ድለ

ሰንበት ዘደብረ ዘይት 13 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ((22 መጋቢት 2020)

መዝሙር፡ እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት. . “ብዙኃት ብስመይ አነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ክመጹኹም እዮም እሞ ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ ተሰናዲኹም ጽንሑ። እቲ ክሳብ መወዳእታ ተዓጊሱ ዝጸንሕ ንሱ ኪድኅን እዩ። ወዲ ሰብ ኪመጽእ እንከሎ ኃይሊ ሰማያትን ምድርን ኵሉ ክካወስ እዩ። ሽዑ ኃጢአተኛታት ምድሪ ኩሎም ኪበኽዩ እዮም፥ ሻቡ እግዚአብሔር ብትእዛዙን ብቓሉን ብአእላፋት መላእኽቱን ተዓጂቡ ብቃንዳ መለኸት ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ክወርድ እዩ። ንሱ ዋና ሰንበት ገባር ሕይወት አቦ እዩ፥ እሞ በታ ስዓት እቲአ ካብ ሞት ኃጢአት ይምሓረና”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ሮሜ. 5፡1-8፤ 2ጴጥ. 3፡7-15፤ ግ.ሓ. 24፡1-22፤ ዮሓ. 4፡5-42።   ስብከት፡ “እግዚአብሔርሰ ግሃደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም፥ እሳት ይነድድ ቅድሜሁ” ‘እግዚአብሔር ግልጺ ኮይኑ ክመጽእ እዩ፥ አምላኽና ክመጽእ እዩ ሱቕ እውን አይብልን   እዩ፥ ሓዊ አብ ቅድሚኡ ይቃጸል’ መዝ.50፡3።

እዛ እንነብረላ ዓለም ብኽልተ መልክዕ ክትሓልፍ እያ፡ 1. ነፍስወከፍና ካብዚ ዓለም ብሞት ክንፍለ ከሎና መወዳእታና ሽዑ እዩ። 2. አብ መወዳእታ መጨረሽታ ዓለም ናይ እዛ ዓለምና ክኸውን እዩ። እዚ እንርእዮ ዘሎና ዓለም ክሓልፍ እዩ። ነዚ ሓላፊ ዓለም አብ ልብና ገርና ናብ ዘይሓልፍ ሰማይ ዝኸውን ስንቂ ክነሰናዱ ይግብአና። ሞት መዓልታዊ ንርኢ አሎና ክመውት እየ ዝብሉ ግና ውሑዳት እዮም። ሎሚ እምብአር ሞትና ክንዝክር እሞ ሕወትና አብ መገዲ አምላኽ ሰሪዕና ክንጉዓዝ ይግብአና። አምላኽ ብወገኑ ነዚ ሓላፊ ዓለም ክንርዳእ ብዝተፈላለየ መገዲ ይዕድመና፥ ነዚ አብነት ዝኾነና ናይ ሎሚ ወንጌል ዝነግረና እዩ።

ክልተ ዘይፋለጡ ሰባት ክራኸቡ እንከለዉ መጀመርያ ዝዕዘብዎ አብ መንግኦም ዘሎ ፍልልይ እዩ። ፍልልይ ናይ ጾታ፥ ናይ ጠባይ፥ መዕበያ፥ ሃይማኖት፥ ሃገር. . . እዚ ኹሉ ንርክባትና ሓጺር ይገብሮ ገለእዋን ዘየሰማምዕ ገል እዋን ከአ ተስፋ ዘይብሉ ይገብሮ። እዞም ክልተ ሰባት ብቕንዕና ገጽ ብገጽ ክቐርቡ አይክእሉን እዮም ምኽንያቱ እቲ አብ መንግኦም ዘሎ ዝፈላሊ ነገራት ዘይብተኽ ኮይኑ ይርአዮም። ካብ ክልቲኦም ሓደ ነቲ መገዲ ብትብዓት ክበትኮ እንተ ዘይከአለ ዝኾነ ነገር ክግበር አይክአልን እዩ። ከምኡ እቲ ኻልአይ ነቲ ዝተኸፍተ መገዲ መልሲ እንተ ዘይሃበሉ ሓንቲ ክግበር አይክአልን እዩ። ክልቲኦም ማዕረ ክዋስኡ አልኦም።

