ሰንበት ዘገብር ኄር መጋቢት 20 2012 ዓ.ም (3/29/ 2020)

መዝሙር፡ መኑ ውእቱ ገብር ኄር ወገብር ምእመን . . . “መንእዩ እቲ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ንጎይትኡ ጽቡቅ ክገብር ዝጸንሖ እሞ ጎይትኡ አብ ልዕሊ ኵሉ ገንዘቡ ዝሸሞ እንደገና ከአ ሕያዋይን እሙንን አገልጋሊ ብሒደት ተአሚናካ ኢኻ እሞ አብ ብዙኅ ክሸመካ እዩ፥ ናብ ታሕጓስ ጎይታኻ እቶ”።
ብድምጺ ንምክትታል!

“ንዑረት ልብና ከነሕዊ አብ ኢየሱስ ንቕረብ”

ንባባት፡   ኤፈ. 5፡8-14፥ 1ጴጥ.5፡1-12፥ ግ.ሓ. 1፡6-9፥ ዮሓ. 9፡1-41 ስብከት፡ “ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ፥ ወሕግከኒ በማከለ ከርስየ ዜኖኩ ጽድቀከ በማሕበር ዐቢይ”። “ አምላኸየ ፍቓድካ ንምግባር ደለኹ፥ ሕግኻ አብ ውሽጢ ልበይ እዩ፥ አብ ዓቢ ጉባኤ ጽድቕኻ አበሠርኩ፥(መዝ.40፡8)።

መዝሙር እሙናት ክንከውን በቲ አምላኽ ዝሃበና ዝተፈላለየ ጸጋን ክእለትን ክነፍሪ ይነግረና። ኩልና ብዝተፈላለየ መገዲ ፍሉይ ጸጋ ዝተዓደልና ኢና እንተኾነ ብዙሕ ጊዜ አይንርእዮን ኢና፥ ዓይንና ክርኢ የጸግሞ እምበር ካብ ጸጋ አምላኽ ዝተገለለ የለን። ዝተነበ ወንጌል ነቲ አምላኽ ዝሃበናን ዝህበናን ዘሎ ክንርኢ ዘዘኻኽር እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ኢየሱስ ዝገበሮ ተአምራት ከዘንትወልና እንከሎ ካብኡ እንወስዶን አብ ሕይወትና አቲና ክንርእዮ ዝደለ ነገራት ስለ ዘሎ እዩ።

ናይ እዚ ታሪኽ ጎብለል ክውለድ እንከሎ ዕዉር ኮይኑ ዝተወልደ እዩ። ጨሪሹ ክርኢ ዘይክእል እዩ ነሩ። ምስሓወየ እቶም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ክርእይዎ ዘይከአሉ ንኢየሱስ ከም ጎይትኡ ክርእዮ ክኢሉ።

ነዚ ዝረአዩ ሓዋርያት ስለምንታይ እዩ እዚ ሰብ ብዕዉሩ ተወሊዱ ብኃጢአቱ ድዩ ወይስ ብኃጢአት ወለዱ ኢሎም ክሓቱ ጀሚሮም። አቲ እዋን አብ አተሓሳስባ ሰባት ዝኾነ ሕዱር ሕማም ወይ ከም ዑረት ዝአመሰለ ነገራት ከም ብሰንኪ ኃጢአት ዝመጽእ ገሮም እዮም ዝወስድዎ ዝነበሩ፥ ንሕና እውን አብ ገለ እዋን ከቢድ ጸገም እንተ ተጓነፍነ እንታይ ኃጢአት ነሩኒ እናበልና ምስ ኃጢአት ነተሓሕዞ። አብ ወንጌል እቲ ልሙስ ሰብአይ ብናሕሲ አፍሮሶም አብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ምስ አምጽእዎ ከሕውዮ እንከሎ ዝበሎ ኃጢአትካ ተኃዲጉልካ እዩ ኢልዎ (ማቴ 9፡1~2) በዚ አብቲ እዋን አብ ርድኢት ሰባት ብሰንኪ ኃጢአት ዝወርድ መቕጻዕቲ ከም ዝነበረ ንርኢ።

