ድለ

ብፁዓን ጳጳሳት ቨነዝወላ መንግስቲ ሃገሮም ገዓር ሕዝቢ ክሰምዕ ጻውዒት የቕርቡ ብፁዓን ጳጳሳት ቨነዝወላ መንግስቲ ሃገሮም ገዓር ሕዝቢ ክሰምዕ ጻውዒት የቕርቡ 

ብፁዓን ጳጳሳት ቨነዝወላ መንግስቲ ሃገሮም ገዓር ሕዝቢ ክሰምዕ ጻውዒት የቕርቡ

መንግስቲ ሃገርን መላእ ላቲን ኣመሪካን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን ንናይ ህዝቢ ቨነዝወላ ገዓር ሰማዒ ልብን እዝንን ክህልዎ ጻውዒት ዘቕረቡ ናይ ቨነዝወላ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ኣብ ቨነዝወላ መላኽን ኢሰብኣውን ስርዓት ንስደትን መከራን ብዙሓት ፍልይ ዝበለ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ዘስምዑ ንስደትን ማእሰርትን መግረፍትን ከቢድ ስቓይን ይዳርግ

ናይ ቨነዝወላ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ምዝዛሙ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ህልው ኵነታት ኣማእኪሎም፡ መንግስቲ ሃገሮም ናይቲ ዕለት ብዕለት ናብ ዝኸፍኤ ድኽነትን ዘይምርግጋእን ዘብል ዘሎ ሕዝቢ ገዓር ጽን ክብል ጻውዒት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ግሪሰልዳ ሙቷል ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቨነዝወላ ናይቲ ሃረር እትብሎ ለውጢ ቀንደይና ተዋሳኢ ሕዝባ ምዃኑ እቲ ናይ ቨነዝወላ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ከምዘስመረሉን፡ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ጽንኵር ኩነት ዝርከብ ሕዝቢ ኵለ መዳያዊ ድጋፍ ኣብ ምቕራብ ከምዘላን ብፍላይ ነቶም ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ዘድልዮ ኵሉ ቀረባ ከምዝዀነትን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘሎ ዘይሕጋዊ መንግስቲ፡ ለውጥን ቅዋም ሃገር ምኽባርን ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉን እዚ ኸኣ እቲ ዘሎ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ስልጣኑ ንሕዝቢ ከረክብን ሓድሽ ሕዝባዊ መረጻ ክካየድ ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ እዩ።

ናይ ሕዝቢ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ምኽባር

ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ብጥዑይ ሕልና ተመሪሖም ናይ ህዝቦም ክብርን መሰልን ኣብ ምኽባር ክተግሁን፡ ናይ ፖለቲካ ሓላፍነት ዘለዎ ኣብ ስልጣን ዘሎን ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ውድባትን፡ ኣብ ናይ ውሁዳንን ፍሉይን ጥቕሚ ዘይኰነ ንናይ መላእ ሕዝቢ ድላይ ቆላሕታ ክገብሩን ሕዝቢ ንዘልድዮ ኵሉ ኣተኵሮ ገይሮም ሕዝብን ሃገርን ናብ ልወጢ ከሰንዩ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበራ ሙቷል ኣስዒበን፡

ንስድተይናታት ደቂ ሃገር

ነቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ሃገሮምን ኣባይቶኦምን ዛሕዚሖም ንዝስደዱ እናሓሰቡ፥ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገረ ቨነዝወላ፡ ልክዕ ከምቶም ብዙሓት ኣብ ዝሓለፈ ናይ ዓለም ታሪኽ ናብ ቨዝወላ ዝወሓዙ ስደተይናታት ኣቀባብላ ተገይሩሎም ተዋሂዶም ንኽነሩ ዝተደገፉ ኵሉ፡ እቶም በዚ ሎሚ ቨነዝወላ ኣጋጥምዋ ዘሎ ኵለ መደያዊ ቅልውላው ምኽንያት ንዝስደዱ ኣብ ዝኣትዉለን ሃገራት እንገዳን ተዋሂዶም ንኽነብሩ ዘኽእሎም ዕድል ክፍጠረሎም ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቲ ሓደራ ቢሎም፡

ብሓደ ናይ ፖለቲካዊ ህልዮ ጸቕጢ፡ መላእ ሃገር ናብ ድኽነት ተንቆልቁል ኣላ

መንግስቲ ሃገርን መላእ ላቲን ኣመሪካን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን ንናይ ህዝቢ ቨነዝወላ ገዓር ሰማዒ ልብን እዝንን ክህልዎ ጻውዒት ዘቕረቡ ናይ ቨነዝወላ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ኣብ ቨነዝወላ መላኽን ኢሰብኣውን ስርዓት ንስደትን መከራን ብዙሓት ፍልይ ዝበለ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ዘስምዑ ንስደትን ማእሰርትን መግረፍትን ከቢድ ስቓይን ይዳርግ ኣሎ፡ ኣብታ ብናይ ተፈጥሮ ጸጋን ብሕዝባን ሃብታም ዝዀነት ሃገር፡ ኵሉ ብሰላም ክነብርን ዕለታዊ ሕይወቱ ክመርሕን እናተኻእለ እቲ ሎሚ ዝርአይ ዘሎ ዓመጽ ንድኽነትን ስደትን ሓሳርን ዘሰንይ ከምዝዀነ ገሊጾም ብዙሓት ኣብ ከቢድ ድኽነት ወዲቖም ከምዝርከቡን፡ ሃገር ካብቲ ዓብላሊ ፖለቲካዊ ህልዮ ተላቒቓ ብእውነተይና ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክትምራሕ ንላበው ከምዝበሉ ገሊጸን።

ብፁዓን ጳጳሳት ቨነዝወላ መንግስቲ ሃገሮም ገዓር ሕዝቢ ክሰምዕ ጻውዒት የቕርቡ
13 January 2020, 16:23