ተዝካረ ሕፃናት -  ሓላዪ ንዘይብሎም ክንሓልየሎም ይግባእ። ተዝካረ ሕፃናት - ሓላዪ ንዘይብሎም ክንሓልየሎም ይግባእ።  

ተዝካር ብሄሮዱስ ዝተቀትሉ ንጹሓን ሕፃናት

ተዝካረ ሕፃናት ዝብል አብ ስርዓት ልጡርግያና ብዕሊ ዝዝከር ብዓል አይኮነን ግን አብ ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ካብ ፭ይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ይብዓል ከም ዝነበረ ታሪኽ ይነግረና። አብ መጽሓፍ ግጻዌና አብ ዕለት 30 ታሕሣሥ ብግዕዛዊ አቆጻጽራ ይዝከር ከምኡ ቍጽሪ ናይ እቶም ዝተቀትሉ ክሳብ 144000 ከም ዝበጽሕ ይንገር እዚ ግን ምስቲ አብ ራእይ ዮሓንስ ዘሎ ቍጽሪ ንምምስሳል ዝኾነ እዩ ዝመስል።

ንባባት፡  ፊሊጵ 3፡15-ፍ፥ 1ዮሓ 1፡5-2፡2፥ ግ.ሓ. 19፡8-21፡ ማቴ 2፡13-18።   ምስባክ፡ ወይርአዩ አህዛብ በቅድመ አዕይንቲነ፥ በቀለ ደሞም ለአግብርቲከ ዘተክዕወ፥ ይባዕ   ቅድሜከ ገዐሮሙ ለሙቁሓን (መዝ. 78፡10-11)።

ተዝካረ ሕፃናት ዝብል አብ ስርዓት ልጡርግያና ብዕሊ ዝዝከር ብዓል አይኮነን ግን አብ ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ካብ ፭ይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ይብዓል ከም ዝነበረ ታሪኽ ይነግረና። አብ መጽሓፍ ግጻዌና አብ ዕለት 30 ታሕሣሥ ብግዕዛዊ አቆጻጽራ ይዝከር ከምኡ ቍጽሪ ናይ እቶም ዝተቀትሉ ክሳብ 144000 ከም ዝበጽሕ ይንገር እዚ ግን ምስቲ አብ ራእይ ዮሓንስ ዘሎ ቍጽሪ ንምምስሳል ዝኾነ እዩ ዝመስል። አብ ላቲናዊ ስርዓት ዝኽተሉ 28 ታሕሣሥ ብኽብሪ ተዘኪሩ ይብዓል። ብዙሓት ካቶሊካውያን ተመራመርቲ ቍጽሪ ዝተቀትሉ ካብ 6-20 አይሓልፍን እዩ ይብሉ፥ እዚ ኾይኑ እቲ ማቴዎስ ወንጌላዊ ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ይነግረና።

አብ ብሉይ ኪዳን ነዚ ቅትለት ሕጻናት ዝመሳሰል ብዙሕ ንርኢ። ፈርዖን ንሕጻናት እስራኤል ንንግስነቱ ከይወዳደርዎ ይቐትል ከም ዝነበረ ሙሴ አምሳል ክርስቶስ ኮይኑ ከምዝድሓነ አብ ዘፅአት ንርእዮ። ኤርምያስ ነብይ አብ 31፡15-17 ብዛዕባ ቅትለት ንጹሓት ሰባት ይነግር፥ ድሕሪ ሞቶም ከአ ከም ዝሕጎሱ ይነግረና። ቅ. አጎስጢኖስ ነዚ ርድኢት ሒዙ ብዛዕባ ቅትለት ሕጻናት አብ ዝሰበኾ “ምእንቲ ክርስቶስ ጥራሕ አይሞቱን አብ ክንድኡ ሞይቶም” ይብል በዚ ኸአ ሰማዕታት ይቍጸሩ።

 ማቴዎስ ወንጌላዊ ከም ዝሕብረና ሄሮዱ ንጉሥ መጀመርያ ናይ ይሁዳን ገሊላን ዝነበረ አብ መጨረሻ ኸአ ብሄረዱስ ዓቢይ ዝፍለጥ ንጹሓት ሕፃናት አብቲ ኢየሱስ ዝተወልድሉ እዋን ካብ ክልተ ዓመት ንታሕቲ አብ ከተማ ቤተ ልሔምን ከባቢአን ንዝነበሩ ከም ዝቐተሎም ይነግረና።