ኢየሱስ ንሕቶ አርድእቱ ክምልስ እንከሎ “እዚ ዑረት እዚ ሰብአይ ምስ ናቱ ይኹን ምስ ናይ ወለዱ ኃጢአት ሓንቲ ርክብ የብሉን ግብሪ አምላኽ አብኡ ምእንቲ ክግሃድ ደአ እዩ እምበር ንሱ ኾነ ወለዱ አይበደሉን” ኢልዎም። እዚ ተአምራት ሓደ ካብቲ ቀንዲ ሸውዓተ ተአምራታት ናይ ኢየሱስ ተልእኮ እንታይ ምዃኑ ክገልጽ ዝተነግረ እዩ።

እቲ ታሪኽ ደጋጊሙ እቲ ሰብአይ ዕዉር ነበረ ይብል። ንአኡ ከምዝርኢ ምግባሩ አብ ሓዲስ ሕይወት ክምዝጅምር ምግባሩ እዩ። ንሱ አብ ሓዲስ ሕይወት ብርሃን ክአቱ እዩ። ንኢየሱስ ዘይምፍላጥ ማለተ አብ ጸልማትን አብ ዑረትን ምንባር እዩ። ብርግጽ እዚ ተአምራት እዚ “ኢየሱስ አነ ብርሃን ዓለም እየ” ንዝብል ዘረባ ዘረጋግጽ እዩ።

ካብ መጀምርያ እቲ ሰብአይ እምብአር ዕዉር ክርኢ ዘይክእል፥ ለማናይ ሓንቲ ዘይብሉ፥ ካብ ኩሉ ሰብ ዝተፈለ ጓና እዩ ነሩ። በቲ ዝነበሮ ጸገም ዑረት ከም ኃጢአተኛ ወይ ወዲ ኃጢአተኛ ይብሃል እዚ ኸአ ጥቕኡ ዘይቅረብ ይገብሮ። አብ መወዳእታ ግን ክርኢ ምስከአለ ተኸታል ኢየሱስ ይኸውን። ብአጠማምታ ወንጌል እዚ ናይ እቲ ዝተገብረ ውጽኢቱ እዩ። ሓንሳብ ንኢየሱስ ክንርእዮ ምስ ከአልና ምስኡ ንለግብ። አብ መጀመርያ ዕዉርን አብ ጸልማትን ዝነብር እዩ ነሩ፥ አብ መጨረሽታ ግን አብ ብርሃን እዩ ነሩ ምኽንያቱ ኢየሱስ ብርሃን ዓለም ስለዝኾነ።

ጭቃ ገሩ ነቲ ዕዉር አሕውይዎ። አብዚ ጥፍጣፍን ጭቃን ይጥቀም። ሰባት ጥፍጣፍ ከምዘሕዊ ይአምኑ ነሮም ሓቂ ከአ እዩ። ብሕክምና ከምዝግለጽ ጥፍጣፍና ዓይነት አንቲባዮቲክ እዩ። አኽላባት ገለ እንስሳን ቁስሎም ምስ ለሓስዎ ይሓውዩ። ኢየሱስ ጭቃ ክጥቀም እንከሎ ነቲ እግዚአብሔር ንአዳምን ሔዋንን ክፈጥር እንከሉ ዝተጠቕሞ ጭቃ የዘኻኽረና። አብዚ እውን ሓዲስ ፍጥረት እዩ ዝኸውን ዘሎ። ምኽንያቱ ንሱ ተቐይሩ እዩ ገለ ሰባት ከለልይዎ አይከአሉን። ኢየሱስ ሓዲስ ሰብ ገርዎ። ቅ.ጳውሎስ ንዝተጥምቁ ክርስትያን ሓደስቲ ሰባት ይብሎም። ድሕርዚ ኢየሱስ አብ ቀላይ ሰሎሆም ከይዱ ኽሕጸብ ይነግሮ። እዚ ኸአ አምሳል ጥምቀት እዩ።

ድሕሪ ምሕዋዩ አዕሩኽቱን ጎረባብቱን ብዛዕብኡ ይዛረቡ እዚ ንሱድዩ? ይብሉ። እቲ ለማናይ ዕዉር እዩ ነሩ እዚ ግን ይርኢ እዩ፥ገለ ካብኦም ንአኡ ዝመስል እዩ ክብሉ ጀሚሮም። ከለልየዎ ዘይክአሉ ንሱ ስለ ዝተቐየረ እዩ። ንሕና ክንጥመቕ እንከሎና፥ እምነትና ብሓቂ ክነብሮ ከሎና፥ብሓቂ ንቕየር። ገለሰባት ካብቶም ዝፈልጡና “ከምቲ ዝነበርካዮ የሎኻን፥ ሓደ ሰብ አይትመስልን ተቐይርካ/ኪ፥ ምስተጠመቕካ/ኪ ሕይወትካ/ኪ ካልእ ሰብ ኮንካ/ኪ ይብሉና። እዚ ኸአ እዮም ክብሉ ዘልኦም ምስ ረአዩና።

