮ የብሉን። ማርያም መግደላዊት ፍልጥቲ ሓጢአተኛ እያ ነራ እንተ ኾነ አብ ኢየሱስ ምስ ተመልሰት ልዕሊ ኹሎም ንኢየሱስ አፍቂራ። አብ ኩሉ አሰንያቶ።
  • ንአምላኽ ከየቋረጽና ክንደልዮ አሎና። ማርያም መግደላዊት እተስተምህረና ሓደ ንኢየሱስ ክየቋረጸት ደልያ ረኺባቶ። ንሕና እውን ብሓቂ ብልቢ ክንደልዮ እንተ ወሰና እሞ እንተ ደለናዮ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። አብ ዓለም ተዋሒጥና አብ እንነብረሉ እዋን ክንደልዮ ክንረኽቦ ግድን እዩ። እዋን ትንሣኤ ንኢየሱስ ክንረክብ እሞ ደቂ ትንሣኤ ኮና ብርሃን ትንሣኤ ክንለብስ ሎሚ እዋኑ እዩ።
  • መንፈስ ትንሣኤ ቀስ ኢሉ እዩ ዝስቆረና። ማርያም መግደላዊት ንኢየሱስ አብ መቓብር እያ ደልያቶ። እቲ ኹሉ ኢልዎም ዝነበረ ዘንጊዓቶ። ንሕና እውን ኢየሱስ ዝርከቦ ቦታ ንጋገዮ ኢና። ኢየሱስ አበይ ይርከብ ኢልና እንተ ሓተትና። አብ ኩሉ ይርከብ ብፍሉይ ግን አብቲ ኩነታትና አብ ሓዳርና አብ ግላዊ ሕይወትና አብ ማሕበርና አብ ሥድራና አብ ኩሉ አሎ። ስለዚ አብ ቤተክርስትያን ጥራሕ ወይ አብ ቅዱሳን ጥራሕ አይኮነን ዝርከብ አብ ኩሎ አሎ። ካባና ዝደልዮ ካብቲ ጋሪዱ ሒዙና ዘሎ ምስ ጸውዓና ግልጽ ምባል እዩ። ከምቲ ንማርያም ዝጸዋዓ ንነፍስወከፍና በብስምና ይጽውዓና አሎ። ማርያ ቀልጢፋ መምህረይ ኢልቶ ሽዑ ንስብከተ ወንጌል ወፊራ። ነርድእቱ ነጊራቶም በዚ ናይ ሓዋርያት ሓዋርያ ትብሃል። ትንሣኤ ክነብዕል ከሎና አብ ሕይወትና ዕለት ዕለት ክነብዕሎ አሎና ዝሓለፈ ሰንበት ትንሥኤ አብዒልና ዘይኮነ ቋንቋና ሎሚ ትማሊ ጽባሕ ትንሣኤ አብዕል አሎኹ ክንብል ይግብአና።
  • ትንሣኤ ዘብዕል ክሰብኽ ክነግር ግቡኡ እዩ። ማርያም ትንሣኤ ክርስቶስ ምስ አረጋገጸት ክትነግር ከይዳ። ሰብ ኤማሁስ ኢየሱስ ከም ዝተንሥአ ምስ ፈለጡ ክነግሩ ንኢየሩሳሌም ተመሊሶም፥ ቅዱስ ጳውሎስ አነ ሰባኺ ዝተንሥኤ ክርስቶስ እየ ይብል ነሩ። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ኪዱ ንኹሉ ዓለም ተኸተልተይ ግበርዎም እናበለ ክሰብኩ ልኢኽዎም። ቤተክርስትያን ሰባኺት ወንጌል ትንሣኤ እያ። እምነትና አብ ትንሥኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመስረት እዩ ስለዚ ስብከትና ብዛዕባ ትንሣኤ ምንጋር እዩ። ሎሚ ንትንሣኤ ከመይ ገርና ክንሰብኮ ንኽእል። አብ ሕይወትና ምስ ክርስቶስ ዘሎና ርክብን ፍቕርን ክንገልጽ እንተኸአልና። ነቲ እመነትና ዝብሎ እንተ ፈልጥናዮ እሞ እንተነበርናዮን ሰበኽናዮን። ክርስቶስ ትንሢኡ እዩ እናበልና ክንእውጅ እሞ ንንስሓን ተሓድሶን ክንሰብኽ።
  • ስብከት ትንሣኤ ናይ ኩልና ተሳትፎ ይሓትት። ኩልና ሰበኽቲ ትንሣኤ ኢና። ማርያም መግደላዊት ሓጢአተኛ ዝነበረት እሞ ሰበይቲ ቀዳመይቲ ሰባኺት ትንሥኤ ኮይና። ኩልና አብ ስብከት ትንሥኤ እጃምና ክነበርክት ዕዱማት ኢና። አብ ግብሪ ሓዋርያርት መላእ ማሕበር ክርስቶስ ንስብከት ወፊራ ከም ዝነበረት ንርኢ። አብ ጽንኩር እዋን ኩሎም ንሞት ከይፈርሑ በቶም ዝተሰውኡ ተስፋ ከይቆረጹ ስለ ዝሰበኹን ንኹሉ ቀይሮሞ። ሎሚ አነን ንስኹምን ንዓለምና መንፈስ ትንሣኤ እንሰብኽ ንሕና ኢና። ብድፍረት ንሓቂ እምነትና ክንሰብኮ ትሑዛት ኢና። እምነት ፍርሒ ሕፍረት ክለብስ እንከሎ ሞት እዩ ዝኽተሎ ስለዚ ንእምነትና ብድፍረት ክነግሮን ክንሰብኮን ሓደራ በዅሪ ትንሥኤና እዩ።

