ድለ

ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንኮቪድ 19 ኮረና ቫይረስ ዚምለከት ዝተዋህበ መምርሒ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንኮቪድ 19 ኮረና ቫይረስ ዚምለከት ዝተዋህበ መምርሒ 

ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንኮቪድ 19 ኮረና ቫይረስ ዚምለከት ዝተዋህበ መምርሒ

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርኤ ዘሎ ቅልጡፍ ምልባዕ COVID-19 ን፡ ነዚ ለበዳ ንምግታት ሲቪላዊ ሰበ ሥልጣን ዝህብዎ መምርሒታት ብምሕባር ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንኮቪድ 19 ኮረና ቫይረስ ዚምለከት ነዚ ዚስዕብ መምርሒ ምስ መምርሒታት ላዕለዏት ሰበሥልጣን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መንበረ ሮሜ ትሰድድ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስቲያናት እትሓሊ

ክፍሊ ቅድስት መንበር

                                                                                                                                  25.03.2020

ሓበሬታ ብዛዕባ ኣበዓዕላ ትንሣኤ ኣብ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስቲያናት

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርኤ ዘሎ ቅልጡፍ ምልባዕ COVID-19 ን፡ ኣብኣተን ዝርከቡ ተኸተልቲ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ብምሕሳብን፡ ንምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስቲያናት እትሓሊ ክፍሊ ቅድስት መንበር፡ ንዅሎም ሓለፍቲ ርእሰ ምሕደራ sui iuris ዘለወን ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ነዚ ለበዳ ንምግታት  ሲቪላዊ ሰበ ሥልጣን ዝህብዎ መምርሒታት ፡ ምስቶም ኣብ ሓደ ክልል ዝርከቡ  ካቶሊካውያንን  ዘይካቶሊካውያንን ብምሕባር መምርሒታት ከውጽኣ ንዕድም።

ብመሠረት  ናይዘን ኣብያተ ክርስቲያናት ዓውደ ኣዋርሕ ኣበዓዕላ ትንሣኤ ንኹለን ዝጥርንፍ ሓባራዊ መምርሒ ምግባር ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ፡ ነዚ ዝስዕብ ምልክታ ክነካፍል ምቹእ ይመስል፡

Ø ዕለተ ኣበዓዕላ ከምቲ ኣብ ሊጡርጊያዊ ዓውደ ኣዋርሕ ዘሎ ብጥብቂ ክሕሎ፡  እቲ ክግበር ዝከኣል ሥርዐታት ብዘገምታን ብዝወሓደ ቍጽርን  ክግበር፡ ኣመንቲ ኣብ ኣብይቶም ኮይኖም ክከታተልዎ፡፡ ኣብቲ ልምድታት ሱታፌ ዘመርትን ኣገልገልትን (ኣብ ሃገርና ሥርዐተ ዋዜማን ማኅሌትን) ኣብ ዝሓትት፡ እዚ ኣይከኣልን ወይ ከኣ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ተኣኪቦም ክረኣዩ ጥበብ ኣይኮነን።

Ø ክፍሊ ኣበዓዕላ ዝኾኑ ኣገባባት፡ ካብ ቤተክርስቲያ ወጻኢ ዝገበሩ ሥርዐታት ኵሎም ይስረዙ፡

Ø ንምእመናን፡ ዋጋ ግላውን ሥድራውን ጸሎት፣ ቅኑዕ ቤተክርስቲያናዊ ጸሎት ምዃኑ ምዝኽኻር፡ ኣብዚ ህልው ኵነታት እቲ ኣገዳሲ ንወለዶታት መጋበሪ መተሓላለፊ እምነትን፡ ትሕዝቶኡን ጸሎቱን  ዝኾነ ኢዩ፡፡ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙኅን ገርካ ኣብ ሥድራታት እቶም ዓበይቲ ነቶም ነኣሽቱ፡ ኣገባብ ሥርዐታት ክምህርዎም፡ እዚ ኣብ ደሐን ኩነታት ኣብ ቤተክርስቲያን ኣብ ጉባኤ ምእመናን ክፍጸሙ ዝግባእ ዝነበረ ኢዩ።

