2020.01.04 ባዚሊካ ብሥራተ ገብርኤል ኣብ ከተማ ናዝሬት 2020.01.04 ባዚሊካ ብሥራተ ገብርኤል ኣብ ከተማ ናዝሬት  

ሰንበት ዘናዝሬት ጥሪ 10 2012 ዓ.ም. (0119/202)

መዝሙር፡ ንጉሥኪ ጽዮን. . . . ። “ኦ ጽዮን ንጉሥኪ እቲ ሰማይን ምድርን ዝጽበይዎ ንውሉድ ወለዶ አባና መጺኡ፥ ንነገስታት ክብሪ ንዝግዝእዎ ብርሃን አኽሊል ንሰማዕታ ሽመት ካህናት ንቅድስት ቤተ ክርስትያን ዓምዳን ጸግዐን፥ አብ ቤተ ልሔም ተወልደ አብ ናዝሬት ተሓጸነ። አበሳና ስለ ዘይዘከሮ አይሓደገናን ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ ሓጎስ ኮነ”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ገላትያ 1፡1-10፤ 1ዮሓ 1፡1-10፥ ግ.ሓ. 15፡22-37፥ ዮሓ 1፡1-18።    ምስባክ“ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ፣ ወረከብናሁ ውስተ ዖመ ገዳም፣ ንበውእ እንከሰ ውስተ አብያቲሁ

ለእግዚአብሔር።  እንሆ፣ ብዛዕባ ታቦት ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፣ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ። ናብ ማሕደሩ ንእቶ፣ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ።  (መዝ 131፡ 6-7)

ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ወንጌሉን አብ መልእኽትታቱን ብዛዕባ ብርሃን ይዛረብ። አብ እዋናት ልደት ስለ ዘሎና ብዛዕባ ምንጪ ብርሃን ዝኾነ ክርስትስ ክነስተንትን እዋኑ እዩ። ባዕሉ ክርስቶስ አነ ብርሃን ዓለም እየ ኢሉና። ልደት ዝዓበየ ምልክቱ ብርሃን እዩ። ንሰብአ ሰገል ብርሃን ኮኾብ ናብ ኢየሱስ ሕፃን አብጺሕዎም። ጓሶት ብብርሃን ተመሪሖም ንማርያምን ዮሴፍን ሕፃንን አብ መብልዕ ማል እንከሎ ረኺቦሞ። ብርሃን አብ ሕይወት ኩሉ ዓቢ ጥቕሚ አልኦ። ቅዱስ ጳውሎስ አብ መዓልቲ ብርሃን እንከሎ አብ ብርሃን ተመላለሱ ይብለና። አመንቲ ኩልና ውሉደ ብርሃን ንብሃል።

አተኩሮና አብ መልእኽቲ 1ዮሓንስ እዩ። ቀዳመይቲ መልእኽቲ “አብ ብርሃን ምምልላስ” ዝብል አርእስቲ ክንህባ ንኽእል። እዚ ኸአ በርባዕተ መንገድታት ክኸውን ይኽእል።

ሓጢአት ካብ ምግባር ደው ብምባል። (1ዮሓ 1፡5-2፡2) ።

ብርሃን ዝብል ቃል አብዛ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ሓቂ፥ ጽቡቕ፡ከስምዕ ከሎ ጸልማት ከአ ጌጋ፥ ሕማቕ ማለት እዩ።( ዮሓ 3፡19-21፥ ኤፈ 5፥8)። አብ ብርሃን ወይ ጸልማት ምምላልስ ማለት አብ ሓቂ ወይ አብ ክፉእ ምንባር ማለት እዩ። በቲ አምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ዝገለጸልና ሓቂ ምንባር። ኩሉ ምስ አምላኽ ርክብ ዘለዎ ናይ ብርሃን ሕይወት፥ጸጋን ፍቕርን ክነብር አለዎ። ሕጊ አምላኽ ከአ ክሕሉ አለዎ ብፍላይ ንኹሉ ሰብ አፍቅር ዝብል ትእዛዝ። እምነትን ፍቕርን ርኡይ መግለጺ ናይ ሓቀኛ ሕብረት ምስ አምላኽ እየን። እዚ ብዝርዝር አብ መልእኽቲ ንረኽቦ።

