፬ይ ሰንበት ዘአስተርእዮ ፩ የካቲት 2012 ዓ.ም. (2/09/20)

መዝሙር፡ ተወልደ ኢየሱስ በቤተልሔም ዘይሁዳ. . . . . . . ኢየሱስ ብዓቢ ክብሪ ካብ ድንግል አብ ቤተልሔም ዘይሁዳ ተወሊዱ፥ ተወሊዱ ተጠሚቑ ብልደቱ ምእንቲ ክንሕጎስ ብግልጸቱ ደስ ክብለና ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ሮሜ 1፡1-12፥ 1ጴጥ 1፡13-22፥ ግ.ሓ 19፡1-10፥ ዮሓ 5:16-29።  ምስባክ፡ አምጽኡ ለእግዚአብሔር በሓውርተ አሕዛብ፡ አምጽኡ ለእግዚአብሔር ክብረ ወስብሓተ፥ አምጽኡ ለእግዚአብሔር ስብሓተ ለስሙ። መዝ 29፡1-2።

ዘመን ዘአስተርእዮ ኢና ዘሎና፥ ወዲ አምላኽ ከማና መሲሉ ፍቕሪ አምላኽን መገዲ ድሕነት ክገልጽ አብ መንጎና ዝኃደሮ ዝሕብር ቅዱስ እዋን ኢና ዘሎና። አብ መዓልቲ ሰንበት አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ሓቢርና ክንጽሊ ከሎና አብ ዝለዓለ መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ ንርከብ። አምላኽ ብርእሱ ሰዋዕን ተሰዋዕን ኮይኑ ይቐርበና ስለዚ ነዚ ርኡይ ግለጸት ተረዲእና ብወገና ንጣዕሚ ፍቕሩ ክነስተማቕር እሞ አብ ትሕቲ ሥልጣን ኢየሱስ ክነብር ፍቓደኛታት ንኹን።

አብ ሰናብቲ ዘአስተርእዮ ኢየሱስ ንሱ እቲ መስሕ ከም ዝኾነ መንነቱ ከም ዝገለጸ ዝነግር ነስተንትን፥ ከምኡ ንቀዳሞት ሓዋርያቱ ከም ዝሓረየ እናአስተና ንአና እውን ዕለት ዕለት አብኡ አሚና ክንምስክሮ ክንሰብኮ ከም ዝጽውዓና ክንዝክር ይሕግዘና። ካብቲ ዓበይቲ ፍጻሜታት ኢየሱስ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ብዮሓንስ ከም ዝተጠምቀን፥ ትርጉምን ዓላማን ተልእኮኡ ከም ዘስተምሃረ፥ ንብዙሓት ሕሙማት ከም ዘሕወየ ከምኡ ምስኡ ኮይኖም ነቲ ንሱ ዝገበሮ ዝገብሩ ቀዳሞት አርድእቱ ከም ዝሓረየ ኩሎም ወንጌላውያን ይነግሩና።

ሎሚ ኸአ አብ ዮሓ 5፡16-29 መሰረት ገርና ሓቀኛ ሕይወት ብኢየሱስ ከም ዝርከብን ንሱ ወዲ አምላኽ ንኹሉ ኽገዝእ ስልጣን ከም ዝተዋህቦ አስተንቲና ክንግዝኦን ክነምልኾን፤ ከምኡ ትርጉምን ክብሪ ሰንበት እንታይ ከምዝኾነ ንሰማዕቱ ከም ዝገለጸ ንአና እውን ከም ዝገልጸልና ሰሚዕና ዝተሓደስ ርክብ ምስ አምላኽን ሰብን ክንገብር ዘዘኻክር ቃል እዩ።

አብ ሕጊ ሙሴ ሰንበት መዓልቲ ዕረፍቲ እያ፥ አይሁድ ንሰንበት አምላኽ ስለ ዘዕረፈ ክነዕርፍ ይግባእ ኢሎም ብሰንበት ዝኾነ ስራሕ አይገብሩን እዮም፥ እግዚአብሔር አብ ሻብዓይ መዓልቲ ካብ ምፍጣር አዕሪፉ ንዝብል ክንሓስብ እንከሎና ቅ. ቶማስ ብዓል አኲኖ ኢየሱስ ነዚ አዕሪፉ ዝብል ቃል ንቓሉ ምቱርጓሙ አይቅበሎን ምኽንያቱ ግጉይ ትርጉም ስለ ዘትሕዝ። እግዚአብሔር ካብ ምፍጣር እዩ ዘዕረፈ እምበር ካብ ምግባር አየዕረፈን ምኽንያቱ ህላዌ ናይ ዝኾነ ፍጡር አብቲ ምስ አምላኽ ዘለዎ ርክብ እዩ ዝምስረት፥ ካብ አምላኽ ሓንቲ ሰከንድ እውን እንተ ተፈለና ኩልና ፍጡራት ህላዌ የብልናን ስለዚ አምላኽ ምስ ፍጡራቱ ቀጻሊ ርክብ እዩ ዘለዎ።

