፫ይ ሰንበት ዘአስተርእዮ ጥሪ 24 2012 ዓ.ም. (2/2/2020)

መዝሙር፡ እሙነ ኮነ ልደቱ. .. . . . . . “ናይ መድኃኒና ክርስቶስ ልደት ሓቂ እዩ፥ ልደቱ ብሓቂ ኮይኑ እዩ፥ ካብ ሰማያት ወሪዱ ብመላእኽቲ ተመስጊኑ ካብ ማርያም ተወሊዱ፥ አብ ቤተልሔም ተወልደ አብ ናዝሬት ተሓጸነ ብግሁድ ከአ ተገልጸ፥ ንሱ አኽሊል ናይ ሰማዕታት መድኃኒ ነገስታት ጓሳ አኅዛብ እዩ። እሙን ኮነ ልደቱ ብርሃን ኮነ ምጽአቱ ናይ መድኃኒና ክርስቶስ”
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 1ቆሮ 6፡13-15፥ 1ዮሓ 2፡22-ፍ፥ ግ.ሓ. 13፡20-27፥ ዮሓ 1፡35-42።   ምስባክ፡ “እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ፥ ግበሩ ብዓለ በትፍሥሕት በኃበ እለ ያስተሓምምዎ፥ እስከ አቅርንቲሁ ለምስዋዕ” እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ ንሱ ብርሃን ሃበና፡ ቈጻል ጨንፈር ሒዝኩም በዓል ግበሩ፡ ነቲ መሥውዒ ኸኣ ዙርዎ (መዝ.18.27)

መዝሙር፡ ልደት ክርስቶስ ብሓቂ አብ ታሪኽ ዝተፈጸመ እምበር ዝተማህዘ ወይ ሰባት ክጥዕሞም ኢሎም ዝፈጠርዎ ከምዘይኮነ ይገልጸልና። ናይ ብሓቂ ኮይኑ አብ ሕይወት ደቂ ሰባት ለውጢ ዘምጽአ እዩ። ሰባት ነዚ ሓቂ እዚ ክአምኑ ዝተሓርዩ እዮም። በዚ ኸአ ምስኡ ዘሎና ምቅርራብ ክነዐርን ክንሕድስን ንሕተት አሎና። ዝኽሪ ጥራሕ ዘይኮነ ሕጂ እውን አብ ማእከልና አሎ ሓንትስ አለሊና አብ ልብና ቦታ ንሃቦ።

መጸዋዕታ አምላኽ፡

አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምስ ጸውዐ እዩ። አዳምን ሔዋንን ብኃጢአቶም ካብኡ ምስ ረሓቁ ባዕሉ እዩ እናጸውዐ ደልይዎም። ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና በብስምና ጠፊእና እንተሎና ይጽውዓና አሎ። አምላኽ ክፈጥረና እንከሎ አምሳሉ ገሩ ምስኡ ጥቡቕ ርክብ ዘሎና ገሩ ፈጢሩና። ካብ አምላኽ ምርሓቕ ወይ ምስ አምላኽ ርክብ ዘይምግባር ተፈጥሮና አይኮነን ነዚ ዘይንገብር እንተለና ገለ ጸገም አሎና ማለት እዩ። አምላኽ ይጽውዕ ሰብ ከአ ክምልስ ሕጊ ተፈጥሮና እዩ።

ናይ ሎሚ ንባባት ብዛዕባ መጸዋዕታ አምላኽ ይዛረቡ። መጸዋዕታ አምላኽ ንውሑዳት ዝምልከት አይኮነን፥ “አብዚ እዋን ጸዋዕታ የለን ወይ ውሒዱ” ዝብል ይስማዕ እንተ ኾነ እዚ አብሃህላ  ጌጋ እዩ አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምስ ጸውዐ እዩ። ነፍስወከፍንና ንፍሉይ ነገር ክንገብር፥ ንኻልኦት አብ ሕይወቶምን በቲ ፍሉይ ዝኾነ ህያባቶምን አብ ግራት አምላኽ ክዓዩ እንሕግዝ ዝተጸዋዕና ኢና። ጸጊሙና ዘሎ ጽን ምባል ከምኡ አምላኽ ክጽውዕ እንከሎ ድምጹ አለሊኻ ዘይምኽእል እዩ።

