ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሎሬቶ 

ፍርቂ መዓልቲ ካብ ዕለት 6 ሚያዝያ ጸሎት መቝጸሪያን ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔርን

ቅዱስ ቤት ዘሎሬቶ ኣብ ልዕሊ ናይ ሕይወት እግዚኣብሔር ተስፋና ንኸይነቅህም ብማላድነት ማርያን ንጽልይ፡ እዚ መደብ ጸሎት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክዓርግን ስዒቡ ጸሎት መቝጸርያ ክፍጸም እዩ

ኣብ ኢጣሊያ ኣብታ ማርያማዊት ከተማ ተባሂሉ ዝንገረላ ከተማ ሎሬቶ ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ብናይታ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ንር.ሊ.ጳ. ፍሉይ ልኡኽ ንናይ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ብጹዕ ኣቡነ ፋቢዮ ዳል ቺን ዝመርሕዎ ብቐጥታ ብምስማዐ ርእየት ውሕዘት ብዜና ቫቲካን ዝመሓላለፍ ጸሎት መቐጸርያን ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ካብ ዕለት 6 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ጀሚሩ ክመሓላለፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ቅዱስ ሰሙን እቲ ቅዱስ ቤተ ማርያምን በቶም ክልተ ዓበይቲ ማርያማዊ ጽሎታትን በቲ እቲ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዘሎረቶ ጽባቔን መንፈሳውነትን ተሰንዩም ከምዝቐርብን፡ እዚ መደብ ጸሎት ዕለት 6 ሚያዝያ ከምዝጅመር ነቲ ጸሎት ዝመርሑ ንቅዱስ ማራማዊ ስፍራ ዘሎረቶ ልኡኽነቶም ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብጹዕ ኣቡነ ፋቢዮ ዳል ቺን ከምዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ “ቅዱስ ቤት ዘሎሬቶ ኣብ ልዕሊ ናይ ሕይወት እግዚኣብሔር ተስፋና ንኸይነቅህም ብማላድነት ማርያን ንጽልይ፡ እዚ መደብ ጸሎት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክዓርግን ስዒቡ ጸሎት መቝጸርያ ክፍጸም እዩ፡ ብናይ ኢጣሊያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ትሽዓተ ምሸት ካብ መንፈስ ክፍኣትን ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ናጻ ክንወጽእ ጸሎት መቕጾርያን ጸሎት ምሕንጽታ ለማርያም ዘሎሬቶ ክድገም እዩ” እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

እቲ ስነ ስርዓት ብድምጺ ብዜና ቫቲካን ብድምጽን ምስልን ብመደብር ተለቪዥን ተለፓቸን ብፓድረ ፒዮ ናይ ተለቪዥን መደብርን ኮራሎ ብእተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካዊ ናይ ተለቪዥን መደብርን ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ከምዝኾነን፡ ረቡዕ ቅዱስ ሰዓት ትሽዓተ ምሸት ብብጹዕ ኣቡነ ዳል ቺን ዝመራሕ ጸሎት መቑጸርያ  ብቲቩ 2000 እተሰምየ ብናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ናይ ተለቪዥን መደብር ከምዝመሓላለፍን በቲ ኣብ ፈይስቡክ ማሕበራዊ መረብት ኣብ ዘሎ ብናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣድራሻ ከምዝመሓላለፍ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“እቲ ናይ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ናይ ማርያም ንእግዚኣብሔር እነዅልካ ከም ዝበልካዮ ይዅነለይ ናይ ዝበለቶ ስፍራ እዩ! - ዝበሉ ብጹዕነቶም - እቲ እነዅልካ ከምዝበልካዮ ዝብል ቃል ማርያም ኣብዚ ጽንኵርን በዳህን እዋን ናትና ገርና ናብ እግዚኣብሔር ክነቕርቦ ኢና” እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

05 April 2020, 23:52