ቀዳማይ ተግባር አብ ብርሃን ዘጉዕዘና ካብ ኩሉ አብ ሓጢአት ዝወድቐና ተግባራት ካብ ምግባር ምስ እነቋርጽ እዩ። ሓጢአት ዝብል ቃል 27 ጊዜ ተጠቒሳ ንረኽባ። “ሓጢአት የብልናን እንተበልና ንገዛእ ርእስና ንጥብር አሎና እታ ሓቂውን አባና የላን፥ ንአምላኽ ሓሳዊ ንገብሮ ቃሉ ኸአ አባና የሎን።” ሓጢአት የብለይን ምባል ንርእስኻ ምጥፍፋእ እዩ ንብርሃን ካብ ምድላይ ከአ ይኽልክለና። ብኻልእ አዘራርባ ንሓጢአትና ክንእመን ከሎና ንአምላኽ ምሕረቱ ክህበና ማዕጾ ንኸፍተሉ። ዘገርም ነገር እዩ ግን አፍልጦን ምቕባል ወይ ምእማን ሓጢአትና ንአምላኽ አብ ሕይወትና ከመጽእ መገዲ ይኸፍት። ኩሎም ቅዱሳን ክሳብ ክንደይ ካብቲ ፍጹም ዝፈትውዎ አምላኽ ርሑቓት ምዃኖም ይእመኑ ነሮም። ሓደ ቅዱስ ክንብሎ ከሎና ክሳብ ክንደይ ንገዛእ ርእሱ ሓጢአተኛ ከምዝቆጽር እዩ። መጠን ምስ አምላኻ ቅሩብ ርክብ ዘልኦም መጠኑ ክሳብ ክንደይ ካብኡ ዝርሓቑ ምዃኖም ይፈልጡ። ንአምላኽ መጠን ዝቐረብናዮ መጠኑ ክሳብ ክንደይ ድኹማትን ውሱናት ፍጥረት ምዃና ክንፈልጥ ንኽእል። ሰብ ርእሱን ዓቕሙን ክፈልጥ አብ አምላኽ ክቐርብ አልኦ። ንሕና አምሳል አምላኽ ኢና ምስሊ ካብቲ ቀንዲ ነገር ክሳብ ክንደይ ፍሉይ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ናይ ሰብን አምላኽን ፍልልይ ከአ ከምኡ እዩ።

ገለ ሰባት ንስሙ ክርስትያን ዝብሃሉ ንእምነቶም አብ ተግባር ዘየውዕልዎ አብ መንበረ ኑዛዜ ምስ መጹ ዝብልዎ አይፈልጡን። ንሕና መጠን አብ ብርሃን ዘሎና መጠኑ ናይ ጽላል አፍልጦ አሎና። ምስ ሓጢአት ክንባተኽ አይንኽእልን ኢና፥ሓጢአት ክሳብ ክንደይ አብ ሕይወት ከምዘሎ ከይፈለጥና።

መልእኽታት ዮሓንስ ከምኡ ወንጌሉ ብዛዕባ ፍቕሪ ጥራሕ ዝዛረብ ዘይኮነ አብ ገብሪ እውን የርኢ። (ዮሓ 13፡33፥ 21፡50)፥ 1ቆሮን 4፡14)። ከም ሕጻናት እንተዘይ ኮንኩም አብ መንግስተ አምላኽ አይክትአትዉን ኢኹም (ማቴ 18፡3)። ብሕያውነትናን ብገርህነትናን ከም ሕጻናት ክንከውን አሎና።

፪ - አብ ብርሃን ክንንቀሳቐስ ትእዛዛት ክንሕሉ አሎና ብፍላይ ከአ ፍቕሪ (1ዮሓ 2፡3- 11)።

ንአምላኽ እንፈልጦ ትእዛዛቱ ምስ እንሕሉ እዩ። ንአምላኽ እፈልጦ እየ ዝብል ግን ትእዛዛት ዘይሕሉ ሓሳዊ እዩ ሓቂ እውን ኣብኡ የላን። ንአምላኽ ምፍላጥ ክንብል ከሎና ልዕሊ ርክብ ምግባር እዩ። ንሱ ኸአ ንፍቕርን ንቕሩብ ርክብ ምጽዋዕ እዩ እዚ ኸአ አብ ተምክሮ ወይ ናይ ሕይወት ተመክሮ ዝተሰረት እዩ።