Ø እቲ ናይ ሰንበት ሆሣዕናን ትንሣኤን ዝድገም ሃብቲ ሥርዐታት ክብረቱ ብትኽክል ተገምጊሙ፡ክፋሉ ኣብ ገዛ ኣብ ሥድራቤትን ክፍጸሙ ምምካር፡

Ø ካህናት ንበይኖም ክቅድሱ ዘይክእሉ ዳዊቶም ይድገሙ፡

Ø ጸሎተ ሓሙስ ኣብ ገለ ኣብያተ ክርስቲያናት ቡራኬ ሜሮን ኣብ ንጋሆ ዝገብራ ኣለዋ፡ እዚ ልምዲ ምስ ዕለተ ጸሎተ ሓሙስ ዝተኣሳሰረ ስለዘይኮነ ናብ ካልእ ዕለት ከመሓላልፍዎ ይከኣል።

Ø ዓርቢ ስቅለት፡ ኣብ ቅድሚ ስቅለት ወይ ኣብ መቃብር ክርስቶስ ብግሊ ወይ ብሥድራ ኰንካ ነቲ ሃብታም ናይ ዕለቱ ልምዲ ምሥራቅ  ምጥቃም፡

Ø ትንሣኤ፡ ሥድራቤታት ድሕሪ ድምጺ ደወል ተኣኪቦም መብራህቲ ወሊዖም ወንጌል ናይ ትንሣኤ ኣንቢቦም፡ ካብቲ ብርእሶም ዝሓዝዎ ናይ ትንሣኤ መዝሙር ክዝምሩ ይከኣል፡

Ø ኣብ በዓለ ትንሣኤ ዝፍጸሙ ጥምቀታት ኣብ ካልእ ዕለት ይመሓላለፉ፡

Ø እቲ ብዕለት 19 መጋቢት ብክፍሊ ሥርየት ሓዋርያዊ (Decastero della Penitenzieria Apostoloca) ብቍዕ ኮይኑ፡ እንተኾነ ብዙሓት ምእመናን ቅድሚ ትንሣኤ ናይ ምንዛዝ ልማድ ዝነበሮም ሕጂ ግና ክገብርዎ ኣይክእሉን፡ ጓሶት ነፍሳት ነዞም ምእመናን ካብቲ ሃብታም ልማድ ምሥራቅ ዘሎ ጸሎታት ንስሓ ብመንፈስ ጸጸት  ክደግሙ የመልክቱሎም።

ናትኩም

+ ሎዮናርዶ ካርዲናል ሳንድሪ

ሓላፊ

ኣባ ፍላቪዮኡ ፓቸ

ሓ/ ጸሓፊ

 

ኣብዚ እዋን ለበዳ፡

ንምእመናን ፍሉይ ሥርየተ ኃጢኣት ንምሃብ ዝወጽኤ ኣዋጅ

ብክፍሊ ሥርየት ሓዋርያዊ

(Penitenzieria Apostoloca)

ኣዋጅ

ነቶም ብለበዳ Covid-19  ብኮሮና ቫይሩስ ዝፍለጥ፡ ብዘይካ ናይ ጥዕና ሠራሕተኛት፡ ሥድራቤታቶምን ንዅሎም ናይዚ ግድነት ዘለዎ፣ ብጸሎት እውን ናይ ባዕሎም ፍወሳ ክረኽቡ ዝኽእሉ፡ እዚ ፍሉይ ሥርየተ ኃጢኣት ተዋሂቡ ኣሎ።

“ ለተስፋክሙ ተፈሥሑ፡ ለሕማምክሙ ተዐገሡ፡ ለጸሎትክሙ ተጸመዱ፥ ብተስፋ ተሓጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ”  ሮሜ 12፡12 ናይ ጳውሎስ ቃላት ንቤተክርስቲያን ሮማ፡ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ታሪኽ ቤተክርስቲያን የቃልሑ፡ ከማኡ ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ሥቃይን፡ ሕማምን ለበዳን ኣተሓሳስባ ኣመንቲ የማዕዝኑ፡