እቶም ጎረባብቱ በቲ ነገር ስለ ዘይዓገቡ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብ አብ ፈሪሳውያን አምጺኦሞ። ንሳቶም ምንጪ ሓቂ እምነት ሕጊ ስለ ዝኾኑ። ኢየሱስ እውን ጸገም ገርሎም እዩ ብሰንበት እዩ አሕውይዎ እዚ ኸአ ሕጊ ምፍራስ እዩ። ኢየሱስ ብሓቂ ናይ አምላኽ ሰብ እንተ ዝነብር ብሰንበት መዓልቲ ከምዚ አይምገበረን ይብሉ። ሕጊ ስለ ዘፍረሰ ካብ አምላኽ አይኮነን። ብኻልእ ከአ ካብ አምላኽ እንተዘይከውን ከመይ ገሩ እሞ ነዚ ብዕዉሩ ዝተወልደ አሕውይዎ? ኃጢአተኛታት ግብሪ አምላኽ ክገብሩ አይክእሉን እዮም። እዚ አብ መንጎ እቶም ፈሪሳውያን ፍልልይ ፈጢሩ ምኽንያቱ አብቲ ናይ ባዕሎም መርትዖ ክሰማምዑ አይከአሉን። ስለዚ ፈሪሳውያን ነቲ ዕዉር ጸዊዖም ከምብሓዲስ ይሓትዎ። ንሱ ደጊሙ ነቲ ኢየሱስ ዝገበረሉ ይነግሮም። ንአኡ እቲ መልሲ ቀሊል እዩ ነሩ፥ ኢየሱስ ነቢ እዩ። ብሰንበት ይኹን አይኹን ግብሩ ብንጹር ካብ አምላኽ እዩ። “ከምይ ኢሉ ሓደ ሓጢአተኛ ከምዚ ዝአመሰለ ነገራት ክገብር ይኽእል? እንተኾነ እቶም ፈሪሳውያን ንዘምጽኦ ትንታነ ክቕበልዎ አይከአሉን። እንተ ተቐበልዎ ንኢየሱስን ንትምህርቱን ክቕበሉ እዮም። እቲ ሰብአይ እውን ዕዉር ከምዝነበረ ክአምኑ አይከአሉን።

ፈሪሳውያን ነገሩ ከጻርዩ ንወለዲ እቲ ሰብአይ ይሓትዎም፥ እቶም ወለዲ ወዶም ዕዉር ከምዝነበረ ይፈልጡ እዮም እንተኾነ ስለ ዝፈርሑ ንአኡ ሕተትዎ ዕድሚኡ እኹል እዩ ይብሉ። ኢየሱስ መስሕ እዩ ንዝበለ ካብ ቤተ መቕደስ ይሰግዎ ስለ ዝነበሩ ፈሪሖም። ወለዱ ናይ እቶም ንኢየሱስ ዝአመኑ አባላት ክኾኑ አይደለዩን። ብዙሓት ክርስትያን አይሁድ ዝነበሩ አብተን ቀዳሞት ዘመናት እዚ ጸገም ነርዎም። ወለዱ ምስ ህዝቦም እምበር ምስቲ ንወዶም ዝተዋህበ ጸጋ ክሓብሩ አይደለዩን። በዚኸአ ነቲ ነገር አብ ወዶም ጽዒኖሞ። ንሱ በጽሒ እዩ ንርእሱ ብሓላፍነቱ ክምልስ ይኽእል እዩ እናበሉ መሊሶም።

መን እዩ እቲ ናይ ብሓቂ ዕዉር ዘሎ?

