ብዓለ ኪዳነ ምሕረት 16 የካትት 2012 ዓ.ም. (02/24/2020)

እስመ ትቤ ለዓለም አሓንጽ ምሕረተ በሰማይ ጸንዐ ጽድቀከ፥ ኪዳን ተካዮድኩ ምስለ ኅሩያንየ። “ንዓለም ምሕረት ክገብር እዩ፥ አብ ሰማይ ኪዳንካ ጽኑዕ እዩ፥ ምስቶም ሕሩያነይ ኪዳን አትየ እየ” መዝ. 89፡1-2።
ብድምጺ ንምክትታል!

ደቂ ኪዳነ ምሕረት ዓመታዊ ዝኽሪ ብዓል አደና ነብዕል አሎና። አብ ዓለም ክልተ ነገራት አለዋ ወላ እንተ ደለና ክንቅይረን ዘይንኽእል፥ አደኻን ዓድኻን ካልእ ኩሉ ክቕየር ይክአል እዩ እዘን ክልተ ግን አይቅየራን እየን፥ ስለዚ ንመንፈሳዊት አደና ዘኪርና ዓመት ዓመት ነቲ ዘይቅየርን ዘይሃስስን ፍቕራ ዘኪርና አብ ፈቃር አደና ክንምለስ መብጽዓና ንሓድስ።

ታሪኽካ መዕበያኻ ከባቢ ዝዓበኻሉ ከምኡ መሳቱኻ ወለድኻ ቍምስናኻ መማህራንካ ቆመሳትካ ደናግል እናቴታት ኩሉ ትምህርቲ ክርስቶስ ዘስተምሃራና ምዝካር ተሓድሶ ይፈጥረልና። ንዝሓለፈ ኩሉ ብምዝካር ህያው ንገብሮ። አብ ሕይወት ሰብ እንተ ጠመትና ሰለስተ ነገራት አብ ግምት አእቲና ክንከይድ ዝግብአና አሎ፥ ዝሓለፈ ዘሎ ዝመጽእ። ዝሓለፈ ነዚ ዘሎ ስለ ዘምጽአ አሎ፥ እዚ ሕጂ ዘሎ ኸአ ህልው ኮይኑ ከምቲ ዘልኦ አሎ፥ ዝመጽእ አብዚ ዘሎ ስለ ዝምስረት አሎ። ተዘክሮ እምብአር ነዚ መንፈስ እዩ ዝፈጥረልና። ንአና ደቂ ኪዳነ ምሕረት ተዘክሮና ፍሉይ ዝገብሮ አብ ሓደ ነገር ስለ ዘተኩር እዩ አብታ ዑቕባናን ዑቕባ ሃገርናን ዝኾነ ኪዳነ ምሕረት ስለ እንዝክር።

ኪዳነ ምሕረት መን እያ? ስለምንታይከ ነብዕላን ንዝክራን? ማርያም መን እያ? እዝን ካልእን ክንምልስ እንተ ኸኣልና ትርጉም ብዓልና ጎሊሕይ ክርአየናን ክንርዳአናን እዩ።  

ኪዳነም ምሕረት ተባሂላ እትጽዋዕ ማርያም አደ ኢየሱስ አደ አምላኽ አደና እያ። ኪዳነ ምሕረት ዘብላ እቲ አምላኽ ነቦና አዳም ኃጢአት ምስ ገበረ ከድሕኖ ዝአተዎ ድሕነት ብአ አቢሉ ስለ ዝተፈጸመ ናይ ኪዳን አደ ንብላ። አምላኽን ሰብን ክዕረቑ መንጎኛ ክትከውን ብአምላኽ ዝተሓርየት ዓራቒት መንጎኛ አደ እያ። በዚ መሰረት ኪዳነ ምሕረት ንብላ። አበው ነዚ ከረድኡና ኢሎም፡ “ተፈጸመ ተስፋ አበው በማርያም ድንግል ወበ ቀራንዮ ተተክለ መድኃኒት መስቀል” እናበሉ ይጽልዩ። ናይ ማርያም ስራሕ ምስቲ ናይ ክርስቶስ ስቕለት አተሓሒዞም ይርእይዎ።