ሰብአይን ሰበይትን አብ ዔላ ይራኸቡ። ክልቲኦም ዘይፋለጡ ጓኖት እዮም እዚ ኸአ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራኸቡ ኮይኖም ዘይኮነ ክልቲኦም ክራኸቡ ዘይክአል ስለዝኾነ እዩ። ንሱ አይሁዳዊ ብመንጎ ናይ ካልኦት ዓሌት መሬት ዝሓልፍ ዘሎ እዩ ንሳ ሳምራዊት አብ ዓዳ ዘላ እያ። ወገኖም ክልቲኦም ንዘመናት ዘይቃረቡ ህዝቢ እዮም እዚ ብጥንቲ ዝነበረ ጽልኢ ክሳብ ሕጂ ብኽልቲኡ ወገን እውን ነሩ እዩ። ከም ናይ ክልቲኦም ባህሊ ክልቲኦም ኩሉ ጊዜ ዘይቃረቡ ኮይኖም ክነብሩ እዩ እቲ ድለት። ግን እዞም ክልተ አብ ነነድሕዶም ጓኖት ዝኾኑ እዚ ዝፈላልየም ነገር ንኹሉ ጊዜ ገዚእዎም ክነብር ድዩ እቲ ዝድለ። ወይ ክአ ክልቲኦም ተንሲኦም ልዕልቲ ገዚእዎም ዝነብር ነባሪ ጽልእን ባህልን ተበጊሶም ብቕንዕና ገጽ ንገጽ ክዛተዩ?

ቅዱስ ዮሓንስ ፍሉይ ትምህርቲ ንምሃብን ኢየሱስን ተልእኮኡን እንታይ ምኻኑ ክገልጽ ኢሉ ነዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ከምኡ እቲ ኢየሱስ ዘምጽኦ ተሓድሶ ክገልጽ ኢሉ ዝተፈላለየ ነገራት የዘንትወልና። አብ ቃና ዘገሊላ ንሱ እቲ መስሕ ምዃኑ በቲ ሓዲስ ወይኒ ገሊጹ። ንሱ ዝተሓደሰ ቤተ መቕደስ ከም ዝኾነ ይገልጽ። ብማይን መንፈስን ዝውሃብ ተሓድሶ ይገልጽ። ናይ ሎሚ ወንጌል ክንርዳእ ታሪኽ ናይ እቲ ቦታ ክነንብብ ጽቡቕ እዩ። ካብ ይሁዳ ንገሊላ ክትከይድ ክልተ መገዲ እዩ ዘሎ፥ እቲ ዝሓጸረ ብከተማ ሰማርያ ዝሓልፍ እዩ፥ እቲ ካልአይ ብሩባ ዮርዳኖስ አቢልካ እትኸዶ ዝነውሐ እዩ። ኢየሱስ ነቱ ዝሓጸረ መገዲ ወሲዱ። ነዚ ዝገበረ ዝሓጸረ ስለ ዝኾነ ጥራሕ አይኮነን እንታይ ደአ አብ ሰማርያ ክሰብኽ ስለ ዝደለ እዩ። አብ ጥቓ ሰማርያ ምስ በጽሐ አብ ሲካር ዝብሃል ቦታ አብኡ ደኺሙን ጸሚኡን ስለ ዝነበረ ማይ ክሰቲ አላጊሱ። አብዚ ኢየሱስ ብናይ ሰባት ርድኢት ይግለጸ ማለት አብ ዔላ ኮፍ ይብል፥ ደኺሙ ንርእዮ። እዋኑ ቀትሪ እዩ ነሩ። አብ ሃገረሰብ ብዙሕ ጊዜ ማይ ዝውረድ ንግሆ ወይ ምሸት እዩ፥ አብዚ ግን ኢየሱስ ይኹን እታ ሰበይቲ ብቐትሪ ይወርዱ እዚ ኸአ ዮውሓንስ ፍሉይ ነገር ከረድእ ኢሉ ዘቕርቦ ትንተና እዩ። ኢየሱስ ጠምዩ ጸሚኡ እዩ ነሩ። ዮሓንስ አብዚ ክብሎ ዝደለ አሎ ናይ ኢየሱስ ምምጻእን ምጥማይን ፍሉይ ትርጉም አለዎ። አብ ሕይወትና ብዝተፈላለየ መገዲ ክንጠሚ ክንጸምእ ክንበሻጦ ከሎና አብ ኢየሱስ ክንምለስ። ኢየሱስ አብዚ ዓለም ዝመጸ ንዝጠፍኡ ክመልስ ንዝተሸገሩ ከርሁ እዩ።

