ካርዲናል ስኮላ፥ ኮቫዲ - 19 ዛዕባ ትርጉም ኣነባብራና ገዛእ ርእስና ንኽንሓትት ኣጋጣሚ እዩ ካርዲናል ስኮላ፥ ኮቫዲ - 19 ዛዕባ ትርጉም ኣነባብራና ገዛእ ርእስና ንኽንሓትት ኣጋጣሚ እዩ 

ካርዲናል ስኮላ፥ ኮቫዲ - 19 ዛዕባ ትርጉም ኣነባብራና ገዛእ ርእስና ንኽንሓትት ኣጋጣሚ እዩ

ስለዚህ እቲ ሕማም ኣሉታዊ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር እወታዊ ጉድኑ ፈሊኻ ኣብ መንፈሳውን ሰብኣውን ሕይወትካ ዘበርትዕ ክኸውን ዝከኣል እዩ

ናይ ሚላኖ ሰበኻ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ስኮላ፡ እቲ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ዘሰክፍ ዝተኸስተ ሓድሽ ዓይነት ሰዓል ኮቪድ 19 ሕማም ኣብ ብዙሓት ከባቢ ኢጣሊያ እውን ይርአይን፡ ንብዙሓት የጥቅዕከ ከምዘሎን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ሃርታ ቅዱስ ቁርባን ዘበራብርን ትርጉም ኣነባብራና ንሕቶ ዘእትው ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ መንግስቲ ኢጣሊያ እቲ ሕማም ንኸይሰፍሕ ዘመሓላለፎ መምርሒ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓ ጳጳሳት እውን ዘኽብርዎ ኰይኑ፡ ኣቢያተ ክርስቲያን ክፉታት ክዀና ዝወሰኑ እውን እንተዀነ መስዋዕተ ቅዳሴ ንግዚኡ ክቋረጽ ከምዝገበሩን ጠቒሶም፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ካብ መንግስቲ ዝተወሃበ መምርሒ ክኽበርን በዚ መሰረት እዚ እውን ብዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደብ ዝፍጸም ምእመናን ዘሳትፍ ዘበለ ኵሉ ሊጢርጊያ ንግዚኡ ክይፍጸም ቤተ ክርስቲያን ትውስን፡ ነዚ ኵነት’ዚ ጾም ቅዱስ ቁርባን እንክብሉ ገሊጾም፡ ድላይ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናን እውን እንተዘይኰነ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ሃረርታ ቁዱስ ቍርባን ዘበራትዕ ኵነት ይኸውን፡ ስለዚህ እቲ ሕማም ኣሉታዊ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር እወታዊ ጉድኑ ፈሊኻ ኣብ መንፈሳውን ሰብኣውን ሕይወትካ ዘበርትዕ ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ እግዚኣብሔር ሰናይና እዩ ዝደልይ፡ እግዚኣብሔር ሰብ ኰይኑን ሓጢኣትና ኵሉ ተሰኩሙን ኣብ መስቀል ተሰቒሉ እዩ፡ እዚ ኸኣ ንድሕነትና ክብል እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ሕይወት ዘጋጥም ሓደጋን ዝፍጠር ጸገም ጉድለት ጥዕና እውን ይዅን እግዚኣብሔር ንኽንልወጥ ዘውርዶ መቕጻዕቲ እዩ ዝብል ጌጋ ኣገላልጻ ክወሃቦ የብሉን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ካርዲናል ስኮላ፥ ኮቫዲ - 19 ዛዕባ ትርጉም ኣነባብራና ገዛእ ርእስና ንኽንሓትት ኣጋጣሚ እዩ
09 March 2020, 15:05