ስፐይን፡ ብፁዕ ኣቡነ ፕላነያስ፥ ቤተ ክርስቲያን ንዅሉን ምስ ኵሉን ስፐይን፡ ብፁዕ ኣቡነ ፕላነያስ፥ ቤተ ክርስቲያን ንዅሉን ምስ ኵሉን 

ስፐይን፡ ብፁዕ ኣቡነ ፕላነያስ፥ ቤተ ክርስቲያን ንዅሉን ምስ ኵሉን

ቤተ ክርስቲያ ኣብዚ ዓቢይ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ ንህሙማንን ንኣባይቲ ስድራን ነቶም ነዚ ሕማም ንምብዳህ ዝጽዕሩ ንዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ክንክን ጥዕናን ብዝህብዎ መምርሒ ዘገልግልግሉ ንዘለዉ ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣባይቲ ምሕደራን ብጸሎትን ብዅሉ መዳይ ቀረባን

ኣብ ስፐይን ናይ ታራጐና ሊቀ ጳጳሳት ናይቲ ዞባ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፕላነያስ፡ ናይቲ ዞባ ሰበኻ ካህናትን ናይ ኣቢያተ ክርስቲያናት ሓዋርያውያን ሓለፍቲ ኣባይቲ ምሕደራን ንሕዝቢ ቀረባ ክዀኑን፡ ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ስልኪ እናደወሉ ከጸናንዑን ቅርበ ቤተ ክርስቲያን ከረጋግጹን ተላብዮም፡ ቤተ ክርስቲያን ንዅሉን ምስ ኵሉን ምዃና ይምስከር ኣሎ እንክብሉ ብስልኪ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም ኮሮና ኣብ ስፐይን ኣብ 16 ደቃይቕ ሓደ ሰብ ናይ ሞት ሓደጋ የጋጥሞ ከምዘሎን፡ ልዕሊ 20 ሺሕ ዝግመቱ ብኮሮና ተህዋስ ከእተለኽፉን ክሳብ ሓደ ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ  እውን ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞ ክንገር እንከሎ፡ እዚ ኵነት’ዚ ብዙሕ ስግኣት ይፈጥር ከምዘሎን ገሊጾም፡ ካብ ሰዓት ናብ ሰዓት በቲ ለበዳ ኮቪድ 19 ናይ ዝልከፉ ቁጽሪ እውን ክብ ይብል ከምዘሎ ዝሓበሩ ብፁዕ ኣቡነ ኾኣን ፕላነልያስ ኢ ባርኖሰል፡ ቤተ ክርስቲያ ኣብዚ ዓቢይ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ ንህሙማንን ንኣባይቲ ስድራን ነቶም ነዚ ሕማም ንምብዳህ ዝጽዕሩ ንዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ክንክን ጥዕናን ብዝህብዎ መምርሒ ዘገልግልግሉ ንዘለዉ ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣባይቲ ምሕደራን ብጸሎትን ብዅሉ መዳይ ቀረባን እያ ኢሎም።

ኣባይቲ ክርስቲያን ክፉታት እውን እንተዀና ምእመናን ዘሳትፍ ስርዓት ኣምልዀን ስግደትን እቲ ሕማም ንኸይመሓላለፍ ብዝብል ውሳኔ መሰረት ከምዘይፍጸምን፡ ናይ ሰሙነ ሕማማት ሊጡርጊያው ስነ ስርዓት እውን ነዚ ዘሎ ኩነት ርኢኻ ምእመናን ብዘሳትፍ ስነ ስርዓት ክፍጸም ዝከኣል ኣይመስልን፡ ስለዚህ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክውሰን ምዃኑ ይሕብሩ።

ህዝቢ ኣብ ኣባይቱ ከምእተወሸበን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብዝ እዋን’ዚ ንዅሉ ቀረባ እያ ብፍላይ ምስቲ ብካሪታስ ዝጸዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ሰበኻኦም ብምትሕብባር ነቶም ግዳም ሓደር ዜድሊ ሓገዝ ተቕርብ ከምዘላ ገሊጾም፡ ኣብዚ ጽንኵርን ዘሰክፍን እዋን ኩሉ ኣብ ጸሎት ክሓብር ሓደራ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 March 2020, 16:30