ዮውሓንስ ስማ ዘይተጠቕሰ ሰበይቲ ካብቶም ብአይሁድ ጽሉአት ወገን ሳምራውያን ንኢየሱስ ቀስ ኢላ ክትፈልጦ ከም ዝኽአለት ይነግር። እቲ ትምህርትን ቁምነገርን አብቲ አብ መንጎ ኢየሱስን እታ ሰበይትን ዝተገብረ ዘተ ክርአ ይክአል። እዚ ዘተ ናይ ግልጸት ታሪኽ፥ ናይ ክልተ ርክብን ዝምድናን እዩ። ከምኡ ብዛዕባ እግዚአብሔር፥ ኢየሱስ ከምኡ አብ መንጎ ሰባት ዘሎ ፍልልይ እዩ። እቲ አብ መንጎ አይሁድን ሳምራውያን ዝፈላሊ ዝነበረ ባህሊ ይጥሓስ በታ ሰበይቲ ዘይኮነ ብኢየሱስ። እታ ሰበይቲ ሳምራዊት እያ ነራ ስማራውያንን አይሁድን በቲ አብ መንግኦም ዝነበረ ፍልልይ ይቃረቡ አይነበሩን፥ አብ 722 ቅድሚ ልደት ክርስቶስ አሲራውያን ንሰመናዊ እሳራኤል ምስ ወረርዎ ነቲ ዝማረኽዎ ህዝቢ ንስደት ወሲዶሞዎ አይመለስዎን እውን። እቶም ዝተረፉ ንብዙሕ ዘመናት ምስ ባዕዳውያን ባህሊ አይሁድ ወሲዶም ዝነበሩ ተሓዋዊሶም እንተኾነ ብአይሁድ ጽሉአት ኮይኖም። (2ዘነገ 17፡23-41) ስለዚ ብአይሁድ ከም አረማውያን እዮም ዝቑጸሩ ብኽልተ ምኽንያት መጀምርያ ናይ አረምን ህዝቢ ባህልን ከምኡ መውስቦ ስለ ዝገበሩን  ዝሓወሱን ካልአይ ድሕሪ ብዙሕ ዘመን አብ ባህሎምን እምነቶምን ለውጢ ገሮም ንአብነት አብ ጽሑፋት ነብያት አይአምኑን ነቶም ቀዳሞት ሓምሽተ መጻሕፍቲ ኦሪት ጥራሕ ይአምኑ። ሳምራውያን ባህልን እምነትን እስራኤላውያን ዝወሰዱ ባዕዳውያን ህዝቢ እዮም። አብዚ ጊዜ አሲራውያን ዝወረሩሉ ጊዜ እዮም ምስ እስራኤላውያን ተሓዊሶም። ድሕሪ ምምላስ ካብ ባቦሎን ምስ አይሁድ ክተሓባበሩ ደልዮም ብዝያደ ብፖሎቲካዊ ምኽንያት ከምኡ አብ ምህናጽ ቤተ መቕድስ እጃሞም ከበርክቱ እውን ሓቲቶም እንተኾነ አይሁድ በቲ ዝተጠቕሰ ምኽንያይ ክቕበልዎም አይከአሉን። ካብዚ ጊዜ ጀሚሮም ሳምራውያንን አይሁድን ጽልእ ነሮም (ዕዝራ 4፡1!ፍ፥ ዮሓ. 4፡9)። ነዚ አብ ግምት አእቲና ክንርእዮ ከሎና ነዚ ዝረአዩ ሓውርያቱ ምስ ሰበይቲ ክዛረብ ምስ ጸንሖም እሞ ምስ ሳምራዊት ክዛረብ ምስ ጸንሖም ተዓንቂፎም ስለ ዝፈርሑ ገን አይተዛረብዎን እዚ ብዓይኒ አይሁድ ናይ ብሓቂ ከቢድ ክቕበልዎ እዩ። ዘይተረድኦም ነገር ግን ኢየሱስ ንጥፉአትን ሓጢአተኛታትን ክመልስ እዩ መጺኡ፥ባህልን ርድኢት ናይ ሰባት ካብቲ ክገብሮ ዝደሊ ነገራት ክዓግቶ አይክእልን እዩ።