ኣብዚ ጊዜዚ መላእ ሰብኣውነት በዚ ዘይርኤ ሓደገኛ ለበዳ  ኣብ ስግኣት ኣቲያትሉ ኣብ ዘላ ሁመት፡ ድሮ ብዓብላሊ ኃይሊ ካብ ዝኣቱ፡ ናይ ብዙሓት ክፍሊ ሕይወት ኮይኑ፡ዕለት ድሕሪ ዕለት ብሓዘንን ፍርሀትን እናዓመመ፡ ሓዲስ ዘይርግኣትን፡ ልዕሊ ኩሉ ኣካላውን ሞራላውን ሥቃይ ኣእቲዩ ይርከብ።

ቤተክርስቲያን ከም ኣብነት ኣምላኻዊ መምህራ፡  ሓልዮ ሕሙማት ወትሩ ኣብ ልባ ኢዩ፡ ከም ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ካልእይ ዘመልከትዎ፡ ሕማማት ደቂ ሰባት ክልተ ጥቅሚ ኣለዎ፡” መልዕልተ ባህርያዊ ኢዩ፡  ምኽንያቱ ኣብቲ ኣምላኻዊ  ምሥጢረ ድሕነት ዓለም ዝተመሥረተ ኢዩ፡ ከማኡ ብመሠረቱ ሰብኣዊ ኢዩ፡ ምኽንያቱ  ሰብ ነታ ርእሱ፡ ነታ ሰብኣውነቱ፡ ነታ ክብሩ፡ነታ ተልእኮኡ ኣብኣ ይረኽባ (Lett. Ap.Salvifici doloris, 31).

ከማኡ ር.ሊ.ጳጳሳት ፍርንቸስኮ እውን ኣብዘን መጨረስታ መዓልታት፡ምእንቲ እቶም ብኮሮና ቫይሩስ ዝሓመሙ ፡ኣባታዊ ቅርበቶምን፡ ብዘይምቍራጽ ክጽለን ደጋጊሞም ይዕድሙ።

እቶም ኩሎም ብCovid-19 ዝሳቀዩ፡ ኣብዚ ስቃዮም ክሳብ “ነታ መድሓኒት ዝኾነት ስቃይ ክርስቶስ” (ibid. 30) ዝረኽቡ፡ እዚ ክፍሊ ሥርየት ሓዋርያዊ፡ ብሥልጣን ር.ሊ.ጳጳሳት፡ ኣብ ቃላት ክርስቶስ ብምእማንን፡ነዚ ኣብ መሥርሕ ዘሎ ሕማም፡ መንፈስ እምነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ግላዊ ሕዳሴ (ተለውጦ) ኣገዳሲ ምዃኑ ብምሕሳብ፡ በዚ ዝስዕብ ጽኑዕ መምርሒ፡  ሥርየተ ኃጢኣት ይህብ ኣሎ።

ነቶም  ብኮሮና ቫይሩስ ተጠቂዖም ዘለዉ እሞ ኣብ ውሸባ ዝርከቡ፡ ብናይ ጥዕና ሰበ ሥልጣን ኣብ ሆስፒታላት ወይ ከኣ ኣብ ኣብያቶም ዝደቀሱ፡ እታ ነፍሲ ካብ ዝኾነ ይኹን ኃጢኣት ዝተፈልየት፡ ብመራኽቢ ብዙኃን ንዝመሓላለፍ ቅዳሴ ወይ ሥርዐተ ኣምልኮ፡ መቍጸርያ ወይ ንማርያም ዝምልከት ዝማሬ፡ ፍኖተ መስቀል ወይ ሥርዐተ ስግደት ወይ እውን ካልእ ካብቲ ባህሊ ምሥራቃውያን፡ ካልእ ዓይነት መንፈሳውንት ዝከታተሉ፡ እንተ ወሓደ ግና ጸሎተ ሃይማኖት፡ ኣቦና ኣብ ሰማይ እንትነብር ወይ ሓደ ስእለት ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም  ብምግባር፡ ነዚ ኩሉ ፈተና ብመንፈስ እምነት ናብ ኣምላኽ ብምውፋይ፡ ከማኡ ፍቅሪ ብጻይ ብምዝውታር፡ ነቲ ልሙድ ኑዛዜ፡ቍርባንንን ብሃረርታ ብምሕሳብን፡ ከም ሓሳብ ር.ሊ.ጳጳሳት ሓንቲ ጸሎት ብምግባር ንዘይከኣሎም ምሉእ ሥርየተ ኃጢኣት ይህብ።

