ሰንበት ዘቅድስት ዘጾም ፵ የካቲት 22- 2012 ዓ.ም. (03/01/2020 )

መዝሙር፡ ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ. . . .፡ ንእግዚአብሔር አገልግልዎ ስሙ ጸውዑ ተግባራቱ ነሕዛብ ንገርዎም ንስሙ ክብሪ ሃቡ። ንጽድቂ ተገዝኡ መዝገብኩም ነቐዝ አብ ዘየንቅዞ ሠራቒ አብ ዘይረኽቦ አብ ሰማይ ዕቖርዎ፥ ስንድዋት ኩኑ አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ንበሩ፥ ናይ ላዕሊ ሕሰቡ አብኡ መዝገብ ተዓቚርልና አሎ እሞ ንብጻይና ነፍቅር ርእስና ነትሕት ሰንበት ነኽብር”
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ፩ተሰ 4:1-12፥ 1ጴጥ 1፡13-ፍ፥ ግ.ሓ.10፡17-30፥ ማቴ 6:18-ፍ   ስብከት፡ “እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ፥ አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ” “እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገብረ፥ ግርማን ክብርን ይኸቦ፥ መቕደሱ ኸአ ብኃይልን ጽባቐን ምሉእ እዩ” መዝ። 96፡5።

መዝሙር፡ አብ ሕይወትና ምስ አምላኽን ሰብን ክህልዎን ክሕዞን ዝግብኦ መገዲ የዘኻኽረና። ጉዳይ ሰማይ ተነቃፊ ብቐሊል ዘይመልክዑ ክነልብሶ ስለ እንኽእል ዓቢ ምስትውዓል ከም ዘድልየና የዘኻኽረና። ንአምላኽ ክነገልግል፥ ሰበኽቲ ወንጌል ክንከውን፥ አብ ሕይወትና ቅድስና ለቢስና ክነብር፥ ካብ ኩሉ ዝጓነፈና ፈተና በርቲዕና እምነትና ክነጽንዕ፥ ኵሉ ጊዜ ዕጡቓትን ስንድዋትን ኮና ሕይወትና ክንመርሕ፥ መወዳእታና ምስ አምላኽ ምንባር ምዃና ክነስተውዕል፥ ንብጻይና ከም ርእስና እናፍቀርና ክነብር፥ ብዕለተ ሰንበት አብ መአዲ ክርስቶስ ተሳተፍቲ ክንከውን ከም ዘሎና ዘዘኻክር ፍሉይ መዝሙር ኢና ዘሚርና።

አብ ጊዜ ጾም ፵ ፍሉይ ጸሎት አስተንትኖ ተጋድሎ ክንገብር ቤተ ክርስትያን ተዘኻኽረና። ጾም ፵ “ቅድስት” እውን ይብሃል እዩ። እንጅምሮ ዘሎና እዋን ናይ ንስሓን ዕርቅን ሕድገት ኃጢአትን እዩ፥ አብ አምላኽ ተመሊስና ፍቕሩን ጸግኡን ክነስተማቕር አብ መንጎና ንዘሎ ጸገም ምእንቲ አምላኽ ኢልና ክንሓድግ ከምኡ መገዲ አምላኽ ክንሕዝ ዝሕግዘና ቅዱስ እዋን እዩ። ጾምና ፍረ ክህልዎ ናይ ብሓቂ አብ ናይ ብሕታዊ ሕይወትና አቲና ነቲ ካብ አምላኽን ጸግኡን ፈልዩና ዘሎ አለሊና አብ ጻህያይ ኃጢአትና ክንአቱ እሞ ጸጸት ኃጢአትና ገርና እሙናት ደቂ ክርስቶስ ክንከውን ዝዕድምና ፍሉይ ናይ ጸጋን ምሕረትን ጊዜ እዩ እሞ ክንዕወት ንጽዋዕ አሎና።