ኢየሱስን እታ ሳምራዊት ሰበይትን፡ ኢየሱስ ማንም ሰብ አይነበረን እታ ሰበይቲ እውን ማንም ሰበይቲ አይነበረትን። ቅ. ዮውሓንስ ንአንበብቱ ኢየሱስ መን ምዃኑ ክነግር ህንጡይ እዩ ነሩ ንሱ መስሕን መድኃኒ ህዝብን እዩ። አብ ምጅማር ኢየሱስ ከም ዝጸምኤን ዝደኸምን መንገደኛ ኮይኑ ንሰባት መን ምኻኖም ብዘየገድስ አብ መገዲ ረኺቡ አብ ሕይወቶም ዓቢ ለውጢ ክገብሩ ዝሕግዝ ምዃኑ ይገልጽ። አብዚ ነቲ ዘተ ዝጅምሮ ኢየሱስ ማይ አስትይኒ እናበለ ይሓታ። ጽምኢ ሕሱም እዩ ደረት የብሉን። እታ ሰበይቲ ይገርማ ጽምኡ ብዘየገድስ አይሁዳዊ ማይ ምሕታቱ እሞ ንሳምራዊት ሰበይቲ። ኢየሱስ ሕያወይቲ ሳምራዊት ክትከውን ይጽበያ እዚ ኸአ ንኹሉ ነገር የደናግራ። አብዚ ንሱ እቲ ዝሓታ ዘሎ መን ምዃኑ እንታይነቱ እንተትፈልጥ ንሳ ተመሊሳ ምሓተት ይብል። ንሳ መገለሊ ዘይብሉ ብምዃኑ ይገርማ እንተኾነ እቲ ኢየሱስ ዝህቦ አብ ሰባት ዘይነጽፍ ምንጪ ከምዝህብ ይነግራ። ኢየሱስ ንጽምኢ ከርዊ ዝኽእል ሓይሊ ከምዘለዎ ምስተሓበራ ጉይታይ እናበለት አብዚ ዔላ ከይትመላለስ ካብቲ ምንጪ ማይ ክህባ ትልምኖ። ኢየሱስ አትኩርኡ አብቲ ቀንዲ ምስጢር ዕላሎም ስለ ዝነበረ ሰብአያ ክትጽውዕ ይሓታ። ንሳ አብ ሕይወታ እሙን ንአአ ዝኸውን ሰብአይ ዘይረኸበት ስለ ዝነበረት አብ ሓሚሽተ ተመርዕያ ጌና ዘይኮነላ ሰብ እያ ነራ። ንሳ ጽምኢ ናይ ሓቀኛ ሰብአይ ነርዋ። እቲ ጽምኢ ንሓቀኛ ሓዳር ድሕሪ ሓምሽተ ሰብአይ እውን ጌና አይሰለጠን ሕጂ እውን ምስ ካልእ ሰብአይ ትነብር ነራ። ብርግጽ እዚአ ሰበይቲ አብ ሕይወታ ትርጉም ዘይቅሱን ሕይወት ትፈልጥ ነራ። ንሳ እሙንን እተፍቅሮን ሰብአይ አብ ምድላይ እያ ነራ ግን አይረኸበትን ነቲ ዝነበራ ድለት ከተማልእ ደልያ ግን ጌና አይረኸበትን። ሕጂ ኸአ ሓደ ሰብአይ ትረክብ እንተኾነ ከምቶም ካልኦት ዘይኮነ ፍሉይ አብ ውሽጣዊ ሕይወታ አትዩ ቅሳነት ዝህባ ትረክብ። ስለዚ ንኢየሱስ ነቢ ትብሎ። ንሱ ንሳ መን ምዃና ዝፈልጥ እሞ አብ ስቓያ ክትነብር ዘይሓድጋ እዩ። በቲ ሕይወታ አይጽውዓን አይጸርፋን አየዋርዳን ዘቐንዝዋ ነገር አይብላን። ንሳ ነቲ ዘቲአ ቀጺላ እቲ ሓቀኛ አምልኾ አበይ እዩ ትብሎ። ኢየሱስ ብዛዕባ ምስ ሰብኡት ዘለዋ ርክብ ይዛረባ ንሳ ግን ብዘዕባ አምልኾ ትሓቶ። ሰባት አብ ውሽጥና ዝትንክፈና ነገር ምስተላዕለ ቀልጢፍና አርእስቲ ክንቅይር ንደሊ ብፍላይ ዘሕፍር ነገር ዝገበርናዮ ወይ እንገብሮ ዘሎና ምስተላዕለ አርእስቲ ንቕይር እዚአ ሰበይቲ እውን ከምኡ እያ ገራ። እንተኾነ ኢየሱስ አብቲ ንሱ ዝደልዮ ምስጢር ሕይወታ ክሳብ ትምለስ አይሓድጋን።  