ኢየሱስ አምላኽ ብቐጻሊ ከምዝዓዪ ከርድኦም ኢሉ “አቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ አሎ፥ አነው እዓዪ አሎዅ” ኢልዎም። ወልድ ምስ አብኡን ምስ መንፈስ ቅዱስን ሓደ አምላኽ ኮይኑ ብሓድነት ይዓዩ፥ በዚ ኢዩ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ ኩሉ ጊዜ እዓዪ አሎኹ ክብል ዝኽእል። በዚ አገላልጻ መለኮትነቱ ብተዘዋዋሪ ይገልጽ አሎ። አይሁድ ነዚ ስለ ዝተረድእዎ ክቐትልዎ ደልዮም ምኽንያቱ ንአምላኽ ምጽራፍ ኮይኑ ስለ ዝተረድኦም። አብ ኢሳ 63፡16 ከምኡ 64፡8 ግን “ንእግዚአብሔር ነቲ አብ ሰማይ ዘሎ አቦና ኢልና ንጽው”፥ አይሁድ ኢየሱስ ንእግዚአብሔር አቦይ ብምባሉ አይኮነን ሓሪቆም እንታይ ድአ ንሱ ከማና ዘይኮነስ ከም ካልእ ሰብ ገሩ ንርእሱ ማዕረ አምላኽ ገሩ ስለ ዝገለጸ እዩ። ንሕና ንአምላኽ አቦና እንብሎ ብጸጋ ደቁ ስለ ዝኾና ኢና፥ ኢየሱስ ንእግዚአብሔር አቦ ዝብሎ ብባሕሪኡ ወዱ ስለ ዝኾነ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ድሕሪ ትንሣኤኡ “አብ አቦይን አቦኹምን እዓርግ አሎኹ” ዝበሎም (ዮሓ 20፡17)። በዚ ኽአ ክልተ መገዲ ደቂ አምላኽ ዘብል ከምዘሎ ይገልጽ። ብባህሪ ውሉድ አምላኽ (ኢየሱስ ክርስቶስ)፥ ብጸጋ ውሉድ (adaption) አምላኽ ምዃን። ቅ. ጳውሎስ ነዚ ሓሳብ ምስ አምላኽ ዘሎና ቅርበት ከረድእ ኢሉ ደጋጊሙ ውሉድ አምላኽ፥ ተኻፈልቲ ጸጋ አምላኽ፥ ማኅደር መንፈስ ቅዱስ፥ ሕሩይ ሕዝቢ እናበለ አብ አምላኽ ዘሎና ውሉድነት ይገልጸልና።

ደቂ አምላኽ ክንብሃል እንከሎና ዝያዳ መግለጺኡ እንነብሮ ሕይወት፥ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብን ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብን እዩ ዝገልጽ። ግብርና ሕይወትና ምስ አምላኽ ከመይ ዝበለ ርክብ ከምዘሎና ስለ ዝገልጽ ክንርኢ ክንዕዘብ እዋኑ እዩ። ሎሚ ሰባት አባይ እንታይ ይርእዩ ኢልና ንነፍስና ክንሓትት አሎና። ስራሕን ቃል አምላኽን አባይ ክርአ እንተ ተኻእለ አብ ቅኑዕ ጉዕዞ ሕይወት አሎኹ ማለት እዩ፥ ሰይጣን ተዓዊትልና ካልእ ኮና እንተ አሎና ግን ክንምለስ እዋኑ እዩ።

ኢየሱስ ማዕርነትን ፍሉይነትን አብ መንጎ አቦን ወልድን ዘሎ ይነግረና። ክልቲኦም ማዕረ እዮም፥ ኩሉ ሥልጣን ወልድ ናይ አቦ እዩ፥ ኩሉ ወልድ ዝገብሮ አቦ እውን ይገብሮ እዩ፥ እንተኾነ ክልተ ዝተፈልዩ አካላት እዮም፥ በዚ እዩ ወልድ ነቲ አቦ ዝገብሮ ዝገብሮ። አብዚ ክነስተውዕል አሎና ወልድ ነቲ አቦ ኽገብሮ ዝርአየ ይገብር ዝብል ከየስምዕ። ከምቲ ሓደ ተመሃርያ ከም መምህሩ ክኸውን ዝደሊ ከየስምዕ። ንሱ ነቲ ንሱ ዝብሎ ይብል በዚ ኸአ ናይ አቦ ኃይሉ አብ ወልድ ብስርጸት (generation) ካብ አቦ ከም ዝወስድ ንምግላጽ እዩ። “ይርኢ” ዝብል ቃል ንጥቀም ምኽንያቱ ደቂ ሰብ ንነገራት ብምርአይ ኢና እንርድኦም። ወልድ ነቲ አቦ ዝገብሮ ይርኢ ክንብል እንከሎና ነቲ ንሱ ካብ ዘለዓለም ዝቅበሎ ኃይሊ ንምምልካት እዩ።