አብዚ ሰንበት ዘቅድስት ቤተ ክርስትያን አብ ሕጊ ክርስቶስ ክነስተንትን ትደልየና። አብ ጽምዋ ልብና አቲና እንመርሖ ዘሎና ሕይወት ክንርኢ እሞ አብ ክርስቶስ ክንምለስ፥ ምስኡ አዛሚድና አብ ምሕላው ሕጊ ቤተ ክርስትያን እንገብሮ ጻዕሪ ክንግምግም ዝዕድም እዋን። ሕጊ ክርስቶስ መለኮታዊ ሕጊ እዩ፥ ንባህርያዊ ሕጊ ዝጻረር አይ ኮነንን፥ ነቶም ብምሉእ ዝቕበልዎን ብእኡ ሕይወቶም ዝመርሑ ልቦና ዝመልእን ሕይወት ዝህብ እዩ። ካብቲ አምላክ አባና ዘልኦ ፍቕሪ ዝምንጩ ኸአ እዩ፥ ስለዚ ንእኡ ምእዛዝ መሰረታዊ ምርጫ ንሕወትና ንሓጎስን እዩ። ሰብ ንሕጊ ክርስቶስ ከም መምዘኒ ሕይወቱ ገሩ እንተ ነበረ ሓንቲ ጸገም አይጓነፎን እዩ፥ ገለ ፈተና እንተ ገጠሞ እውን ከሸንፎ ይኽእል እዩ። ጸገም ዝስዕረና ንሕጊ አምላኽ ሓዲግና ባዕልና አብ ዘውጻእናዮ ሕጊ ጥራሕ ክንምራሕ ከሎና እዩ። ዓለምና ሎሚ ሰብ ብዝሰርሖ ሕጊ ጥራሕ ትምራሕ ስለ ዘላ ሳዕበናቱን ውጽኢቱን እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሃብታማትን ሓያላትን፥ መለኽትን ገዛእትን ጥራሕ ዝደልይዎ ሕጋ ገራ ትሕመስ አላ። መለክዒ ሓቂ አብ ክንዲ እቲ አምላኽ ዝሃበና ዝኸውን አብ ድላይ መራሕትን ገዛእትን ኮይኑ ነቲ አምላኽ ዝሃበና ሕጊ ሰባት ብዝደልይዎ ክትካእ ንርእዮ አሎና። ሓደ ካብዚ ግብሪ ሰዶምን ጎመራን እዩ። አብ ግዚኡ ንዝነበሩ ዘጥፍአ ኃጢአት ሎሚ እውን ይድገም ንርኢ አሎና፥ የቕልለልና ዘብል እዩ። ጊዜ ጾም ነዚ ክንሳሓሉን ክንጽጸተሉ ዘሎና ከቢድ ናይ እዋና ጸገም እዩ። አምላኽ ሰብአይ ምስ ሰበይቲ ሓደ ክኾኑ እምበር ካልእ አይፈጠረን እዚ ንሕጊ አምላኽ ዓው ኢልካ ምፍራስ ስለ ዝኾነ አብ ዓለም ከቢድ ጸገም ኮይኑ ንርእዮ አሎና፥ ብሓቂ ክንጽሊ ይግብአና።

አብ መጽሓፈ ሲራክ 15፡15-20 ዘሎ እንተ አንበብና ሓውን ማይን አብ ቅድሜኻ አንቢሩ አሎ ኢድካ ስደድ እሞ አብቲ ዝደለኻዮ እለኽ. . . ሕይወትን ሞትን ቀሪበን አለዋ እቲ ዝመረጾ ኸአ ኪወሃቦ እዩ፥ እናበለ ብሓደ ወገን አምላኽ ክንመርጽ ነጻነት ከም ዝሃበና ይነግረና እንተ ኾነ እቲ እንመርጾ ውጽኢቱ ንሕይወትና ከም ዝጸልዎ ክንፈልጥ ከም ዘሎና ይሕብረና። አምላኽ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ነጻ ገሩ ፈጢሩና፥ አብ ሕይወትና ክመርሓና ኢሉ ሕጊ ሂቡና፥ ናይ ምምራጽ ነጻነት ናይ ሕይወት ውሳኔ ክንገብርን ክንመርጽን ኢሉ አእምሮ ክመርሓና ሂቡና።