አብ መጽሓፍ ፩ሳሙኤል 3፡3-19 ዘሎ እንተ ርአና ሳሙኤል ንመጸዋዕታ አምላኽ አብ መጀመርያ ከለሊ ከም ዘይከአለ ነንብብ። አምላኽ ንሳሙኤል ብስሙ ጸዊዕዎ ንሱ ግን ዔሊ መምህሩ ዝጽውዖ ዘሎ መሲልዎ ደጋጊሙ ተመላሊሱ፥ ዔሊ ከይዱ ክድቅስ ነጊርዎ። ሳልሳይ ጊዜ ምስ መጸ ግን ዔሊ አለሊዩ ሕጂ ዝጽውዓካ እንተ ሰማዕካ “ባርያኻ ይሰምዕ አሎ እሞ ኦ እግዚአብሔር ተዛረብ በል” በሎ። አብ ራብዓይ ጊዜ እግዚአብሔር ምስ ጸውዐ ሳሙኤል ክሰምዕን ክምልስን ክኢሉ።

ካብኡ ንድሓር ሳሙኤል ዓበየ እግዚአብሔር ድማ ምስኡ ነበረ ካብ ዘረባኡ ወላ ሓንቲ እኳ አብ ምድሪ ትወድቕ አይነበረትን። ንሱ ኩሉ ጊዜ አምላኽ ክጽውዕ እንከሎ ክሰምዕ ተቐሪቡ ይነብር ነሩ። ነቲ ዝሰምዖ ኸአ አብ ካልኦት የመሓላልፎ ነሩ። ቃል አምላኽ ንርእስና ጥራሕ ሒዝናዮ ዝነብር አይኮነን ክመሓላለፍ ክዝርጋሕ አለዎ። ክርስትያናዊ እምነትና ንርእስና ጥራሕ ዓቚርናዮ ዝነብር አይኮነን አብ ካልኦት ከምዘለዎ ክነመሓላልፎ ግቡእና እዩ። ክንደይ እዮም ንአና ርእዮም እምነትና ክርእዩ ዝኽእሉ? ክንደይ ብግብርና ሕይወቶም ክቕይሩ ክኢሎም አለዉ? እዚ ነቲ ለቢስናዮ ዘሎና ሕይወት ክነብሮ ዝሕግዘና እዩ እንተ ዘይኮነ ከምቲ ብዓል ሓንቲ ምክሊት ሓቢኡ ዘቐመጠ ከምኡ እዩ ዘሎ ሕይወትና። አምላኽ እምብአር መጀመርያ ክንሰምዖ ድሕሪኡ ክንልአኾ ይደሊ እዩ፥ ሕጂ አድልዩ ዘሎ ነቲ ዝጽውዕ ዘሎ ክንሰምዕ እዩ።

አምላኽ ሕጂ አብዚአ ሰዓት ይጽውዓኒ አሎ፥ እሞ ብሓቂዶ እሰምዖ አሎኹ፥ እንታይከ እዩ ዝብለኒ ዘሎ ኢልና ንርእስና ክንርኢ ይግባእ። ብዙሓት አምላኽ ከምዝጽውዓኒ ዘሎ ብኸመይ ክፈልጥ እኽእል? ከመይ ኢለኸ ክምልሰሉ ይግብአኒ እናበሉ ዝሓቱ አለዉ።