ሄረዱስ ካብ ሰብአ ሰገል ካብ ርሑቕ ምስራቕ ዝመጽኡ ብመጽናዕቲ አስትሮሎጂይ ዝፈልጡ ማለት ከዋኽብቲ ብምዕዛብ ዝመጽእ ወይ ዝኸውን ነገራት ዝነግሩ እዮም፥ ንሶም ኮኾብ ርእዮም ምልክቱ ሓደ ዓቢይ ንጉሥ ተወሊዱ ከም ዘሎ ዝሕብር ስለ ዝርአዩ ንእኡ ተኸቲሎም ክሰግዱሉ ነዊሕ ጊዕዞ ተጓዒዞም አብ ኢየሩሳሌም መጺኦም። ንሄረዱስ ገዛኢ ሃገር ንሱ እዩ ዝያዳ አፍልጦ ዝህልዎ ኢሎም ሰናይ ብስራት ዘበሰሩ መሲልዎም አበይ ከምዝውለድ ክነግሮም ሓቲቶሞ። ሄሮሱስ ነገሩ አሰንቢድዎ ንሊቃውንቲ ሃይማኖትን ሃገርን አበይ ከምዝውለድ ክሕብርዎ ሓቲቱ። ሊቃውንቲ ሃገር ከአ አብቲ ቅዱሳት መጻሕፍትን ነብያትን ብዝሓበርዎ አብ ቤተልሔም ዘይሁዳ ከም ዝውለድ ነጊሮሞ። ሄሮዱስ በዚ ሓዲስ ወረ ተረቢሹ አብ ታሪኹ ከም ዝፍለጥ ዝኾነ አብ ስልጣኑ ዝወዳደሮ ወይ እውን ዝጠርጠሮ ይቐትል ነሩ ካብተን ብዙሓት አንስቱ ከምኡ ደቁ ካብ ሥልጣነይ ከውርዱኒ ሓሲቦም ብዝብል ዝቐተሎም አለዉ። ነዚ ሓዲስ ንጉሥ አይሁድ ተወሊዱ ዝብሃል ዘሎ ንግስነተይ ዝወዳደረኒ ክቐትል አለዎ ኢሉ ወሲኑ።

ሄሮዱስ አብ ኪንዲ እንቋዕ ድሓን መጻእካና ኢሉ ንቲ ሓቀኛ ጎይታን ንጉሥን ነቲ ኩሎም ነብያት ዝተነብዩሉ ዝቕበል አብ ናይ ገዛ ርእሱ ፍርሒ፥ ቅንኢን ስሳዓን ጥራሕ አድሂቡ ክቐትሎ እዩ ወሲኑ። በዚ ምኽንያቱ እዩ ወተሃደራቱ ልኢኹ አብ ቤተልሔምን ከባቢአን ዝነበሩ ሕፃናት ትሕቲ ክልተ ዓመት ዘበሉ ዝቐተለ።

ታሪኽ ሄሮዱስ እንተ ርአና ንሱ አይሁዳዊ አይነበረን ካብ ዓለት ኢዶም ዝተባህሉ ካብ በረኻታት ከባቢ ዓረብያን ይሁዳን ዝመጽኡ እዮም። ንሱ አብ ስልጣን ዝመጸ ሮማውያን ንጳለስጢና ምስ ሓዝዋ ሄሮዱስ ናታቶም ደጋፊ ስለ ዝነበረ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ሓሽሞናውያን ንጉሥ ስዓሩ ሄሮዱስ ዓቢ ብዝብል አብ ትሕቲ ሮማውያን ንጉሥ ኮይኑ ነጊሡ። ሄሮዱስ ክፉእ ጥራሕ አይ ኮነን ገሩ ገለጽቡቕ እውን ገሩ እዩ፥ ንቤተ መቕደስ ካልአይ ጊዜ ሓዲሱ ሰሪሕዎ። ሓደስቲ ኸተማታት ከም ብዓል ቂሳርያን ከምኡ ብዙሕ ሕንጻታት ብስሙ ግንብታትን ዕርድታትን ሃኒጹ። አብ ግዝአቱ ጥመት ምስ ወረደ ንኹሉ ዝነበረ ወርቂ መንግስቲ ሸይጡ ካብ ጥመት አድሒንዎም። ጸገሙ ብሥልጣኑ እንተ መጻእካዮ እዩ። ንሱ ሓደ ካብቲ ብዝያዳ ዝፍለጠሉ ብጣዕሚ ሥልጣን ክብሪ ስምን ክብሪ ዓለም ዝደሊ ሕሱም ገዛኢ እዩ ነሩ። በዚ ምኽንያት እዩ ልደት ኢየሱስ ንጉሥ አይሁድ ተወሊዱ ምስ በልዎ ክድቅስ አይክአለን።