አምላኽ አነጺሩ ነጊሩና እዩ አብ ሕይወትና እንገብሮ ምርጫ ናቱ ሳዕቤን አልኦ። ንቀዳሞት ወለድና ካብ ፍረ እቲ አብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብአ ዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመወት ኢኻ እሞ ካብአ አይትብላዕ (ዘፍ 2፡16-17) እናበለ ብምርጭኦም መሰረት ሳዕበኑ ከም ዝቕበሉ ገሊጽሎም። ኩሉ ጊዜ ነቲ አምላኽ ዝበለና ሕግታቱ እንተ ሰማዕናን አኽበርናን ሕጉሳት ኢና እንኸውን። ብአንጻሩ ሰይጣን ተዓዊትልና ሕማቕ ምርጫ ክንገብር እንከሎና ፍሪኡ ኢና እንሓፍስ። መዘምር ዳዊት እቶም ኃጢአት ዘይገብሩ ሕጊ እግዚአብሔር እናፈጸሙ ዝነብሩ ሰባት ብፁዓን እዮም፥ ሕጉ ዝሕልዉ ብምሉእ ልቦም ዚእዘዝዎ ብፁዓን እዮም. . . (መዝ. 119፡1) ይብለና። እዚ ማለት ከአ ከም ነጻ ዝኾኑ ፍጡራት መጠን እግዚአብሔር ብሓይሊ ነጻነትና አይገፎን እዩ፥ ደይ እድየከ ሃበ ዘፈቀድከ እዩ፥ ኢድካ አብ ዝደለኻዮ ምለስ ነጻነትካ ዝተሓለወ እዩ። እንተ ኾነ እቲ ቅኑዕ ምርጫ ክንገብር ሕግታቱ እቲ ሕይወትን ሓጎስን ዝህብ ክንመርጽ የበራትዓና። ብዙሕ ጊዜ አብ ዝገበርናዮ ምርጫ ወላ እኳ ናይ ገዛእ ርእስና ምርጫ ውጽኢት ይኹኑ ንአምላኽ ንሓሚ፥ ስለምንታይ እዚ ክወርደኒ ወይ ከምዚ ኽኸውን አፍቂዱ እናበልና አብ ልዕሊ አምላኽ ነግረምርም።

ቅ. ጳውሎስ ንሕጊ ክርስቶስ ጥበብ አምላኽ ይብሎ ነዚ ኸአ ብእዋኑ ንዝነበረ አተሓሳስባን ርድኢትን ንምግላጽ ኢሉ ካብ ትንቢት ኢሳያስ 64፡4 እናጠቐሰ ይገልጾ። ብኻልእ አዘራርባ ንሕጊ ክርስቶስ ምእዛዝ ዝበለጸ ነገር አብ ሕይወት ምግባር እዩ እናበለ ክመርጽዎ ዝግብኦም ይነግሮም። ብሕጊ አምላኽ ምንባር ንሰባት ፍሉያት ይገብሮም እዚ ኸአ ብሓደ ፍሉይ ምልክት ሰላም ፍቕሪ ሓጎስ ኮታስ ኩሉ ንሰብ ዘሓጉስ ተዓዲልካ ምንባር ማለት እዩ። ጳውሎስ ነቲ ካብ ክርስቶስ ዝመጽእ ጥበብ ካብቲ ናይ እዛ ዓለም ፍልስፍና ፈላልዩ ይርእዮ፥ እዚ ኸአ ሕጊ ክርስቶስ ንቃል/ሕጊ ሰብ ዝሓልፎን ልዕሊኡን ከም ዝኾነ ይገልጾ። እቲ ካብ አምላኽ ዝመጽእ ሕጊ መለኮታዊ ተገልጾ ዘልኦ ክኸውን እንከሎ ናይ ሰብ ጥበብ ግን በራስን ውሱንን እዩ። ኢየሱስ ነዚ ገሊጹ ክምህረና እንከሎ እቶም ኻብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወልደ ኸአ መንፈስ እዩ (ዮሓ 3፡6) ይብለና።

አብ ወንጌል ማቴዎስ ዋሕስ እምነትናን አብቲ ዘይበርስን ነባርን ነገራት ገርና ክነብር ይነግረና። ሃብትኹም አብ ሰማይ ብልዕን ምምራትን አብ ዘየበላሽዎ ሰረቕቲ ዂዒቶም አብ ዘይሰርቅዎ አክቡ ይብለና፥ እዚ ኽብል እንከሎ ብዝያዳ አብ ትምህርቲ ወንጌል አተኲርና ብእምነት እናዓበና ቅዱስ ሕይወት ክነብር ካብ ናይ እዚ ዓለም ሃብትን ካልእ ዘዘንግዓና ነገራት ክንጥንቀቕ እዩ ዝነግር። እዚ ትምህርቲ ብዝያድ ዘተክሮ አብ እትገብሮ ዘይኮነ አብቲ ክትኮኖ ዘሎካ እዩ። አብ ሰማይ ሃብቲ ክንእክበሉ እንኽእል ብዙሕ አሎ ካብ ዘሎና ነገራት ንጽጉማት እንተ መቐልና እምነትናን አብ አምላኽ ገርና ንነገራት ከም ሓለፍቲ ምዃኖም ርኢና ከም መገበሪ እምበር ክነምልኾም ከም ዘይግብአና ክንሓስብእንተ ኽኢልና።