ፈሪሳውያን እንደገና ነቲ ሰብአይ ሓቂ ክነግር ይሓትዎ። “ንሕና ኢየሱስ ኃጢአትኛ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና ንሱ ነዚ ነገር ክገብሮ አይክእልን እዩ” ይብልዎ። እቲ ዝርአየ ሰብ አብቲ ንሱ ዝአምኖ ጸኒዑ “አነ ኃጢአትኛ ምዃኑን ዘይምዃኑን አይፈልጥን እየ አነ ዝፈልጦ አነ ዕዉር ነረ ሕጂ ግን እርኢ አሎኹ” እንደገና እንታይ ገሩልካ ይብልዎ። ንስኸአ ነጊረኩም እንተኾነ ክትሰምዑ አይደለኹምን ብድፍረት አርድእቱዶ ክትኮኑ ትደልዩ አሎኹም ይብሎም። እዚ ብሓቒ የሕርቖም እሞ ከዋርድዎ ይጅምሩ፥ ንስኻ ኢኻ ረድኡ ንሕና አርድእቲ ሙሴ ኢና፥ ኢየሱስ ካበይ ከምዝመጸ ዝፈልጥ የለን ይብልዎ እዚ ኸአ ሓቂ እዩ ቃል ካብ መጀመርታ ምስ እግዚአብሔር ነበረ። ኢየሱስ ካባይ ከምዝኾነ ብሩህ እዩ ነሩ ከምቲ እዚ ሰብአይ ዝፈለጦ፥ “ንሱ አሕውይኒ፥ ኃጢአተኛታት ነዚ ክገብሩ አይክእሉን እዮም፥ እግዚአብሔር ንኃጢአተኛታት አይሰምዕን እዩ፥ ነቶም ዘኽብርዎን ድላዩ ንዝገብሩን እዩ ዝሰምዕ፥ አብ ቅድም ሕጂ ብዕዉሩ ንዝተወልደ አሕውዩ ዝብሃል ተሰሚዑ አይፈልጥን፥ ስለዚ ኢየሱስ ካብ አምላኽ እንተዘይከውን ነዚ አይምገበሮን ነሩ”።

ፈሪሳውያን ናይ ብሓቂ ተቖጢኦም፥ አብቲ እምነቶም ሕማም ንሰብ ዝመጾ ብሰንኪ ኃጢአቱ ንዝብል ባህላዊ ርድኢቶም አብኡ ይጠብቁ። ብኃጢአት ተወሊድካ አብ ኃጢአት ዓቢኻ ይብልዎ እሞ ካብ ቤተ መቕደስ የውጽእዎ። እዚ እዩ እቲ ተመክሮ ናይ ብዙሓት አይሁድ አብ ክርስትና ዝአመኑ። ብዙሓት አብ ክርስቶስ ምስ አመኑ ካብ ስድርኦም ካብ አዝማዶም ሕብረተሰቦም ተሰጒጎም።

ነቲ ሰብአይ ኢየሱስ ይረኽቦ፡

ኢየሱስ ካብ ቤተመቕደስ ከም ዝሰጎግዎ ሰሚዑ ክደልዮ ይኸይድ እሞ ይረኽቦ፡ አብ ወድሰብ እቲ መስሕ ትአምንዶ እናበለ ይሓቶ? “ንገረኒ ንሱ መን ምኻኑ እሞ ክአምን እየ ይብሎ። እዚ ዝዛረበካ ዘሎ ንሱ እዩ ይብሎ፥ ኦ ጎይታይ እአምን እናበለ አብ ብርኩ ይወድቕ። ካብዚ ንድሓር ረድኢ ኮይኑ። ረድእ ዝብሃል ንኢየሱስ ጎይትኡን ምድኅኑን ምዃኑ ዝአምንን ዝፈልጥን እዩ። “አነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኽርእዩ፥ እቶም ዚርእዩ ኸአ ምእንቲ ኽዖሩ ኢለ ንፍርዲ እየ ናብዛ ዓለም እዚአ መጺአ ዘሎኹ” በለ።

ካብቶም ፈሪሳውያን ንሕናኸ ዕዉራት ምዃና ዲና በልዎ? ዕዉራት እንተ ተኾኑስ ኃጢአት አይምኾነኩምን ነሩ ሕጂ ግና ንርኢ ኢና ትብሉ አሎኹም ስለዚ ኃጢአትኩም አባኻትኩም ይነብር አሎ ኢልዎም። ኢየሱስ እቶም ዝርእዩ ዘለዉ ዝመስሎም ግን ዘይርእዩ ንሳቶም ኃጢአተኛታት እዮም ይብሎም። ክልተ ዓይነት ሰብ አለዉ።

