ብዓለ ጥምቀት 11 ጥሪ 2012 ዓ.ም. (1/20/202)

ምስባክ፡ 1. ርእዩከ ማያት እግዚኦ፥ ርእዩከ ማያት ወፈርሁ፥ ደንገፁ ቀላያተ ማይት ወደምፀ ማያትሆሙ። መዝ. 76፡16 2. ባሕርኒ ርእየት ወጎየት ወዮርዳኖስኒ ገብአ ድኅረሁ አድባር አንፈርዕፁ ከም ሓራጊት። መዝ.113፡34
ብድምጺ ንምክትታል!

ብዓለ ጥመቀት መድኃኒና ክርስቶስ ዘኪርና ነብዕል አሎና። ነዚ እዋን ፍሉይ ዝገብሮ ዘመነ ልደት ሓሊፉ ሓዲስ ምዕራፍ አብ ሕይወት ኢየሱስ ዝጅምረሉ ብምኻኑ እዩ። ናይ ክርስቶስ ጥምቀት እናዘከረና እንከሎና ከም ክርስትያን ጥቕሚ ምስጢረ ጥምቀት ፈሊጥና ነቲ አብ ጥምቀት ዝአቶናዮ መብጽዓ ክንሕድሶን ክነብሮን ይሕግዘና ፍሉይ ብዓል እዩ።

አብ ትንቢተ ኢሳያስ 40፡1-11 ዘሎ እንተ አንበብና ናይ ተስፋን መጽንንዓን ንህዝበ አምላኽ ዝተዋህበ ንርኢ። ጽሑፍ ኢሳያስ ብምልኡ ንክርስቶስ እዩ ዘመልክት ንሱ እቲ ቅቡእ አምላኽ ክንሓዊ ኢሉ አብ መንጎና ዘሎ እዩ፥ ብዝያዳ ምስኡ ዘሎና ርክብ ከጽንዕን ሰላምና ክሐድስን ምሳና አሎ። ኢሳያስ ከምዚ እናበለ ይገልጾ “ንሕዝበይ አጸናንዑ እወ ንሕዝበይ አጸናንዑ . . . . . ነቶም ዝተበጀዎም ሕዝቢ ኂዙ ብኃይሊ ኺገዝእ ይመጽእ አሎ፥ ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ ይከናኸነን ንዕያውቱ አኪቡ አብ ሕቕፉ ይስከመን ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድአት ይመርሐን” ይብል። እዚ እዩ እቲ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐብአሉ አብ ጊዜ ጥምቀቱ ብአምሳል ርግቢት አብ ልዕሊኡ ወሪዱ ንአገልግሎት ክወፍሪ ዝተዋህቦ።

ቅ. ጳውሎስ አብ ቲቶ ዝጸሓፋ “ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኮነስ ብምሕረቱ ማለት በቲ ኻልአይ ልደት ዚህብ ምሕጻብን ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን አድኃነና፥ ብጸጋኡ ጸዲቕና ብተስፋ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን ብመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ አብ ልዕለና አብዚኁ አፍሰሶ” (ቲቶ 2፡5-7) እናበለ ምስጢር ጥምቀትና የዘኻኽረና። ክርስቶስ ብጥምቀቱ ንአና መንጪ ጸጋ ጥምቀት ቀደሰልናን ከፈተልናን። ብጥምቀቱ ገሩ ኸአ ድሮ ድሕነትና ጀመሮ። አብ ክርስቶስ ብምጥምቕና ጉዕዞ ድሕነትና ጀሚርና።

ዮሓንስ መጥምቕ  ቅድሚ ንሱ መስሕ ወይ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ነብያት ከምዘይኮነ ከም ዝመስከረ፥ ኢየሱስ እቲ ንሱ ብዛዕብኡ ዝተዛረቦም ከምዝኾነ ይነግር። ዮሓንስ ወንጌላዊ ንጽባሒቱ እናበለ ይነግር። ከምኡ ካብታ መጀመርያ ዝነገራ ክሳብ መርዓ አብ ቃና ዘገሊላ ዝተገብረላ ዕለት ሸውዓተ መዓልቲ ከም ዝኾነ ይገልጽ፥ እዚ ኸአ ነቲ አብ ዘፍጥረት ዘሎ ሸውዓተ መዓልታት ፍጥረት ንምምልካት እዩ። አብ ቀዳመይቲ ምዕራፍ “ንጽባሒቱ” ዝብል ቃል ሰሰልተ ጊዜ ተጠቒሱ ንረኽቦ በዚ ኸአ አብ ራብዓይ መዓልቲ ናይ ሶምን የምጽአና። ድሕርዚ አብ መንጎ ካልእ የእቱ ሽዑ ነቲ አብ ቃና ዝተገብረ መርዓ አብ ሳልሳይ መዓልቲ እናበለ ይነግር እዚ ኸአ ምስቲ አቐዲሙ አርባዕተ ዝበሎ እዩ በዚ ኸአ ሻብዓይ መዓልቲ ይኸውን። አብ ወንጌል ዮሓንስ ቍጽሪ ሸውዓተ ፍሉይን ዓሚቑን ትርጉም አለዎ።