ኢየሱስ ቀጺሉ ሃብትኻ አብ ዘለዎ ልብኻ አብኡ አሎ ይብለና። እቲ ሕቶ ሃብተይ አበይ እዩ ዘሎ? አብ ሕይወተይ ብዝያዳ ዋጋ ዝህቦ እንታይ እዩ? ነቲ አብ ሕይወተይ ዘሎ ነገራት ብኸመይ እገልጾ? ነዚ ክንምልስ እንከሎና አብታ ካልአይቲ ክፍሊ ይወስደና። ዓይኒ ናይ ሰውነት መብራህቲ እዩ። እዚ ማለት ብውሽጢ ሕልናዊ ዓይነይ ዝርእዮ ንኹሉ ሕይወተይ ወሳኒ እዩ። ዓይንኻ ጥዑይ እንተ ድአ ኾይኑ ንዘሎ ሰውነትካ ብሩህ ይኸውን፥ ዓይንኻ ሕሙም እንተ ደአ ኾይኑ ግና ብዘሎ ሰውነትካ ጸልማት ይኸውን። አብዚ ጊዜ ጾም ነዚ ሓቂ ርኢና ክንክእል እሞ እቲ ዝድለ ክንገብር ይነግረና። ሓደ ሰብ ኲኖ ገንዘብ፥ ክብሪ፥ ሥልጣን ወይ ዝና ክርኢ ዘይክአለ አብ ጸልማት እዩ ዝነብር ዘሎ። ሕይወት ትርጉሙ ነዚ ሓላፊ ዝኾነ ነገራት ምርካብ አይኮነን ዓላምኡ። ሕይወት መን ምዃና እዩ፥ ብዛዕባ ፍቕርን አብ መንጎ ዘሎ ርክብን እዩ። አብዚ መሰረት ገርና ብፍላይ አብዚ ቅዱስ እዋን ጾም ንሓቀኛ ሃብትን ነቲ አብ ሕይወት ወዲሰብ ቀንድን ጠቓምን ዝኾነ ነገራት ክነተኩርን ርኢና ክንክእል ብርሃኑ ክሰደልና አበርቲዕና ክንጽሊ ይግብአና።

ኢየሱስ ቀጺሉ ንኽልተ ጎይቶት ክትግዝኡ አይክአልን እዩ ይብለና፥ ስለዚ አብ ሕይወት ዝግበር ምርጫ ክንገብር አሎና ወይ ነቲ ኢየሱስ ዘቕርበልና ሕይወት ወይ ከአ ነቲ ብገንዘብ ወይ ብኻልእ ዝመጽአና ክብርታት መሪጽና ክንክእል አሎና። ሓንቲ ብርህቲ ትምህርቲ ንአምላኽን ሰይጣንን ክነገልግል አይክአልን እዩ። ብዝርአ ብግዳም ጥዑያት እንተ መሰልና ብውሽጥና ግን አብ ኃጢአት ንነብር እንተ ኾና ከም አብ ጭቃ እንነብር እዩ።

ብእትበልዕዎን ብትሰትይዎን አይትሸገሩ ይብለና። ብዛዕባ አብ መጻእ ንዝኸውን ምጭናቕን ምሽጋርን ንግዜኻን ሓይላኽን ብኾንቱ ምሕላፍ እዩ። ንአዕዋፍ ሰማይ፥ ንዕምባታት መሮር  ክንጥምት ይነግረና። ሓንቲ ዝገብርዎ የብሎምን አምላኽ እዩ ኩሉ ዝገብረሎም። እሞ ክንደይ ጽቡቓት እዮም፥ ግዚኦም ምስ በጽሐ ይሓልፉ።

ንሕና ብዙሕ ጊዜ አብ ዝሓለፍ ነገራት ክንጭነቕ ንነብር ወይ ከአ አብ ዝመጽእ እንታይ ክኸውን እየ እናበልና ክንሽገር ንነብር። ሓጎስን ደስታን አብዛ ሕጂ እንነብራ ዘሎና እያ እትርከብ። ወላ አብ ዝኾነ ካልእ ጊዜ አይትርከብ እያ። ንድሕሪት ወይ ንቕድሚት ንጠምት ንሓጎስ ክነርኽባ አይንኽእልን ኢና። አብዛ ሕጂ ዘሎናዮ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ክንርድአ ወይ ክንሕዛ እንተ ኸአልና ጥራሕ ኢና ክንረኽባ እንኽእል። ኣባ እንጦንዮስ ብዓል መሎ ዝብሃሉ ከም ዝብልዎ ንስኻ ሕጂ አብዛ ስዓት ሕጉስ ክትከውን ኩሉ ተዋሂቡካ አሎ ይብሉ። ነዛኣ ሓሳብ ተረዲእና በዚ እንብሎ ክነብር እንተ ንፍትን ክንደይ አብ ሕይወትና ምተለወጥና። እዚ ማለት ሕጂ አብዛ ስዓት ሕይወተይ አተሓሳስባይ ጠባየይ ኮታስ ኩሉ ከመሎኹ ክንብል እንተ ኸአልና እሞ ርኢና እንተ ለወጥና እዚ እዩ ፍጹም ሓጎስ ዘውርደልና። ምኽንያቱ ሓጎስ ቅሳነት ሰላም አብዛ ሕጂ ዘሎናያ ሕይወት እያ እትርከብ። ናይ ትማላ ሓጎስ ሓሊፋ እያ፥ ናይ ጽባሕ ሓጎስ ጌና አይመጽአትን አላ። ሕጂ ሕጉስ እንተ ዘይኮይነ ንኹሉ ጊዜ ሕጉስ አይኽኸውን እየ።