·         ከምቲ ዕዉር ሰብአይ ንትምህርቲ ኢየሱስ ዝቕበሉ፥ እዚኦም ካብቶም መጓሲኡ እዮም።

·         ከምቶም ፈሪሳውያን፥ ንምእማን ዝአብዩ፥ ካብተን መጓሰኡ ዘይኮኑ (ድሕርዚ ወንጌል ዮውሓንስ ብዛዕባ ሕያዋይ ጓሳ ይዛረብ)።

እዞም ኃጢአት ዝገብሩ እቶም ምስማዕ ዝአብዩ፥ እቶም ዕቡያት እዚኦም እቶም ናይ ብሓቂ ዕዉራት እዮም። እቶም ፈሪሳውያን ዝርእዩ ዝመስሎም ንሳቶም እቶም ናይ ብሓቂ ኃጢአተኛታት እዮም። እቲ ብዕዉሩ ዝተወልደ ንኢየሱስ ዝተቐበለ ግን ናይ ብሓቂ ዝርኢ እዩ።

ነዚ ምስ ጥምቀትና አተሓሒዝና ክንርእዮ ከሎና፡

እዚ ወንጌል ንጹር ዝኾነ ምስ ጥምቀት ዘተሓሕዝ ነገራት አልኦ። አብዚ እዋን ብዙሓት ካብ ኃጢአትና ተነሲሕና ንክርስቶስ ብሓቂ ክንርእዮ ንቀራረብ አሎና፥ ብኹሉ አብ ክርስቶስ ክንወሃሃድ ምስ ማሕበሩ ቅኑዓት አባላት ክንከውን እንሰናደወሉ ዘሎና እዋን እዩ። ከምኡ ምስ እንገብር ንኢየሱስ ክንርእዮ ክነለልዮ ክንክተሎ ንጅምር። ንኢየሱስን ወንጌልን ብዝያዳ ክንርእዮ ክንክእል አሎና። አብ ኤፈ. 5፡8-9 ንጹር ኮይኑ ንረኽቦ፡ “ቀደም አብ ጸልማት ነርኩም ኢኹም ሕጂ ግና ብጎይታ አብ ብርሃን ኢኹም ዘሎኹም፥ እምብአር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ ከመይ ፍረ ብርሃን ሠናይን ጽድቅን ሓቅን ዘበለ ነገር ኩሉ እዩ” ይብለና።

ጳውሎስ ንኹልና ዝብሎ ከምቲ ዕዉር ሰብአይ ናይ ወንጌል ንኹልና ዝውክል ንሕና እውን ዕዉራት፥ አብ ጸልማት ደርገስገስ እንብል ኢና። እንተኾነ ንሕና ብብርሃን ወንጌልን ሓዲስ ኪዳንን ኢና እንምራሕ። እዚ ብርሃን ከአ አብቲ እንጉዓዞ መገዲ እዩ ዝርአ፥ አብቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዘሎና ርክብ እዩ ዝርኤ፥ ማለት አብ ሓቅን አብ ቅኑዕ መገዲ ክንጉዓዝ ከሎናን። ጉዕዞ ሕይወትና ብሩህን ጸልማት ዘይጎልበቦ፥ ሕቡእ ጠባይ አብ ቅድሚ አምላኽን ሰብን ዘሕፍር ዘይብሉ ንኻልኦት ክነግረሉ ዘየሰክፍ ክኸውን አለዎ። ነዚ ኩልና ክንጽልዮ አሎና።

 ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ንሎሚ ብዑምቀት ክነስተንትን ከሎና ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ክንሓስብ ንኽእል፡

·         እዚ ዕዉር ብነፍስን ብሥጋን ንኢየሱስ ክርእዮ ክኢሉ። ሓዋርያት ዕዉር ኮይኑ ምስ ረአይዎ እዚ ብኃጢአት ዝወረዶ መሲልዎም እንተኾነ ኢየሱስ አብዚ ዕዉር ሰብ ካልእ ነገር ርእዩ፥ እዚ ናይ መንገዲ ለማናይን ዕዉርን ኩሉ ጊዜ ዓለሙ ጸልማት ዝነበረ ኢየሱስ መን ምዃኑ ክገልጽ ክኢሉ። አብ ኩልና ሰብ ዘይንርእዮ መደብ አምላኽ አሎና።

