በዓለ መሎኮታዊ ምሕረት፡ ድዝዊች፥ ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎና እምነት ከየነጥፍእ በዓለ መሎኮታዊ ምሕረት፡ ድዝዊች፥ ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎና እምነት ከየነጥፍእ 

በዓለ መሎኮታዊ ምሕረት፡ ድዝዊች፥ ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎና እምነት ከየነጥፍእ

ምእመናን ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሎም እንተዘይኰነ ብኣካል ንኽሳተፉ ህልው ኩነታት ዘይፈቕዶ እውን እንተኾነ “ኣብ መሎኮታዊ ምሕረትን እምነት ክገብሩን ኣማላድነትን ሓለዋን ናይቶም ሓዋርያት መሎኮታዊ ምሕረት ቅድስቲ ፋውስቲናን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ከምዘይፍለዮም እምነት ይሃልዎም”

ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ፍሉዩ ዋና ጸሓፍን ናይ ቀረባ ተሓባባሪ ኮይኖም ዘገልገሉ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል መሎኮታዊ ምሕረት ብመንጽር እንነብሮ ዘሎና እዋናዊ ጽንኩር ኩነት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እዚ በዓል’ዚ ብድላይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ኣብቲ ቅድስት ፋውስቲና ዝተቐበለቶ ራይእ ኣስተንፎ ገይሮም ዝደንገግዎ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም ፡ ቅድስቲ ፋውስትናን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ መሎኮታዊ ምሕረት ሓዋርያነት ዘለዎም ምትእስሳር ዓሚዩቕ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሃገረ ፖላንድ ከተማ ፕሎክ ኣብ 1931 ዓ.ም. ቅድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ ካብ ኢየሱስ ብራእይ ዝተቐበለቶ መልእኽቲ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅድሚ 20 ዓመት ሰንበት ድሕሪ ሰንበት በዓለ ፋሲካ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክበዓል ኣብ ግጻዌ ክሳዃዖ ከምዝገበሩ ክዝከር እንክሎ፡ በዚ ዓቢይ በዓል ምኽንያት ዕለት 19 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ኣብታ ናይ መሎኮታዊ ምሕረት መንፈሳውነት ማእከል ንኽትከውን ኣብ እተሰምየት ጥቓ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ዘሳሲያ ንበዓለ መሎኮታዊ ምሕረት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕርጉን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅድሚ 25 ዓመት ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ በቲ ቅድስቲ ፋውስቲና ዝተቐበለቶ ራእይ እቲ ዝደልዮ በዓለ ምሕረት - እቲ ሞት ስዒሩ ዝተስኤ ኢየሱስ ብኽልተ ድሙቕ ብርሃን ተሰንዩ ናይ ነፍሳት ዕርዲ መታን ክኸውን ሰብኣዊ ፍጥረት ናብቲ ምንጪ ዝዀነ ምሕረተይ ክሳብ ዘይተማሕጸነ ሰላም ኣይክረክብን እዩ” ዝብላ መሰረት ዝተቐብዔ ዝባረኽዎ ቅዱስ ምስሊ መሎኮታዊ ምሕረት ኣብ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

ፍራንቸስኮን ካሮልን መሎኮታዊ ምሕረት፥ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ መሎኮታዊ ምሕረት ዝተማእከለ ከምዝኾነን ቅዱስነቶም ለብዒ ለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ዝኽሰትን ኩሉ ኣብ ዝተወሸበሉ እዋን ንካልኣይ ግዜ ዝፈጸምዎ ሓውጾተ ኖልዎ በዚ ዓቢይ በዓል ምኽንያት ናብ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኸዕርጉ ዝፈጸምዎ ክኸውን እንከሎ፡ ምእመናን ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሎም እንተዘይኰነ ብኣካል ንኽሳተፉ ህልው ኩነታት ዘይፈቕዶ እውን እንተኾነ “ኣብ መሎኮታዊ ምሕረትን እምነት ክገብሩን ኣማላድነትን ሓለዋን ናይቶም ሓዋርያት መሎኮታዊ ምሕረት ቅድስቲ ፋውስቲናን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ከምዘይፍለዮም እምነት ይሃልዎም” እንክብሉ ናይ ዮሕንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ግሊ ዋና ጸሓፍን ናይ ቀረባ ተሓባብሪ ዝነበሩ ናይ ክራኮቪያ ሰበኻ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ስታኒዝላው ድዚዊች ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓደራ ይብሉ።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 18 ግንቦት መበል 100 ዓመት ልደቶም ኣብ እንዝክረሉ እቲ ንኢየሱስ መሎኮታዊ ምሕረት ዝነበሮም ውዕዉዕ ኣምልኾን ተወክፎን ሎሚ ብፍሉይ ንቤተ ክርስቲያንን መላእ ፍጥረት ኣዳምን ህልው ይገብርዎ ኢሎም።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ኣብ መሎኮታዊ ምሕረት ዘሎና እምነት ከይነጥፍእ ሓደራ ቢሎም፡ እብዚ እዋን’ዚ እቲ ፍልይ ዘብሎ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ኩሉ ተወሺቡን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴን ቅዱሳት ምስጢራትን ንኽሳተፍ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን ብዝያዳ ኣብ መሎኮታዊ ምሕረት እምነት ገይሩ ተስፋኡ ህያው ክገብርን ሓለዋን ኣማላድነትን ናይ መሎኮታዊ ምሕረት ሓዋርያት ቅድስቲ ፋውስቲናን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስን ከምዘይፍለዮም እምነት ክገብሩ እዕድም፡ ምእንታና ከምዘማልዱ ተሞክሮ ኣለና ስለዚህ በዓል መሎኮታዊ ምሕረት ተስፋን እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ከይነጥፍእ የተባብዓና ኢሎም።

ዮሓንስ ጳውሎድ ዳግማዊ ቅድሚ 20 ዓመት ዓመታዊ በዓል መሎኮታዊ ምሕረት ክድንግጉን ኣብ ግጻዌ ስርዓተ በዓላት ክቱም ክኸውን ኣብ ዝወሰኑሉ እዋን ብዙሓት ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈ ብዙሕ ዘእምን ግይሮም ዘይርእዮ ዝነበሩ ነይሮም እዮም፡ ይዅን ደኣ እምበር እቲ ኣስተንፍሶ ካብ ጐይታን መንፈስ ቅዱስን ስለ ዝነበረ እነሆ ኣብዚ በጺሕና ስለዚህ ኣብቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘመላኸትዎ መገዲ ብሓባር ንሰጉም ኢሎም።

ቅድስቲ ፋውስቲናን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓዋርያት መሎኮታዊ ምሕረት እያቶም በዚ እውን ይፍለጡ፡ ብትኽክል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ክራኮቭያ ተረኺቦም መንእሰያት ኣብቲ መሓሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ክጸንዑን ኣብኡ እምነቶም ክገብሩ ሓደራ ከምዝበሉን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ማእከል መሎኮታዊ ምሕረት ዝገበሩ እዮም፡ ንሶም እውን ሓዋርያ መሎኮታዊ  ምሕረት እዮም።

ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 18 ግንቦት መበል 100 ዓመት ልደት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ክበዓል እዩ እነሆ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወለድሉ መበል 15 ዓመት ዘኪርና ሎሚ እውን በቲ ኣብ መሎኮታዊ  ምሕረት ዘለዎም እምነትን ኣምልኾን ንቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ፍጥረት ኣስተንፍሶ እዮም እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

20 April 2020, 15:14