ኢየሱስ ምስ እዚአ ሰበይቲ ዘረብኡ ማይ ክተስትዮ ብምሕታት እዩ ጀሚርዎ እዚ ኸአ እግዚአብሔር አባና ዘለዎ ሓልዮት እዩ ዘርኢ። አብዚ አምላኽ ከአል ኩሉ ንሓንቲ ፍጡሩ ክሓትት ንርእዮ። “ማይ አስትይኒ” እናበለ ይሓታ። ጽምአቱ ግዙፍ ሥጋዊ ጽምአት አይኮነን ናይ ኩልና ደቂ ሰብ ድሕነት ዘልኦ ጽምአት እዩ ዝሕብረና። አብ መስቀል ተሸንኪሩ እንከሎ እንደገና ጸሚአ ይብል (ዮሓ. 19፡28)። እታ ሰበይቲ ምስ ሓተታ ብቕኑዕ መገዲ ትምልሰሉ አብዚ አምላኽ ክዛረባ ስንድውቲ ከም ዝነበረት ንርኢ እዚ ኸአ ቀዳማይ ስጉምቲ አብ ምቕያር ሕይወታ እዩ። አብቲ ዘረብኦም እትሓቶ ዝነበረት አብአ አምላኽ ጸግኡ ክዓልብ ንልባ ክፉት ገራቶ። አብ መጭረሽታ አብ ምሉእ ተሓድሶን ዕርቅን ክትአቱ ሰብአይኪ ጸውዒ ይብላ፥ ሽዑ ልባ ይትንከፍ፥ ኢየሱስ አብ ውሽጢ ልባ ከም ዝአቶ ርእያ እምነታ ክትገልጽ ትርአ ነቢ ከምዝኾንካ እርኢ አሎኹ ትብሎ።