ሰብ አብ ክብርን ዝናን ንገዛእ ርእሱ ምስ አድሃበ ንሓቅን አምላኽን ስለ ዝርስዕ አብ ዓበይቲ ግፍዕታት አብ ምፍጻም እዩ ዝአቱ። አብ ታሪኽ ዝደጋገም እዩ፥ ብፍላይ አብ ሥልጣንን ንግሥነትን ዝበጽሑ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ስለ ዘይደልዩ ዝክአሎም ይገብሩ ንብዙሓት ንጹሓት ሓንቲ ዘይገበሩ አብ ስልጣነይ መጺኦምኒ ኢሎም ይቐትሉ። ከምዚ ዝገብር አምላኽ ዘይብሉ ሕይወት ዝነብር ዝገብሮ እዩ። ስሳዐ ህርፋን ፍምኢ ስልጣን ሕማም እዩ ንብዙሓት አሕሚሙ ንሕይወት ብዙሓት ንጹሓት ብኾንቱ ከም ዝሓልፉ ይገብር።

ንጉሥ ሄሮዱስ ባዕሉ ብምሉእ ነጻነቱ ነዚ ሕማቕን ጨካንን ውሳኔ ኽገብር መሪጹ፥ ነቲ አምላኽ ዝሃቦ ነጻነት፥ ሥልጣን ሓላፍነት ንኻልኦት ከገልግልን ክሕግዝን አብ ጽቡቕ ከውዕሎ አይደለየን፥ ሳዕበኑ ኸአ አብ ቅትለትን ዓመጽን ሕይወት ንጹሓት ሕጻናት ብዘይ ገለ ምኽንያት ፈጺሙ ንብዙሓት ስድራታት ቤተልሔም አዘኽቲምወን አጥፊእወንን። እዚ ንጹር አብነት ሥልጣንን ዓለማዊ ክብርን ብዘይ መገዲ ክንመርሒ እንተ ጀሚርና ሕልና አጥፊእና ንሕማቕ አብ ምግባርን ንኹሉ ሕይወትና አበላሽዩ አብ ኃጢአት ከምዘውድቐና ዝገልጽ እዩ።

እዚ ቅትለት ሕፃናት ቤተልሔም አብዛ እንነብረላ ዓለም ሄሮዱስ ጥራሕ አይ ኮነን ፈጺምዎ ሕጂ እውን ብዙሕ ውግእ ተጻብኦን በብዓይነቱ ግፍዕታት አብ ታሪኽ ተፈጺሞምን ይፍጸሙን እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሰብ ነቲ አምላኽ ዝሃቦም ነጻነትትን ጸጋን ዝተዓደሎም ሓዲጎም ንሥልጣን አብ ጥቅምን ጣዕሚ ርእሶምን ጥራሕ ብምሕሳብ ንብዙሓት አደዳ ሞትን ስደትን ውርደትን ገሮሞም ይነብሩ። እቲ ዝገርም እቶም ግፉዓት እናሞቱን ተሳቐዩን እቶም ገፋዕቲ ቅጭጭ አይብሎምን ሽዑ ብዙሓት መሰሎምን ናጽነቶምን ክመልሱ አብ ጎነጽን ውግእን ይአትዉ። ካብኡ ዝገደደ ታሪኽ ከም ዝሕብሮ እቶም ንነጻነትን መሰልን ዝተቓለሱ ዝተዋግኡ ናጽነት ምስ ረኽቡ አብ ስልጣን ምስ ደየቡ ዝገደዱ ንሶም ከአ ጨኮንቲ ቀተልቲ ሓርድቲ ይኾኑ። ሰብ ሥልጣኑ ብአምላኽ ዝተዋህቦ ንአገልግሎት ምዃኑ ክሳብ ዘይአመነን ተቐበለን ብስም ንመሰልን ንነጻነትን ብስም ተዋጋእካ ወይ እውን ብአፍካ ንውጹዓት መሰሎም እጣበቅ ብስም አልካን ለፍለፍካን ግፍዒ ተአልዩ ማለት አይኮነን። እዋና እውን ብዙሓት ሄሮዱሳት ዝበዝሕዎ እዩ ኮይኑ ዘሎ።