ዮሓንስ መጥምቕ ኢየሱስ ይሓልፍ ምስ ረአዮ “እንሆ ኃጢአት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል አምላኽ” እናበለ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ አብ ኢየሱስ ክሳገሩ ሓቢርዎም። እዚ ሓደ ካብቲ አብዚ እንምሃሮ እዩ ንሰባት አብ ክርስቶስ ከም ዝበጽሑ ምግባር ብግላዊ ጥቕሚ ወይ ምትላላ ንአና ጥራሕ ከም ዝኽተሉ ከይንገብር ምጥንቃቕ የድልየና። አብ ክርስቶስ ክነብጽሖም ሓላፍነት አሎና። አብዚ መጀመርያ ምዕራፍ ወንጌል ዮሓንስ ሓደ ፍሉይ ነገር እንርእዮ ከአ ንኢየሱስ ካልእ ስም ክውሃቦ  “ገንሸል” ክብሎ ንርኢ አብ ቀጻሊ ኸአ ይጥቀመሉ።

ስለምንታይ እዩ “ገንሸል” ዝብሎ? አብ ስርዓት ፋሲካ አይሁድ ሓደ ካብቲ ቀንዲ እቲ ዝብላዕ ገንሸል  ዝብል እዩ። እዚ ነቲ እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ቅድሚ ምውጽኦም መልአኽ ብዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት ነፍስወከፍ ስድራ ሓደ በግዕ ወይ ዕዮት ክትሓርድ እሞ ካብቲ ደሙ አብ ማዕጽኦም ክለኽዩ ከምኡ ነቲ በግዕ ክብልዕዎ ዝአዘዞ እሞ ብእኡ ዝድሓኑ ዘዘኻኽር እዩ። እዚ አብ መራሕ ዕለት አይሁድ ምልክት ነጻነትን ሓደ ካብቶም ቀንዲ ብዓላት ኮይኑ ይዝከር።

ንአና አብዚ እዋን አብ ክርስቶስ እንአምን ሓዲስ ምልክት ነጻነት አሎና። ኢየሱስ ሰዋዕን መስዋዕትን አብ ምስዋዕ ኮይኑ ሞቱን ትንሣኤኡን ሓዲስ ኪዳን አብ መንጎ እግዚአብሔርን ህዝቡን ጀሚሩ። አብ ኩሎም ወንጌላውያን ከም እንረኽቦ አብ ጸሎተ ኃሙስ አብ ጊዜ ድራር ገንሸል ከም ዝተበልዐ ዝነግር አይንረክብን ምኽንያቱ ሓዲስ ገንሸል ስለ ዘሎ፥ ንሱ ነቶም ብጾቱ እንኩም ብልዑ፥ እንኩም ስተዩ ነቲ አነ ዝህበኩም እንገራን ወይንን እናበለ ሂብዎም። በዚ ደም ናይ እዚ ገንሸል ኢና ድሕነትን ነጻነትን ረኺብና።

እዚ ገንሸል ዝብል ነቲ አብ ኢሳያስ 53፡7-10 ዘሎ ናይ እቲ ከም ገንሸል በጃ ዝኸውን ዝሳቐ አገልጋሊ ዝብል የዘኻክር። አብ ራእይ 5፡7 ከምኡ 17፡14 ብዛዕባ እቲ ዕዉት ገንሸል ንጽልኢ አብ ዓለም ዝስዕር ይዛረብ። ገንሸልና ክርስቶስ እዩ ንሱ ምእንቲ ድሕነትና በጃ ሓሊፉ በዚ ኸአ ደቂ ሰማይ ገሩ ምስ ሰማያዊ አቦና ዓሪቑና። እዚ ገንሸል ሎሚ እውን አብ መስዋዕተ ቅዳሴ ዕለት ዕለት ይስዋእ አሎ። እሞ ተሳትፎና አብ መስዋዕቲ ክርስቶስ ክሳብ ክንደይ እዩ፥ ሎሚ ርእስና ንርአ።