ኢየሱስ አብ ትምህርቱ ማይ ከም ሓደ ምልክት መጋበሪ ድሕነት ገሩ ይገልጾ። ማይ አብ ህይወት ደቂ ሰብ ዓቢ ተራ አለዎ። ጸጋ ክርስቶስ ከአ መልእልተ ባሕርያዊ ሕይወት ክንለብስ ዓቢ ተራ አለዎ። በዚ ባሕርያዊ ነገር መልእልተ ባሕርያዊ ነገር ይገልጽ። ንጴጥሮስን ካልኦትን ክጽውዖም እንከሎ ገፈፍቲ ዓሣ ዝነበርኩም ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ ይብሎም። ነዚአ ሳምራዊት ሰበይቲ ካብ ዔላ ማይ ክትቀድሕ ዝመጸት ነቲ ዝበለጸ ዘይነጽፍ ማይ ሕይወት ክትቀድሕ ዕድል ሂብዋ።

እዛ ሳምራዊት ሰበይቲ ምስ መን ከምትዛረብ ዘላ ብግሉጽ ክትርኢ ክኢላ። ስለዚ አበይ እዩ እቲ ሓቀኛ ቤት አምልኾ እናበለት ሓቲታ፥ አይሁድ አብ ኢየሩሳሌም ትብሉ ንሕና ሳምራውያን አብ እምባ ገርዚም እዩ ንብል ነዚ ኸአ አብ (ዘፍጥ 12፡7፥22፡2፥ 33፡20) መሰረት ከም ዘልኦ ንርኢ። ኢየሱስ ነቲ ሕቶ ጥራሕ አይኮነን ዝምልሰላ ነቲ ትምህርቲ ነብያት ሓቅነቱ እና ገለጸ ነቲ ሓቀኛ ግልጸት ይነግራ። ሳምራውያን አብ ጸልማት ከም ዝነብሩ ይገልጸላ ምኽንያቱ መደብ አምላኽ ብነብያት ዝተገልጸ ስለ ዘይአምኑ። አይሁድ እውን ወልእኳ ንብምልኡ ኦሪት ብምቕባሎም አብ ጥቓ ሓቂ እንተኾኑ ነቲ ሓዲስ ግልጸት ብኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ ምቕባሎም አብ ጸልማት ይነብሩ ነቶም። ሳምራውያንን አይሁድን አብቲ ሓዲስ ግልጸት ብኢየሱስ ክርስቶስ ክአምኑ ተዓዲሞም። ብምምጻእ መስሕ ክልቲኦም ከምዝአምንዎ ኩሉ ክግለጽ እዩ እዚ ኸአ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጺሙ አሎ። እቲ ሓቀኛ ስግደት አብ ኢየሩሳሌም አይኮነ አብ እምባ ገሪዚም አይኮነን። ሰማይዊ አቦ ዝደልዮ ነቲ መስሕ ምቕባል እዩ።

