ብጹዕ ካርዲናል ደ ዶናቲስ ብጹዕ ካርዲናል ደ ዶናቲስ 

ኮቪድ - 19፡ ብጹዕ ካርዲናል ደ ዶናቲስ ካብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ወጺኦም

ነቶም ዝኣለይዎም ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ኣመስጊኖም፡ ካልእ እቲ ዘድልዮም ሕክምና ኣብ ቤቶም ኰይኖም ክከታተሉ ከምዝዀኑ ሓቢሮም፡ ቅድም ቀዳድም ንምሕዋዮም ንጐይታ አመስግን

ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብጹዕ ካርዲናል ደ ዶናቲስ ዕለት 30 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣጐስጢኖ ጀመሊ ክሕከሙ ሕክምና ክከታተሉ ድሕሪ ምጽናሕ ሓውዮም ዕለት 10 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ናብቲ ብተስፋ ዝጽበዮም ዝነበረ ሰበኻኦም ከምእተመልሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣንድረያ ደ ኣንጀሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህየንተ ሰበኻ ሮማ ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ካብ ቤት ሕክማ ጀመሊ ሓውዮም ክወጹ ምዃኖም ምስ ተሓበሮ ነቶም ዝኣለይዎም ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ኣመስጊኖም፡ ካልእ እቲ ዘድልዮም ሕክምና ኣብ ቤቶም ኰይኖም ክከታተሉ ከምዝዀኑ ሓቢሮም፡ ቅድም ቀዳድም ንምሕዋዮም ንጐይታ አመስግን ቢሎም፡ ናይ ሮማ ጳጳስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስለ ኵሎም በቲ ኮቪድ 19 ንዝተለኽፉን ነዚ ሕማም`ዚ ንምብዳህ ብግንባር ቀደም ዘገልግሉ ንዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ዘዕርገዎ ጸሎት አምስግን ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

11 April 2020, 20:58