“አቦ ንወልድ የፍቅሮ እዩ፥ ነቲ ዚገብሮ ዘበለ ኸአ የርእዮ” ክብል እንከሎ ክርስቶስ ልክዕ ከምቲ አቦ ዝገብሮ ይገብር እዩ ትርጉሙ። ኢየሱስ ነቲ አምላኽ ጥራሕ ክገብሮ ዝኽእል ይግበር ክብል እንከሎ መለኮትነቱ እዩ ዝምስክር ዘሎ (ዮሓ 5፡36)።

ቅ. ዮሓንስ እዚ ኢየሱስ ንሰማዕቱ ዝበሎ ክገልጽ እንከሎ ንሱ መን ምዃኑን ምስ ሰማያዊ አብኡ ከመይ ዝበለ ርክብ ከምዘልኦ ንምግላጽ እዩ። ነዚ ከረድእ ኢሉ ሰለስተ ነገራት ይገልጽ።

1.      መንነቱ ምስ አምላኽ ማዕረ ይገብር። ብዛዕባ ኢየሱስ ጎሊሑ ዝርአ አብኡ አምላክ ንርኢ። አምላኽ ከመይ ገሩ ንሰብ ምልአት ከም ዝህቦ፥ ከመይ ገሩ ንኃጢአት ከም ዝነጽጎ ንኩነታት ሰብ ከመይ ገሩ ከም ዝግደስ ክንርኢ እንተ ደሊና አብ ኢየሱስ ክንጥምት ክንርኢ አሎና። ፍልጠት ኢየሱስ ፍልጠት አምላኽ እዩ፥ ቃል ኢየሱስ ቃል አምላኽ እዩ፥ ኩሉ ኢየሱስ ዝገብሮ ግብሪ አምላኽ  እዩ።

2.      እዚ መንነት እዚ ከምቲ አብ ምሉእ ተዘዝዞ ዘሎ ማዕርነት አይኮነን። ኢየሱስ ንሓደ ነገር ክገብር እንከሎ ድለቱ አይኮነን ዝገብር፥ ሰማያዊ አብኡ ክገብሮ ዝደልዮ እዩ ዝገብር። ምኽንያቱ ድለቱ ብምሉእ አብ ትሕቲ ድለት አምላኽ ገሩ አብኡ አምላኽ ከም እንርኢ ገሩና። ኢየሱስ ንአምላኽ ከምቲ ንሕና ንኢየሱስ እዩ።

3.      ምሉእ ተአዝዞ ክብሃል እንከሎ ብምሉእ አብትሕቲ ናይ ኃይሊ ስልጣን ዘይኮነ አብ ሓድነት ናይ ፍቕሪ ዝተሰረተ እዩ። ሓድነት ኢየሱስ ምስ አምላኽ ናይ ፍቕሪ ሓድነት እዩ። ብዛዕባ ክልተ ፍልጠት ንዛረብ ግን ሓደ ሓሳብ እዩ፥ ክልተ ልቢ ግን ከም ሓደ ህርመት እዩ። ብሰብአዊ ርድኢት እዚ ርክብ አብ መንጎ ኢየሱስን አምላኽን ዘሎ እቲ ዝበለጸ መግለጺ ርክብ እዩ። እዚ እዩ ፍጹም መንነት ናይ ፍልጠትን ድለትን ልብን ንአቦን ወልድን ሓደ እዮም።

ቅ. ዮሓንስ ሰለስተ ዓበይቲ ተግባራት ንኢየሱስ  ክርስቶስ ጥራሕ ከም ወዲ አምላኽ ዝምልከት ይነግረና።

·                ንሱ ውሃብ ሕይወት እዩ። ዮሓንስ ነዚ ክብል እንከሎ ብኽልተ ምልክዕ ይርእዮ። አብ ጊዜ ማለቱ እዩ። ንሕና ብምሉእ ሕይወት የብልና ክሳብ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሉእ አባና ዝአቱ ንሕና ኸአ አብ ኢየሱስ እንአቱ። ኢየሱስ አብ ሕይወቶም ዝአተዎም አብ ሓዲስ ሕይወት ይአትዉ። ግላዊ ርክባቶም ምስ ሰባት ዘለዎም ርክብ፥ አብ ሥርሖምን ኩሉ ይቕየር፥ እዚ ማለት ከአ አብ ዘለዓለም ማለት እዩ። እዚ ምድራዊ ሕይወት ምስተወድአ እቶም ንኢየሱስ ዝተቐበሉ ጌና ምሉእን ዘደንቕን ሕይወት እዮም ዝነብሩ። እቶም ምቕባል ዝአበዩ ከአ ሞት ትመጽኦም ንሱ ኸአ ንዘለዓልም ካብኡ ይፍለዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ እምብአር አብዚ ዓለምን አብ ዝመጽእን ሕይወት ይህበና።

