CHIESE FEDELI MESSA RELIGIONE CHIESE FEDELI MESSA RELIGIONE 

ኮቪድ - 19: ማፈይስ፥ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ዘየማትእ ጥንቃቔን ጥበብን ዝብል ንምትግባር

ኣብቲ ለብዒ ኮቪድ 19 ንምብዳህ ኣብ ዝተኻየደን ኣብ ዝካየድ ዘሎን ጻዕሪ ኣብ ኢጣሊያን ኮነብ ካልኦት ሃገራት እውን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መዳይ ሓገዛ ተቕርብን ካብቶም ብግንባር ቀዳም ካብ ዝዋስኡ እውን እትጥቀስ ምዃና ኣዘኻኺሮም

ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ኣባ  ኢቫን ማፈይስ መንግስቲ ኢጣሊያ ድሕሪ ቀዳማይ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ተወሸብ ኣብዚ እዋን’ዚ ብኮቭድ  - 19 ዝጥቁዑን ንሞት ሓደጋ ዝቃልዑን ቁጽሪ ይንክይ ብምህላዉ ካብቲ ዝቐደመ ፍኹስ ዝበለ ዘውጸኦ እዚ ኸኣ ቀስ እናበለ ናብቲ ልምድ ዕለታዊ ሕይወትን መነባብሮን ንምምላስ ዘሰንይ እንክብል ዘቕረቦ ሓድሽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥   

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ለብዒ ገና ኣይጠፈአን ምእንቲ እዚ ቅዱስ ኣቦና ዘየማትእ ጥንቃቔን ጥበብን ከምዘድሊ ዕለት 28 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ዘስመሩሉ ሓሳብ ዝዘከሩ ኣባ ማፈይስ፥ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቲ መንግስቲ ዘውጸኦ ካልኣይ ድንጋገ ኣባይቲ ክርስቲያን ኣገልግሎተን ክህባ ገና ዘይፈቕድ ብምዃኑ ቅረታኦም እውን ዘስምዑ እንተኾነ ንሓናጺ ዘተ ስንድው ምዃኑ ዘዘኻኽር እውን እዩ፡ ናይ ሓሳብ ፍልልይ እውን እንተሃለወ እቲ ዘገድስ እቲ ለብዒ ናብቲ ዝነበሮ ከይምለስ እዩ ከምዝበሉ ልእክቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 28 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘየማትእ ጥንቃቔን ጥበብን የድሊ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ቅድም ቀዳድም ናይ ኵሉ ጥዕና ዝብል እዩ፡ እቲ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ድሕሪ ብዙሕ ጽዕርን ውሸባን ዝተበጽሔ ንከያ ለብዒ ኮቪድ ግምት ዘይህብ ኣይኮነን፡ ኣብቲ ለብዒ  ኮቪድ 19 ንምብዳህ ኣብ ዝተኻየደን ኣብ ዝካየድ ዘሎን ጻዕሪ ኣብ ኢጣሊያን ኮነብ ካልኦት ሃገራት እውን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መዳይ ሓገዛ ተቕርብን ካብቶም ብግንባር ቀዳም ካብ ዝዋስኡ እውን እትጥቀስ ምዃና ኣዘኻኺሮም፡ ገና ካብቲ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣይተላቐቕናን ስለዚህ ዘስዕቦ ሞትን ማህሰይንት ይንክይ ኣሎ ማለት እቲ ተህዋስ ተወጊዱ ማለት ኣይኮነን፡ እቲ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት መግለጺ ናብቲ ንብሩን ዕለታዊ ሕይወት ንምምላስ ዘተባብዕ እዩ ቢሎም፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ኣብዚ ካብ ተወሸብ ድንጋገ ንምውጻእ ምድላዋት ማለት ካልኣይ መርሓ ግብሪ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ ኣዋን፡ ጐይታ ንዅላትና ናይ ምስትውዓልን ነቲ ናይ ምርጫ ምድላዋት ናይ ተኣዝዞን ጸጋ ክጽግወና ንጸልይ፡ ምኽንያቱ እቲ ለብዒ ዳግም ከይምለስ መታን ክምዝበሉን ዘየማትእ ጥንቃቔን ጥበብን ወሳኒ ምዃን እውን ከምዘተሓሳሰቡ ኣዘኻኺሮም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ነዚ እያ ተንጸባርቕ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

29 April 2020, 17:15