ኩሉ ናይ አምላኽ ሓለዋ ዝተኸተለ አብ ሕይወት ምስ አምላኽ ይነብር። ምስ አምላኽ ክንነብር ከምቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ክንገብር ይግብአና። ንሱ መገዲ እዩ። ብሉይ ትእዛዝ ንአምላኽ ብምፍቃር ይግለጽ ነሩ ማለት ብኹሉ ልብኻ ንአምላኽ ምፍቃር። ንብጻይካ ኸአ ከም ነፍስኻ አፍቅር።

አብ መጨረሻ ድራር እንከሎ ኢየሱስ ነርድእቱ ሓዲስ ትእዛዝ ሂብዎም “ከምቲ አነ ዘፍቀርኩኹም ነነሓድሕድኩም ተፋቐሩ” ዮሓ 13፡34። አብ ብሉይ ኪዳን ንብጻይካ ምፍቃር ሓደ ካብቲ ካልእ ትእዛዛት እዩ ነሩ ከምኡ መን ምዃኑ ብጻይካ ንጹር አይነበረን (ሉቃስ 10፡29)። ኢየሱስ ልዕሊኡ እዩ ከይዱ ንተኸተልቱ ዝሓተቶም ንብጻዮም ከምርእሶም ከፍቅሩ ጥራሕ አይኮነን ሓቲትዎም እንታይ ድአ ከምቲ ንሱ ዘፍቀሮም ከፍቅርዎም። ነዚ ከንጽረሎም ከአ እቲ ዝዓበየ ፍቅሪ ሓደ ሰብ ክገልጾ ዝኽእል ሕይወቶም ምእንቲ ካልእ ከሕልፉ ከለዉ እዩ። ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ምግባር። እዚ ዓይነት ፍቕሪ ንኹሉ ሰብ ዘጠቓለለ እዩ ወላ ሓደ ዝግለለ የለን። ንሱ ኸአ እዩ መገዲ እግዚአብሔር። ፍቕሩ ንኹሉ ክፉት እዩ ከምቲ ፀሓይ ንኹሉ እትበርቕ። ዝናም ንኹሉ ከምዝውሃብ ንኹሉ እዩ። አብ ብርሃን አሎኹ እናበለ ንሓዉ/ሓፍቱ ዝጸልእ ጌና አብ ጸልማት አሎ። ኩሉ ንሓዉ/ሓፍቱ ዘፍቅር አብ ብርሃን አሎ. . . . ኩሉ ንሓዉ/ሓፍቱ ዝጸልእ አብ ጸልማት አሎ። እዚ እዩ ክንፈልጦ ዝግብአና። ንነፍስወከፍ ሰብ ደረት ብዘይብሉ ፍቕርና ክንዝርግሓሉ ክነፍቅር። ቀሊል ግን ከአ ክተተግብሮ ብርቱዕ። ኩሎም ነዚ ዘይክተሉ አብ ጸልማት ይነብሩ። አበይ ከምዝኸዱ እውን አይፈልጡን።እዚ ዓይነት ፍቕሪ ዘይብሎም ኩሎም አብ ጸልማት ይነብሩ።

፫ - አብ ብርሃን ክንንቀሳቐስ ካብ ፍቕሪ ዓለም ክንርሕቕ ይግባእ (1ዮሓ 2፡12-17)።

ንዓለምን አብኡ ዘሎን አይተፍቅርዎ። ዓለም ክብሃል እንከሎ ክልተ ትርጉም አልኦ፥

ሀ. እዛ እንነብረላ ምድራዊት ዓለምና ከምኡ ኩሉ ህዋ የስምዕ። ብኻልእ አዘራርባ ፍጥረት አምላኽ የስምዕ። ዘፍጥረት 1፡31፥ኩሉ እግዚአብሔር ዝፈጠሮ ጽቡቕ እዩ። ወንጌል ምስ ዓለም ክንውሃሃድ ይሓተና “ ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም መቐረት ምድሪ ኢኹም. . .(ማቴ 5፡13)። ንሕና ብተፈጥሮና ካብ ዓለም መጺእና ናብ ዓለም ከአ ክንምለስ ኢና። መሬት ኢኻ ናብ መረት ከአ ክትምለስ ኢኻ። አምላኽ ዝፈጠሮ ዓለም ኩሉ ንጽቡቕና ስለ ዝኾነ ክንፈትዎ ክንጥቀመሉ ይግባእ። ከምኡ ክነኽብሮ ይግባእ ፍጥረት አምላኽ ስለዝኾነ። ኢየሱስ ምስ እዚ ክንወሃሃድ ክንሕልዎ ክንጥቀመሉ መንገዲ ንሰማይ ክንገብሮ ይሓተና።