ዘመና ሓደ ካብቲ ብብዝሒ ሕፃናት ዝቕተለሉ ዘሎ ዘመን እዩ። አብ ማሕጸን አዲኦም እንከለዉ ብጨካን አገባ ጽንሲ ምስዳድ ሓደ ካብቲ ናይ ሄሮዱስ ዘይፍለ አረመናዊ ጭካኔ እዩ። ንአብነት አብ አመሪካ ካብ 1973 ክሳብ ሎሚ አብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ልዕሊ 50 ሚልዮን ሕፃናት ብጽንሲ ብምስዳት ተቐቲሎም። አብ ዓዓዱ ብዙሓት በብዕለቱ ይቕተሉ አለዉ፥ አብ ሃገርና እውን ወላ እኳ ብሕጊ መንግስቲ ጽንሲ ምስዳድ ክልኩል እንተ ኾነ ብዘይሕጊ ብዙሓት ሕጻናት አብ ማሕጸን አዲኦም እንከለዉ ይቕተሉ። እዚ ዝኸፍአ ኃጢአት እዩ። አምላኽ ዝፈጠራ ነፍሲ ምቕታል አብ ቅድሚ አምላኽ የፍርደና በዚ እዩ ዓለምና ዝሳቐ ዘሎ። እዚ ጨካን ተግባር ሰብ እናለመዶ ከይዱ “ዘይትሰድዮ፥ ስደድዎ” እናተባህለ ነታ አምላኽ ዝፈጠራ ነፍሲ ክትነብር ክትመውት ወሰንታ ኮና ናይ ብዙሓት ንጹሓት ደም ነፍስስ አሎና። ብሓቂ ንስሓ ዘድልዮ እዋን ኢና ዘሎና። ቤተ ክርስትያን አፍ ክርስቶስ ኮይና ተእዊ አላ ኃጢአትዩ አይትቕተሉ ትብለና አላ።

ታሪኽ ዓለምና እንተ ርአና ነፍስወከፍ ዘመን ናይ ገዛእ ርእሳ ሄሮዱስ አለውዋ። ቀተልቲ ዓመጽቲ አብ ሥልጣን ምስ ደየቡ ክወርዱ ዘይደልዩ እሞ አብ ሥልጣን ክነብር ንዝኾነ ዝቋወሞም ዝቐትሉ ናይ ዘመና ፋሽን እዩ እንተ ተባህለ ምግናን አይኮነን። ሰይጣን ዝመለኾ ሰብ አብ ጭካኔን ንአይ ይጥዓመንን እዩ ዝነብር። ብዙሓት ክርስትያን ብሰማዕትነት ይሓልፉ እንርእዮ ዘሎና ዘመና ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ XVI ብ2012 አብ ሓደ ስብከቶም “ጨካን ተግባር አኽረርትነት” ብዝብል ሰቢኾም። አብ ናይጀርያ አብ ዋዜማ ልደት ቅዳሴ ንምስማዕን ጸሎቶም ንዝገብሩ ዝነበሩ ብገለ አኽረርቲ አብ መንጎ ጸሎት ቦምባ ተኲሶም ንብዙሓት ቀቲሎም አብያተ ክርስትያናት አቃጺሎም። ነዚ ሰይጣናዊ ተግባር ዓው ኢሎም ወጊዞም። እዚ ኸምዚ ዝአመሰለ ሰይጣናዊ ግብሪ ዳርጋ አብ ምሉእ ዓለም መልክዓቱ እናቐያየረ ፖሎቲካ፥ ሃይማኖት፥ እናበልካ ዝደለኻዮ ስም ብምሃብ ንንጹሓት ክትቀትል እትጥቀሞ መላ ኮይኑ አሎ። ብሓቂ ሰይጣን ንልቢ ብዙሓት ሰሊቡ ዓለም ምድረ ሲኦል ኮይና ንርኢ አሎና። አብ ልብና ተመሊስና ሕጊ አምላኽ ክነኽብር ጥራሕ እዩ እቲ ምርጫ። ዘመና አብ ዝተፈላለዩ ክፍላት ዓለም ብዙሓት ብሰንኪ እምነቶም ከምኡ ገለ ብሰንኪ አብ ስልጣን ዘለዉ አደዳ ሞትን ስደትን ኮይኖም ዝርአዩሉ እዩ ኮይኑ ዘሎ።

ክርስቶስ ብርሃን ዓለም አብ ጸላም ከብርህ እዩ መጺኡ፥ ካብ ጸላም ናብ ብርሃን ክመርሓና፥ ካብ ንአይ ጥራሕ ይጥዓመኒ፥ ካብ ነነድሕድና ዝፈላልየና ክንወጽእ፥ ካብቲ ናይ ገዛእ ርእስና መንግስቲ ወይ ግዝአት ፈጢርናዮ ዘሎና ካብኡ ወጺእና አብ ደምበ ብርሃን ክርስቶስን ሓዋትና ክንምለስ ክሕግዘና እዩ መጺኡና ዘሎ። ነዚ ብርሃን ክርስቶስ አብ ሕልናና ከም ዝበርህ እንገብሮ ንሕና ኢና። ዮሓንስ ወንጌላዊ ነዚ ኽገልጸልና ኢሉ “ናብቶም ናቱ መጸ እቶም ናቱ ኸአ አይተቐበልዎን፥ ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ንዚአመኑ ኹሎም ግና ውሉድ አምላኽ ኪኾኑ ሥልጣን ሃቦም” (ዮሓ 1፡11-12) ይብለና።