ጥምቀት እምብአር ናይ ኢየሱስ ምልኪ አብልዕሊ ርእሱ እዩ ዘመልክት። “ንሱ እቲ ብዛዕብኡ ሓደ ሰብአይ ብድኅረይ ኪመጽእ እዩ፥ ንሱ ብቕድመይ ስለ ዝነበረ ይዓብየኒ እዩ ዝበልኩኹም እዩ”። እዚ አብቲ መባእታ ወንጌል ዮሓንስ ከም እንረኽቦ ቃል እግዚአብሔር ቅድሚ ፍጥረት ዓለም ከም ዝነበረ ዝነግር እዩ (ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ንኢየሱስ ብቝርብ ብዕድመ ይዓበዮ እዩ)። ዮሓንስ ስለምንታይ የጠምቕ ከም ዝነበረ ይገልጽ፥ ኢየሱስ ብደቂ ኢስራኤል ክፍለጥ ንማለት እዩ። ጥምቀት ዮሓንስ ሕድገት ኃጢአት አየውህብን እዩ ጥምቀት ክርስቶስ ግን ሕግደት ኃጢአት ይህበና። ቀጺሉ ብዝጻረር ዝመስል ክሳብ እዚ እውን አይፈለጥክዎን ይብል እዚ ግን ምስቲ ናይ ካልኦት ወንጌላውያን ዝጋጮ ይመስል ምኽንያቱ  ሰለስቲኦም ወንጌላውያን ፆሓንስ ናይ ቀረባ ዘመድ ከም ዝኾነ እዮም ዘዘንትዉ።

ድሕርዚ ዮሓንስ ከምቲ አብ ማቴዎስን ሉቃስን እንረኽቦ ብዛዕባ ጥምቀት ኢየሱስ ይዛረብ። ንሱ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ አብ ልዕሊኡ ኺዓልብ ከሎ ረአኹ ይብል። በዚ ኸአ ነቲ ቀጻሊ ርክብ ምስ እግዚአብሔር አብኡ ዘለዎ ይገልጽ። ርግቢት አምሳል ሓዲስ ሕይወት እያ እዚ ኸአ አምሳል እታ ንኖኅ ማይ አይኂ ደው ከም ዝበለ ዝገልጽ ቆጽሊ ዘምጽአትሉ እዩ። እቲ ዮሓንስ ከጠምቆ ዝሓተተ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስ ከጠምቕ እዩ። ዮሓንስ መጥምቅ ንዝርአዮ ክድምድም እንከሎ “አነ ኸአ ረአኹ ንሱ ወዲ አምላኽ ምዃኑ ድማ መስከርኩ” እናበለ ይገልጽ።

ነፍሲ ወከፍና አብ ጥምቀትና መንፈስ ቅዱስ ተቐቢልና ኢና። እዚ ንሕና ዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ ንሱ እዩ ንኢየሱስ አብ ኩሉ መሲሓዊ ተልእክኡ አብ ዝልዓለ ጥርዙ ክሳብ ሞት አብ መስቅል ዘብጽሖ። እዚ መንፈስ እዚ አሰር ክርስቶስ ስዒብና አብ ኩሉ ስርሑ ምስኡ ኮና መንግስቱ ክንሃንጽ ዘበራትዓና እዩ።

ጥምቀት ብዙሕ ትርጉም ክውሃቦ ይክአል እዩ እቲ ቀንድን ልዕሊ ኹልን ግን ዳግም ምውላድ እዩ። አብ ጥምቀት ከምብሓዲስ ተወሊድና፡ ሓደስቲ ፍጥረት ኮና፥ እዚ ብሓቅ ሓደስቲ ምዃን ዝገልጾ ካብ ሕጂ ንድሓር ካብቲ ዝነበርናዮ ፍሉያት ኮና አሎና።

ፍላስፋታት ብዛዕባ መሰርት ተፈጥሮና ክዛረቡ እንከለዉ ከም አብ ስነ ህላዌና (Ontological) ከም ዝምስረት ይገልጹ። ንሕና ብስነህላዌና ሰብኡት ወይ አንስቲ ኢና፥ ብስነ ህላዌ ሰባት ኢና። ሰብ ሓንሳብ ምስ ተፈጥረ እቲ ዝተፈጥሮ እዩ ሰብአይ ናብ ሰበይቲ ወይ ሰብ አብ እንስሳ ክልውጦ ዝኽእል የለን። ስነህላዌና ብዘይካ አብ ምስጢራት ዘይግሃስ ዘይብጻሕ እዩ።

ዝተጠመቕና ኩልና ካልአይ አብ ሓዲስ መለኮታዊ ሕይወት አምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወለድና ኢና። እዚ ሕይወት ብኃጢአት ብቀዳሞት ወለድና አዳምን ሔዋንን አጥፊእናዮ፥ ምስኡ ዕርክነት ምስ አምላኽ አጥፊእና። ናይ ጥምቀት ተሓድሶና ከምቲ ናይ ሓደ ገዛ ብምልቕላቕ እነገብሮ ለውጢ አይኮነን ዘምጽአልና። አብ ጥምቀት ጨሪሽና ንልወጥ Ontologically ሓደስቲ ፍጥረት ንኸውን። ድሕሪ ጥምቀት መንፈስ አምላኽ አባና አብ ውሽታዊት እንታይነትና ይሓድር እሞ ደቂ አምላኽ ይገብረና፥ ስለዚ አባላት ህዝቡ አብዚ ምድሪ ኮና ዓድና ሰማይ ኩሉ አብቲ መወዳእታና ዝኾነ መንግስተ ሰማይ ዝዓለለመ ይኸውን።

