ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ርግጸይናነት፥ “ኩሉ ሰናይ ክኸውን እዩ” ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ርግጸይናነት፥ “ኩሉ ሰናይ ክኸውን እዩ” 

ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ርግጸይናነት፥ “ኩሉ ሰናይ ክኸውን እዩ”

“ስሌኻን ስሌኽን ካብቲ ዝተሳቐኽዎ ንላዕሊ ክሳቐይ ዘድሊ ነይሩ እውን እንተዝኸውን ምተሳቐኹ”

እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ክርቲያናዊ እምነት ኣናስር ዝነበሮምን ዘለዎን ቃል ብዙሓት ንሓድ ሕዶም ንኽደጋገፉን ንኽጸናንዑን ዝጥቀምሉ ዝነበረ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ተመሊሱ ዝስማዕ ዘሎ ብዙሓት ዝብልዎን ዘቃልሕዎን ዘለዉ፥ “ኵሉ ሰናይ ክኸውን እዩ” ዝብል ኣብ ማሕብራውያን መረብት ድዩ ኣብ ካልእ መግለጽታት ኩሉ ዓበይትን ከምኡ እውን ሕጻናት ኣብ ኣፈት ቤቶም ጽሒፎም ዘንጠልጥልዎን ዘለዉ ቃል።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ናይ ብዙሓት ሕይወት ንሞትን ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ንሓዘንን ብዙሓት ብፍርሒ ክሹቕረሩን ይገብር ከምዘሎን፡ በቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ስቓይ ሕዝቢ ብዝተፈላለየ መገዲ ኣቢሉ “ኵሉ ሰናይ ክኸውን እዩ” ዝብል ተስፋ የቃልሕ ኣሎ፡ እዚ ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ተራን ልሙድን እናዀነ ዝኸደ ዓቢይ ናይ ተስፋን መጸናንዕን ኣብ ባህልን ኣብ ዕለታዊ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ብኸመይ እዩ ዝተበገሰ? ነዚ ሕቶ እዚ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሰበኻ ኣልገሮ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማውሮ ማሪያ ሞርፊኖ ብዘመሓለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ እንክሕብሩ፡ እቲ ቃል ንፈለማ ግዜ ኣብ እንግልጣር ካብ 1342 ክሳብ 1430 ዓ.ም. ብሕይወት ዝነበረት ዘይተመሃረት ሰቂለ ሕልና ዝተዓደለት ጁሊያና በዓልቲ ኖርዊች፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጽንኵር ኣዋን ኣብ ዝነበረትሉ፡ ኣብ ውሽጣ ምግምማዕ ተፈጢሩን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣቪኞን ስደቶም ኣብቂዑ ናብ ሮማ ኣብ ዝተመለስሉን እቲ ኣብ መንጐ እንግልጣርን ፈረንሳን ብናይ ሚእቲ ዓመት ውግእ ዝግለጽ ግጭት ኣብ ዝነበረሉ እዋን “ኵሉ ሰናይ ክኸውን እዩ፡ ኵሉ ንሰናይ ክኸውን እዩ” ዝብል እግዚኣብሔር ዝተዛረባ ቃል ዘዘኻኽር እዩ፡ ጁሊያና ነቲ እግዚኣብሔር ሕሹኽ ዝበላ ኣብ ጽንኵርን ኣብ ሓጢኣትን ስቓይን ኵሉ እግዚኣብሔር ነገራት ንሰናይ ዝልውጥ ፍቕሪ ምዃኑ ዝተዓደላ ናይ ምስትውዓል ጸጋ ኣብ ኤውሮጳ መስከረት። እዚ ቃል’ዚ ኣብ ባህልን ቋንቋን ኤውሮጳ በዚ መገዲ እዚ ኣቢሉ ዝውቱር ናይ ተስፋ ቃል እናዀነ ክምዝኸደ የመላኽቱ።

