ሓድነት አብ ቤተ ክርስትያን ንባብ፡ ፊሊጵ 2፡1-4

“ኦ አቦ ንስኻ ከም ዝለአኽካኒ ዓለም ምእንቲ ኽትአምንሲ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኺኾኑ ከምቲ ንስኻ አባይ ዘሎኻ አነውን አባኻ ከምኡ ድማ ንሳቶም አባና ምእንቲ ኪኾኑ እልምን አሎኹ፥ ንሳቶምውን ሓደ ምእንቲ ኽኾኑ እቲ ዝሃብካኒ ክብሪ ሃብክዎም፥ እዚ ድማ ብሓድነት ፍጹማት ምእንቲ ኽኾኑ በቲ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪውን ንአአቶም ከም ዘፍቀርካዮም ዓለም ምእንቲ ክትፈልጥ እዩ” (ዮሓ 17፡21-23)
ብድምጺ ንምክትታል!

እምነት ክርስትና መሰረቱ አብቲ ሓደ አምላኽ ስለዝኾነ አብ መንጎ ኩሎም አመንቲ ሓድነት ክህሉ ምርጫ ዘይኮነስ ድላይ እቲ ፈጣሪ ኩሉ ዝኾነ አምላኽ እዩ። ጎ.ኢ.ክ. ምእንቲ ሓድነት አመንቲ ክጽሊ እንከሎ “ኦ አቦ ንስኻ ከም ዝለአኽካኒ ዓለም ምእንቲ ኽትአምንሲ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኺኾኑ ከምቲ ንስኻ አባይ ዘሎኻ አነውን አባኻ ከምኡ ድማ ንሳቶም አባና ምእንቲ ኪኾኑ እልምን አሎኹ፥ ንሳቶምውን ሓደ ምእንቲ ኽኾኑ እቲ ዝሃብካኒ ክብሪ ሃብክዎም፥ እዚ ድማ ብሓድነት ፍጹማት ምእንቲ ኽኾኑ በቲ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪውን ንአአቶም ከም ዘፍቀርካዮም ዓለም ምእንቲ ክትፈልጥ እዩ” (ዮሓ 17፡21-23) እናበለ ጸልዩ። አብ ክርስትናና ሓድነት ክጎድል እንከሎ ጸገም ገርና አሎና ማለት እዩ።

ሓድነት ክርስትና መሰረቱ አብቲ አብ መንጎ ስላሴ ዘሎ ርክብ እዩ ዝምስረት። አብ መንጎ ክርስትያን ዘሎ ፍቕሪ አምሳል ናይ እቲ አብ መንጎ ስላሴ ዘሎ ፍቕሪ እዩ። ሰብ አብ ሕይወቱ ሓድነት ክህልዎ እንከሎ ነቲ ስሩዕ መገዲ ክሕዝ አይከብዶን እዩ። ጠባይና አተሓሳስባና ግብርና መንፈስና ሓደ ክኸውን እንከሎ ንአምላኽ ክነለሊ ክበድ የብሉን። አምላኽ አብቲ ሓደ ዝኾነ ሕይወት ክመጽእ ጸገም የለን። አብ መንጎ ሰባት ሓድነት እንተ አልዩ ቊምነገር ሰላም ፍቕሪ ምዕባሌ አሎ። ክርስቶስ ባዕሉ ክልተ ወይ ሰለስተ ብስመይ እንተ ተአከቡ አነ ምስኦም አሎኹ ይብለና፥ ብሓደ ክንከውን እንከሎና ክንሰምር እንከሎና ንሱ አብ መንጎና አሎ።

አብ ታሪኽ ተፈጥሮና ሰብ እቲ ዝዓበየ ጸገም ድሕሪ ውድቀት ዝገጠሞ አብ ርእሱ ሓድነት ስኢኑ። ንስምዒቱ ንድለታቱ ክመልኽ አይከአለን። ስጋን ነፍስን ክልተ ተጻረርቲ ሓይልታት አብ ሓደ ሰብ ኮይነን። አብ መንጎ ቤተ ሰብ ደቂ ዓዲ ብኹሉ ሓደ ዝኾኑ ስምምዕ ተሳኢኑ። ውግእ ምግፋዕ ንሰባት ምዕማጽ መለለዪ ታሪኽ ደቂ ሰብ ኮይኑ። እዚ ኹሉ ዝወረደ ሰብ ሓድነቱ ምስ አምላኽ ስለ ዝበተከ እዩ። ሳዕበኑ ኸአ ሰብ ምስ ርእሱን ምስ ከምኡ ዘመሰሉ ሰባት ብሓደ ክነብር ጻዕሪ አድልይዎ። ሓድነት ከስ ብባህጊ ዘይኮነ ደም እናጠዓመካ ዝመጽእ እዩ። ዝነአሰ ዝዓበየ ዝጻወቶ እጃም አልኦ።

