ድለ

2020.01.28 ዓውደ ዓመት ሰንበት ዘቃለ እግዚኣብሔር 2020.01.28 ዓውደ ዓመት ሰንበት ዘቃለ እግዚኣብሔር 

ዓውደ ዓመት ሰንበት ዘቃለ እግዚኣብሔር

ኣብ ኲለን ቊምስናት ርእሰ እጳርቅና ኣሥመራ ብቃል ኣምላኽ ጸሎት ሣልስትን ኣስተንትኖን ክግበር ምስ ቀንየ፣ ከምቲ ሊቃነጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝኣወጅዎ፡ እታ በዂሪ ሰንበት ዘቃለ እግዚኣብሔር 26 ጥሪ 2020 ተዘኪራን ተኸቢራን ውዒላ። ብሕልፊ ኣብ ከተማ ኣሥመራ ጸሎት ሣልስትን ኣስተንትኖን ኣብ ቀቊምስናኡ፡ ኣብቲ ዕለቱ ድማ ብዙኃት ምእመናን ዝተሳተፍዎ፣ ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ሊቀጳጳሳት ዘበመንበረ ርእሰ ኤጳርቕና ኣሥመራ ብቆሞሳት ተሰንዮም ዝመርሕዎ መሥዋዕቲ ቅዳሴ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ዓረገ። ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ቃል እግዚኣብሔር ምስ ቃል ሰብ ከይነደባልቆ፣ ንቕዱስ መጽሓፍ ብምስትውዓል ክንፈልጦ፡ ከነንብቦ፡ ክንማሃሮ፡ ከነበሥሮ ኣማሕጺኖም።
ብድምጺ ንምክትታል!

ቃል ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ  ብሓጺሩ፥-

ፍቁራን ሕዝበ እግዚኣብሔር፡ ሎሚ ሰንበት ዘቃለ እግዚኣብሔር ኣብ ምሉእ ዓለም ይዝኸርን ይበዓልን ኣሎ። ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኲለን ቁምስናታት ወይ ከኣ ማኅበር ክርስትያን ፍቅሪ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ከሓድረና፣ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ከሓድረና፣ ኣብ ኲሉ ቃል እግዚኣብሔር ክኸብር፣ ሓንቲ ሰንበት ድማ ንቃል እግዚኣብሔር ኪትውፈ፣ ኣብታ “ምሕረትን ውርደትን” (ቁ.17) ዝኣርእስታ ሓዋርያዊት መልእኽቶም ተመንዮም ነይሮም። ብ30 መስከረም ከኣ ትምኒቶም ሰሚርሎም፣ “ኣእምሮኦም ከፈተሎም” (ሉቃ 24፡45) ዝኣርእስታ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዘርግሑ።

ክልተ ካብኣቶም ደቂመዛሙርቱ፡ ተስፋ ቆርጾም ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኤማሁስ ዚወስድ መንገዲ፡ ንምዕራብ ገጾም ኪኸዱ ከሎው፣ ኢየሱስ ከም ጋሻ ሕውስ ኢሉ ብዛዕባ እንታይ ይዛረቡ ከም ዝነበሩ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ ንስኻ ጥራሕ ዲኻ ጋሻ ነዚ ኢየሱስ ናዝራዊ ዝረኸቦ ዘይፈለጥካ በልዎ። ንሱ ኸኣ ኣቱም በሓቂ ድንዙዛት፡ ዝንጉዓት፣ እቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ወድሰብ ኪቅተል፡ ኪመውት፣ ኣብ ሣልሰይቲ መዓልቲ ከኣ ኪትንሥእ እዩ ዝበሎ ዘይትዝክሩ እናበለ እንደገና ካብ ቅዱሳት መጻሕፍት ክገልጸሎም ጀመረ። ደሓር ነተን ቅዱሳት ጽሑፋት ከስተውዕሉወን ኣእምሮኦም ከፈተሎም። ካብዚ ተበጊሶም እዮም ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ነዛ “ኣእምሮኦም ከፈተሎም” ትብል ጽሕፍቲ ዝለኣኹልና። ነዛ ሰንበት እዚኣ ካብ ሎሚ ንደሓር ዓመት ዓመት ከነብዕላ፡ ሰንበት ዘቃለ እግዚኣብሔር ኢልና ኪንጽዋዓ ኢና። ርእሰ ሊቃነጳጳሳት ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዝመረጹ፡ ቃል እግዚኣብሔር ነኣና ሕይወትና፡ ብርሃና፡ መራሒና ስለዝኾነ፣ ምእንቲ ፍቕሪ ቃል እግዚኣብሔር ከሓድረና፡ ጽምኣት ቃል እግዚኣብሔር ከሓድረና እሞ፣ ነቲ ቃል እግዚኣብሔር ብኣኽብሮት ምእንቲ ከነብቦ ከምኡውን ኣብ ግብሪ ምእንቲ ክንምክሮ ኢሎም እዮም። ኣብዚ ዓለም እዚ ብዙኅ ቃላት፡ ብዙኅ ዘረባ፡ ብዙኅ ጽሑፋት ግን ከኣ ዚለዋወጥ ኣሎ፣ ቃል እግዚኣብሔር ግና ፍሉጥን ዘይልወጥን እዩ። ስለዚ ቃል እግዚኣብሔር ምስ ቃል ሰብ ከይነደባልቅ፣ ክንፈልጦ፡ ከነንብቦ፡ ክንማሃሮ፡ ከነበሥሮ ኣማሕጽን።

ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝወጸአ፡ “ቃል እግዚኣብሔር” ዝብል ሰነድ፡ ቤተክርስትያን  ከምቲ ንቅዱስ ቊርባን ተኽብሮ ንቃል እግዚኣብሔር ከኣ ወትሩ ከም እተኽብሮ ይነግረና። ናይ ቃል ኣምላኽ ክብሪ ክሳብ ክንዲ እዚ እዩ። ካልኦት ብፍላይ ከንሻ፡ ንቃል እግዚኣብሔር ከም ድላዮም ከምብብዎ ክትርጉምዎ፣ ንሕና ካቶሊካውያን ግን በሰንኪ ናይ ጳጳሳት፡ ናይ ካህናት ሕመቅ ኣይነንብቦን። ኣብ ከንሻ ኩሉ ሰብ ቃል ኣምላኽ ኣንባቢ፡ ተርጓሚ ክኸውን ስለዝተባባዕ እዩ፣ ነፍስወከፍ ከከምቲ ዝመስሎ ዝትርጒሞ። ኣሸሓት ቤተክርስትያን ናይ ከንሻ ተፈላልየን ዘለዋ ሉተር ምስ ብጾቱ ካብ ቤተክርስትያን ምስ ተፈለየ፣ ሶላ እስክርብቱራ  (ቅዱስ መጻሓፍ ጥራሕ እምበር) ካልእ ዳይና የብለይን ስለዝበለ እዩ። ንሱ ነቲ ናይ ቤተክርስትያን ቅዱስ ትውፍት ኣይቅበሎን እዩ። ናብቲ ናይ ከንሻ መንፈስ ከይዝንብል ኢላ እያ እምበኣር፣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንደቃ ቅዱስ ምጸሓፍ ኣነ እየ ብጥንቓቀ ዚምህረኩም፡ ባዕላትኩም ኣይትወስድዎን ኢኹም ትብለና። ቅዱስ መጻሓፍ ዝብለና ኲሉ ኣብ ትምህርተ ክርስቶስ ኣሎ። ቅዱስ መጻሓፍ ኲሉ ክርድኦ ዚኽእል ቀሊል መጻሓፍ ኣይኮነን። ኣብ ቅዱስ መጻሓፍ ክንደይ ቃላት ኣሎ ክንርድኦ ዘጸግመና፡ ዘደናግረና ወይ ከኣ ዚገራጮ ዝመሰል። ምእንይት’ዚ ከይትጋገ መራሒ፡ መምህር የድልየካ። እዞም ነኣሽቱ ደቅና ኣንቢበ ባዕለይ ኪብጽሖ እየ እዮም ዝብሉ። ከምቲ ቅዱሳን ኣበው ዝበሉና፡ ቅዱስ መጽሓፍ በሓቅ ክትርዳእ እንተደልኻ ተንበርክኽካ ኣንብቦ። ተበርክኽካ ኣንብቦ ማለት ከኣ ናይ በሓቅ ብእምነት፡ ብጸሎት፡ ብትሕትና ኣንብቦ ማለት እዩ። እንተዘይኮነ ዘይናቱ ትርጉም ትህቦ።