ሓቀኛ አምልኾ ብመንፈስን ብሓቅን ዝግበር እዩ። ከምዚ ክብላ እንከሎ አብቲ ሕመረት ዕላሎም ይመልሳ። “እቲ ሓቂ” ከመይ ገርኪ ንአምላኽ ክተምልኺ ብዛዕባ አብ ሕይወትኪ ዘሎ ሓቂ ከይፈልጥኪ? ሰባት ሕይወቶም ከመይ ከምዘሎ ከይረአዩ ንአምላኽ ከምልኹ ምፍታኖም ክንደይ ድኹማትን ክነስተውዕሎ ዝግብአና ነገራት ከምዘሎ ይሕብረና። ስለዚ ኢየሱስ ንዛ ሰባይቲ መን ምዃኑ ይነግራ። ንሱ መንምዃኑ ክገልጸላ እንከሎ ናብኡ ዝወስድ መገዲ ይሕብራ። ነቲ ሓቀኛ ማይ ይህባ፥ ነቲ ዕትሮአ ሓዲጋ አብ ዓዲ ክትምለስ እሞ ነቶም ደቂ ዓዳ ነቲ ንሳ ክትርእዮ ዝኸአለት ክተርእዮም ይነግራ። ምስ ሓዋርያቱ ገዲፋቶ ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብአይ ክትርእዩ ንዑ ርአዩ ክትብላ ንዓዲ አትያ። ነቲ ዝረአየቶ ብምስጢር ክትሕዞ አይደለየትን ንደቂ ዓዳ ክትነግሮም ደልያ። ሳልአ ኩሉም እቶም ደቂ ዓዲ ንኢየሱስ ክርእዩ ክኢሎም። ኢየሱስ መልእኽቱ ናብ ካልኦት ክተብጽሕ ነጻ ገርዋ ብኻልእ ዘረባ ምስ አመነት ክትሰብኽ ጀሚራ እሞ ናብቶም ዝቐረብዋ ክትሰብኽ ወፊራ። ብዙሓት በቲ ናታ ታሪኽ ንኢየሱስ ክአምኑ ክኢሎም፥ ብዙሓት ክአምኑ ክኢሎም ምኽንያቱ ንአኡ ምስረኸቡ ንርእሶም ክርእዩ ክኢሎም።

እዚአ ዘበይቲ አብነት ናይ ኩሎም እቶም ከመይ ኢሉም ንኢየሱስ ዝአምኑ እያ። መጀመርያ ከም አይሁዳዊ ድሕሪኡ ከም ነብይ ድሕሪኡ ከም መስሕ ድሕሪኡ ከም መድኃኒ ዓለም። ንሳ ካብቶም መጀመርታ መሰኻኽር አብ ወንጌል ዮውሓንስ ንኻልኦት አብ ኢየሱስ ዝመርሐት እያ። ዝሓለፈ ሕይወታ ልእኽቲ ጽቡቕ ወረ ክትከውን አይከልአን። ክትነግሮ ዘለዋ ታሪኽ ኩሉ ጊዜ አልአ። ድሕሪ ነውሕ ጊዜ ነቲ ሓቀኛ ሰብ ረኺባ።