አብ ሓድነት ብርታዐ፥ ዓወት፥ አሎ። ፈትሊ ብሓደ ክጥመር እንከሎ ብርቱዕ መእሰሪ ነቲ ዝበርትዐ ነገር እውን ቀጥ አቢሉ አሲሩ ክሕዝ ይኽእል፥ ሓንቲ ፈትሊ ተነጺላ ክትርአ እንከላ ግን ብቐሊል ትብተኽ ሓንቲ ቁምነገር እውን ክግበረላ አይክአልን እዩ። አብ ናይ ሰብ ነገር ከአ ከምኡ እዩ። አብ ቤተ ክርስትያን አብ ሕብረተ ሰብ ብሓደ ልብን መንፈስን ክንጉዓዝ እንከሎና ንዝኾነ ነገር ክንገብር ክንቅይር ንኽእል ኢና። ሓደ ክንከውን እንከሎና ፍርሒ ስክፍታ ምጥርጣር ይጠፍእ። ሰብ ዝጽገም ልቡ መንፈሱ ጠባዩ ግብሩ ክፈላለ እንከሎ ሽዑ ሕይወት ይጽላእ ሰላም ይስአን ህውከት ውግእ ግፍዒ ዓመጽ ይበዝሕ እዚ ኸአ እዩ ሎሚ ንዓለምና ዓብሊልዋ ከም እታሳቐ ገርዋ ዘሎ።

አብ ሰብ ፊሊጲስዩስ ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ጳውሎስ ፍሉይ መልእኽቲ ንሓድነት ክርስትያን ዝርኢ አለዋ። ጳውሎስ አብ ቤተ ማእሰርቲ እንከሎ እዩ ጽሒፍዋ ከም ለበዋ ነቶም ሰብ ፊሊጲስዩስ አብ መንግኦም ክገብርዎ ዘለዎም ነገራት ብፍላይ ካብ መንግኦም ፍልልይ ከጥፍኡ ክከባበሩ ሓደ ንሓደ ሰሚዑ ክኽእል ይላበዎም። “ሓንቲ ሓሳብ ብምሕሳብ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምትእስሳር ብሓደ መንፈስ ንሓደ ዕላማ ብምዕያይ ንሓጎሰይ ምልአት ሃብዎ” (ፊሊ 2፡2) እናበለ አብ መንግኦም ክህሉ ዘለዎ ርክብ ይገልጸሎም። አብ ጽሑፍ ጳውሎስ ከም እንርድኦ ሰብ ፊሊጲስዩስ ከም ኩሎም ካልኦት ክርስትያን ውሽጣዊ ጸገማት አብ ገለ እዋን ምንጪ ናይ ኩሉ ፍልልያት ነርዎም እዩ። ክሕደሱ ክቕየሩ ኢሉ አርባዕተ ዘተባብዕ ኢሉ ዝገመቶ ነገራት ይሕብሮም፡

1.   ሕይወቶም አብ ክርስቶስ ክገብሩ፡ አብ ኩሉ ክርስትያናዊ ሕይወት ከም ቀንዲ ኮይኑ ከመልኽ ዘለዎ ነገር ምዉቕ፥ ጥቡቕን፥ ግላዊ ርክብ ምስ ክርስቶስ ምሓዝ እዩ። ነዚ አብ ሕይወትና አብ ርክባትና መምርሒ ገርና ክነብር እንተ ኸአልና አብ መንጎና ዘፈላሊ ክህሉ አይክእልን እዩ። ንክርስቶስ አብ ኩሉ ማእከል ሕይወትካ ገርካ ምንባር።