ስለምንታይ ብዓል ንገብረላ ሓንሳብ ተፈጺሙ እዩ ስለዚ ምዝካራ የድልዶ? ጉዳይ ድሕነት እንድሕሪ ተፈጺሙ ሎሚ ምዝካሩ እንታይ አድለየ? ጉዳይ ድሕነት ጉዳይና እዩ፥ ብማርያም አቢሉ ክርስቶስ አድሒኑና ደቂ ሰማይ ገሩና እንተ ኾነ በሰላ ኃጢአት አይኃደገናን ኩሉ ጊዜ ዝንባሌ ኃጢአት ስለ ዘሎና ሓገዝ ድሕነትና የድልየና፥ እዚ ሓደ ካብቲ ምኽንያት ተዘክሮና እዩ። ካልአይ ሰብ ክዝክር እንከሎ ነቲ ዝተገብረሉ ሕያው ይገብሮ አብ ሓዲስ ፍቕርን ርክብን ይአቱ፥ ንሕና ክንዝክር ከሎና ነቲ ብማርያም አቢሉ ቅድሚ 2000 ዓመት አባና መጺኡ ዝፈጸሞ ዝኽሪ ጥራሕ ዘይኮነ ብሓቂ ከም ዝፍጸም ንገብሮ። ባዕሉ ክርስቶስ ኩሉ ጊዜ ክንእከብ ከሎና ንዝኽሩ ክንገብሮ ነጊሩና እዩ።

እነብዕሎ ነቲ አምላኽ ብማርያም ገሩ ዝገበረልና ኢና እነብዕል፥ ማእከል እምነትና አምላኽ እዩ ማርያም መታዓይይቲ አምላኽ እያ እምበር ማዕረ አምላኽ ገርና አይኮናን እንርእያ ወይ እነኽብራ። ብኻልእ ወገን ከአ ማርያም ከም ማንም ሰብ ሓንቲ ዘይብላ አምላኽ ብአ አቢሉ ድላዩ ምስ ገበረ ክንዝክራ ክነብዕላ አይግብአና እንተ በልና ነቲ አምላኽ ዝገበሮ ንጻረር አሎና። መጀመርያ ንማርያም ዝሓረየ አምላኽ ባዕሉ እዩ፥ አብ መጽሓፍ ቅዳሴና ነዚ ከረድእ ኢሉ “ሰሜን ደቡብ ምስራቕ ምዕራብ ጠመተ ከማኺ ዝበለ አይረኸበን” እናበልና አብ አኮቴተ ቍርባን ጎስዓ እንረኽቦ ናይ ማርያም ሕርየት ይገልጸልና። መልአኹ ልኢኹ ድላዩ እንታይ ምዃኑ ንሳ ከመይ ዝበለ ጻጋ ከምዝተዓደለት አብ ወንጌል ሉቃስ ይነግረና ስለዚ ናይ ማርያም ክብርን ዕብየትን ካብ አምላኽ ስለ ዝኾነ ክነኽብራ ምርጫና ዘይኮነስ አምላኽ ዝደለዮ ስለ ዝኾነ ነኽብራ።

ማርያም ንዕድመ አምላኽ ክትቅበል ፍቓደኛ ምስ ኮነት ብመንፈስ ቅዱስ ካልአይ አካል ቅድስት ሥላሴ አብ ማሕፀና ኃዲሩ፥ ካብኡ ንድኃር ማርያም አብ ድሕነት ደቂ አዳም ወፊራ። እንዳ ዘካርያስ ክትሕግዝ ከይዳ፥ አብ ቃና ዘገሊላ ንጽጉማት ሰብ መርዓ መጀመርያ ተአምራት ወዳ ከም ዝፍጸም ገራ፥ አብ ጉዕዞ ቀራንዮ ምስኡ ተጓዒዛ ከም መስዋዕቲ አቕሪባቶ፥ ወዳ እውን አብ አፍደገ ሞት እንከሎ እንሃ አደኹም እነዉ ደቅኺ ኢሉ ብሕድርን ብለበዋን ደቃ ገሩና፥ እዚ ንማርያም ካብ ኩልና ፍልይቲ ይገብራ።

ግ.ሓ. ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ሞት ኢየሱስ አብ ብላዕለዋይ አዳርሽ ዝፍለጥ አብ ተአኪቦምሉ ዝነበሩ ብሓባር እንከለዉ አካቢቶም አጸናንዒቶም ከምኡ ዝዓበየ መንፈስ ቅዱስ ክወርዶም ብጸሎት ትመርሖምን ተሰናድዎምን ነራ። ማርያም አካቢት አጸናንዒት ሓጋዚት እዩ ባህራ። እዚ ሎሚ እውን ክትገብሮ አየጸግማን እዩ ሓንትስ ምስአ ንትአከብ ምስአ ንጸሊ ወዳ ዝበለና ንስማዕ።