ናይ እዛ ሳምራዊት ሰበይቲ ታሪኽ አብዚ እዋን ጾም ክነንብቦ ከሎና ፍሉይ ትምህርቲ አልኦ፡

  • ሓጢአትና ካብ አምላኽን ሰብን ይፈልየና። እዚአ ሰበይቲ ብሰንኪ ሓጢአታ ካብ ሰብ ትሕባእ ነራ ብኡ እያ ተሓቢአ ብቐትሩ ንሩባ ዝወረደት ሰብ ከይርእያ። ሓጢአት ንሰብ አብ ጸልማት ክርእየሉ አብ ዘይኽአል ከም ዝወርድ ይገብሮ። አብ ኢየሱስ ክሳብ ዘይመጻእና ነጻ ክንከውን ክንርእን ክንሰምዕን አይንኽእልን ኢና አብኡ ንመለስ።
  • አብ ውሱን ሕይወትና ንአምላኽ ክንረኽቦ ኩሉ ኩነታትና ክነዕልሎ ይግባእ። እዚአ ሰበይቲ አብ ዔላ ንመድኃኒ ረኺባቶ አነኸ አበይ ክረኽቦ እኽእል ክንብል ሎሚ ምቹእ ጊዜ እዩ። ምስኡ ምስተራኸብና ነቲ ዕላል ባዕሉ ብጸግኡ ክጅምሮ እዩ ሓንትስ ንሕና አብኡ ንቕረብ።
  • ብእምነት ክንዓቢ ይግብአና። እዚአ ሰበይቲ ምስ ኢየሱስ ምስ አዕለለት ሽዑ ብእምነት ክትዓቢ ጀሚራ። ንኢየሱስ ጎይታይ ነቢ መስሕ እናበለት አብቲ ሓቀኛ መንነቱ ክትበጽሕ ክኢላ። ንሕና ብእምነት ክንዓቢ ምስ ኢየሱስ ክንራኸብ አሎና። ካባና ተበግሶ ይደሊ።
  • ካብ ዝኾነ ጉድለትና ነጻ ክንወጽእ ጉድለትና አለሊና ክንክእል አሎና። ሓጢአቱ ዝእመን ንአምላኽ አብኡ ክዓዪ መገዲ ይኸፍት። ኢየሱስ ነቲ ዘሎና ቁስሊ ከሕዊ እዩ ድላዩ። ኩልና ክንሓዊ እሞ ምስኡ ክንውሃሃድ ቁስልና አብኡ ንተሓከም። ካብ ዘሎናዮ ሓጢአት ከሕውየና አብቲ ዘሎናዮ ቦታን ጊዜን ይመጸና፥ ማይ አስትየኒ እናበለ ወይ ብኻልእ መገዲ ክቐርበና ይፍትን።
  • ድሕሪ ሕድገት ሓጢአትና ንተልእኮ ንወፍር። እዚአ ሰበይቲ ኩሉ ነገር ምስ አመነትን ንኹሉ ነገር ምስ ገበረትን ንድቂ ዓዳ ክትሰብኽ ወፊራ። ብዛዕባ ኢየሱስ ክትሰብኽ  ንሳ ዝርአየቶን ዝሰምዓቶም ክሳተፉ ክትዕድም ክትነግር ጀሚራ። ነቲ ዝአመነተቶ ንኻልኦት ከምአ ክአምኑ አብ ኢየሱስ ክተምጽእ ጀሚራ። ንሕና እውን አብዚ ቅዱስ እዋን ናይ ብሓቂ እንተ ድአ አሚና ንኻልኦት አብ ኢየሱስ ክነምጽእ ድላይ መድኃኒና እዩ።

ሰንበት ዘደብረ ዘይት አብ ሕይወትና አቲና ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ክንርኢ ንዝጎደለ አብ መንበር ንስሓ አቲና ክንዕረቖ እሞ ነዚ ምድራዊ ጉዕዞ ሕይወትና አብ መገዲ ቅድስና ሰሪዕና ክንጉዓዝ ዝሕግዘና ሰንበት እዩ። ወንጌልን መልእኽቲ ጳውሎስን ጴጥሮስን እውን ነዚ ተግባራዊ ክንገብር እዮም ዝነግሩና። ወንጌል ብፍሉይ አብነት ናይ እዚአ ሳምራዊት ሰበይቲ ክንክተል ይነግረና። እዚአ ሰበይቲ አምላኽ የፍቅራ ከምዝነበረ ከምኡ ንነፍስወከፍና ካብ ሓጢአትና ክንምለስ እሞ አብ ድሕነት ርእስናን ካልኦትን ክንወፍር ከምዘሎና የዘኻኽረና። ንርእስና ምስ አምላኽ ከይዓረቕና ምስ ካልኦት ክንዕረቕ አይክአልን እዩ። አነ ከም አነ ንአምላኽ ክረኽቦ አሎኒ ዝብል መንፈስ ክወርስና አለዎ።

ወደይ ዝበለኩም ግበሩ እትብል አደ አላትና ድላይ ወዳ ኩሉና ክንድሕን ደቂ አምላኽ ኮና አብ መገዲ አምላኽ ክንርከብ እዩ እሞ አብዚ ጊዜ ጾም ክንዕወት ለምንልና ንበላ። ንሓጥአን ዘናዲ አምላኽና ንነፍስወከፍና ረኺቡ አብ ሕቕፉን አብ አገልግሎቱን ይልአኸና። ሰበኽትን መስከርትን ወንጌሉ ይግበረና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

20 March 2020, 12:37