ነዚ ክንምልስ ብቅልል ዝበለ መገዲ ክንርእዮ ሓጋዚ እዩ ማለት ሕይወት ብድምጺ አምላኽ ዝመልአ እዩ። ከም አቦ ዕለት ዕለት ንአገልግሎቱ ምሳና ይዛረብን ይጽውዓናን። አብ ገለ እዋን መንፈሳዊ ኃይሊ ክንሰምዓሉ እንኽእል ስለ ዝጎድለና ከይሰማዕናዮ ይሓልፈና። ከም ሳሙኤል ክንሰምዕ ኩሉ ጊዜ አብቲ ልክዕ ቦታ ክንህሉ ይግብአና፥ ንርእስና ኸአ ክንሰምዕ ክፉት ገርና ክንጸንሕ አሎና። ወላ እኳ አብዚ ጫውጫውታ ዝመልአ ዓለም ንሃሉ ድምጺ አምላኽ ክንሰምዕ ይክአል እዩ፥ ግን ካብ ዝኾነ ድምጺ አምላኽ ከይንሰምዕ ዝገብረና ክንጥንቀቕ አሎና። ከም ሳሙኤል “ጎይታይ ተዛረብ ባርያኽ ይሰምዕ አሎ” ክንብል ስንድዋት ክንከውን አሎና። ንርእስና ንአምላኽ ክሰምዕ ጊዜ አሎኒዶ ኢልና ክንሓትት አሎና። ምአስ ኮን እየ ንአምላኽ ክሰምዕ ሱቕ ኢለ ጽን ዝበልኩ? ንአምላኽ ድምጹ ክንሰምዕ ጽን ክንብል ካብ ዝኾነ ዘደናግር ካልእ ድምጺ ክንጥንቐቕ አሎና። ብዙሕ ጊዜ ናብራ ዓለም ውሒጡና ግላውን ሓባራውን ነገራትና ውራያትና ትሑዛት ስለ ዝገበረና ንአምላኽ ክንሰምዕ ጊዜ ዝሰአና ንመስል አሎና፥ ነዚ ኢና ሎሚ ክንቅይሮ እሞ አብ ልብና ክንምለስ ንሕተት ዘሎና።

እንታይ ትደልዩ አሎኹም?

ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ መጸዋዕታ እዩ፥ አጸቢቕና ክንርእዮ ከሎና ካልአይ መጸዋዕታ እዩ፥ ማለት እዞም ክልተ አርድእቲ መጀመርያ ተኸተልቲ ዮሓንስ መጥመቕ እዮም ነሮም፥ ዮሓንስ “እንሆ ይዋህ በግዕ እግዚአብሔር” እናበለ አብ ኢየሱስ ከም ዝሳገሩ ገርዎም። እቶም አርድእቲ ብዙሕ ከየስተውዓሉ ደድሕሪ ኢየሱስ ክስዕቡ ጀሚሮም። ኢየሱስ ዝስዕብዎ ርእዩ ግልጽ ኢሉ “እንታይ ትደልዩ” እናበለ ሓቲትዎም። ሎሚ እውን ነንፍሲ ወከፍና እንታይ ትደሊ/ትደልዪ እናበለ ይሓተና አሎ። አምላኽ እንታይ ይደሊ? ንሕና እንታይ ከምንደሊ ጠፊእዎ ዘይኮነ ካባና ክሰምዕ ይደሊ፥ ክንሓቶ ክንልምኖ ይደልየና “ከየቋረጽኩም ጸልዩ” ይብለና። አምላኽ ካባና ዘድልዮ ነገር የብሉን ንሕና ኢና እንደሊ፥ እምብአር እንታይ እዩ እቲ ቀዳምነት አብ ሕይወትና እንህቦ ማለት ንአምላኽ ብዝርእን ንኸማና ዝመስሉ ሰባት ብዝርእን።

ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና እንያት እዩ አብ ሕይወት ካብ አምላኽ እንደልዮ። መልሲ ክትህበሉ ቀሊል ሕቶ አይኮነን። ቀለዓለም ብዝመልኦ ወይ አምስሉ ኮንካ መልሲ እትህቦ አይኮነን አበይ ከምዘሎናን ከመይ ከምዘሎናን ክንምልስ ዝሕግዘና እዩ። መጠን ኩነታትን ነገራትን አብ ዝገጠሙሉ አብ ዝተፈላለየ ደረጃን እዋንን ክንምልሰሉ ዝግብአና ሕቶ እዩ።

ንዑ ርአዩ!