ወደይ ዝበለኩም ስምዑ እዩ ለበውአ፥ ወዳ እንታይ እዩ ለበውኡ? ወዳ ካባና ዝደልዮ አብ እምነትና ጽኑዓት ክንከውን ቦታ አምላኽ ዝትክእ ዝኾነ ነገር አባና ከይርከብ። ማእከል ሕይወትና አምላኽ ገርና ክነብር ድላይ ወዳ እዩ። ፍቕሪ ሰላም ትሕትና ሓልዮት አብ ኩሉ ሕይወትና ክርከብ ለበዋ ወዳ እዩ። ለበዋ ከቢድ እዩ ዝኾነ ክቕይሮ አይክእልን እዩ። ማርያም ለበዋኹም ሓልዉ እዩ ዝብል ድለታ። ሎሚ አብዚ ነቲ ብንአሽቱና ካብ ማርያም ዝረኸብናዮ ፍቕሪ ሓልዮት ኩሉ ክንዝክር እንከሎና ምስ ማርያም ዘሎና መብጽዓ ክንሕድስ ምእንቲ እዩ። ብሓቂዶ ወዲ/ጓል ማርያም አሎኹ ኢልና ርእስና ክንሓትት ይግባእ።

ሕይወትና እምነትና ከመሎ? ኢልና ከም መስትያት አብ ርእስና ክንርኢ ጽቡቕ አጋጣሚ እዩ። ኩሉ ከም ዝደለኻዮ ከም ዝጠዓመካ ክትከይድ አይክአልን እዩ፥ ዓለምና ሎሚ ካብ ጸገም ዘቃልል ዘብዝሕ እዩ ከቢድዋ ዘሎ ንሕና እውን አብ ዓለም ስለ ዘሎና ከም ዝጸልወና ርግጽ እዩ? እንታይ ንግበር ዘሎናዮ ሕይወት እንጉዓዞ መገዲ ርኢና ክንክእል አሎና። ንርእስና ንርአ እሞ አበይ ከምዘሎናን አበይ ገጽና ንጉዓዝ ከምዘሎና ምርአይ የድልየና። እምነትና ልምዲ ጥራሕ ኮይኑ ከይህሉ ከምቲ አብ ወንጌል ዘሎ ብዓል ሓደ ቕርሺ ኮና ከይንህሉ ምርአይ የድልየና።

ብፍሉይ ሎሚ ብስም ማርያም እንታይ እዩ ክንግብር ዘሎና? ዓመት ዓመት ብዓል ማርያም ንዝክር ነብዕል ኢና ብሓቂ ኸአ ዘሕጉስ እዩ እንተ ኾነ አብ ገለ እዋን ደቂ ሰብ ልምዲ ከምዘይንዓቢ ይገብረና እዩ። ብዓል ክነብዕል ከሎና ብዝያዳ ቅዱሳን ክንከውን ንማለት እዩ ስለዚ እዚ ብዓልና ናይ ቅድስና ብዓል ስለ ዝኾነ፥ ልዕሊኡ ክንሓልፍ ዝግድደና አሎ። ወረስቲ ቤትና ዓድና ባህልና እምነትና ንሕና ኢና። እምነት ክትወርሶ ክብሃል እንከሎ ብምልኡ ነቲ ካብ መጀመርያ ዝተቐበልካዮ ሕያው ገርካ አብ ደቅኻን አብ ከባቢኻን ምምስካሩ እዩ። ንስለ ስም ጥራሕ ክነብዕል ለውጢ አየምጽአልናን እዩ፥ ከመሎኹ ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ከምቲ ንእሽቶይ ከሎኹ ዝጎዮን ዝናፍቆን ዝነበርኩ እምነተይ ሎሚ ከምኡ ሕያው ዘሎኹ፥ አብ ሓዳረይ ከመሎኹ እሙን ካቶሊካዊ ኮይነዶ እነብር አሎኹ ወይስ አይ ምዉት አይ ህልው ኮይነ እነብር አሎኹ፥ ሓዳረይከ ከመሎ ደቀይከ ከምቲ አነ ዝወረስኩ እምነቶም አውርሶም ዘሎኹ ኢልና ምስ ነፍስና ክንተሓታተት አሎና።

