ድለ

ካርዲናል ኦመላ ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓድሽ ኣቦ መንበር ካርዲናል ኦመላ ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓድሽ ኣቦ መንበር 

ካርዲናል ኦመላ ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓድሽ ኣቦ መንበር

ካብ 2020 ክሳብ 2024 ዓ.ም. ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ማድሪድ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ጉባኤ

ኣብ 2017 ዓ.ም. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካርዲናል እተሰምዩ 74 ዓመት ዝዕድመኦም ናይ ባርቸሎና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኾሰ ኦመላ ኦመላ ዕለት 3 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ከይኖም ከምእተሓርዩ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 3 መጋቢት ሕትመቱ ኣፍሊጡ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ንዝነበሩ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ንዘብቕዑ ናይ ቫላዶሊድ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሪካርዶ ብላዝከስ ፐረዝ ንኽትክኡ ናይ ባርቸሎና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኹዋን ኾሰ ኦመላ ኦመላ ካብ 2020 ክሳብ 2024 ዓ.ም. ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ማድሪድ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ጉባኤ ከምዝሓረዮም ሎ ሶርቫቶረ ሮማን ሓቢሩ፡ ናይ ማድሪድ ሊቀ ብፁዕ ካርዲናል ካርሶሎስ ኦሶሮ ሴራ ምኽትል ኣቦ መንበር እንክብል ከምዝሓረዮምን ኣስዒቡ እውን ናይ ወሳኒ ድርገት ኣባላትን ናይቲ በቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ዝምርሑ ድርገታት ኣበ መናብርት እውን ከምዝሓረየ ኣፍሊጡ እቶም ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ኣብ 2023 ዓ.ም. ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ዘብቅዑ ናይ ቫላዶሊድ ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ኻቪየር ኣርጉአሎ ግራሲያስ ኣብ ዘለዎም ሓላፍነት ክቕጽሉ ከምዝዀኑ ሓቢሩ።

ካርዲናል ኦመላ ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓድሽ ኣቦ መንበር
04 March 2020, 17:19