ለ. ዓለም ክብሃል እንከሎ ኩሉ አተሓሳስባ ሰባት ካብ አምላኽ ዝረሓቐ እሞ ነቲ ኢየሱስ ዝገለጾ ዝጻረር እዩ። ዓለም እንብሎ ኩሉ ካብ ናይ አምላኽ ነገር ዝወጸ ማለት እዩ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ዓለም ዝፈቱ አብኡ አምላኽ የለን። ካብ ከምዚ ዝበለ ዓለም ክንርሕቕ ይግባእ። አብ መልእኽቱ ዮሓንስ ናይ ዓለም ነገራት ይጠቕሰልና፥ ፍትወት ሥጋ፥ ናይ ዓይኒ ሃረርታ ( ቅንኢ፥ ጽልኢ፥) ትዕቢት ሃብቲ፥ ናይ ሥጋ ሃረርታ፥ እዚ ኩሉ ናይ ሥጋ ነገራት የጠቓልል። ዓለም ንአምላኽ ተኪእና ክንጉዓዝ ዝደፍአና ሕሱም ጸላኢና እዩ። ልብና ሓሳብና አብኡ ገርና ንፍትወት ዓለም ኩሉ ነገርና ክንጉዕዝ ከሎና አብ ጸልማት ንነብር። ንአምላኽ የለን አብ ምባል ንበጽሕ። ዓለም ምስ እዚ ኹሉ ዘይቅኑዕ ሃረታኡ ይሓልፍ እዩ እቲ ድላይ አምላኽ ዝገብር ግን ንዘለዓለም ክነብር እዩ።

፬ - አብ ብርሃን ክንቀሳቐስ ኩሉ ጊዜ ካብ ጸረ ክርስቶስ ክንጥንቀቕ አሎና(1ዮሓ 2፡18-21)።

እዚአ መወዳእታ ሰዓት እያ ማለት አብ መንጎ ሞትን፥ትንሣኤን ናይ ኢየሱስን ዳግማይ ምጽአቱ ብግርማን ፍርድን ዘሎ እዋን እዩ። ቀዳሞት ክርስትያን ናይ ኢየሱስ ዳግማይ ምጽአት አብ እዋኖም ዝፍጸም ይመስሎም ነሩ። ሓደ ካብቲ ምልክታት ናይ መወዳእታ ኸአ ናይ ጸረ ክርስቶስን ሓሰውቲ መማህራን ምቕልቃሎም እዩ።

እቲ ቀንዲ ዘድሊ ካብ ሓሰውትን ጸረ ክርስቶስን ዝኾኑ ምጥንቃቕ። እንነብረላ ዘሎና ዓለም ነሽሓት ዓመታት ክትቅጽል ትኽእል ትኸውን ሓንትን ጽርይቲን ነገር እንተላ ግን ናይ ነፍስወከፍና መወዳእታ ሰዓት ርሕቕቲ አይኮነትን። ገለ ሸምጊልና ክንመውት ንኸውን ገለ ኸአ አብ ማእከላይ ዕድመ ገለ ኽአ ብዝተፈላለየ ሕማም ድንገት ዘይተጸበናዮ ምኽንያት ክንሓልፍ ኢና። ሎሚ ንፍለጣ አይንፍለጣ ክንጥንቀቕ እዋኑ እዩ። ሞት አባና ገጻ ትጉዓዝ አላ።