ልደት ናይ ብርሃንን ሕይወትን ብዓል እዩ። ዘንጸባርቕ ሕይወት ክርስቶስ አብ ኩልና ከብርህ እሞ ኩልና ንሓቂ ንጽድቂ ርኢና ንአምላኽና ክነለሊ ዘዘኻክረና ቅዱስ እዋን እዩ። አብ ዓለም ንብርሃን ክርስቶስ ከጸልምት ዝጽዕር ብዙሕ እዩ በዚ እያ ቤተ ክርስትያን ዓመት ዓመት አብዚ እዋን ንብርሃን ክርስቶስ ዘኪርና ንሕና እውን ነቶም ብርሃኖም ጠፊእዎም አብ ጸልማት ሕልና ዘለዉ አሕዋትና ክንኩልዓሎም እተዘኻኽረና።

አብ ርእስና ክንምለስ ንሕና እውን አብ ገለ እዋናት ንርእስና ክጥዕመና ኢልና ንኸማና ዝበሉ አሕዋትና አብ ስቓይ ወይ አብ ሽግር ዘእቶና ክንህሉ ንኽእል ኢና። እዚ ብብዙሕ መገዲ ክንገብሮ ይክአል ግድን ሕይወት ምሕላፍ ማለት አይኮነን፥ ብቅንኢ ትዕቢት ንአይ ይጥዓመኒ ብዝብል መንፈስ ተወሪስና ንኻልኦት ክነሳቅን ክነዋርድን እንከሎና ንሕና እውን ካልኦት ሄሮዱሳት ንኸውን። ንሄሮዱስ ዝገበሮ ግፍዕን ቅትለትን ቅድሚ ምፍራድና አብ ርእስና ንመለስ ንሕልናና ንሕተት አነኸ እንታይ ዝገበርክዎ ነገር አሎኒ ንበል። እምነትና ከምቲ ክነብሮ ዝግብአና ገርናዶ ንነብሮ አሎና? ግብርና ክብሪ አምላኽን ሓጎስን አብሕይወት ካልአት ዘምጽእ ገርናዶ ንመርሕ አሎና ወይስ ንገዛእ ርእስና እንረብሓሉ ነገር ጥራሕ ንገብር አሎና ኢልና ሕልናና ንሕተት።

አብዚ ዘመን ልደት ህድእ ኢልና ከንስተንትን ይግብአና። ብዓል ልደትና ትርጉም ዝመልኦ ሓቀኛ ሓጎስ ክርስቶስን ዝሰፈኖ እምበር ደጋውን አምሰሉን ዝኾነ ሓጎስ፥ ስሳዐ ዓለም ዝበዝሖ፥ ሓደ ዓይነት ስሳዐ ከምቲ ንሄሮዱስን ንብዙሓት አብ ዝተፈላለየ ኃጥአት ዘውደቐ ከይከውን ምስትውዓል ይሓተና። ኩልና ካብ ፍጹም አምልኾ ንዋይ ዓለምን ሓጎሱን ሸውሃታቱን ብፍላይ አብዚ ቅዱስ እዋናት ልደት ክንልወጥ አሎና።

ነዞም ንጹሓት ሕፃናት እናዘከርና እምብአር ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት አብ ሞትን ውርደትን ዘለዉ እናሓሰብና ንርሕሩሕ አምላኽ ክዕረቐና ንለምኖ። ሰብ አብ ልቡ ተመሊሱ ሕጊ አምላኽ ከኽብርን ክሰምዕን ንጸሊ ነታ አደ ሕዙናት ዝኾነት ማርያም ብልቢ ንለምና። ግፍዒ ሞት ደው ኢሉ ልደት ክርስቶስ አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ሰላምን ንጽሕናን ፍቕሪ አምላኽን የውርደልና። ንኹሎም ብግፍዕን ዓመጽን ካብዚ ዓለም ብሞት ዝሓለፉ አብ ሕቕፉ ተቐቢሉ ደሞም ደም ሰማዕታት ኮይኑ ዘመና ይቐይረልና።

አምላኽ አብ ኩሉ ዝተመስገነ ይኹን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

14 January 2020, 09:59