ፍቁራን ሕዝበ ክርስትያን፡ ኣብዚ ሎሚ ዘበብናዮ ወንገል፣ ኢየሱስ ባዕሉ ኣይሁዳዊ እስራኤላዊ ስለዝነበረ ኣብቲ ምኹራብ ኣትዩ ካብ መጸሓፍ ኢሰይያስ ወሲዱ፡ ኣንቢቡ ኪገልጸሎም ከሎ፣ ኲሎም ኣዒይንቶም ተኺሎም ይጥምትዎ ነበሩ። ምኽንያቱ መጀመርያ ጽቡቕ ኣብቢዎ፣ ደሓር ከአ እቲ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ዝነበረ መኣዛ ዝመልኦ ቃላት ትርጒሙ ነይርዎ። ኢሳይያስ ነቢይ ቅድም 500 ዓመት ብዛዕባ ኢየሱስ፡ “መንፈስ እግዚኣብሔር ስለዝቀብኣኒ ንድኻታት ከበሥር፡ ንእሱራት ፍትሒ ክእውጅ፡ ንዕዉራት ኣዒንቶም ከብራሃሎም፡ ንጭቁናት ሓራ ከውጽእ እየ” ክብል ዝጸሓፎ ድሕሪ ኣንቢቡ፣ “እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ (ሉቃ 4:21) ክብሎም ከሎ ብዛዕባ ርእሱ እዩ ዝተዛረበ።

ሰንበት ዘቃለ እግዚኣብሔር
ሰንበት ዘቃለ እግዚኣብሔር

ፍቅራን ሕዝበ ክርስትያን፡ ቃል እግዚኣብሔር ንምፍላጥ ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ መጽሓፍ ወይ ወንጌል ክንበበልና ከሎ፣ ሰብ ኣይኮነን እግዚኣብሔር ባዕሉ እዩ ዝዛረበና እሞ፣ ከምቲ ኢየሱስ “ዝሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ ዝብለና፣ ኣእምሮና፣ ልብና፡ ኣእዛና ከፍትና ጽን ኢልና ክንሰምዖ ኣሎና፡። ምእንት’ዚ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ከነኽብር ከሎና፣ ቅድሚ ዂሉ ጎይታ ኣብ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን እቲ ሕይወት ዚህብ ቃልካ ዝሃብካና ነመስግነካ ኣሎና፣ ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ  ቃልካ ዝኾነ ክርስቶስ ዝሃብካና ነመስግነካ ኣሎና ንበሎ። ንሕና ከም ደቂሰብ መጠን ድኹማት ሥጋ ለበስ ስለዝኾና፣ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ብኣዒይንትና ብኣእዛና ብኣፍጫና ብኣእዳውና ብምትካፍ ኢና ነመሓላልፎ። ነቲ ዘይርአ ዘይስማዕ እግዚኣብሔር፡ ከም ዚስማዕ ከም ዚረአ ከም ዚትከፍ ስለዝገበሮ ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል እግዚኣብሔር ተባሂሉ ይጽዋዕ። በዚ እዩ ኸኣ ቃል ሥጋ ኮነ ዝብል። እቲ ብኦሪት ፡ብነብያት ብሓዋርያት ዝተጻሕፈልና ጽሑፋት ንድኅነትና እዩ ተጻሕፉ።