ኣደኣዊ ፍቕሪ

ጁሊያና ብኸቢድ ሕማም ኣብ ዝተጠቐዓትሉ ኣብ 1373 ዓ.ም. ኣብ ድነ ሞት እንከላ ሓደ ካህን ምስሊ ስቑል ኢየሱስ ምስ ኣምጸኣላ ካብቲ ዘጓነፈ ከቢድ ሕማም ትፍወስ፡ ናይ ኢየሱስ ሕማማት ኵሉ ብራእይ ተስተውዕል፡ እዚ ኵሉ ኣብቲ “ግልጸት መለኰታዊ ፍቕሪ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረሰቶ መንፈሳዊ መጽሓፋ ተመልኪቱ ይርከብ፡ ነሳ ንዅሎም ነዚ ኣደኣዊ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ትምስክር ከምዝነበረት እውን ይሕብሩ።

ፍራንቸስኮን በነዲክቶስ መበል 16፥ ንጁሊያና በዓልቲ ኖርዊች ይውከሱ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ እግዚኣብሔር ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ፡ ጥልቅን ደረት ኣልቦን ምዃኑ ናይ ጁሊያና በዓልቲ ኖርዊች መንፈሳዊ ድርሳን ጠቒሶም የብርሁ፥ “ስሌኻን ስሌኽን ካብቲ ዝተሳቐኽዎ ንላዕሊ ክሳቐይ ዘድሊ ነይሩ እውን እንተዝኸውን ምተሳቐኹ” እንክብል ኢየሱስ ዝገለጸላ ሓሳብ ጠቒሶም፡ እግዚኣብሔር ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ ዓቢይን ደረት ኣልቦን ምዃኑ ከምዘብርሁ ይዝከር።

በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 1 ታሕሳስ 2010 ዓም. ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣብ ዝነበራ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣሰር ሓዲገን ኣብ ዝሓለፋ ደቀንስትዮ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብሉ እዋን፡ እግዚኣብሔር ከሃሌ ኵሉን ሰናይን እንተድኣ ከይኑ ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ስቓይ ከጓንፍ ከመይ ገይሩ ይፈቅድ? ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፡ ጁሊያና ከምዝበለቶ፥ ኩሉ ንሰናይ ከምዝኸውን እምነት ገይራ፡ ነቲ ኩሉ ሕሰምን ስቓይን መከራን እግዚኣብሔር ንሰናይና ክቕይሮ እዩ እንክብሉ ከምዘስተምህሩ ይዝከር።

ኣብ እግዚኣብሔር ዝተሰርተ ናይ ተስፋ መልእኽቲ

ኵሉ ሰናይ ክኸውን እዩ፡ ኩሉ ንሰናይ እዩ፡ ዝብል ተስፋን እምነትን ኣብቲ ብእግዚኣብሔር ምፍቓርካን ንሱ ይከላኸለለይን ኣብ ዝብል ርግጸይናነት ዝጸንዔ እዩ፡ እቲ ናይታ ሰቂለ ሕልናዊት ተወላዲት እንግልጣር …. እግዚኣብሔር እንክፈጥረና እቐዲሙ ኣፍቀረና፡ ኣብዚ ምፍቃርና’ዚ እግዚኣብሔር ፈጺሙ ቦኺሩን ኣንሳሒቡም ኣይፈልጥን፡ ኣብ ምፍቃርና ዘይጐድል እዩ” ዝበለቶ ጥልቂ መንፈሳውነት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ዕለት 1 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘስመሩሉ ይዝከር።

እቲ ናይ ጁሊያና በዓልቲ ኖርዊች ጥልቂ መንፈሳዊ ቃል፥ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፥ ምዕ. 8 ካብ ፍቕዲ 28 ክሳብ 30 “ነቶም ኣምላኽ ዜፍቅሩ ከም መደቡውን ዝተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናይ ከም ዚድግፎም ንፈልጥ ኢና” እንክብል ንዝበሎ ሓቂ ዘረጋጽ እዩ።

ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ርግጸይናነት፥ “ኩሉ ሰናይ ክኸውን እዩ”
18 March 2020, 18:31