እቶም አርድእቲ ነቲ ኢየሱስ ዝሓተቶም መልሲ ክንዲ ዝህቡ አበይ ኢኻ እትነብር ኢሎም ሓቲቶም። ብኻልእ አዘራርባ ሕትኦም መምህር ምንጪ ልቦናን ፍልጠትን አበይ ኢኻ እትነብር እዩ። ንቅ. ዮሓንስ “ምንባር” ዝብል ቃል ብዙሕ ጊዜ እዩ ዝጥቀመላ፥ “ኢየሱስ አበይ ኢኻ እትርከብ? አብይ እንተ ኸድና ኢና ክንረኽበካ እንኽእል፥ አበናይ ክልሊ ሕይወትና ኢና ምሳኻ ክንራኸብ እንኽእል? እዚ እንተ ኾነ መልስና ሕቶና ወይ አበሃህልና ንኢየሱስ ክንረክብ ክንፈልጥ አብ ጽቡቕ አንፈት ወይ መገዲ አሎና ማለት እዩ።

ኢየሱስ ንሕትኦም ክምልስ እንከሎ “ንዑ ርአዩ” ኢልዎም። ንኢየሱስ ምፍላጥን አበይ ከም ዝነብር ምርአይን መጀመርያ ናይ አእምሮ ፍልጠት ጉዳይ አይኮነን። ናይ ሓበረታ ጉዳይ እውን አይኮነን። ኩሉ ትምህርተ መለኮት፥ ዓንቀጽ እምነት፥ ሞራላዊ ፍልጠት፥ ወይ እውን ክኢላ ብኩሉ አፍልጦ ብዛዕባ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያንን ሕግታታን አይኮነን። ብሓጺሩ ናይ ምፍላጥ ጉዳይ አይኮነን። ፈሪሳውያን ነዚ ጽቡቕ አብነት እዮም ክኾኑና ዝኽእሉ።

ንኢየሱስ ምፍላጥ ክብሃል እንከሎ ናይ ተምክሮ ናይ ልምምድ ጉዳይ እዩ። ሓደ ንሓዲስ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ብምልኡ ብርእሱ ከጽንዖ ይኽእል እዩ ግን ጌና ንኢየሱስ ዘይፈልጥ ክኸውን ይክአል እዩ። ብትምህርቲ ወንጌል ንኢየሱስ ምፍላጥ ማለት ምድላዩ፥ ሃረር ምባልን ነቲ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ዝገጥም ነገራት ምስ ድለት አምላኽ መልሲ ሂብና ምኽአል እዩ።

ንኢየሱስ ምፍላጥ ከስ አብ ትምህርቱ አብ ውሽጢ ትርጉሙ ምእታው እዩ፥ ወላ አብ ገለ እዋናት ዝገጥም ኩነታት ተጻይ ርድኢትናን ስምዒትናን ይኹን። ብዘይ ቅድመ ኩነት ንአምላኽን ሰብን ምፍቃር፥ ምሒርካ ሓዲግካ ምኽአል፥ ንካልአይቲ ምዕጉርትኻ ሂብካ ምኽአል፥ ዕለት ዕለት መስቀልካ ጸርካ አሰር ኢየሱስ ምስዓብ፥ ስደት ውርደት ብሰንኪ ተኸታሊ ክርስቶስ ብምዃንካ ንዝመጽአካ ብትዕግስቲ ምቕባል እዩ። ንዓ እሞ ርአ እዚ እዩ እቲ መገዲ ክትከከዶ ዝግባእ ካልእ መገዲ የለን ንዝብል ሰሚዕካ ምኽአል።

