ድለ

ቅዱስ መግነዝ ቅዱስ መግነዝ 

ቀዳም ዘስዑር፥ ብቐጥታ ብማሕበራዊ መረብትን ብተለቪዥንን ዝመሓላለፍ መደብ ጸሎት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2013 ዓ.ም. መንፈሳዊ ምርኢት ቅዱስ መግነዝ ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “እቲ ቅዱስ መግነዝ ተስፋ ንኸይነጥፍእን ናይ እግዚኣብሔር ናይ ፍቕሪ ሓይልን ትንሳኤን ኣብ ልዕሊ ኵሉ ሰዓሪ ምዃኑ እምነት ክህልወና ብምዕዳም ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ብምውጻእ ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ ዕብየቱ ንኸረድኣና ይጥምተና፡”

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ከተማ ቶሪኖ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ሱዛ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ቸሳረ ኖሲሊያ ኣብ ሰሙነ ሕማማት

ቀዳም ዘስዑር ኣብቲ ኣብ ሰበኻኦም ኣብ ዝርከብ ቅዱስ መግነዝ ፊት ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ክመርሑ እዮም። ነዚ መደብ’ዚ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ናብቲ ቅዱስ ከፈን ምብጻሕ ንምክያድ ዘይኰነ ኣብ ፊት እቲ ኢየሱስ ዝተገነዘሉ ጨርቂ ፊት ምዃን ብጽሞና ምስ ጐይታ ንምርኻብ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ከተማ ቶሪኖ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ሱዛ ጳጳስ ብጽዕ ኣቡነ ኖሲሊያ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብጽሕዎ ኣብ ሰበኻኦም ኣብ ዝርከብ ቅዱስ መግነዝ ፊት ቀዳም ዘስዑር ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ሊጡርጊያ  ከምርሑን እቲ ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቀትሪ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ብቐጥታ ብናይ ተለቪዝን መደበራትን ብማሕበራዊ መረብት መድርኻትን እውን ከምዝመሓላለፍን ኣብ ፍጻሜ ናይ ስነ ቅዱስ ከፈን ሊቃውንትን ቃል ምስክርነትን ዝቐርበሉ ማሕበራዊ ዘተን ኣስተንትኖ ክካየድ ምዃኑ ሓቢሮም፡ እቲ ቃለ ምስክርነት ኣብቲ ኣብዚ እዋን’ዝ እንነብሮ ዘሎና ጽንኩር ኵነት ዝተኩር ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኖሲሊያ እዚ ናይ ሰበኻኦም መደብ ብቐጥታ ብናይ ውሕዘት ምስማዐ ርእየት ክሕብሩ እንከለዉ፥ “ዝተፈተዅም ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ኣሕዋት ቀዳም በስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ መግነዝ ንእግዚኣብሔር ብሓባር ብጸሎት ምስ ወዱን ሓውናን መድሕናን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸሎትና ክነዕርግ ኢና፡ ቅዱስ መግነዝ ኣብ ልብና ወትሩ ፍቕሪ ሓያል ምዃኑ ደጊሙ ይነግራና” ከምዝበሉን ኣስዒቦም እውን ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝርከቡ ዜጋታትን ፈተውትን ምእመናንን መደብ ጸሎት ኣብ ቅድሚ ቅዱስ መግነዝ ክዓርግ እንክብሉ ንዝገለጽዋ ድልያ ግምት ዝሃበ መንፈሳዊ መደብ እውን እዩ፥ እቲ ኢየሱስ ሞይቱን ከምዝተንሰኤን ዝነግረና ቅዱስ መግነዝ ብጭቡጥ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ክፋእ ኩሉ ተዓዋቲ ምዃኑ የረጋግጸልና፥ ንናይ እግዚኣብሔር ሓልዮትን ምሕረትን ገዛእ ርእስና ነወክፍ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ናይ ኢየሱስ ሕማምን ሞትን ምእንቲ ፍቕሪ