ስለዚ ንምኽሪ ኢየሱስ “ብዛዕባ ጽባሕ አይትጨነቑ፥ ጽባሕ ናይ ገዛእ ርእሳ አልአ። አምላኽ አብዚ ምሳና አሎ አብ ካልእ የለን ስለዚ ንአኡ ርኢና ክንክእል አብዚ ጾም ብዝያዳ ንሕተት አሎና። ጾምና ፍረ ክህልዎ እምብአር አብ ሕይወትና ሒዝናዮ እንጉዓዝ ድኽመትና ክነራግፍ ብሓዲስ መንፈስን ጠባይን ክንትክኦ፥ አብ ብርሃን ክርስቶስ ክንአቱ ዓይኒ ሕልናና ንሓቂ ክርስቶስ ከም ዝርኢ ንግበሮ።

ጾም ፵ ቀንዲ መልእኽቱ  እምብአር ምስ ክርስቶስ ፍጹም ርክብ ክገብር እሞ ንኹሉ ኃጢአት ስዒርና አብ ጽድቅን ንስሓን ክንምለስ እዩ። ነዚ ክንገብር ክንሓልፎ ዘሎና ፈተናን ተጋድሎን አሎና። አብ ቅድሚ መንበር አምላኽ ተደፊእና ዝተነስሓ ልቢ ሒዝና ክንቅርብ አሎና። ጾምና ልዕሊ ኹሉ ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ግዳማዊ ጥራሕ ከይከውን። ከምቲ ኢዮኤል ነብይ ዝብለና ብጾምን ብብኽያትን ብቑዝምማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፥ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደአ ቕደዱ ዝብል ነፍሲ ወከፍና አብ ሕልናና ንእቶ ቀለዓለም ዝመልኦ ሕይወት ይአኽለና ጾም ንጹም ሓውናን/ሓፍትናን ነፍቅር ሕጊ አምላኽ ነኽብር ሽዑ ገጽ አምላኽ ክንርኢ ኢና።

አምላኽ ዝሓተና አለዎ ብዝርአ ጥራሕ ክነምልኾ ከም ዘይደሊ፥ ንሕጉ ሓንቲ ዋጋ ዘይንህብ እንከሎና ግን ብግዳማዊ ነገር ከም ደቁ ኮና ብኽልተ ገጽ ክንከይድ አይ ደልን እዩ። ሓዲኡ ክንመርጽ እዩ ዝደሊ። ከምቲ ሙሴ ቅድሚ ሞቱ ንሕዝቢ እስራኤል ሎሚ ሕይወትን በረኸትን ሞትን ጥፍአትን አብ ቅድሜኹም አንብረልኩም አሎኹ . . . . ብሕይወት ክትነብሩ ክትበዝኁን አምላኽኩም መታን ክባርኸኩም፥ ንእግዚአብሔር ክተፍቅርዎ ብመገዱ ክትከዱ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ፍርድታቱን ድማ ክትሕልዉ አነ ሎሚ እእዝዘኩም አሎኹ፥ ዝበሎም ሎሚ ቤተ ክርስትያን አፍ ክርስቶስ ኮይና መንገዲ አምላኽ ክንመርጽ ትሓተና አላ።

አብዚ ቅዱስ እዋን ጾም እምብአር ንሕግን ስርዓትን ክንሕሉ መብጽዓና ክነሓድስ፥ ነቲ ውሃብ ሕጊ አምላኽና ኸአ ሓግዘና ከም ምሕረትካ እምበር ከም በደልና አይትኽደና ንበሎ።

ብሩኽ ጾም ገሩ አብ ንስሓን ዕርቅን ቅድስናን ዘብጽሕ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

29 February 2020, 18:03