ድለ

ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፡ ናይ ስደተይናታት መዓት የማእክል ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፡ ናይ ስደተይናታት መዓት የማእክል 

ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፡ ናይ ስደተይናታት መዓት የማእክል

ኣብቲ ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዕርቅን ብርሃንን ተስፋን እምነትን ሓይልን እንገዳን ምልዋጥን ለጋስነትን ኣብ ዝብል ቃል ክስትንተን

በቢ ዓመቱ ካብ ዕለት 18 ጥሪ ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ ዝካየድ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ስሙን፡ ኵለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ምእንቲ ሓድነት ዝጽልያሉን ንሓድነት ዝኣመቱ ዝተፈላለዩ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ዝካየደሉን ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ናይ ለምዘበን ናይ ጸሎት ሰሙን፡ ጳውሎስ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 28 ፍቕዲ 2 “እቶም ደቂ ዓዲ ኣዚዮም ለውሁልና .. ብዝብል ቃል ዝምራሕ ክኸውንን ኣብዚ ቃል’ዚ ዙሪያ ናይ ኣስተንትኖ ሰነድ እውን ከምዝቐረበን ነቲ መርሕ ቃል ዝሓረያን ናይ ኣስተንትኖ ሰነድ ዘቕረባን ኣብ ማልታ ደሴትን ጐዞን ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ከምዝዀና ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ማልታን ጐዞን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓረየኦ ካብ ግብረ ሓዋርያት ዝተወስደ ቃል፥ ጳውሎስ ምስ ብዙሓት መጓዕዝቱ ተኣሲሩ ናብ ሮማ ንኽውሰድ ኣብ ዝተገብረ ናይ መርከብ ጉዕዝ ከቢድን ክሳብ ንምጥሓል ሓደጋ ኣጋጢምዎን ብማዕበልን ነውጺ ባሕር ንኸቢድ ሓደጋ ተቓሊዑን በቲ ዘጋጠሞ ሓደጋ ተደሪዅ ኣብ ገማግም ባሕሪ ማልታ ምስ ብርጽሔ ተቐማጦ እታ ደሴት ንኣኡን ንመጓዕዝቱን ዝገበሩሎም ኣቀባብላ እቶም ደቂ ዓዲ ኣዚዮም ለዉሁልና ብዝብል ኣገላልጻ ይሕብሮን፡ ነቲ ዝገበሩሎም ሰባኣውነት ዝዓሰሎ ምዉቕ ኣቀባብላ የብርሆ፡ ዝናም ይዘንም እውን ስለ ዝነበረ ሓዊ ኣንዲዶም ብጽቡቕ ተቐብሉና፡ ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል እውን ኣአንገድዎም፡ እዚ ነቲ ናይ ለምዘበን ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን መርሕ ቃል ክኸውን ኣብ ማልታን ጐዞን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝሓረየቶ ከይኑ፡

ቅዱስ ጳውሎስ ዘጋጠሞ ብርቱዕ ማዕበል ባሕርን ናይ እዋንና ንምጥሓል ሓደጋ ዝቃልዑ ዜጋታትን

ኣብቲ ናይ ለምዘበን ምእንቲ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን ዝቐረበ ናይ ኣስተንትኖ ሰነድ፡ ናይቶም ብብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይን ብተመሳሳሊ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ኣደዳ ዝዀኑ ኣሕዋት ምስቲ ንጳውሎስን መጓዕዝቱን ኣጋጢምዎም ዝነበረ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ምንዋጽ ባሕርን ብርቱዕ ዝናምን ብምትሕሓዝ፡ ሎሚ ብዙሓት ማእለያ ዘይብሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብቲ ጳውሎስ ተጓዒዙሉ ዝነበረ ባሕሪ ዝጓዓዙን ተመሳሳሊ ሓደጋ ዘጋጥሞምን ኣብ ዝተፈላለዩ ማያት ባሕርን ካልእ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዕዞታት ዝርከቡ ንሓደጋ ዝቃልዑ እናሓሰበ፡ ካብ ውግእን ድኽነትን ስእነት መግብን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታትን ንኸምልጡ ዝስደዱን፡ ካብ ሰብኣውን ናይ ተፈጥሮን ሓደጋ ንኸምልጡ ንኻልእ ሓደጋ ዝቃልዑን ብዙሕ እዋን ኣቃልቦ ዘይግብረሎም፡ ዝርስዑ ዜጋታን፡ ኣብቲ ዘጋጥሞም ሓደጋ ዝሕደጉን ሸለል ዝበሃሉን ብጥልቂ ንኽስትውዓልን ኣብ ድጋፎም ንኽንርከብ ዝዕድም ኰይኑ እዚ ኸኣ ንሓደነት ዝግበር ጉዕዞ ለውሃትን ሓልዮት ናይ ፍቕሪ ስራሕን ካብ ምምስካር ክነቕል ክኸውን ዘዘኻኽር እዩ።

ናይ ዘይተገዳስነትን መዓት

ናይ ማልታ ማሕበረ ክርስቲያን ነቶም ዝርካቦም ኩሉ ሸይጦምን ቤቶምን ሃገሮምን ሓዲጐም ዝስደዱን ኣብዚ ምርጫ እዚ ዘጓንፎም ሓደጋ ንግድ ሰብን፡ ብጀላቡ ተጓዒዞም ንኽስደዱ ብናይ ገበን ጉጅለታት ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዝዳረጉን ውሕስነት ኣብ ዘይብሉ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ንሞት ዝቃልዑን እናሓሰቡ፡ እቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ተመልኪቱ ዘሎ ናይ ጳውሎስን መጓዕዝቱን ናይ ባሕሪ ጉዕዞን ዝተገበረሎም እንገዳን ዝትርኽ ምዕራፍ ንእዋንና ፖለቲካን ማሕበረሰብን ዓቢይ ሕቶ እዩ፡ ዘይግደሱን ሸለል ዝብሉን ወይ ከኣ ነአንገድን ልውህና ነርእን? ገዛእ ራስና ንሕተት፡ ናይ እግዚኣብሔር ሓልዮት መስከርቲ ኰይንና ዶ ንርከብ? እንገዳን ለውሃትን ዝዓዘዘ ክብሪ እዩ፡ ሰብኣዊ ፍጥረትን ክርስቲያን እየ ዝብል ክነብሮ ዝግብኦ እዩ።

ኣብዚ ናይ ጸሎት ሰሙን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ ኣስተንትኖ መርሕ ቃል

ኣብቲ ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዕርቅን ብርሃንን ተስፋን እምነትን ሓይልን እንገዳን ምልዋጥን ለጋስነትን ኣብ ዝብል ቃል ክስትንተን እዩ፡ ክርስቲያ እሙንን ዘእምንን ምስክርነት ዘቕርብ ክኸውን ዘነቃቕሕን ንሓድ ሕዶም ይቕረ ክበሃሃሉን ክተሓባበሩን፡ ካብቲ ኣብ መንጐኦን ዝንበር ይቕረታን ምትሕብባርን ተበጊሶም ናብቶ ኣብ ከቢድ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ንምባል።

ስለዝ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነዚ መርሕ ገይራ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ምእንቲ ሓድነት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያ ትጽልይ፡ ናይ ዝተፈላለያ እቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ኣብዚ ጸሎት ይሓብሩ።

ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፡ ናይ ስደተይናታት መዓት የማእክል
18 January 2020, 17:16