ናይ ስግደትን ኣምልዀን ግዜ ምፍላይ ናይ ስግደትን ኣምልዀን ግዜ ምፍላይ  መዘኻኸሪ

ናይ ስግደትን ኣምልዀን ግዜ ምፍላይ

“ሓጢኣትካ ኣለሊኻን ምሕረት ምስ እትሓትት ሓጢኣት ካብ እግዚኣብሔር ዘርሕቐካ ኣይክኸውንን እዩ፡ እቲ ናይ ዓለም መንፈስ ግና ሓጢኣት እንታይ ማለት ምዃኑ የረስዓካ”፡ ሓጢኣት ዘበለ ኵሉ ንክትፍጽም ይድርኸካ፡ “መንፈስ እግዚኣብሔር ይሕልወናክን ካብ ዝወደቕካሉ የተንስኣካን፡ እቲ ናይ ዓለም መንፈስ ግና ናብ ምግብረ ብልሽውና የብጽሓካ፡ ሰናይን ክፋእን እንታይ ምዃኑ ክሳብ ዘይምስትውዓሉን ኵሉ ሓደ እዩ ናብ ዝብል መርገጺ የብጽሓካ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ናይ 2020 ዓ.ም. ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከትን ዕለት 6 ጥሪ ዓመታዊ በዓለ ኣስተርእዮን ዕለት 5 ጥሪ ሰንበት 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖን ኣተኵይሮም ጋዜጠና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋቲ ኣብ ዘቕረብዎ መዘክር፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 7 ለካቲት ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ቅዱነቶም ናይ ርሑስ በዓለ ልደት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ፡ ናትና ዕማም ልክዕ ከምቲ ኵሉ ጸጋታቱ ምእንጋድን ምቕባልን እዩ፡ ብዙሕ እዋን ካብቲ ዘሕብረና እቲ ዝፈላልየና ኣብ ምቅላሑ ንቕጽል፡ እዚ ትረት ልባትና እዩ (እዚ ትረት ልቢ ኣብ ካልኦት ጥራሕ ዘይኰነ ኣባና ኣብ መንጐ ካቶሊካውያን እውን ዝርአይ እዩ) ዘመላኽት።

ቅድስነቶም ዕለት 7 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ትረት ልቢ ዘለዎም ኢና፡ እቲ ዓቢይ ሓደጋ ግና ትረት ልቢ ዘለዎም ምዃንና ዘይምፍላጡ እዩ፡ ንኣና ክርስትያን እቲ ዓቢይ ሓደጋ እምነትና ብናይ መንፈስ እግዚኣብሔር ዘይኰነስ ብናይ ዓለም መንፈስ ምንባር ዝብል ዕርበት ሕልና እዩ። ብግብሪ ኣረመናውያን ብስም ጥራሕ ክርስቲያን ኰይንና ንርከብ፡ ኣብቲ ምግባረ ብልሽውና ዝብል ዓቢይ ሓጢኣት ንወድቕ፡ “ሓጢኣትካ ኣለሊኻን ምሕረት ምስ እትሓትት ሓጢኣት ካብ እግዚኣብሔር ዘርሕቐካ ኣይክኸውንን እዩ፡ እቲ ናይ ዓለም መንፈስ ግና ሓጢኣት እንታይ ማለት ምዃኑ የረስዓካ”፡ ሓጢኣት ዘበለ ኵሉ ንክትፍጽም ይድርኸካ፡ “መንፈስ እግዚኣብሔር ይሕልወናክን ካብ ዝወደቕካሉ የተንስኣካን፡ እቲ ናይ ዓለም መንፈስ ግና ናብ ምግብረ ብልሽውና የብጽሓካ፡ ሰናይን ክፋእን እንታይ ምዃኑ ክሳብ ዘይምስትውዓሉን ኵሉ ሓደ እዩ ናብ ዝብል መርገጺ የብጽሓካ”፡ ስለዚህ እዩ ድማ ቅዱስነቶም” እቲ ኣብ ልባትና ዝኽወን ንኽንርዳእን ብመንፈስ እግዚኣብሔር ድዩ ወይ ከኣ ብናይ ዓለም መንፈስ ዝኽወን ምዃኑ ንኽንርዳእ ዘኽእል ጸጋ መታን ንኽንሓትት ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ናይ ሕልና መርመራ እንገብረሉ ግዜ ንኽህልወና ዝምዕዱ።