2.   ፍቕሪ (አጋፐ) ምዝውታር፦ ንአና ንክርስትያን ፍቕሪ ቀንዲ ማእከል ናይ ኩሉ ርክባትናን ሕይወትናን እያ። መጀመርያ እግዚአብሔር ባዕሉ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ገሊጹልና ብፍላይ ብሕማማቱን ሞቱን አብ መስቀል። ካልአይ ከአ ፍቕሪ ልዕሊ ኩሉ ሕጊ ንኹሉ ሒዛ እትርከብ እያ። ፍቕሪ መለክዒ ንኹሉ እንህቦ ፍርዲ፥ ቃላትን ግብርን እያ። አብ መንጎ አሕዋት አሓትን አብ መንጎ ማሕበር ሓቀኛ ፍቕሪ እንተ ደአ አልዩ ዝኾነ ዓቢ ፍልልይ ክህሉ አይክእልን እዩ።

3.   ብሓባር ዘሎና/ዝተቐበልናዮ መንፈስ አሎና፡ እቲ መንፈስ አምላኽ እዩ፥ ነቲ ካብ ክርስቶስ ዝተቐበልናዮ መልእኽቲ ወንጌል የመሓላልፈልና ብሓባር ሓድነት ፈጢሩ አብ ሓቀኛ መገዲ ከም እንኽተሎ ይገብረና። ኩላትና ሓደ መንፈስ እንተ ተቐቢልና ድሕሪኡ አብ ነነድሕድና ሓደ ዓይነት ቋንቋ ክንዛረብ ኢና ብሓባር ብስምምዕ ዝኾነ ነገር ክንገብር ኢና፥ አብ ሓደ ጉዕዞ እናኸድና አብ ሓበራዊ መወዳእታ ክንጥምት ኢና።

4.   ተገዳስነትን ሓልዮትን አብ ነነድሕዶም ከርእዩ፡ እዚ አብ ነነድሕድና ዘሎና ምግዳስን ሓልዮትን ይገልጽ። እዚ ምትብባዕ፥ ቅሳነት፥ ምስዓብ፥ ምግዳስን ምፍታውን የስምዕ ከምኡ ንዝኾነ ሓድነት ዝመቓቕል ዘይምርድዳእ ዝፈጥር ኩነታት የጥፍእ። በዚ ዓይነት ዝምራሕ ማሕበረ ኮም ጳውሎስ “ብሓሳብ ዝሓበሩ፥ ብፍቕሪ ዝተአሳሰሩ፥ ብሓደ መንፈስ ንሓደ ዕላማ ዝዓዩ” ይብሎም። እዚ ክብሃል እንከሎ አብ ፍጹም ሓድነት ክብጻሕ ንማለት አይኮነን አብ ሓበራዊ ጥቕምን ስራሕን ዓላማ ንምብጻሕ ንነድሕድካ ምጽውዋርን ብምቅብባልን ዝኸውን እዩ።  

 ቅ. ጳውሎስ ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ በቶም ሰብ ፊሊጵስዩስ ብዘይ መጠን ሕጉስ እዩ ነሩ ግን ከአ ነቲ ንሱ ዝብሎም እንተ ዝሰምዑ ንሓጎሱ ምሉእ ምገበርዎ። እዚ ክብል እንከሎ ምሉእ ሓድነት አብ መንግኦም አይነበረን ገለ ምፍልላይ ነርዎም እዩ። ነዚ ከም መበገሲ ክኾኖም ኢሉ ምኽሪ ይህቦም፥ ካብ ዝኾነ አብ መንግኦም ዘሎ ውድድር ነጻ ክኾኑ ይመኽሮም ምኽንያቱ ገለ ካብአቶም ንሓቂ ንሶም ጥራሕ ዝሓዝዋ ኮይኑ ይስምዖም ነሩ። “አነ ጥራሕ እየ ዝብል አንነት ዝመልኦ መንፈስ አብ ገለ ይርአ ነሩ”። ከምዚ ዝአመሰለ አብ ንአይ ዝብል ዝተመርኮሰ ድለት ወይ አብ ንአይ ጥራሕ ዝተመርኮሰ ናይ ማሕበር ሓድነት ዘዕኑ እዩ።