ናይ ክርስቶስ ተመክሮ ምስ ካልእ ተሳቲፍካ ምኽአል።

እቶም ክልተ አርድእቲ ነቲ ዕድመ ተቐቢሎሞ። አብቲ ኢየሱስ ዝርከቦ ከይዶም ምሉእ መዓልቲ ምስኡ ውዒሎም አብ መወዳእታ ተቐይሮም ተሓዲሶም። ኢየሱስ መን ምዃኑ ክፈልጡ ክኢሎም። ሓደ ካብኦም እንድርያስ ሓዊ ጴጥሮስ እዩ ነሩ፥ ንሱ ተኸታሊ ኢየሱስ ጥራሕ አይኮነን ኮይኑ ክሰብኽ እውን ጀሚሩ። ነቲ ዝርአዮን ዝሰምዖን ንሓዉ ጴጥሮስ ነጊርዎ አብ ኢየሱስ ከአ ወሲድዎ። ንኢየሱስ እቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዛዕብኡ ዝዛረብ እቲ መስሕ ረኺብናዮ እናበለ ንሓዉ አብ መስሕ ወሲድዎ። ስምኦን ጴጥሮስ ተባሂሉ ተከታሊ ኮይኑ።

አብዚ ወንጌል እንርእዮ እቲ መጻኢ መራሕ ቤተ ክርስትያን ጴጥሮስ ብሓዉ እዩ ተጸዊዑ እምበር ብኢየሱስ አይኮነን ተጸዊዑ ዮሓንስ ወንጌላዊ ከምዝሕብሮ። ካልኦት ወንጌላውያን ግን ባዕሉ ኢየሱስ ከምዝጸውኦ እዮም ዝነግሩ።

ንሰባት አብ ኢየሱስ አምጺእካ ምኽአል።

አብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ብዙሓት ቅዱሳት ብሰባት ተሓጊዞም እዮም አብ ቅድስናን አብ አፍልጦ አምላኽ ዝበጽሑ። ነፍስወከፍና ብሓደ ሰብ ተሓጊዝና ኢና አብ እምነት በጺሕና። ክርስትያን ምዃን ማለት እምብአር ንርእስኻን ንካልኦትን አብ ኢየሱስ አምጺእካ ምኽአል እዩ። ሰባት ርእሶም ርእዮም ከምዝኽእሉ ምግባር እሞ ሽዑ አብ ኢየሱስ ገጾም ጉዕዞ ከምዝጅምሩ ምግባር። ገለ ሰባት ስኣን ዘበግሶም ዝነግሮም አብ ጸልማት አብ ኃጢአት ዝነብሩ አለዉ ስለዚ ንሕና ኢና አብ ዘለውዎ ከድና አብ ኢየሱስ ክመጽኡ እንሕግዞም።

አብ መወዳእታ ንርእስና ክንሓትት ይግብአና።

·         አምላኽ እንታይ ክገብር፥ እንታይ ክኸውን ሕጂ ሎሚ ይጽውዓኒ አሎ? ነቲ አምላኽ ክብለኒ ዝደሊ አብ ክሰምዓሉ ዝኽእል ኩነታት ድየ ዘሎኹ?

·         መን አሎ ሎሚ አነ አብ ኢየሱስ ከምጽኦ ዝጽበየኒ ዘሎ?

·         መን አሎ ነቲ ዕድመ አምላኽ “ንዓ ርአ” ዝብል ክሰምዕ ዝጸበ ዘሎ?

በዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር ንነፍሲ ወከፍና “ንዓ ርአ” እናበለ ይጽውዓና አሎ። ከከም ዓቕምናን ፍቓድናን ርእዩ ክልእኽ ንዑ ንዝብል ዘሎ አምላኽ ክንልአኾ ክንሰምዖ ፍቓደኛታት ንኹን። ምስ ሳሙኤል ኮና “ተዛረብ ጎይታይ ባርያኻ ይሰምዓካ/ትሰምዓካ አሎ/አላ ንበሎ። ነዚ የብቅዓና።

አሜን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

29 January 2020, 19:31