ቅድሚ መወዳእታ ዓለም መልእኽቲ ዮሓንስ ቀዳመይቲ ጸረ ክርስቶስ ከምጽእ እዩ ትብለና። እዚ አብ ቀዳመይትን ካልአይትን መልእኽትታት ዮሓንስ ጥራሕ እዩ ዝርከብ ። ማቴ 24፡24 ማርቆስ 13፡22 ብዛዕባ ሓሰውቲ መሲሓት ይነግሩ። ማርቆስ ኢየሱስ ዝበሎ ክጠቅስ ከሎ “ገለ ከምዚ እንተበለኹም ክርስቶስ አብዚ አሎ ወይ አብቲ አሎ እንተበለኹም” እይትእመኑ” ይብል። ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነብያትን ክቕልቀሉ እዮም (ማር 13፡21~22)። አብ 2ተሰሎንቄ 2፡3 “ ክሕደት ቅድሚ ምምጽኡ እቲ ሕጊ ዘይብሉ ሰብ እቲ ንጥፍአት ዝተመደበ ከይተገልጸ መዓልቲ ጎይታ አይትመጽእን እያሞ ሓደ እኳ ብገለ ነገር አየስሕትኩም”። አብ ወንጌል ማር፥ ማቴ ከምኡ አብ ራእይ ዮሓንስ አብ ክንዲ ሓደ ብዙሓት መስሓቲ ከምዝመጹ ይዛረቡ።

1ዮሓንስ ካብ ውሽጢ ማሕበርን ብደገ (ካብ ገዛእቲ ሮማውያም ንቤተክርስትያን ዘሳድዱ) ዝመጹን ጸረ ክርስቶስ ይነግር። ቤተክርስትያን ኩሉ ጊዜ ብውሽጥን ብደገን ዘጥቅዕዋ ክህልዉ እዮም። ጸረ ክርስቶስ ዝብሃሉ ኩሎም ናይ ሓሶት ትምህርቲ ክርስቶስ ዝዝርግሑን ዝሰብኩን እዮም። ናቶም አብ መንጎ ምርካቦም ምልክት ናይ አብ መወዳእታ ንጉዓዝ ከምዘሎና እዩ። መብዝሕትኦም ንማሕበር ስለ ዝሓድጉ አባላት አይኮኑን። እቶም ብሓቂ ብመንፈስ ዝተቐብኡ እቶም ጸኒዖም ዝቕጽሉ እዮም። “ንሶም ፍልጠት ተቐቢሎም እዮም” ብኻልእ አዘራርባ ንሶም ቅኑዕ ምርኻብ ምስ ኢየሱስን አምላኽን አልኦም። እቲ ፍልጠት ከአ አብ ናይ ነፍስወከፎም ዝተሰረት ተመክሮ እምበር ካብዝን ካብትን ዝተአከበ ሓሳባት አይኮነን።

ሎሚ ኩልና ከምእንርእዮ ዘሎና ካብ ውሽጥና ብደገን ብምፍላጥ ወይ ብዘይ ፍላጥ በኾኽ ዝብሉ ነቲ ሓቀኛ ርድኢት መንግስቲ አምላኽ ኢየሱስ ዘመሓላለፎ ከናእሱ ወይ ብናቶም መንገዲ ዘቕርቡ እንርእዮ ዘሎና ጉዳይ እዩ። በዚ ክገርመና የብሉን። አብ ወንጌልን አብ ጽሑፋት ሓዲስ ኪዳንን  ብንጹር ተነጊሩና አሎ። ብዙሓት ነቲ ቀንዲ እምነትና ተልእኮና ከጥቅዑ እዮም። እቲ ቀንዲ ንሕና ከመይ ኢልና ከም እንምልስ እዩ። እቲ ዝበለጸ መልሲ ንሕና ብግብርን ቃልን ክንምልስ ክንክእል ከሎና እዩ። አብ ሓቅን ፍቕርን ዝተመስረት መልሲ ክንህብ ከሎና እዩ።

ነዚ አብ ምንጪ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ክንአቱ ዝዕድመና እዋናት ዘመነ ልደትን ጥምቀትን ብፍሉይ ሕልናዊ መርመራ ገርና ክንጥቀመሉ፥ ጉዕዞ ሕይወትና ብብርሃን መድሓኒና ክንቅጽሎ። አብ ሕልናና ርክባትናን ከአ መንፈስ ደቂ ብርሃን ክነዕዝዝ ንጽዓር።

አደ ብርሃን ዝኾነት እሞ ንብርሃን ወዳ ብዝያዳ ዝረአየት አደና ማርያም ብርሃን ወድኺ ተኸቲልና ሓቀኛ መንገዱን ትምህርቱን ንክንክተል ሓግዝና ንበላ። ብርሃኑን ጽድቁን ክመርሓናን ናብኡ ክወስዳናን ይልአኻልና። አቦ ብርሃን አምላኽና ኩሉ ጊዜ ብርሃን ሓቂ እንኽተል ይግበረና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ     

18 January 2020, 16:56