ምስሪ፡ ናይ ሚንያ ጳጳስ፥ ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንቆጵጣውያን ሰማእታት ሊቢያ ምስሪ፡ ናይ ሚንያ ጳጳስ፥ ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንቆጵጣውያን ሰማእታት ሊቢያ 

ምስሪ፡ ናይ ሚንያ ጳጳስ፥ ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንቆጵጣውያን ሰማእታት ሊቢያ

ናይቶም ናይ ምስሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ሰማዕትነት ንሕይወትን ብሕይወትን እዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ጥልቂ መቓርብ እምነት ምዃኑ ኣብ ምስሪ ናይ ሰበኻ ሚንያ ቆጵጣዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቦጥሮስ ፋሒም ኣዋድ ሓና ገሊጾም

ኣብ ምስሪ ዞባ ሳማሉት፥ ኣብ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት 21 ቆጵጣውያን ሰማእታት ሊቢያ፡ ነዞም ሰማእታት እምነት እትወከፍ ዝተሓንጸት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 14 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ከምእተባረኸትን፡ እቲ መዓልቲ ዝኽሪ ምስራውያን ምእመናን ኣብ ዝዀነ ይኹን ጽንኵር እዋን ኵሉ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም እምነቶም ክምስክሩን ጽኑዓት ኣብ እምነት ንኽዀኑ ዘበራትዕ ምዃኑ ኣብ ምስሪ ናይ ሰበኽ ምንያ ቆጵጣዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቦትሮስ ፋሒም ኣዋድ ሓና ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዕለት 15 ለካቲት ኣቶም ኣብ ሊቢያ በቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ቢሉ ዝሰመየ ጉጅለ ኣሸበርቲ መኽረርቲ ሃማኖት ምስልምና ኣብ ልዕሊ 21 ቆጵጣውያን ክርስቲያን ዝፈጸሞ መቕተልቲ  ዘርእይ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣብ ዝዘርጋሓሉ እዋን፡ ቅዱስ ኣቦና ናይ ስኮትላንድ ፕሮተስታንት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረብሉ እዋን፡ ዝተሰምዖን ጥልቂ ሓዘን ገሊጾም፡ እቶም ቆጵጣውያን ክርስቲያን ኣብታ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐብሉላ እዋን ኢየሱስ ደግፈኒ እትብል ቃል ብልቦም ከምዝደገሙ ርግጸይና እየ፡ ክርስቲያን ብምዃኖም ዝተቐትሉ እያቶም፡ ደሞም ናይ ንዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ኣብ ደም ሰማዕታት ዝብል እዩ ከምዝበሉ ዘዘኻኸረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ምስሪ፡ ናይ ሚንያ ጳጳስ፥ ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንቆጵጣውያን ሰማእታት ሊቢያ
ምስሪ፡ ናይ ሚንያ ጳጳስ፥ ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንቆጵጣውያን ሰማእታት ሊቢያ

ንሕይወት ብሕይወት

ናይቶም ናይ ምስሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ሰማዕትነት ንሕይወትን ብሕይወትን እዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ጥልቂ መቓርብ እምነት ምዃኑ  ኣብ ምስሪ ናይ ሰበኻ ሚንያ ቆጵጣዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቦጥሮስ ፋሒም ኣዋድ ሓና ገሊጾም፡ ሰማዕትነት ዝከኣል ብሓይልን ጸጋን ጐይታ ጥራሕ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ምስሪ፡ ናይ ሚንያ ጳጳስ፥ ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንቆጵጣውያን ሰማእታት ሊቢያ
ምስሪ፡ ናይ ሚንያ ጳጳስ፥ ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንቆጵጣውያን ሰማእታት ሊቢያ

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ደም ሰማዕትነት ዕለታዊ ሕይወት እዩ፡ ምእንቲ’ዚ እዩ ኸኣ ናይቲ ከባቢ ማሕበረ ክርስቲያን ብሓባር ዝጓዓዝን ዝደጋገፍን ዝቀራረብን፡ ስለምንታይ ኣብ ስቓይን ስደትን መከራን ክርስቲያንን፡ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ስለ ስለ ዝቐራረብ፡ ብዙሕ እዋን መከራን ስቓይን ንጥልቂ ውህደት ዝድርኽ እዩ፡ እታ ነቶም ሰማዕታት እተወከፈት ቤተ ክርስቲያን 21 ሰማዕታት ብዙሕ እዋን ኣብቲ ኣቢያተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ኣብ ዝቃልዓሉ ዞባ ሚንያ ብምዃኑ፡ ዓቢይን ጥልቅን ትርጉም ዘለዎ እዩ፡ ንማሕበረ ክርስቲያን ጽንዓትን ናይ ሰላምን ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ዘተባብዕን እዩ ከምዝበሉን፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ንኽትህነጽ ፍቓድ ዝሃበ እቲ ብርእሰ ብሔር ኣል ሲሲ ዝምራሕ መንግስቲ ምዃኑ እውን ዘኪሮም እታ ቤተ ክርስቲያን ሰማእታት ትእምርቲ ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንናይ እምነት ሰማዕታት እያ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ምስሪ፡ ናይ ሚንያ ጳጳስ፥ ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንቆጵጣውያን ሰማእታት ሊቢያ
ምስሪ፡ ናይ ሚንያ ጳጳስ፥ ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንቆጵጣውያን ሰማእታት ሊቢያ

እቶም ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ሊቢያ ዝተቐትሉ ሰማእታት እምነት፡ ክቕተሉ እንከለዉ ዘቃልሕዎ ቃል፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ዝብል ቃል እዩ ዝነበረ፡ ሰማዕትነቶም ናይ ሓድሽ ሕይወትን ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ኣብ ምስሪ ዘርኢ ተስፋ እዩ። ናይ ምስሪ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ተዋድሮስ ኣብ 2015 ዓ.ም. ነቶም 21 ቆጵጣውያን ሰማእታት እምነት ስሞም ኣብ ናይታ ቤተ ክርስቲያን መጽሓፈ ስንክሳር ክንበር ከምዝገበሩን፡ እውን ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ የዘኻኽራ።

 

18 February 2020, 08:25