ፍልዩ መንፈሳዊ ምርኢት ቅዱስ መግነዝ ዘእግዚእነ ኣብ 2020 ዓ.ም. ፍልዩ መንፈሳዊ ምርኢት ቅዱስ መግነዝ ዘእግዚእነ ኣብ 2020 ዓ.ም.  

ፍልዩ መንፈሳዊ ምርኢት ቅዱስ መግነዝ ዘእግዚእነ ኣብ 2020 ዓ.ም.

ኣብቲ ቅዱስ መግነዝ ተሓቲሙ ዘሎ ወጅሂ ኢየሱስ ከነስተንትን እንከለና ንሕና ዘይኰንና ንሱ እዩ ዝርእየና፡ ንምድሓንና ክሳብ ክንደይ ከምእተሳቐየን እቲ ስቅያቱ ንናይ ፋሲካ ትንሳኤ መቕድም ምዃኑን ምንጪ ሕይወትን ተስፋን ንዅሉ ምዃኑ ንኸነስተውዕል ይድዕመና (ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ)

ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ማሕበረሰብ ታይዘ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቶሪኖ ናይ መንእሰያቱ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ርክብ ታይዘ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቶሪኖ ንኽካየድ ከምዝወሰነን፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ናይ ሰበኻ ቶሪኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ኖሲሊያ እቲ ኣብ ሰበኻኦም ዝተዓቀበ ቅዱስ መግነዝ ዘእግዚኣነ ንፍሉይ መንፈሳዊ ምርኢት ክቐርብ ምዃኑ ኣፍሊጦም፡ እዚ ናይ 2020 ዓ.ም. ፍልዩ መንፈሳዊ ምርኢት ቅዱስ መግነዝ ብትኽክል ድሕሪ 5 ዓመት ዝካየድ መንፈሳዊ ምርኢት ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ ኣብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተኻየደ መንፈሳዊ ምርኢት ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ መንፈሳውያን ነጋዶ ከምእተሳተፉ ናይ ሰበኻ ቶሪኖ መግለጺ የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ፍሉይ መንፈሳዊ ምርኢት ቅዱስ መግነዝ መበል 43 ስንዳአ ካብ ዕለት 28 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 1 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ርክብ ማሕበረሰብ ታይዘ ዝቐርብ ከምዝዀነ ዝሓበሩ ብፁዕ ኣቡነ ኖሲሊያ ኣስዒቦም፡ ማሕበረሰብ ታይዘ በቢ ዓመቱ እቲ ዘካይዶ መንፈሳዊ ዓውደ ርክብ ኣብ ቶሪኖ ከተማ ንኸካይድ ምውሳኑ እቲ ማሕበረሰብ ምስታ ከተማ ዘለዎ ምትእስሳር ዘረጋግጽ ምዃኑ ኣብቲ ኣብ ፖላንድ ከተማ ውሮክላው ካብ ዕለት 27 ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ተበጊሱ ልዕሊ 15 ሺሕ ዝግመቱ መንእሰያት ኣሳቲፉ ወትሩ ኣብ ጉዕዞ ካብ ኣናስርካ ከይተቦንቆስካ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ክሳብ ዕለት 1 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝተካይደ መንፈሳዊ ዓውደ ርክብ ተሳቲፎም ኣብ ምምላሶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡

ኣብቲ ቅዱስ መግነዝ ተሓቲሙ ዘሎ ወጅሂ ኢየሱስ ከነስተንትን እንከለና ንሕና ዘይኰንና ንሱ እዩ ዝርእየና፡ ንምድሓንና ክሳብ ክንደይ ከምእተሳቐየን እቲ ስቅያቱ ንናይ ፋሲካ ትንሳኤ መቕድም ምዃኑን ምንጪ ሕይወትን ተስፋን ንዅሉ ምዃኑ ንኸነስተውዕል ይድዕመና (ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ)

ዝብል ቃል ቅዱስ ኣቦና ጠቒሶም፡ እቲ መበል 43 ስንዳአ ኣብ ሰበኻ ቶሪኖ ንኽካየድ ዝብል ውሳኔ ማሕበረሰብ ታይዘ፡ ዓውደ ርክብ መንእሰያት ታይዘ ብሓባር ምስ ናይ ሰበኽ ቶሪኒ ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓልዮ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ድሮ ምድላዋት ክጅመር እዩ ምስ በሉ፡ እቶም ኣብቲ ዓውደ ርክብ ንዝሳተፉ መንእሰያት ኣብ ቁምስናታት ሰበኻ ቶሪኖን ኣብ ኣባይቲ ስድራ ምእመናንን ክእንገዱ ከምዝዀኑ እውን ሓቢሮም፡ እቶም መንእሰያት ቅዱስ መግነዝ ዘግዚእነ ናብ ዝተነብረሉ ቅዱስ ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙን ኣብ ፊት እቲ ቅዱስ መግነዝ ኣብ ዝካየድ ኣስተንትኖን ጸሎትን ክሳተፉ እዮም እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ካብ ሰበኻ ቶሪኖ ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ።

ፍሉዩ መንፈሳዊ ምርኢት ቅዱስ መግነዝ ዘእግዚእነ ኣብ 2020 ዓ.ም.

Photogallery

ፍሉዩ መንፈሳዊ ምርኢት ቅዱስ መግነዝ ዘእግዚእነ ኣብ 2020 ዓ.ም.
03 January 2020, 17:03