እዚ እንነብሮ ዘሎና ህልው ኵነት ተለቪዥንን ማሕበራዊ መረብትን ዘለዎ እወታዊ ጽልዋ ብዕምቆት ዘዘኻኸረ እዩ፥ ስለዚ ዝካየድ ኩሉ መንፈሳዊ መደብ ንዅሉ ዘሳትፍ ይገብሮን በቲ እዋኑ ዝሓቶ ኣገባብ መሰረት ንመላእ ዓለም የሳትፍ። እቲ ቅዱስ መግነዝ ናይ ኢየሱስ ጐይታ ሕማማትን ሞትን ትንሳኤን ብስራት እዩ፡ ፍቕሪ ካብ ሞት ኣዚዩ ዝበርትዔ ከምዝዀነን በዚ መንፈስ እዚ ንኽንነብር ይሕግዘና፡ ፍቅሩ ንዝዀነ ክፋእን ሕማምን ለብዒ እውን ይኹን ፈተናን ተስፋ ንዘቝርጽ ኵሉ ሰዓሪ እዩ፡ እቲ ቅዱስ መግነዝ ነዚ ሓቂ’ዚ የረጋግጸልና።

እምነትን ተስፋን ምግባር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2013 ዓ.ም. መንፈሳዊ ምርኢት ቅዱስ መግነዝ ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “እቲ ቅዱስ መግነዝ ተስፋ ንኸይነጥፍእን ናይ እግዚኣብሔር ናይ ፍቕሪ ሓይልን ትንሳኤን ኣብ ልዕሊ ኵሉ ሰዓሪ ምዃኑ እምነት ክህልወና ብምዕዳም ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ብምውጻእ ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ ዕብየቱ ንኸረድኣና ይጥምተና፡” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዝዘከሩ ብጹዕ ኣቡነ ኖሲሊያ ኣስዒቦም፥

ኣብ ቅድሚ ቅዱስ መግነዝ ምርኻብ ተራ ምብጻሕ ዘይኰነ ምስ ኢየሱስ ምዃን ማለት እዩ

እቲ ኣብ ቀዳም ስዑር ኣብ ፊት ቅዱስ መግነዝ ዝካየድ ናይ ጸሎት  መደብ፥ ኢየሱስ ዝጸገወና ሕይወት ንምምስጋንን ንኣና ኣብ ጽንኵር ኵነት ንእንርከብ ሓግዘና ንምባል እውን እዩ ኢሎም።

እቲ ናይ ጸሎት መደብ ቀዳም ዘስዑር ንኽካየድ ዝተደለየ ኩሉ ከምዝፈልጦ ቀዳም ድሕሪ ዓርቢ ስቕለት ዘላ መዓልቲ እያ፥ መዓልቲ ጽሞና እዩ፡ እቲ ቅዱስ መግነዝ እውን ነዚ ጽሞናን ናይ ሞት ምስጢርን ትንሳኤ ምጽባይን ዘንብር እዩ፡ ነዚ ዅሉ ነስተንትን።

ናይቲ መደብ ካልኣይ ክፍሊ እውን፡ ካብ ናይ ቶሪኖ ቤት ጸሎት ብምርኻብ ብናይ ስነ ቅዱስ መግነዝ ሊቃውንቲ ዝቐርብ መደብ ዘተን ኣብ ዙሪያ ኮቪድ 19 ቃል ምስክርነት ዝቐርበሉ ኮይኑ፡ ነዚ ጽንኵር እዋን መሰርት ናይ ተስፋን እምነት ማዕቅን ዝገበረ እቶም ኮቪድ 19 ንምብዳህ ብግንባር ቀደም ዘገልግሉ ዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ኣባይቲ ስድራን ኣረጋውያንን እውን መልእኽቲ ዘመሓላልፉሉ እዩ፡ እቲ መደብ ብተለቪዥንን ብማሕበራዊ መረብት  እውን ዝመሓላለፍ ብምዃኑ ኩሉ ንቅዱስ መግነዝ ብቐረባ ክርእዮን ከስተንትኖን ክጽልን ዕድል እውን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

05 April 2020, 01:23