ካብዚ ቦታ አብ ገገዛና ክንምለስ እንከሎና አብ ሕይወትና አብ ርክባትና ሓደ መልእኽቲ ሒዝና ክንምለስ አሎና። እንማልኦ ኸአ ከምቲ አደታትና ክምህለላ እንከለዋ ዝብልኦ ዝነበራ “እዚ ኹሉ አበይ ዝበለ አብ እኖይ ማርያም ተስፋ ዝደለ” ዝብልኦ ዝነበራ ሎሚ ክንምለስ ከሎና ምስ ማርያም ቀኒና ውዒልና ስለዚ ተሓዲስና ክንብል ይግባእ። አሕዋተይ ፍቕሪ ክተዕብያ ክትኪስኩሳ ቀሊል አይኮነን አብ ገለ እዋን ክትጾሮ ክትሓልፎ ዘሎካ ነገራት አሎ። ንስለ ፍቕሪ ንስለ ሕውነት መስዋዕቲ ክንገብር እንከሎና ፍረ አልኦ። ሕውነትና ፍቕርና ክዓቢ ናይ ነፍሲ ወከፍና ተሳትፎን ድለትን የድሊ።

እዋና ጽልእን ክሕደትን ጥልመትን መን ከማይ እናበልካ ንመአዲ ፍቕሪ ሓዲግና አብ ዘይተደለ ጽልእን ቅርሕንትን እንርከብ ውሑዳት አይኮናን። ሰብ ሎሚ እንታይ ጸጊሙካ/ኪ እንተበልካ አብ ክንዲ አብሓቅን ፍትሕን አሚኑ ዕርቂ ሓዉን ሓፍቱን ዝምነ እናሓንሓነ አነዶ ከምዚ እብሃል አነዶ እዚ እርክብ እናበልና ንመአዲ ፍቕሪ ተሓሪምና ዝሸፈተ ልቢ ሒዝና ንአምላኽን ሰብን እነጉሂ ውሑዳት አይኮናን። እሞ እንታይ ንግበር ኢልና ክንሓትት ይግብአና። መልሱ ንስሓን ሕድገት ኃጢአትን ክንልምን አሎና። በደል ከምዘሎ ክንክሕዶ አይንኽእልን ምኽንያቱ አብ ሓቅን ሰላምን ፍቕርን እንነብር እንተ ንኸውን ግብርናን ሕይወትናን ባዕሉ ምመስከረልና ስለዚ ንስሓ ክንአቱ እዋኑ እዩ።

ብዓልና ብዓል ንስሓን ዕርቅን ፍቕርን እዩ። ማርያም ንአምላኽ ብምውላዳ ፍቕሪ አምጺአትልና ንሕና ኸአ አብ ሕይወትናን ሕወት ካልኦት ክነምጽኦ ዝግብአና አለሊና አወጅቲ ሕድገትን ፍቕርን ንኹን። ብርግጽ ነዚ ክንገብር ክንሓልፎ ዘሎና አሎና። ምሉእ እምነት አብ አምላኽ ገርና ንመሓሪ አምላኽ ክንምሕር ሓግዘና ንበሎ። ኢየሱስ አብ መስቀል እንከሎ ዝመሃረና ምሕረት ሕድገት እዩ። ማርያም አብ ጎኑ ደው ኢላ ንወዳ ንመዋዕቲ ክተዕርጎ እንከላ ንሳ እውን ምሒረ አሎኹ ኢላ እያ ምኽንያቱ ወዳ መን ምዃን ትፈልጥ ስለ ዝነበረት ነገር ሰብ ንአአ ወላ ሓንቲ አይኮነን፥ አሰር ወዳ ነቶም ቀተልቲ ወዳ ብንብዓታ ምሕረት አዊሣትሎም።።

በዚ ብሪኽ ብዓል ኪዳነ ምሕረት ፍሉይ ጸጋ የድልየና አሎ። ከመሎና እምነትና ርክባትና መንፈሳውነትን ከመሎ። ነፍሲ ወከፍ አብ ልቡ አትዩ ንኪዳነ ምህርት መልሲ ይሃብ። ሓቀኛ ሕልናዊ መርመራ ዝገበረ ሓቀኛ መልሲ ሕይወቱ ክርከብ እዩ። እሞ አብ ቅድሚ እኖና ኪዳምህረት ቀሪብና ኦ አደና ምስ ወድኺ ዕረቕና ሰላም ፍቕር አብ ሕወት ነፍሲወከፍናን አብ ሃገርናን ዓለምናን አውርድልና ንበላ አምላኽ ብአማላድነት አዲኡ ይትዓረቐና።

ኦ ኪዳነ ምህረት ሰአሊ ለነ።

ብሩክ አውደ ዓመት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

22 February 2020, 14:26