·                ንሱ ፍርዲ ዘምጽእ እዩ። ዮሓንስ አምላኽ ኩሉ ፍርዲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝሃቦ ይነግረና። እዚ ማለት ከአ ፍርድና ንኢየሱስ ብከመይ ከም ዝቐረብናዮ እዩ። ምስ ኢየሱስ እቲ ክፍቀርን ክንክተሎን ዘሎና ምስኡ እንተ ተረኸብና አብ መገዲ ሕይወት አሎና። አብ ኢየሱስ ጸላኢ እንተ ረአና ንገዛእ ርእስና ኮኒና ማለት እዩ። ኢየሱስ መምዘኒና ኩልና እንፍተነሉ እዩ። ንኢየሱስ ምንጻግ ወይ ንእኡ ዘይምቅባል ንኹልና ዝመቓቅል ፈተና እዩ።

·                ንሱ ተቐባል ክብሪ እዩ። አብ ሓዲስ ኪዳን ንኹሉ ብመንፈስ ክብ ዘብል እቲ ዘይውዳእ ተስፋን ዘይስዓር ርግጽነትን እዩ። ብዛዕባ ሰቕለት ክርስቶስ ይዛረብ ግን ሰባት ወላ ኩሉ ይጸልምቶም ኩሎም አብ መጨረሻ ክፈልጥዎን ከፍቅርዎን እዮም። ስደት ሞት መከራ ንቀዳሞት ክርስትያን ክስዕሮም አይክአለን እኳድአ አብቲ ከቢድ ጽንኩር ጊዜ ዝያዳ ይብርትዑን ይበዝሑን ነሮም። ፍቕሪ ክርስቶስ እንተሎ ዝኾነ ኃይሊ አየሰንፈናን እዩ። ንድለትን ጸጋ አምላኽን ዝዓግቶ ኃይሊ የለን ሓንትስ ጸኒዕና አብኡ ንእመን።

ኢየሱስ ሎሚ ከም ትማሊ ንእኡ ምቅባል ሕይወት እዩ፥ ንእኡ ምንጻግ ከአ ሞት እዩ። ንቃል ኢየሱስ ምስማዕን አብቲ ዝልአኾ አቦ ምእማን ክንብል እንከሎና እንታይ ማለትና እዩ? ሰለስተ ነገራት የስምዕ።

1.      ከምቲ ኢየሱስ ዝብሎ እግዚአብሔር ዘሎ፥ ዝፍቀር፥ ምስኡ አብ ሓዲስ ርክብ ክትአቱ እሞ ንፍርሕን ምጥርጣርን ካባኻ ምእላይ እዩ።

2.      ነቲ ኢየሱስ ዘቕርበልና ሓዲስ መገዲ ሕይወት ምቕባል። ክሳብ ክንደይ ከቢድ ይኹን ክሳብ ክንደይ መስዋዕቲ ዝሓትት ይኹን እቲ ናይ መጨረሻ አብ ሰላምን ሓጎስን ዘእቱ ንሱ እዩ። ንአኡ ምእባይ ከአ አብ ናይ መጨረሻ ሞትን ፍርድን ምውራድ እዩ።

3.      ነቲ ዝተንሥአ ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ዘቕርቦ ሓገዝ ምቕባልን ንኹሉ ነቲ ኢየሱስ ክንከዶ ዝደልየና መገዲ ብእምነት አጽኒዕና ምሓዝ ይግባእ።

ነዚ እንተ ገበርና ምስ አምላኽን ሓውናን ሓፍትናን ምስ ገዛእ ርእስናን አብ ሓዲስ ሕይወትን ርክብን ንአቱ። አብ ክርስቶስ ምሉእ እምነት ገርና ንሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ክንተሓሓዞ ብምሉእ ልብና ንአምላኽ ንቀበሎ።

ማርያም አደና ብምሉእ ልባ ንድለት አምላኽ ተቐቢላ ዕለት እለት ሃዲስ ሕይወት ትነብር ነራ በዚ ኸአ አብነትና እያ። ንሕና ደቃ ኦ አደና አብ ሓዲስ ሕይወትን ርክብን ምስ ወድኺ ክንአቱ ሓግዝና ነበላ።

ብሩኽ ሰንበት ዘአስተርእዮ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

06 February 2020, 17:00