ሎሚ ንኹልና ጽቡቕ አጋጣሚ እዩ አብ ጥምቀትና ክነስተንትን። ጥምቀትና ሓደ ቅድሚ ዓመታት ሓንሳብ ዝተቐበልናዮ ብእኡ ክርስትያን ዝኾና አይኮነን። ጥምቀት ከም ሓደ ስርዓት ሓንሳብ እትገብሮ እሞ አባኻ ተአምራት ዝፍጽም አይኮነን። ጥምቀት ንምሉእ ሕይወትካ ዕለት ዕለት ክትነብሮን ክትሕድሶን መብጽዓ አቲኻ ጀማሪ ጉዕዞ ሓዲስ ሕይወት እዩ። ጥምቀት መጀመርያ መስርሕ አብ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ክትዓቢ እትፍልሞ እዩ።

ጥምቀት መጸዋዕታ እዩ።አብ ሓዲስ ሕይወት ተወሊድና ኢና፥ ብወገና ነዚ ዝተዋህበና ክነብሮ ጽዉዓት ኢና። አብ ሕይወትና ከም ሓደ ዝጠብቕ ነገር ዝተዋህበና ነገር አይኮነን ንምሉእ ሓዲስ መገዲ ሕይወት ብምልአት ክነብሮ ዝተዋህበና ፍሉይ ጸጋ እዩ። እዚ መጸዋዕታ ዕድመ አይኮነን ትእዛዝ እዩ። መጸዋዕታ ጥምቀት ዕድመ እዩ ነቲ ዝተቐበልናዮ ጥምቀት ክነብሮ ዝእዝዘና አብ ውሽጡ ከአ ነቲ ኩሉ ፈተናታትን አብ እንነብሮ ሕይወት ዝገጥመና ዝሓዘ እዩ።

ጥምቀትና ተመክሮ ማኅበር እዩ። ናይ ግሊ ወይ ናይ ስድራ ጉዳይ አይኮነን ወላ እኳ ክነብዕሎ እንከሎና ከምኡ ዝመስል መልክዕ እንተ አለዎ። አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ንጡፍ ተሳታፍነት እምበር ሰማዕን ዘይዋሳእን ምዃን ንጥምቀትና የደስክሎ እዩ። ንቤተ ክርስትያን እንታይ ኽገብረላ እምበር እንታይ ክትገብረለይ ዝብል መንፈስ አጥፊእና አብ ኩሉ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ክንዋሳእ ጥምቀታዊ ሓላፍነትና ይግድደና እዩ።

ኩልና ሕያው ምስክር ወንጌል ክንከውን ጽዉዓትን ሕሩያትን ኢና። ጨው ዓለም፥ አብ እምባ ዝተደኮነት ከተማ፥ ንኹሉ እተብርህ መብራህቲ ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና። ጥምቀትና መወዳእታ ዘይብሉ መጸዋዕታ አሰር አሰር ኢየሱስ ክትጉዓዝ ዝዕድም እዩ። ሎሚ እምብአር ነቲ አብ ጥምቀት ዝአቶናዮ ኪዳን እንሕድሰሉ እዩ። ንተልእኮ ክርስቶስ ክንቅጽሎ ስንድዋት ከምዝኾና በዚ ብሩኽ መዓልቲ ክነረጋግጽ ይግባእ።

አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ክንርድኦን አብ ግብሪ ክነውዕሎን ዘሎና መደብ አለዎ፥ ንሱ ኸአ ዘደንቕ መደብ ሰላም እዩ። ብጥምቀት ዝጀመረ እሙን ኮንካ ክሳብ አብ ሰማይ ምስ አምላኽ አብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ብምልአት እትለብሶ እትጉዓዞ ሕይወት ስለ ዝኾነ ዕለት ዕለት ምሉእ ተአምኖ ገርካ ዝንበር ሕይወት እዩ።

ኦ አምላኽ ንአና ንደቕካ ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን ዝተወለድና እሙናት አብ ጸዋዕታና ኮና ክነብር ሓግዘና ንበሎ። ንኹሉ መብጽዓና ሓዲስና እሙናት ደቁ ኮና እንነብረሉ ጸጋ ይዓድለና። ዓድና ዓዲ ሰላምን ፍቕርን ይግበረልና።

ብሩኽ ብዓለ ጥምቀት

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

20 January 2020, 13:12