ዳግማይ ትንሣኤ ክነብዕል ከሎና እምብአር ንዘሎና ፍቕሪ ክርስቶስ ኢና እነሕድስ ዘሎና። ዳግማይ ትንሣኤ ካልአይ ተንሢኡ አይኮነን ዘስምዕ እንታይ ድአ እቲ ሓንሳብ ዝተንሥኤ ኢየሱስ ሎሚ ናተይን ናታትኩምን ትንሣኤ ክርኢ ይደሊ አሎ። አብ ትንሣኤኡ ከም ማርያም መግደላዊት ክንልአኾ ኪድ ነሕዋትካ ንገሮም ይብለና አሎ። አብኡ ቅርብ ኢልና ክነለልዮ እሞ መምህረይ እናበልና ፍቕርና ክንገልጸሉ ይደልየና አሎ። ሓዲስ መንፈስ ለቢስና ንኹሉ መኸላእታ ፍቕሪ ክንአሊ ንኹሉ አብ ሓጢአት ዘውድቐና ሕማቕ አመል አለሊና ክንዕገት። ነሕዋትና ጣዕሚ ትንሥኤ ከስተማቕሩ ምእንቲ ክንሕግዞም እሞ አብ ግራት ትንሥኤ ከም ዝወፍሩ ክንገብሮም።

ኢየሱስ ክንዝክር ከሎና ማርያም ክንዝክር ግድነት እዩ፥ ምኽንያቱ ኩሉ ባህሪ ሥግኡ ካብአ እዩ ወሲድዎ። እቲ ምንጪ ምስጢራት ቤተክርስትያን ዝኾነ ሰውነቱ ካብአ ወሲድዎ። ንሳ መጀመርታ ጣዕሚ ትንሣኤ ዘስተማቐረት እያ። አብአ ቀሪብና አብ ጻማ ትንሥኤ ወድኺ ሓውስና ንበላ። ድሕሪ ትንሣኤ ማርያም ነታ ብፍርሒ ተሸቝሪራ ዝነበረት ማሕበር ወዳ ተስፋ ኮይናታ ከም ዝነበረት ሎሚ ተስፋና ክትከውን ንለምና። ንወድኽን ንአኽን እነሓጉሰሉ ሕይወት ክንሕዝ ሓግዝና ንበላ።

ርሑስ ብዓለ ዳግማይ ትንሥኤ ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

25 April 2020, 13:19