እንተኾነ ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ካልኣይቲ መልእኽቱ፡ ቅዱስ መጽሓፍ ቀሊል ጽሑፍ ኣይኮነን፣ ዝኾነ ምጽእ ኢሉ ዝጽሓፎ ኣይኮነን ዝብለና፣ ንክርድኣና ቀዳማይ ሓጋዚና ጽሎት እዩ። መንፈስ ቅዱስ ከብረሃለና ተበርክኽና ጸሎት ክንገብር ኣሎና፣ ከመይ እግዚኣብሔር እንተዘይ ኣብርሃልና ንቅዱስ መጽሓፍ ኣንቢብና ኣይንርድኦን ኢና። ካልኣይ  ነቲ ዕጽቅ ዝበለ ቃል ቅዱስ መጸሓፍ ኣለስልስ ኣብሎም  ክትርጒሙልና ክምግቡና ክገልጹና ዚሕግዙና ምሁራት ካህናት ደናግል መምህራን ትምህርተ ክርስቶስ የድልዩና። ጳጳሳት ካህናት ደናግል መማህራን ትምህርተ ክርስቶስ ናታቶም ቃላት ኪነግሩ ዘይኮነ ናይ ክርስቶስ ቃል ከም ዚስማዕ ከም ዚርዳእ ምምሃር እዩ ስርሖም። ከመይ ቅዱስ መጸሓፍ ብቃል ሰብ ዝተጻሕፈ ቃል እግዚኣብሔር እዩ። ቃል እግዝእብሔር ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ብቛንቃ ሰብ ስለዝተጻሕፈ ምስ እዚ ናይ ሎሚ ቛንቋ ዘስማማዕ ሓጋዚ የድሊ።

ልዕል ኩሉ ግን ኣብ ገዛውትኹም ዘሎ ቅዱስ መጽሓፍ ክንደይ ደሮና መልኢዎ ይህሉ። እንተወሓደ መጀመርያ ካብዚ ከድና ክንነግፎ፣ ካልኣይ ኣብ ገዛውትኹም ንቅዱስ ምጽሓፍ ፍሉይ ቦታ ኪትህብዎ፣ ምሸት ምሸት ወላ ሰለሰተ ጥቅስ ከተንብቡ፡ ብፍላይ መንእሰያት ቃል እግዝእብሔር ኣንቢብኩም ክትድቅሱ፣ ከምኡ ኸኣ ኣብ ቁምስና ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ወይ ክልተ ግዜ ቃል እግዚኣብሔር  ክንበብ ሓደራ። ግና ሓሐደ ግዜ ቅሩብ ኣንብብና፣ ንእግዚኣብሔር ኣነ ክዛረብ ንስኻ ስምዓኒ ኢና ንብሎ። ስለዚ ኣነን ንስኻትኩምን ግና ከም ሳሙኤል ንስኻ ተዛረብ ኣነ ኪሰምዓካ እየ ንበሎ።

ነፍስወከፍ ቊምስና መሐበሪ ኣንበብቲ ቅዱስ መጽሓፍ ከተቅውም፣ ንሰሙን ዝኸውን ስንቂ ሒዝና ምእንቲ ክንከይድ፣ ናይ ሰንበት ንባባት ብድሮ ኣንብብናዮ ክንሓድር ኣሎና፣ ከመይ ጽቡቕ እንተ ተነቢቡ ዳርጋ ፍርቂ ስብከት እዩ። ስለዚ ተማህሮ ዘርኣክህነት/ዘርኣምኲስና ንቃል እግዚኣብሔር ግዜ ክትህብዎ፡ ጽቡቕ ገርኩም ከተንብብዎ ሓደራ። ኣብ ቅዳሴ ሥርዓተ ግእዝ ኣርባዕተ ንባብ፣ ካብ ሓድሽ ኪዳን ብቀደም ተኸተል ዲያቆን ናብ ምዕራብ፡ ንፍቂ ዲያቆን ንሰሜን፡ ንፍቂ ካህን ንደቡብ፡ ሰራዕ ካህን ኣብ ማእከል ወሪዱ ንምሥራቅ ገጹ የንብብ፣ ናይዚ ትርጉም ከኣ ከምቲ ኢየሱስ “ሑሩ ወመሃሩ” ዝበሎ፣ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ዓለም ወላ ሐደ ቃል እግዚኣብሔር ከይሰምዓ ከይተርፍ ዚጽውዕ እዩ። ስለዚ ሎሚ  ንሰምዖ ቃል ሕይወት ኪግበረልና ጸሎትና “ቃልካ ንመገደይ ብርሃን እዩ (መዝ 119፡105) ይዂን። እግዚኣብሔር ከኣ በዛ ሰንበት ዘቃለ እግዚኣብሔር ገይርና ወትሩ ቃሉ ከም ነኽብሮ ይግበረልና።

ብሩኽ ዓውደ ዓመት!!

28 January 2020, 15:16