ሰብ ፊሊጵስዩስ ትሑታትን ንአይ ጥዓመንን ዝብል መንፈስ ከጥፍኡ አለዎም። ካብ ርእሰ ምልዓልን ንአይ ጥራሕ ካብ ዝብል መንፈስ ወጺኦም ነጻ ክኾኑ እሞ አብ አሕዋቶም ብዝያዳ ከተኩሩ አለዎም። ነዚ አብ ግብሪ ከውዕልዎ እንተ ኾይኖም “ንኻልኦት ዝበለጸ ነገር ክሓስቡ” አለዎም። እዚ ክብሃል እንከሎ ንዘሎካ ህያባት ክእለትን ምንጻግ አይኮነን እንታይ ድአ ነፍሲ ወከፍ አብቲ ንካልኦት ዘድልዮም ነገር ንምግባር ክመርሖም እዩ። ከምቲ ካልኦት ህያባቶም አብ ጥቕመይ ዘውዕልዎ አነ ኸአ ህያባተይ ንአይ ጥራሕ ዘይኮነ አብ ጥቕሚ ካልኦት እውን ከውዕሎ አሎኒ፥ ብኸምዚ ዝአመሰለ አገባብ አብ ነነድሕድና ዘሎና ሓገዝ ከነዕቢ ንኽእል።

እዚ ኹሉ ጳውሎስ ዝብሎ ሎሚ አብ ቤተ ክርስትያና አብ ሕብረተሰብና አብ ቍምስናና ክንገብሮ ንኽእል። ብዝያዳ ሓድነት ክህልወና፥ ምጽውዋር ክህልወና ከምኡ አብ ነድሕድና ክንቀባበል አሎና። እዞም ዝተጠቕሱ አርባዕተ ነገራት ንአና እውን ይምልከቱ እዮም፥ ነዞም ዝተጠቕሱ አብ ግብሪ ክነውዕሎም እንተ ኸአልና ንዝኾነ ምምቕቓልን ዘይሓድነት መንፈስ ካብ መንጎና ክነርሕቕ ንኽእል።

አብ ትምህርቲ ጳውሎስ አቶኲርና እንተ ረአና ጳውሎስ ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ጠቒሱ ይዛረብ፡

·         “እቲ አብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ አተሓሳስባ አባኻትኩም ይሃሉ” (ፊሊጵ 2፡5)፥ እዚ ብምሉእ አብ ክርስቶስ ክንውሃሃድ ዝሓትት እዩ። አተሓሳስባና ጠባይና ኩሉ ካባና አውጺእና ንክርስቶስ ክንለብሶ አሎና። ክርስቶስ አምላኽ እንከሎ ንኹሉ ሓዲጉ ከማና ካብ ኮነ ንሕና እውን ንትዕቢት ንኽፍአት ንአይ ጥዓመኒ ዝብል ኩሉ ክንሓድጎ ይሓተና።

·         “ምእንቲ ናይ ገዛእ ርእስኹም ድኅነት ሥርሑ” (ፊሊ 2፡12)፡ትስብእት ክርስቶስ ንአና አብ አምላኽ ንምምላስ እዩ። ደቂ ሰማይ ክንከውን ናይ ነፍሲ ወከፍና ጸዋዕታ እዩ። እንተ ኾነ ደቂ ሰማይ ክንከውን ግብሪ የድልየና፥ ንጸጋ አምላኽ ክንቅበል ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና ሽዑ መብራህቲ ድኅነት አብሪህና ንርእስናን ንኻልኦትን አብ ክርስቶስ ክንመርሕ ንኽእል።

·         “ንዅሉ ብዘይ ምጕርምራምን ብዘይ ምትህልላኽ ግበርዎ” (ፊልጵ 2፡14)፥ ነቲ ቅኑዕ አምላኽ ዝደልዮ ክንቅበል ከምኡ ንአብ ሓላፍነት ዘለዉ ብፍላይ አብ ቤተ ክርስትያን ክነኽብሮም ክንሰምዖም ይመኽረና። ንድላይ አምላኽ አብ ድላይና ከይንቕይሮ ምጥንቃቕ የድሊ። ንሰባት ከይንተሓላለኽ ምኽንያቱ ምትህልላኽ እንተሎ ምቅንናእ ፍልልይ ጽልኢ ነጊሱ አሎ ማለት እዩ። ንዝኾነ ሰናይ ነገር ብፍላይ ንማሕበር ዝምልከት ብቅኑዕ መንፈስ ክንቅበሎ ንሓድነትን ንጥዕና ርክባትናን ብልቢ ክንዓየሉ ይግብእ።