ንእግዚኣብሔር እንህቦ ግዜ ምፍላጥ ይግብኣና፡ ዕለታዊ ሕይወትና ህዉዅን ሸበድበድን ዝተመልኦ እዩ፡ ይዅን እምበር ናይ ኣምልዀን ስግደትን ህሞት ክነለልይ ኣገዳሲ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ዓመታዊ በዓለ ግልጸት ዘእግዚኣነ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ኣብ ቅድመና ክልተ ምርጫታት ኣሎና ይብሉ፡ እቲ ሓደ ሄሮዶስ እቲ ከላኣይ ከኣ ሰብኣ ሰገል ዝብል። ሰብኣዊ ፍጥረ ልክዕ ከም ሄሮዶስ ንእግዚኣብሔር ዘየምልኽ ምስ ዝኸን ገዛእ ርእሱ እዩ ዘምልኽ፡ እዚ ኣብ ሕይወት ክርስትና ክጋጥም ዝክእል ኩነት እዩ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ መንፋዕቲ ንምጽዳቕ ትወራዘይ፡ ኣክንዲ ንእግዚኣብሔር ምግልጋል እግዚኣብሔር መገልገሊኻ ትገብሮ፡ እቶም ሰብኣ ሰገል ግና ምስ እግዚኣብሔር ንኽራኸቡን ንኽሰግዱሉን ከምልኽዎ መሬቶም መሬቶም ይሓድጉን ካብ ገዛእ ርእሶም ይወጹን። “እምነት ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ናይ ጽቡቕ ጠመቓዊ ትምህርቲ እኽብካብ ኣይኰነ፡ እንታይ ደኣ ምስ ህያው ዝዀነ ኣካል ንምፍቃሩ ምርኻብ ማለት እዩ”፡ እምበኣከስ ንእግዚኣብሔር ምምላኽን ምስጋድን ማለት “ዝዀነ ይኹም ምኽንያት ምርሕሓቕ ኩሉ ሰጊርካ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ፍቕሪ ምስጢር ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንካ ምርኻብ ማለት እዩ”። እምነት ክርስትና ምርሕሓቓት ዘግፍሕ ዘይኰነስ ዘጽብብ እዩ፡ ክሳብ ከይህልው ዝገብር እዩ፡ ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሔር ሓደ ከማናን ካባናን ንኽኸውን ካብ ሰማየ ሰማይ ምውራዱ፡ ንኣኡ ቀረባ ንምዃን ግዜ ንረክብ ዶ? ብዙሕ እዋን ብዘይኣምልዀ ንጽልይ፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ተማእኪልና፡ ካብ እግዚኣብሔር ሪሕቕና፡ እቲ ናይ ስግደትን ኣምልዀን ግዜ ናብ እግዚኣብሔር እዩ ዘቕርበና፡ ስለምንታይ ንእግዚኣብሔር ናይ ሕይወትና ማእከል ስለ ዝገብር።

ኣብ በዓለ ግልጸት ዘእግዚእነ ዕለት 6 ጥሪ 2020 ዓም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ “እቲ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዝብል ተመክሮ ካልእ ናይ ሕይወት መገዲ ንኽንስዕብ ይድርኸና፡ ስለምንታይ ካብኡ እቲ ልቢ ዝፍውስን ካብ ክፋእ ዘርሕቐናን ሰናይ ሓይሊ ስለ እንረክብ”፡ ካብ ግብረ እከይ ኩሉ ዘርሕቐና እዩ። “ክፋእ ዝብል ቃል ብላቲን ቋንቋ ምቑሕ ዝብል ትርጉም እዩ ዘስምዕ ናይ ዲያብሎስ ምቑሕ ምዃን ማለት እዩ”፡ እቲ ኣብ እምነት ዝግበር ቃልሲ ካብ ምርኰ ዘናግፍ እዩ።  ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቶም ልባትና ዝጠናንጉ ልባትና ጣዖታትን ልባታና ዝርከበሎም ጣዖታት ከመላኽቱ እንከለዉ ሃብቲ ገዘብን ሄዶንነትን ስክዔትን ጠቒሶም፡ ብቕንዕና ውሳጤና እንተድኣ ተመልኪትናን ጽን ቢልናን ካብቶም መንፈስና ዝወርሩ ጣዖታት ናጻ ምውጻእ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ነስተውዕል ይብሉ።

እውነተይና ሓርነት ኣብ ምፍቃር እዩ፡ ቅዱስነቶም ዕለት 5 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ሰንበት ጸሎተ መልኣከ እግዚኣሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍና መደብ ኣምላኽ የዘኻኽሩና፡ እዚ መደብ ኣምላኽ’ዚ ከኣ ኣብ ኢየሱን ብኢየሱስን ደቃቱን ቅዱሳት ኣብ ፍቕርን ዝገብረና እዩ፡ እቲ መደብ ኢታእላው ሓሴት እዩ፡ እዚ ልበ ወለድ ኣይኰነን፡ እቲ ሓቀይና ናይ ሕይወት ትርጉም ንሱ እዩ፡ “ናይ ክርስቶስ ወንጌል ሓናጺ ዝዀነ ለበ ወለዳዊ ታሪኽ ኣይኰነን፡ ክርስቶስ ወንጌል ናይቲ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሰብ ዘለዎ መደብ ምልኣተ ግልጸት እዩ”፡ “ዘይተሓላለኽን ዓቢይን” ድኻምነትና ብዘየገድስ ብዝተኻእለ መጠን ናይ ገዛእ ርእስና ኣገባባት ዘይኰነ ብምዅናንን ምፍራድን ዘይኰነ በቲ ምሕረት ዝብል ኣገባብ እግዚኣብሔር ኣቢልና ናብ ኩሉ ንኽንእውጆ ዝተጸዋዕና ኢና።

ኣብ መውዳእታ ቅዱስነቶም፡ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ መላእ ዓለም ዘናውጽ ውጥረት እናሓሰቡ፥ “ውግእ ናብ ሞትን ዕንወትን ጥራሕ እዩ ዘሰንይ” ናይዛ መሬት ስልጣናት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ሰብኣዊ ፍጥረን ዓቢይ ሓላፍነት ዘለዎም እያቶም” ይብሉ።  

ናይ ስግደትን ኣምልዀን ግዜ ምፍላይ
08 January 2020, 17:54