ሠራሕተኛታት ጥዕና፡ ሥድራቤታቶምን ከም ኣብነት ሕያዋይ ሳምራዊ ንለበዳ ቅሉዓት ኮይኖም፡ ነቶም ብኮሮና ቫይሩስ ዝሓመሙ ዝኣልዩ፡ ከም ቃል ሰማያዊ መድሓኒና “ዘየዐቢ እምዝ ፍቅር ኣልቦ፡ ከመ ዘቦ ዘይሜጡ ነፍሶ ህየንተ ኣዕርክቲሁ፡ ኣብ ክንዲ  ኣዕሩዅቱ ፡ ነፍሱ በጃ ዝህብ ዝዓቢ ፍቅሪ የልቦን” ዮሓ. 15፡13. ነተን ዝተሰምያ ቅድመ ኵነት ኣማሊኦም፡ ምሉእ ሥርየተ ኃጢኣት ይረኽቡ።

ብተወሳኺ እዚ ክፍሊ ሥርየት ሓዋርያዊ፡ ኣብተን ልሙዳት ቅድመ ኵነት ተመርኵሶም፡ ነቶም ኣብዚ ሁመት ዓለምለኻዊ ለበዳ፡ እንተ ወሓደ ንፍርቂ ሰዓት፡ ምብጻሕ ቅ.ቍርባን ወይ ስግደት ንቅ.ቍርባን  ወይ ንባበ ቅ. መጽሓፍ ንዝገብሩ ወይ መቍጸርያ ወይ ሓደ ስእለት ናብ ድንግል ማርያም ወይ ፍኖተ መስቀል፡ ወይ ጸሎት መለኮታዊ ምሕረት ዝደግሙ ወይ ከከም ልማድ ምሥራቃውያን ካልእ ዓይነት ጸሎታት፡  ከኅሌ ኵሉ ኣምላኽ ነዚ ለበዳዚ ደው ከብሎ፡ ነቶም በዚ ንዝተጥቅዑ ምሕረት፡ ነቶም ዝሓለፉ ዘለዓለማዊ ድሕነት ክረኽቡ ንዝጽልዩ ምእመናን፡ ብሓጐስ ምሉእ ሥርየተ ኃጢኣት ይህብ።

ቤተክርስቲያን ነቲ ሥርዐተ ሕሙማንን ቅ.ቍርባንን ክረክብ ንዘይከኣለ፡ ኣብ ምሕረት ኣምላኽን፡ ኣብ ሱታፌ ቅዱሳን ብምምሕጻንን ትጽሊ፡ ነቲ ኣብ ኣፍ ሞት ንዘሎ መኸላእታ ዘይብሉ፡ ብሕይወት ከሎ ዘወትር ሓደ ጸሎት ይደገም ንዝነበረ (in questo caso la Chiesa supplisce alle tre solite condizionei richieste)  ምሉእ ሥርየተ ኃጢኣት ትህብ። ንኸምዚ ዓይነት ሥርየተ ኃጢኣት ንምርካብ ስቅለት ወይ መስቀል ምሓዝ ግዲ ኢዩ (Enchirdion indulegentiarum,n.12).

እታ ቅድስት ወትሩ ድንግል ማርያም ኣደ ኣምላኽን ኣደ ቤተክርስቲያንን፡ ፈዋሲተ ሕሙማትን ረዳኢት ክርስቲያን፡ ጠበቃናን፡ ነዚ በዚ ለበዳ  ዝሳቀ ዘሎ ሰብኣውነት፡ ነቲ ክፉእ ካብኡ ብምእላይ፡ ነቲ ንድሕነትና ቅድስናናን ዘድሊ ሠናያት ክትህበና ድላያ ይዅን።

እዚ ኣዋጅ እዚ ዝኾነ ተጻብኦነት ብዘየገድስ ብቍዕ ኢዩ፡

ኣብ ሮማ ካብ መንበረ ሥርየት ሓዋርያዊ ብ19 መጋቢት 2020 ተዋህበ፡

 

+ ማውሮ ካርዲናል ፒኣቸንሳ

ዘሥርየት ዐቢይ

ክሪዞስቶፍ ኒኪኤል

ኣስፈጻሚ ሕግ

 

 

31 March 2020, 13:25