·         “ሓጎሰይን አኽሊለይን ዝኾንኩም ፍቁራት አኅዋተይ አብ ጎይታ ጸኒዕኩም ንበሩ” (ፍሊጵ 4፡1)። አብ ዝኾነ ሕይወት ነናቱ ፈተና ክበድ አልኦ ጽንዓት ተጻዋርነት የድሊ። ክርስትያን ማለት ጸዋር መስቀል ማለት እዩ፥ ነፍሲ ወከፍና ክንጾሮ ዘሎና መስቀል አሎና። አብ ጥዕና ማሕበር ክርስቶስ ብዝያዳ ክንተግህን ክንጸንዕን ድላይ አምላኽ እዩ።

ቃል ቅዱስ ጳውሎስ ሎሚ እውን ሕይወት ዝህብ ንቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ዘድሊ እዩ። ጥዕና ማሕበር ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ሓላፍነቱ እዩ። ነቶም አብ ሓላፍነት ዘለዉ ጥራሕ ዝግደፍ አይኮነን። ብጸሎት ከምኡ ዓቕምኻ ብዝፈቕዶ ንቤት አምላኽ ምህናጽ ጸጋን በረኸትን የብዝሕ።

አብ ቤተ ክርስትያን አብዚ ዓለም ኩሉ ከምቲ ዝድለ ክኸይድ አይክእልን እዩ ሰባት ስለ ዝኾና ገለ ብሕመቕ ገለ ስአን ምፍላጥ ገለ ኸአ ሰይጣን ተዓዊትሎም ንቤት አምላኽ ዘይናቱ ከምዝለብስ ዝገብሩ ዘሳቕይዋ አብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ዝነበረ እዩ ድሕሪ ሕጂ እውን ክህሉ እዩ። ንሕና አመንቲ ከምቲ ቅ. ጳውሎስ ዝብሎ “ከምቲ ኸዋኽብቲ አብ ዓለም ዜብርሁ ንስኻትኩም ከአ አብ ማእከል እዛ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚአ ኢንታ ዘይብሎምን ንጹሓትን አበር ዘይብሎም ውሉድ አምላኽን ኳንኩም አብርሁ” (ፊሊጵ 2፡16) ዝብሎ ኮና ክነብር ሎሚ እውን ንንገር አሎና።

አብዚ ዓለም እቲ ዝኸበድ ዕንቅፋት ካብዞም ንአሽቱ ከይተስሕቱ ተጠንቀቑ ዝብል እዩ። ንአሽቱ ዝብሃሉ ብዕድመ ዘይኮነ አብ እምነትን ተረድኦ ክርስትና ንእሽቶ አፍልጦ ዘለዎም እዩ፥ እዚኦም በቲ ዝውሃቦም ትምህርትን አብነትን ብእምነት ክዓብዩ እምበር ዕንቅፋት ከይረኽቡ ምጥንቃቕ የድልዮም። አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ኩሉ በብዓቕሙን አፍልጥኡን አብ ክርስቶስ ክቐርብ ሕይወት ቅድስና ክለብስ እዩ እቲ ዓላማ ስለዚ ብሓደ ልብን መንፈስን ዝንአስና ዝዓበና አብ ቤት አምላኽ ሓደ ኮና ንጉዓዝ እዚ ኸአ ንአና ሰላምን ፍቕርን ንዓለምና ኸአ ህድአትን ምርግግአን ስኒትን ክወርሳ እዩ።

ሓደ ምዃን ማለት ግን ዝተፈላለየ አገባብን ጠባይን ርድኢትን አይሃልወና ማለት አይኮነን ነፍስወከፍና ዝተፈላለየ ህያባት አምላኽ ዝተወሃብና ኢና ነዚ ህያባትን ንአገልግሎት አምላኽን አሕዋትን ክነውዕሎ ይግባእ። አምላኽ ብጸግኡ ሓደ ልቢ ለቢስና ንስፍሓት ወንጌል እንወፍር ይግበረና። ክርስትያን ኩልና አብ ክንዲ አብ እንፈላለየሉ ነድህብ አብ እንፋቐረሉን ሓደ እንኾነልን ክነድህብ ጸግኡን በረኸቱን የውርደልና። ክርስትናዊ ሓድነት ጥራሕ እዩ ንሕይወትና ምልአትን ፍጹም ሓጎስ ዝህበና እሞ አምላኽ ብልመና አደና አደ ወዱን ይትዓረቐና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

25 January 2020, 16:36