·         እቲ ዕዉር ኢየሱስ ምስአሕወዮ አብ ገዝኡ ሓዲስ ሰብ ኮይኑ ተመሊሱ። ጎረባብቱውን ክአምኑ አይከአሉን ነቲ ብዓይኖም ዝርእይዎ ዘለዉ ክአምኑ አይክአሉን። ነቲ ሓቂ ነገር አብ ልቦም ከይአቱ ከልኪሎም። አነ እቲ ሰብአይ እየ እኳ እንተበለ ክአምንዎ አይደለዩን። ንሱ ነቲ ዘሕወዮ ክአምን ፍሉይ ፍልጠት አየድለዮን ነቲ ዘሕወዮ ኢየሱስ ኢሉ ይፈልጦ። ንሕና እውን ከምኡ ንኸውን ኢና ምርአይ ምቕባል ንአምን። ጎረባብቲ ፈሪሳውያን ወለዱ ክርእይዎ ዘይክአሉ ዕዉር ዝነበረ ክርእዮ ክኢሉ።

·         ንኢየሱስ ክንርእዮ ክንሓልፎ ዘሎና ፈተናታት አሎ። ንኹሉ ምስ ሓለፍና ንኢየሱስ አምላኽ ነቢይ ክንብል ንኽእል። እዚ ብኹሎም ንዑቕ ዝተሓተ ሰብ ጥራሕ ኢየሱስ መን ምዃኑ ክርኢ ክኢሉ።

·          ነፍሲ ወከፍና ብአምላኽ ሕሩያት ኢና። አምላኽ ነቲ ውሽጥና ጥራሕ ስለ ዝርኢ ካብቲ ንሕና እንኽተሎ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ይመርጸና። ሕርየት ዳዊት ንጉሥ ሕርየት እዚ ዕዉር ናይ ነፍስወከፍና ሕርየት በቲ ዘሎና ጸዋዕታ እንተ ረአና አምላኽ አባና ክዓዮ ዝደለ ነገር አሎ ማለት እዩ። ንሕና ንአምላኽ ክንምስክር ማለት ብጥምቀትና አብ ኩሉ ሕይወትና ክንምስክሮ ትሑዛት ኢና፦ ምናልባት ዕብየት ሕርየትና ክንርእዮ አይንክእልን ንኸውን እቲ ሕርየት ግን አብ ርእስና ጥራሕ ዘይኮነ አምላኽ አባና ክዓዪ ክነፍቅደሉ ይግብአና።

አምላኽ ኩልና ብፍቑር ወዱ ተመሪሕና ክንርዮ ክንሰምዖ ሎሚ ይደሊ አሎ። አብዚ ጉዕዞ ጾም ከሎና ነቲ ንፍቕሪ አምላኽን ብጻይናን ክንርኢ ከዊሉና ዘሎ ነለልዮ እሞ አሕውየኒ ዓይኒ ሕልናይ ክርኢ ሓግዘኒ ንበሎ።

በዚ አብ ዓለምና ወሪዱ ዘሎ ተላባዓይ ሕማም ብCOVID-19 ዝፍለጥ አምላኽ ብፍሉይ ጸግኡ ነቶም ብሞት ዝሓለፉ አብ ሕቕፉ ክቕበሎም፥ ነቶም ሓሚሞም ዘለዉ ብፍሉይ ጸጋ ከሕውየልና ነቶም ፈሪሕና ተሸቕሪርና ዘሎና ኸአ ብጸግኡ ክቕንጥጠልና አብ ቅድሚኡ ተደፊእና ንጸሊ። መሓሪ አምላኽ ምሕረቱ የውርደልና።

ማርያም ቀዳመይቲ ምስጢር አምላኽ ርእያ ዝኽአለት እያ እሞ ሎሚ እውን ፍቅሪ ወድኺ መገዲ ሰማይ ርኢና እንኽእለሉ ጸጋ ካብ ወድኺ ለምንልና ንበላ። አምላኽ ጣዕሚ ፍቕሩ ርኢና እንኽእለሉ ጸጋ ይዓድለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

28 March 2020, 13:03